ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዝሓድረካ ስግኣት ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

ንዝሓድረካ ስግኣት ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

ንዝሓድረካ ስግኣት ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

“ዘስግእ ኣይኰነን!” “እተረጋገጸ እዩ!” “ዘተኣማምን እዩ!” ዝብል ቃላት ብዙሕ ሳዕ ከም ዝሰማዕካ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ መዓልታዊ ናብራና ግን ርግጸኛታት ክንኰነሉ ዘይንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ህይወት ናበይ ከም ዝመርሓና ፈጺምና ኽንግምት ስለ ዘይንኽእል: ከይሰጋእና ርግጸኛ እንዀነሉ ነገር እንተሎ እውን የጠራጥረና እዩ። ምጥርጣርን ስግኣትን ክፍሊ ህይወት ወድሰብ ዝዀነ እዩ ዝመስል ዘሎ።

እምበኣር ዝበዝሑ ሰባት ንርእሶምን ንስድራቤቶምን ቅሳነትን ሓጐስን ክረኽቡ ምድላዮም ዘገርም ኣይኰነን። ሓጐስን ቅሳነትን የምጽኣልና ኢሎም ንዝሓሰብዎ ነገራት ንኽረኽቡ ኣበርቲዖም እዮም ዝዓዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብን ስጋዊ ጥሪትን እዩ ሓጐስን ቅሳነትን ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ። ይኹን እምበር: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ህቦብላ ንፋስ: ሓደጋ: ወይ ዓመጻ ነዚ ጥሪት እዚ ብቕጽበት ከጥፍኦ ይኽእል እዩ። ከቢድ ሕማም: ፍትሕ: ወይ ሽቕለተ-ኣልቦነት ንህይወት ሰባት ብሃንደበት ክልውጦ ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: እዚ ነገራት እዚ ንዓኻ ኣየጋጠመካን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ሕማቕ ነገር ከጋጥመካ ኸም ዝኽእል ምፍላጥካ ኽርብሸካን ከጨንቐካን ይኽእል እዩ። እቲ ጸገም ከኣ በዚ ዘብቅዕ ኣይኰነን።

እታ ስግኣት እትብል ቃል ምስታ ምጥርጣር እትብል ቃል እትመሳሰል እያ: ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ኸኣ ነታ “ተጠራጠረ” እትብል ቃል “ካብቲ ሓሲብዎ ወይ ኣንቂዱሉ ዝነበረ ነገር ኣድሓርሓረ፤ ነግፈረግ በለ፤ ዝሕጥ በለ፤ ተወላወለ፤ ምእማን ሰኣነ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብመሰረት እታ ማነጂን ዮር ማይንድ ዘርእስታ መጽሓፍ “ብዛዕባ ኣገዳሲ ነገራት ዝሓድረካ ስግኣት ቀንዲ ምንጪ ጭንቀትን ሻቕሎትን እዩ።” መልሲ ዘይትረኽበሉ ምጥርጣር ናብ ጭንቀትን ብስጭትን ሕርቃንን ክመርሕ ይኽእል እዩ። እወ: ‘እንታይ ኰን የጋጥመኒ ይኸውን’ ወይ ‘እንታይ ኰን እስእን እኸውን’ ኢልካ ምሽቓል ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናና ኽጐድኦ ይኽእል እዩ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ገሊኣቶም ሰባት ናብቲ ሓደ ጫፍ ይኸዱ። ልክዕ ከምቲ “ንምንታይ እየ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ነገር ዝጭነቕ፧ ንሎሚ እምበር ንጽባሕ ክንጭነቕ ኣይግባኣን እዩ” ኢሉ እተዛረበ ብራዚላዊ መንእሰይ እዮም ዝዀኑ። “ንብላዕን ንስተን” እናበልካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኣረኣእያ ምሓዝ: ናብ ጓሂ: ጭንቂ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ናብ ሞት ክመርሕ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:32) ኣብ ክንድኡስ ናብቲ “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና እንተ ተጸጋዕና ኣጸቢቑ ይሕሸና። (ያእቆብ 1:17) ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ መርሚርና: እቲ ኣብ ህይወትና ስግኣት ዘሕድረልና ነገራት ብኸመይ ከነሰንፎ ኸም እንኽእል ጽቡቕ ምኽርን መምርሕን ክንረክብ ኢና። ዘስግእ ነገራት ዝበዝሓሉ ምኽንያት ንኽንርዳእ ድማ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ጠንቂ ስግኣት

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ህይወት ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ: ንዘስግኣና ነገራትን ንዘጋጥመና ለውጥታትን ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልወና ድማ ይሕግዘና። ኣብ መንጎ ስድራቤት ዘሎ ርክባት: ማሕበራዊ ስልጣን: ኣእምሮኣዊ ብልሓት: ጽቡቕ ጥዕና: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እተወሰነ ቕሳነት ከም ዝስምዓና ዝገብር እኳ እንተዀነ: እዚ ነገራት እዚ ወትሩ ኸምኡ ኢሉ ክቕጽል ወይ ኵሉ ሳዕ ባህ ዘብል ናብራ ኽንነብር ከም ዘይንኽእል ግን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም: ተመሊሰ ርኤኹ” በለ። ስለምንታይ እዩ ዘይኰነሎም፧ ምኽንያቱ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” እዩ። ስለዚ ድማ ሰሎሞን “ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ: ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ: ከምኡ ኸኣ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶም: ብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—መክብብ 9:11, 12

የሱስ ክርስቶስ ብርቱዕ ጭንቀትን ስግኣትን ብዛዕባ ዝህልወሉ ወለዶ ኽዛረብ ከሎ: “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን: ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ: ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ” ብምባል ብንጹር ገለጸ። ይኹን እምበር: ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት “ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ብምባል ዘተባብዕ ነገር ነጊርዎም እዩ። (ሉቃስ 21:25, 26, 31) ንሕናውን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ነገራት ብዝሓድረና ስግኣት ኣብ ክንዲ እንጭነቕ: እታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ነቲ ዘስግእ ነገራት ሰጊርና ባህ ዘብል እዋን ክመጽእ ምዃኑ ንኽንርኢ ትሕግዘና።

‘ምሉእ ተስፋ ምህላው’

ንዅሉ እቲ እንሰምዖ: እነንብቦ: ወይ እንርእዮ ነገራት ክንኣምኖ እንኽእል እኳ እንተ ዘይኰንና: ንፈጣሪና ንኽንኣምኖ ግን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ንሱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ጥራይ ዘይኰነስ ንምድራውያን ደቁ ዝሓሊ ፈቃር ኣቦ እውን እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ ቓሉ “ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ።—ኢሳይያስ 55:11

የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣምላኽ ነታ ሓቂ መሃረ: ንዕኡ ዝሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት ከኣ ብምትእምማን ከይተጠራጠሩ እዮም ተቐቢሎምዎ። ንኣብነት: እተወሰኑ ቕኑዕ ዝልቦም ሳምራውያን ነታ ቕድሚኦም ንየሱስ ዝሰምዓቶ ሰበይቲ “ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር: ኣይብዘረባኽን ኢና እንአምን ዘሎና” በልዋ። (ዮሃንስ 4:42) ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዘየተኣማምን እዋን ንነብር እኳ እንተሎና: ነየናይ ክንኣምን ከም ዘሎና ግን ክንጠራጠር የብልናን።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት ከይመርመርና ስቕ ኢልና ኽንኣምን ኣሎና ደኣ እምበር ንኽርድኣና ኽንጽዕር የብልናን ዝብል ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ ግን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ሰባት ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ ነገራት ‘ሓቂ ምዃኑ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኽፈልጡ’ ምርምር ገበረ: ርጡብ ሓበሬታ ድማ ኣቕረበ። (ሉቃስ 1:4) ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ኣባላት ስድራቤትና ዀኑ ፈተውትና ኣብ መወዳእታ እንገብሮ ኸይሕርብተናን ከይንጕህን ክፈርሁ ስለ ዝኽእሉ: ብዛዕባ እምነትና ምላሽ ንምሃብ እተዳሎና ኽንከውን ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 3:15) ንኽንኣምን ምኽንያት ዝዀነና ነገራት ብልክዕ ምስ እንፈልጥ ጥራይ ኢና: ንኻልኦት ኣብ ኣምላኽ ንኽውከሉ ኽንሕግዞም እንኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ብምባል ይገልጾ።—ዘዳግም 32:4

ነተን “ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ዝብላ ቓላት እሞ ንውሰድ። ኣብዚ ምትእምማን ንኽሓድረና እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ኣሚኑሉ ነበረ። ንሓደ ሮማዊ መኰነንን ንስድራቤቱን እኳ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ኢሉ ተዛረቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ጴጥሮስ ከምዚ ኽብል ዝኸኣለ: እቶም ኣቐዲምካ ርኹሳትን ተቐባልነት ዘይብሎምን ጌርካ ዝርኣዩ ዝነበሩ ኣህዛብ: ተቐባልነት ምእንቲ ኽረኽቡ ኣምላኽ ኢዱ ብምእታው ዝገበሮ ነገራት ስለ ዝረኣየ እዩ። ንሕናውን ልክዕ ከም ጴጥሮስ ኣብ መላእ ምድሪ ኻብ ዝርከባ ልዕሊ 230 ሃገራት እተዋጽኡ “ብዙሓት ሰብ”—ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት—ነቲ ቐደም ዝመላለሱሉ ዝነበሩ ኣነባብራ ሓዲጎም ብመገዲ ጽድቂ ኽመላለሱ ኽንርኢ ኸለና: ኣምላኽ ኣድልዎ ዘይብሉን ጻድቕን ምዃኑ ኽንኣምን ንኽእል ኢና።—ራእይ 7:9፣ ኢሳይያስ 2:2-4

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ጥሩፋትን ተረርትን ዘይኰነስ: ትሑታትን ሚዛናውያንን ክንከውን ኢና እንደሊ። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ መጻኢ ክኸውን እዩ ኢልና እንኣምነሉን እንጽበዮን ነገር ኣይንጠራጠረሉን ወይ ብዛዕባኡ ስግኣት ኣይሓድረናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብራውያን 6:11) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብስራት እውን ብተመሳሳሊ ‘ምሉእ ተስፋ’ ንኽህልወና ኣኽኢሉና እዩ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ኣብ ቃል ኣምላኽ ድልዱል መሰረት ዘለዋ ተስፋ: ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “ኣይተሕፍርን እያ።”—ሮሜ 5:5

ብዘይካዚውን ንኻልኦት ነቲ ብስራት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃሮም ብመንፈሳዊ ጥራይ ዘይኰነስ ብስምዒታውን ብስጋውን መዳያት ቅሳነትን ምትእምማንን ከም ዘምጽኣሎም ምሉእ ብምሉእ ንኣምነሉ ኢና። ምስ ጳውሎስ ሓቢርና “እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን” ክንብል ንኽእል ኢና።—1 ተሰሎንቄ 1:5

ሎሚ ብመንፈሳዊ ቕሳነት ዝርከብ በረኸት

ኣብዚ ግዜና ምሉእ ቅሳነት ክንረክብ ትጽቢት ዘይንገብር እኳ እንተዀንና: ብእተወሰነ መጠን ርግኣትን ቅሳነትን ዘለዎ ናብራ ምእንቲ ኽንነብር ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ግን ኣሎ። ንኣብነት: ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ እንእከብ: ኣብኡ ቅኑዕን ጽቡቕን ስርዓታት ስለ እንምሃር ርግኣት ንኽንረክብ ኣበርክቶ ይገብረልና እዩ። ጳውሎስ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ሓላፊ ዝዀነ ስጋዊ ጥሪት ወይ ተድላ ዘይኰነስ ኣብ የሆዋ ኽተኣማመኑ ስለ ዝጀመሩ: ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮም ጭንቀትን ብስጭትን ከርሕቕዎ ኽኢሎም ኣለዉ።—ማቴዎስ 6:19-21

ኣብ ጉባኤ ብእተፈላለየ መገዲ ሓገዝን ደገፍን ዝገብሩልና ፈቃራት ኣሕዋት ንረክብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስን መጋይሽቱን ሓደ እዋን ‘እምብዛ ኸቢድዎምን ህይወቶም ቀቢጾምን’ ነበሩ። ሽዑ ጳውሎስ ደገፍን እፎይታን ዝረኸበ ኻበይ እዩ፧ ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምንቶ ምንቕ እኳ እንተ ዘይበለ: በቶም ደገፍ ዝገበሩሉ ክርስትያናት ብጾቱ ግን ተተባቢዑን ተጸናኒዑን እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:8, 9፣ 7:5-7) ኣብዚ ግዜናውን ባህርያዊ ዕንወት ወይ ሓደጋ ኸጋጥም ከሎ: ክርስትያናት ኣሕዋትና ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ንክርስትያናት ብጾቶምን ንኻልኦትን ንኽረድኡ ኢሎም ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ቐዳሞት ወሃብቲ ረድኤት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ኣርእዮም እዮም።

ንዝሓድረና ስግኣት ንኸነሰንፎ ዘኽእለና ካልእ ስጕምቲ ጸሎት እዩ። ዘይተጸበናዮ ጸቕጢ ኽወርደና ኸሎ: ወትሩ ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። “እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ: ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።” (መዝሙር 9:9) ወለዲ ንደቆም ዕቝባ ክዀኑ ዘይክእሉሉ ዅነታት ኣሎ። ኣምላኽ ግን ንፍርህናን ስግኣትናን ንኽንዋጽኣሉ ኽሕግዘና ድሉው እዩ። የሆዋ “ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከአሎ” ምዃኑ ብምትእምማን: ጭንቀትና ኣብኡ ኽንድርብዮ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 3:20

ኣዘውቲርካ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ዲኻ፧ ኣምላኽ ንጸሎትካ ኸም ዝሰምዖ ትተኣማመን ዲኻ፧ ሓንቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ እትነብር መንእሰይ “ኣደይ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸም ዘሎኒ ነጊራትኒ እያ። እንተዀነ ግን: ንርእሰይ ‘ንሓደ ዘይፈልጦ ኸመይ ገይረ እየ ዝዛረቦ፧’ ኢለ ሓተትኩ። ምሳሌ 18:10 ግን ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ክንረክብ ከም ዘድልየናን ብጸሎት ጌርና ኽንዛረቦ ኸም ዘሎናን ንኽርዳእ ሓጊዛትኒ እያ” በለት። እዛ ጥቕሲ እዚኣ “ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ትብል። ንየሆዋ ወትሩ ንዛረቦ እንተ ዘይኴንና ግን ከመይ ጌርና ኢና ኣብ የሆዋ ትውክልትን እምንቶን ከነሕድር እንኽእል፧ ካብ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝርከብ ቅሳነት ምእንቲ ኽንጥቀም: መዓልታዊ ልባዊ ጸሎት ናይ ምግባር ልማድ ክህልወና ኣለዎ። የሱስ “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” በለ።—ሉቃስ 21:36

ሓደ ኻብቲ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል ነገራት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ እዩ። ነቲ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዝርከብ “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ዝብል ቃላት እሞ ንርአ። ኣብዚ ቓላት እዚ ዘሎና ተስፋ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ብምዃኑ ስግኣት ክሓድረና የብሉን። ደቅሰብ ዝኣትዉዎ መብጽዓታት ብዙሕ ግዜ ዝፈሽል እኳ እንተዀነ: ቃል የሆዋ ግን ወትሩ ኽንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ክንውከሎ ዘይንኽእል ኣይኰነን: የግዳስ ከም ከውሒ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል እዩ። ከምቲ “ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሔይ እዩ: ዋልታይን ቀርኒ ምድሓነይን: ግምበይን መህደምየይን እዩ። ዎ መድሓንየይ: ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ” ዝበለ ዳዊት ዝነበሮ ስምዒት ክህልወና ይኽእል እዩ።—2 ሳሙኤል 22:3

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማነጂን ዮር ማይንድ ዘርእስታ መጽሓፍ “ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሕማቕ ነገራት ዝያዳ ብዝሓሰበ መጠን: ብዝያዳ እዩ ዝፍጸም ኰይኑ ዝስምዖ: ብዝያዳ ድማ ንኽዋጽኣሉ ዘጸግም ኰይኑ ይረኣዮ” በለት። ስለዚ: ጭንቀትን ስግኣትን እዛ ዓለም እዚኣ ጾር ክዀነና ንምንታይ ነፍቅድ፧ ኣብ ክንድኡስ: ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተምጽኦ ዘስግእ ነገራት በቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ዘተኣማምን ነገራት ንተክኣዮ። ነታ ኣብቲ እተረጋገጸ መብጽዓታት የሆዋ ዘላትና እምነት ኣጽኒዕና ምስ እንሕዝ: “ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኣይሐፍርን” ዝብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።—ሮሜ 10:11

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ደቅሰብ ኣብ መጻኢ ኽባረኹ ምዃኖም ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኣይሐፍርን”

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ቅሳነት የምጽኣሎም