ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ”

“ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ”

“ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ”

“ኣሕዋተየ: እዚ ግና እነግር አሎኹ: እቲ ዘመን ሓጺር እዩ።”—1 ቈረንቶስ 7:29

1, 2. ኣብ ህይወትካ እንታይ ነገራት ክሓልፍ ወይ ክቕየር ርኢኻ፧

 ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ነገራት ክሓልፍ ወይ ክቕየር ርኢኻዶ፧ ገለ ኻብዚኸ ኽትዝርዝሮ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት: ኣብ ሕክምና እተገብረ ምዕባለ ኽጥቀስ ይከኣል እዩ። ሳላ እቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ እተገብረ መጽናዕቲ ናይ ገሊኣተን ሃገራት ገምጋም ዕደመ ተቐማጦአን ካብቲ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝነበሮ ትሕቲ 50 ዓመት: ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 70 ዓመት ንላዕሊ ዀይኑ ኣሎ! ነቲ ረድዮ: ተለቪዥን: ሞባይል: ከምኡውን ፋክስ ብግቡእ ብምጥቃም ዝረኸብናዮ ረብሓታት እውን እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ: መጐዓዝያ: ከምኡውን ሰብኣዊ መሰላት እተገብረ ንህይወት ሚልዮናት ሰባት ዘመሓየሸ ምዕባለ እውን ኣትሒትካ ዝርአ ኣይኰነን።

2 ይኹን እምበር: ሕማቕ ለውጢ እውን ተራእዩ እዩ። እቲ እናኣንቈልቈሎ ዝኸይድ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኰነ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ገበን: ሓሽሽ ምውሳድ: ፍትሕ: ዝቕባበ ቝጠባ: ከምኡውን ግብረ-ሽበራ ዕሽሽ ክበሃል ዝከኣል ኣይኰነን። በዚ ዀነ በቲ: ነቲ ነዊሕ ይገብር ሃዋርያ ጳውሎስ “ንብረት [ናብራ] እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” ብምባል ዝጸሓፎ ኸም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:31

3. ጳውሎስ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

3 ጳውሎስ ከምዚ ኽብል ከሎ: ንዓለም ምስ ትርኢት ዝረኣየሉ መድረኽ እዩ ኣመሳሲልዋ። እቶም ኣብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ባህላውን መዳያት ውሩያት ዝዀኑ ኸም ተዋሳእቲ ዀይኖም ኣብቲ መድረኽ ይድይቡ: እተመደበሎም ግደ ይዋስኡ: ድሕሪኡ ነቲ መድረኽ ንኻልኦት ሓዲጎም ይሓልፉ። እዚ ንዘመናት ክቕጽል ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ሓደ ስርወ-ንግስነት ንሓያሎ ዓመታት: አረ ንዘመናት እውን ይገዝእ ብምንባሩ: ቀልጢፉ ኣይሓልፍን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ግን ሓደ ምርኡይ መራሒ ምስ ዝቕተል ጥራይ እኳ ታሪኽ መልክዑ እዩ ዝቕይር! እወ: ኣብዚ ህውከት ዝመልኦ እዋን: ጽባሕ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና።

4. (ሀ) ክርስትያናት ብዛዕባ ፍጻመታት ዓለም እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ኽህልዎም ዘለዎ፧ (ለ) እንታይ ክልተ ዘእምን መርትዖታት ኢና ኽንርኢ፧

4 ዓለም ምስ መድረኽ: መራሕታ ድማ ምስ ተዋሳእቲ እንተ ተመሳሲሎም: ክርስትያናት ከኣ ተዓዘብቲ እዮም ማለት እዩ። a ‘ኻብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ’ ግን ብዛዕባ እቶም ተዋሳእቲ ዀነ ዝፍጽምዎ ነገራት ብዙሕ ኣይግደሱን እዮም። (ዮሃንስ 17:16) ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ነታ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት ዝገበሩላ ሓዳስ ጽድቃዊት ዓለም ቅድሚ ምምጻኡ: እዚ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ኽግበረሉ ኸም ዘለዎ ስለ ዝፈልጡ: እቲ ድራማ ናብ ዘሕዝን መወዳእታኡ ገጹ ክኸይድ ከሎ ብሃንቀውታ እዮም ዝዕዘቡ። b እምበኣር: ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘለናን ሓዳስ ዓለም ኣዝያ ኸም ዝቐረበትን ዝሕብር ክልተ መርትዖታት እስከ ንርአ። እዚ ድማ (1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መስርዕ ፍጻመታት: (2) እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም እዩ።—ማቴዎስ 24:21፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

ኣብ መወዳእታ እቲ ምስጢር ተቐልዐ!

5. እቲ “ዘመናት ኣህዛብ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ: እዚ ንዓና ዘገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 መስርዕ ፍጻመታት ክበሃል ከሎ ኣብ መንጎ ግዜን ፍጻመታትን ኣብ ዘሎ ርክብ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ። የሱስ ብዛዕባቲ መራሕቲ ዓለም ብዘይ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ጣልቃ ምእታው ነቲ መድረኽ ዝቈጻጸሩሉ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። ነቲ ግዜ እቲ “ዘመናት ኣህዛብ” ኢሉ ጸውዖ። (ሉቃስ 21:24) ኣብ መወዳእታ “ዘመናት ኣህዛብ” እታ የሱስ ዝመራሒኣ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ስልጣና ትሕዝ። ፈለማ የሱስ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ’ ይገዝእ። (መዝሙር 110:2) ድሕሪኡ ብመሰረት ዳንኤል 2:44 እታ መንግስቲ ንዅለን ሰብ ዘቘመን መንግስትታት ‘ጨፍሊቓን ኣጥፊኣን:’ ንሳ ንዘለኣለም ትቐውም።

6. “ዘመናት ኣህዛብ” መዓስ ጀሚሩ: ንውሓቱ ኽንደይ ዝኣክል እዩ: መዓስከ ተወዲኡ፧

6 እቲ “ዘመናት ኣህዛብ” እተወድኣሉን መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ዝጀመረትሉን እዋን መዓስ እዩ፧ እቲ “ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ . . . ሕቱም” ዝነበረ መልሲ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መስርዕ ፍጻመታት ዝተኣሳሰር እዩ። (ዳንኤል 12:9) እቲ “ዘመን” እቲ እናቐረበ ምስ ከደ: የሆዋ ንሓደ ጕጅለ ትሑታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገልጸሎም ስጕምትታት ወሰደ። ንሳቶም ከኣ “ዘመናት ኣህዛብ” ካብቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝዓነወትሉ ግዜ ኣትሒዙ ኸም ዝጀመረን ንውሓቱ 2,520 ዓመት ምዃኑን ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ተገንዘቡ። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ 1914 መወዳእታ “ዘመናት ኣህዛብ” ምዃና ፈለጡ። ብዘይካዚውን 1914 እዚ ኣገባብ እዚ ናብ መወዳእታ ኽጐዓዝ ዝጅምረላ ዓመት ምዃና ኣስተውዓሉ። ንስኻኸ ከም ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠን ካብ ጥቕስታት ተበጊስካ ን1914 ብኸመይ ክትረኽባ ኸም እትኽእል ትፈልጥዶ፧ c

7. እተን ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሰን ዘለዋ ሾብዓተ ግዜያት መጀመርታአን: ንውሓተን: ከምኡውን መወዳእታአን ንምፍላጥ ዝሕግዛና ጥቕስታት ኣየኖት እየን፧

7 ሓደ ኣፋፍኖት ዝህበና ነጥቢ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ይርከብ። የሆዋ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ብምድምሳስ “ዘመናት ኣህዛብ” ንኽጅምር ስለ እተጠቕመሉ: ኣህዛብ ብዘይ ናይ ኣምላኽ ጣልቃ ምእታው ንሸውዓተ ግዜያት ወይ ዘመናት ከም ዝቕጽሉ ብእኡ ኣቢሉ ገለጸ። (ህዝቅኤል 21:26, 27፣ ዳንኤል 4:16, 23-25) እዘን ሸውዓተ ዘመናት ንውሓተን ክንደይ እዩ፧ ብመሰረት ራእይ 11:2, 3 ከምኡውን 12:6, 14 ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ክበሃል ከሎ 1,260 መዓልቲ እዩ። ስለዚ: ሸውዓተ ዘመናት ዕጽፊ ናይዚ ማለት 2,520 መዓልቲ ይኸውን። ኣኺልዎ ኽንድዚ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ የሆዋ ነቲ ብግዜ ዳንኤል ዝነበረ ነብዪ ህዝቅኤል “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ አሎኹ” ብምባል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ዝትርጐመሉ ስርዓት ገሊጹ እዩ። (ህዝቅኤል 4:6) ስለዚ: እተን ሸውዓተ ዘመናት ንውሓተን 2,520 ዓመት እዩ። ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ብምብጋስ 2,520 ዓመት ምስ እንቘጽር: እተን ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 ከም እተወድኣ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ምህላውና ተረጋጊጹ

8. ካብ 1914 ኣትሒዙ ዅነታት ዓለም እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ እንታይ መርትዖታት ክትጠቅስ ትኽእል፧

8 ካብ 1914 ኣትሒዙ ዘጋጠመ ፍጻመታት ዓለም: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝርከብ መስርዕ ፍጻመታት እተመስረተ መግለጺ ቕኑዕ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ። የሱስ ኣብ ግዜ “መወዳእታ ዓለም” ውግእን ጥሜትን ፌራን ክበዝሕ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:3-8፣ ራእይ 6:2-8) ካብ 1914 ኣትሒዙ እዚ ብርግጽ ተፈጺሙ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዘርእይዎ ባህሪ ኣጸቢቑ ኸም ዝቕየር ብምግላጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ሃበ። እቲ ዅላትና እንምስክሮ ለውጢ ብልክዕ እዩ ተፈጺሙ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

9. ተዓዘብቲ ብዛዕባ እቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዘሎ ዅነታት ዓለም እንታይ ይብሉ፧

9 ካብ 1914 ኣትሒዙ “ንብረት [ናብራ] እዛ ዓለም እዚኣ” ሓላፊ ወይ ተቐያያሪ ዀይኑዶ እዩ፧ ፕሮፌሰር ሮበርት ቮል ኣብታ ጀነሬሽን ኦቭ 1914 ዘርእስታ መጽሓፍ “እቶም ነቲ ውግእ ዝረኣዩ ሰባት ኣብ ነሓሰ 1914 ሓንቲ ዓለም ብኻልእ ዓለም ከም እተቐየረት እዮም ዝኣምኑ” በለ። ኣብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዳይረክተር ዶ/ር ጆርጅ ኣልበርቶ ኮስታ ኢ ሲልቫ “ኣዝዩ ቕልጡፍ ለውጥታት ኣብ ዘለዎ እዋን ንነብር ስለ ዘሎና: ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጭንቀትን ጸቕጥን ኣስዒቡ ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። ነዚ ኣብ ህይወትካ ርኢኻዮዶ፧

10. ካብ 1914 ኣትሒዙ ዅነታት ዓለም እናገደደ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸልና ብኸመይ እዩ፧

10 በዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ቀንዲ ተሓታቲ መን እዩ፧ ራእይ 12:7-9 “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን [የሱስ] መላእኽቱን ምስቲ ገበል [ሰይጣን ድያብሎስ] ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ . . . ዓብዪ ገበል . . . ናብ ምድሪ ተደርበየ” ብምባል እቲ ገበነኛ መን ምዃኑ ትገልጸልና። እምበኣር: እቲ ሽግር ዝፈጥር ዘሎ ገበነኛ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ብ1914 ካብ ሰማይ ስለ እተደርበየ ኸኣ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ተባህለ።—ራእይ 12:10, 12

እቲ ናይ መወዳእታ ትርኢት

11. (ሀ) ሰይጣን “ንብዘላ ዓለም” ንኸስሕት እንታይ ሜላታት እዩ ዝጥቀም ዘሎ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነየናይ ሰይጣን ዝገብሮ ፍሉይ ጻዕሪ ንኸነተኵረሉ እዩ ዝሓበረ፧

11 ሰይጣን ካብ 1914 ኣትሒዙ መወዳእታኡ ኸም ዝቐረበ ስለ ዝፈልጥ: “ንብዘላ ዓለም” ከስሕት ዝያዳ ጻዕሪ እዩ ዝገብር ዘሎ። ዝወጸሉ መታለሊ ብምዃኑ ነቶም መራሕቲ ዓለም ከም ተዋሳእቲ እናተጠቕመ: ብድሕሪ እቲ መድረኽ ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:13፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ሓደ ኻብቲ ሸቶታቱ: ሰባት እቲ ንሱ ዘመሓድረሉ መገዲ ናይ ሓቂ ሰላም የምጽእ እዩ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ምግባር እዩ። ኵነታት ዓለም እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ብዙሕ መርትዖታት እናረኣዩ ኽነሶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዞም ስለ ዘለዉ: ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ፕሮፓጋንዳኡ ዕዉት ኰይኑሉ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ኣገባብ እዚ ቀቅድሚ ምጥፋኡ: ኣብቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ፕሮፓጋንዳ ጕሉሕ ለውጢ ኸም ዝህሉ ተነበየ። “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ተሰሎንቄ 5:3፣ ራእይ 16:13

12. ኣብዚ ግዜና ሰላም ንምምጻእ እንታይ ቀጻሊ ጻዕርታት እዩ ዝግበር ዘሎ፧

12 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ፖለቲከኛታት ነቲ ደቅሰብ ዘውጽእዎ መደባት ክገልጹ ኸለዉ ነታ “ሰላምን ደሓንን” እትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ተጠቒሞምላ እዮም። አረ ን1986 እሞ ኸኣ ዓለምለኻዊት ዓመት ሰላም ዝብል ስም ሂቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ: እታ ዓመት እቲኣ ኸምቲ ስማ ኣይኰነትሎምን። መራሕቲ ዓለም ዝገብርዎ ዘለዉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ን1 ተሰሎንቄ 5:3 ምሉእ ፍጻሜኣ ኸም እትረክብ ይገብራ ድዩ፧ ወይስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ነቓልቦ ዓለም ዝስሕብ ኣዝዩ ጕሉሕ ፍጻመ እዩ ዝዛረብ ነይሩ፧

13. ጳውሎስ “ሰላምን ደሓንን” ክብሉ ምዃኖም ክንበ ኸሎ: ነቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ጥፍኣት ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ: ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

13 መብዛሕትኡ ግዜ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዝርድኣና: ድሕሪ ምፍጻሙ ወይ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ጥራይ ስለ ዝዀነ: ነዚ ኽንጽበዮ እዩ ዘሎና። ጳውሎስ ነቲ “ሰላምን ደሓንን” ክብሉ ኸለዉ ዝመጾም ሃንደበታዊ ጥፍኣት ምስቲ ንጥንስቲ ዝሕዛ ቕልውላው ምምስሳሉ ግን ከነተኵረሉ ይግባእ። ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ኣደ ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ማሕጸና ዕሸል ይዓቢ ኸም ዘሎ እናተፈለጣ እዩ ዝኸይድ። ልቢ እቲ ዕሸል ክትሃርም ከላ ትሰምዓ ወይ ኣብ ማሕጸና ኽንቀሳቐስ ከሎ ይፍለጣ። ሓድሓደ ግዜውን ይረግሓ ይኸውን። እቲ ምልክታት እናወሰኸ ይኸይድ እሞ ሓደ መዓልቲ ጻዕሪ ወይ ቅልውላው ይሕዛ: እዚ ድማ እቲ ብተስፋ እትጽበዮ ነገር ማለት እቲ ሕጻን ዝውለደሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ይሕብራ። ስለዚ: እቲ “ሰላምን ደሓንን” ክብሉ ምዃኖም ዝገልጽ ትንቢት ዝፍጸመሉ መገዲ ብዘየገድስ: ናብ ሃንደበታውን መሪርን ግን ከኣ ኣብ መወዳእታኡ ዘሐጕስ ኵነታት: ማለት ናብቲ እከይ ጠፊኡ ሓዳስ ዓለም እትመጽኣሉ እዋን ክመርሓና እዩ።

14. ኣብ መጻኢ እንታይ ፍጻመታት እዩ ብመስርዕ ክፍጸም: እንታይ ውጽኢትከ ኽህልዎ እዩ፧

14 እዚ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ነቶም ተዓዘብቲ ዝዀኑ እሙናት ክርስትያናት ዘፍርህ ክኸውን እዩ። ፈለማ: ነገስታት ምድሪ (ፖለቲካዊ ኽፍሊ ማሕበር ሰይጣን) ንደገፍቲ እታ ዓባይ ባቢሎን (ንሃይማኖታዊ ኽፍሊ) ኸጥቅዕዎምን ከጥፍእዎምን እዮም። (ራእይ 17:1, 15-18) በዚ ኸምዚ መንግስቲ ሰይጣን ብሃንደበት ንሓድሕዳ ብምፍልላይ: እቲ ሓደ ኽፋል ነቲ ኻልእ ከጥቅዖ ኸሎ: ሰይጣን ነዚ ኸወግዶ ኣይክእልን እዩ። (ማቴዎስ 12:25, 26) የሆዋ ኣብ ኣልባብ ነገስታት ምድሪ “ሓሳቡ ኺገብሩ” ከእትወሎም እዩ: ማለት ነቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቱ ንኸጥፍእዎም ክድርኾም እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምስ ተደምሰሳ: የሱስ ክርስቶስ ነቶም ሰማያውያን ሰራዊቱ መሪሑ ነቲ ኻብቲ ማሕበር ሰይጣን ዝተረፈ ንግዳውን ፖለቲካውን ጕጅለታት ፍጹም ስዕረት ክስዕሮም እዩ። ኣብ መወዳእታ ንሰይጣን ቀይዲ ኽግበረሉ እዩ። እዚ ምስ ኰነ: እቲ መጋረጃ ኽዕጾ: እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ትርኢት ድማ ክውዳእ እዩ።—ራእይ 16:14-16፣ 19:11-21፣ 20:1-3

15, 16. “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ” ዝብል መዘኻኸሪ ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ኣለዎ፧

15 እዚ ዅሉ ነገራት መዓስ እዩ ኽፍጸም፧ እታ መዓልቲ ዀነ ሰዓት ኣይንፈልጣን ኢና። (ማቴዎስ 24:36) እንተዀነ ግን: “እቲ ዘመን ሓጺር” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረንቶስ 7:29) እምበኣር: ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ብዝግባእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ብኸመይ ኢና ግን ነዚ ኽንገብር እንኽእል፧ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ: ካብቲ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ነቲ ዝያዳ ዘገድስ ነገራት ‘ግዜ ኽንዕድግን’ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዝግባእ ክንጥቀመላን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ቕንያቱ ኽፉእ እዩ።” ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ምስ እነስተውዕል’ ከኣ ነቲ ዝተረፈ ሓጺር ግዜ ኣይነባኽኖን ኢና።—ኤፌሶን 5:15-17፣ 1 ጴጥሮስ 4:1-4

16 እዚ ኣገባብ እዚ ኸም ዝጠፍእ ምፍላጥና: ብብሕትና ብኸመይ እዩ ኽጸልወና ዘለዎ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: . . . ብቕዱስ ንብረትን [ናብራ ህይወትን] ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ጠቓሚ ሓሳብ ጠቒሱ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:11) ብሓቂ ኸምዚ ዓይነት ሰባት ኢና ኽንከውን ዘሎና! ምስቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ ብምስምማዕ: (1) ናብራ ህይወትና ቕዱስ ምዃኑ ንምርግጋጽ ተጠንቂቕና ኽንምርምር: (2) እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብቕንኣት እንፍጽሞ ተግባራት ነታ ንዕኡ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ ዘንጸባርቕ ክንገብሮ ኣሎና።

17. እሙናት ክርስትያናት ካብ ምንታይ መጻወድያታት ሰይጣን እዮም ክጥንቀቑ ዘለዎም፧

17 ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ በቲ እዛ ዓለም እትጥቀመሉ መስሓቢ ተታሊልና ምስኣ ንኸይንለግብ ይሕግዘና። ነቲ ኣብ ተድላ ምርካብ ዘተኰረ ዘብለጭልጭ ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ንፈትዎ እንተደኣ ዄንና: ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ዝጽበዮ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኢና ዘሎና። ኣብ ዓለም እንነብርን እንሰርሕን እኳ እንተ ዀንና: ነቲ በዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይተጠቐምና ኽንከውን ከም ዘሎና ዝገልጽ ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 7:31) መሕልፎ እኳ ደኣስ ፕሮፓጋንዳ ዓለም ንኸየስሕተና ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። እዛ ዓለም እዚኣ ጸገማታ ፈጺማ ኣይክትፈትሕን እያ። ከምዚ ኢላ እውን ንሓዋሩ ኣይክትቅጽልን እያ። ብዛዕባዚ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብለና።—1 ዮሃንስ 2:17

እቲ ዝበለጸ ብሕጂ እዩ ኽመጽእ!

18, 19. ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ለውጥታት ንኽግበር ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበ ዘለኻ: ክትጽበ ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

18 ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ንሰይጣንን ደገፍቱን ኸጥፍኦም እዩ። ድሕሪኡ እቶም ካብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዝድሕኑ ሰባት: ብበረኸት ኣምላኽ ኣብቲ መድረኽ ተዋስኦ ንዘለኣለም ዝቕጽል ለውጥታት ክገብሩ እዮም። ኣምላኽ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ [ስለ ዝገብረሉ]:” ድሕሪ ደጊም ውግእ ነቲ መድረኽ ኣይከበላሽዎን እዩ። (መዝሙር 46:9) ኣብ ክንዲ ሕጽረት መግቢ: “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” እዩ። (መዝሙር 72:16) ኣብያተ-ማእሰርቲ: መደበራት ፖሊስ: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት: ነጋዶ ሓሽሽ: ፍትሕ ዝግበረሉ መጋባእያ: ጥፈሻ: ከምኡውን ግብረ-ሽበራ ኣይክህሉን እዩ።—መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 33:24፣ ራእይ 21:3-5

19 ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዝነበረ መቓብራት ባዶ ክኸውን: ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ተንሲኦም ድማ ኣብታ ብናይ ተዋስኦ መድረኽ እንምስላ ዘለና ምድሪ ኽረኣዩ እዮም። ሓደ ወለዶ ምስቲ ኻልእ ወለዶ ኽሓብር ከሎን ንነዊሕ እዋን ተፈላልዮም ዝነበሩ ዝፋተዉ ሰባት ክተሓቛቘፉ ኸለዉን ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ክኸውን እዩ! ኣብ መወዳእታ: ህያው ዘበለ ዅሉ ንየሆዋ ኸምልኾ እዩ። (ራእይ 5:13) እቲ ኣብቲ ብመድረኽ እንምስላ ዘለና ምድሪ እተገብረ ለውጥታት ምስ ተወድአ: እቲ መጋረጃ እንደገና ተቐሊዑ ምልእቲ ምድሪ ገነት ኰይና ኽትርአ እያ። ነቲ ትርኢት እቲ ምስ ረኣኻ ኸመይ እዩ ኽስምዓካ፧ ብዘይ ጥርጥር ‘ንነዊሕ እዋን እኳ እንተ ተጸበኹ: ዝግብኦ እዩ ነይሩ!’ ኽትብል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጳውሎስ ኣብ ካልእ ቦታ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: “ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ” ኸም ዝዀኑ ገይሩ ተዛሪቡሎም ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 4:9

b ንኣብነት: ብዛዕባ መንነት እቲ ኣብ ዳንኤል 11:40, 44, 45 ተጠቒሱ ዘሎ “ንጉስ ሰሜን” ንምፍላጥ: ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 280-1 ተወከስ።

c የሩሳሌም ካብቲ እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ዓዶም እተመልሱሉ ግዜ: 70 ዓመት ኣቐዲማ ኸም ዝዓነወት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። (ኤርምያስ 25:11, 12፣ ዳንኤል 9:1-3) ብዛዕባ “ዘመናት ኣህዛብ” ዝርዝር መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 138-41 ተወከስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” ዝብል ቃላት ጳውሎስ ኣብዚ ግዜና እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መስርዕ ፍጻመታት “ዘመናት ኣህዛብ” መዓስ ከም ዝውዳእ ዝሕብረና ብኸመይ እዩ፧

• እዚ ዝሓልፍ ወይ ዝቀያየር ዘሎ ዅነታት ዓለም: 1914 እታ “ዘመን መወዳእታ” እተጀመረላ ዓመት ምዃና ዘረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

• “እቲ ዘመን ሓጺር” ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኽጸልወና ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መወዳእታ እቲ ምስጢር ተቐልዐ!