ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት የማልኣልና

የሆዋ ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት የማልኣልና

የሆዋ ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት የማልኣልና

“ኣይትጨነቑ . . . እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩምሲ: ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።” —ሉቃስ 12:29, 30

1. የሆዋ ንእንስሳታት መግቦም ዝህቦም ብኸመይ እዩ፧

 ጭሩ ገበላ ወይ ካልእ ዓይነት ዑፍ ዝረብሕ ነገራት ኣብ ዘይርከቦ ዝመስል ቦታ መግባ ኽትለቅም ከላ ተዓዚብካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ሽዑ ‘ኣብዚ ቦታ እዚ ጻሕቲራ እንታይ ዝረብሕ ክትረክብ እያ’ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ካብቲ የሆዋ ነዕዋፍ ዝምግበሉ መገዲ ትምህርቲ ኽንረክብ ከም እንኽእል ገለጸ። “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧” በለ። (ማቴዎስ 6:26) እወ: የሆዋ ብዘደንቕ መገዲ ንዅሎም ፍጥረታቱ መግቦም ይህቦም እዩ።—መዝሙር 104:14, 21፣ 147:9

2, 3. የሱስ ናይ ዕለት እንጌራና ንኽወሃበና ኽንጽሊ ምምሃሩ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝዀነና፧

2 የሱስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና” ዝበለ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 6:11) ካብዛ ለመና እዚኣ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ: የሆዋ ምንጪ ዅሉ እቲ ዘድልየና ነገራት ምዃኑ እያ እተዘኻኽረና። (መዝሙር 145:15, 16) ደቅሰብ ተኽሊ ኽተኽሉን ክዅስኵስዎን ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ኸብቍል ዝኽእል። (1 ቈረንቶስ 3:7) እቲ እንበልዖ ዀነ እንሰትዮ ነገራት ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት ክህበና ምልማንና: ነዚ ነገራት እዚ ኸም እነማስወሉ የርኢ። ልክዕ እዩ: ከምዚ ኢልና ምልማንና ኽንሰርሕ እናኸኣልና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኾፍ ኽንብል ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን።—ኤፌሶን 4:28፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10

3 ካልኣይ: “ናይ ዕለት እንጌራና” ኽወሃበና ምልማንና: ብዛዕባ መጻኢ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኽንጭነቕ ከም ዘይብልና እዩ ዝሕብር። የሱስ “እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይአኽላ” በለ። (ማቴዎስ 6:31-34) “ናይ ዕለት እንጌራና” ኽወሃበና ምልማንና: “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል” ዝንጸባረቐሉ ቐሊል ናብራ ንኽንነብር እውን ይድርኸና።—1 ጢሞቴዎስ 6:6-8

መዓልታዊ መንፈሳዊ መግቢ ምርካብ

4. ኣብ ህይወት የሱስ ኰነ ኣብ እስራኤላውያን ዘጋጠመ እንታይ ነገራት እዩ መንፈሳዊ መግቢ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጕልሕ፧

4 ናይ ዕለት እንጌራና ንኽወሃበና እነቕርቦ ጸሎት: መዓልታዊ መንፈሳዊ መግቢ ኸም ዘድልየና እውን ከዘኻኽረና ኣለዎ። የሱስ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምጻሙ: ነቲ ነእማን እንጌራ ንኽገብር ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተና: “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 4:4) የሱስ ካብቲ ነብዪ ሙሴ ንእስራኤላውያን “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር: ምእንቲ ኼፍልጠካ: ንሱ ኣዋረደካ: ኣጥመየካ: ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ” ኢሉ እተዛረቦም እዩ ጠቒሱ። (ዘዳግም 8:3) እቲ የሆዋ ማና ዝህበሉ ዝነበረ መገዲ: ንእስራኤላውያን ስጋዊ መግቢ ጥራይ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ትምህርቲ እውን ኰይንዎም እዩ። ሓደ ኻብቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ: ‘ነንመዓልቲ ዘድሊ ይኣርዩ’ ምንባሮም እዩ። ካብቲ ንመዓልቲ ዘድልዮም ንላዕሊ እንተ ኣርዮም: እቲ ዝተረፈ ይብድብድን ይሕስኽን ነበረ። (ዘጸኣት 16:4, 20) እንተዀነ ግን: ብሳድሰይቲ መዓልቲ ነቲ ኣብ ሰንበት ዘድልዮም መግቢ እውን ይእክቡ ብምንባሮም ዕጽፊ ኽእክቡ ነበሮም። (ዘጸኣት 16:5, 23, 24) ስለዚ: እቲ ማና እዙዛት ክዀኑ ኸም ዘለዎምን ህይወቶም ኣብ እንጌራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ‘ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጽእ ኵሉ ነገር’ ከም ዝምርኰስን እዩ ዘዘኻኽሮም ነይሩ።

5. የሆዋ መዓልታዊ መንፈሳዊ መግቢ ዝህበና ኸመይ ገይሩ እዩ፧

5 ንሕናውን ብተመሳሳሊ ነቲ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ዝህበና መንፈሳዊ መግቢ ኽንምገብ ኣሎና። የሱስ ነዚ ዕላማ እዚ ኢሉ ነቶም ስድራቤቱ “ምግቦም በብጊዜኡ” ዝህቦም “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሸይሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ እሙን ባርያ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዕ ብዝሕግዝ ጽሑፋት ገይሩ ኣኽል-ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ይህበና ጥራይ ዘይኰነስ: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ንኸነንብብ እውን የተባብዓና እዩ። (እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:1-3) ንሕናውን ከም የሱስ: ፍቓድ የሆዋ መዓልታዊ ንኽንመሃርን ንኽንገብርን ብምጽዓር መንፈሳዊ ቐለብና ንረክብ ኢና።—ዮሃንስ 4:34

ሕድገት ሓጢኣት

6. ነየናይ ኢና ይቕረ ኽበሃለልና እንደሊ: ብምንታይ መሰረትከ እዩ የሆዋ ይቕረ ኽብለልና ፍቓደኛ ዝዀነ፧

6 እታ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እትርከብ ቀጺላ ዘላ ለመና “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና” ትብል። (ማቴዎስ 6:12) እታ ኣብዚ “ንዝበደሉና” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ንዕዳ” እውን እተመልክት እኳ እንተዀነት: የሱስ ግን ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ዕዳ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። ኣብታ ሉቃስ ዝመዝገባ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ከኣ “ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና” ዝብል ኢና እነንብብ። (ሉቃስ 11:4) ስለዚ: ክንሓጥእ ከለና: ንየሆዋ ንብድሎ ወይ ሰብ ዕዳኡ ንኸውን። ካብ ልቢ እንተ ተነሲሕናን እንተ ‘ተመሊስናን’ ግን እቲ ፈቃር ኣምላኽና ብመሰረት እቲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ሓጢኣትና ‘ኽድምስሰልና’ ወይ ይቕረ ኽብለልና ድሉው እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20፣ 10:431 ጢሞቴዎስ 2:5, 6

7. ሓጢኣትና ንኽሕደገልና ወትሩ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ጽድቃዊ መለክዒታት የሆዋ ኸየማላእና ምስ እንተርፍ ሓጢኣት ኢና እንፍጽም። ሓጢኣት ስለ ዝወረስና: ብቓልን ብግብርን ብሓሳባትን ንስሕት: ወይ ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር ከይገበርና ንተርፍ። (መክብብ 7:20፣ ሮሜ 3:23፣ ያእቆብ 3:2፣ 4:17) እምበኣር: ነቲ ኣብ መዓልቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንዘክሮ ኣይንዘክሮ ብዘየገድስ: ሓጢኣትና ይቕረ ንኽበሃለልና መዓልታዊ ኽንጽሊ ኣሎና።—መዝሙር 19:12፣ 40:12

8. በደልና ንኽሕደገልና እንገብሮ ጸሎት እንታይ ንኽንገብር እዩ ኽድርኸና ዘለዎ: እዝኸ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎ፧

8 በደልና ንኽሕደገልና ጸሎት ቅድሚ ምግባርና እቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ንኸድሕነና ኣብ ዘለዎ ሓይሊ ዘላትና እምነት ተመርኲስና ብሓቂ ርእስና ኽንምርምር: ክንንሳሕ: ከምኡውን ክንናዘዝ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 1:7-9) ጸሎትና ልባዊ ምዃኑ ምእንቲ ኸነርኢ ኸኣ ነቲ በደልና ኽሕደገልና እነቕርቦ ለመና በቲ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ኽንድግፎ ኣሎና። (ግብሪ ሃዋርያት 26:20) ድሕሪኡ የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ድሉው ምዃኑ እምነት ይህልወና። (መዝሙር 86:5፣ 103:8-14) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ነቲ ‘ንልብናን ሓሳብናን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ እዩ’ እተባህለሉ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ:” ወይ ናይ ኣእምሮ ሰላም ንረክብ። (ፊልጲ 4:7) እታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ግን ሓጢኣትና ይቕረ ንኽበሃለልና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እውን ትምህረና እያ።

በደልና ንኽሕደገልና: ንዝበደሉና ኽንሓድገሎም ኣሎና

9, 10. (ሀ) የሱስ ድሕሪ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እንታይ መግለጺ እዩ ዝሃበ: እዝኸ እንታይ እዩ ዘጕልሓልና፧ (ለ) የሱስ ንዝበደሉና ኽንሓድገሎም ከም ዘሎና ብምስላ ዘረድአ ብኸመይ እዩ፧

9 እቲ ዘገርም ከኣ የሱስ ካብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ ነታ “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና” እትብል ክፋል ጥራይ እዩ መግለጺ ሂቡላ። ነታ ጸሎት ድሕሪ ምዝዛሙ “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና: ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 6:14, 15) ስለዚ: የሆዋ በደልና ዝሓድገልና: ንዝበደሉና እንተ ሓዲግናሎም ምዃኑ የሱስ ብንጹር ገሊጹ እዩ።—ማርቆስ 11:25

10 የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: የሆዋ ይቕረ ኽብለልና ንጽበ እንተደኣ ዄንና: ንሕናውን ይቕረ ኽንብል ከም ዘሎና እትገልጽ ምስላ ሃበ። ኣብታ ምስላ ብዛዕባ ሓደ ንባርያኡ ብዙሕ ዕዳ ዝሓደገሉ ንጉስ ነገረ። ጸኒሑ እቲ ባርያ ንሓደ ብጻዩ ባርያ ዝነበሮ ንእሽቶ ዕዳ ምሕዳግ ከም ዝኣበየ እቲ ንጉስ ምስ ፈለጠ: ከቢድ መቕጻዕቲ ቐጽዖ። የሱስ ነታ ምስላኡ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” ብምባል ዛዘማ። (ማቴዎስ 18:23-35) እቲ ኻብዚ ምስላ እዚ እንረኽቦ ትምህርቲ ንጹር እዩ። እቲ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ይቕረ ዝበለልና ሓጢኣት: ምስቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝብድለና መጠን ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብዘይካዚውን የሆዋ መዓልታዊ እዩ ይቕረ ዝብለልና። ብርግጽ እምበኣር: ነቲ ሰባት ሓሓሊፎም ዝብድሉና በደል ክንሓድገሎም ንኽእል ኢና።

11. የሆዋ ይቐረ ኽብለልና ንጽበ እንተደኣ ዄንና: ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ እንታይ ማዕዳ ኢና እንስዕብ: እዝኸ እንታይ ሰናይ ፍረ የፍሪ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 4:32) ይቕረ ምብህሃል: ኣብ መንጎ ክርስትያናት ሰላም ከም ዝህሉ ይገብር። ብተወሳኺውን ጳውሎስ “ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም: ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ:” NW] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ” ኢሉ ተማሕጸነ። (ቈሎሴ 3:12-14) እዚ ዅሉ ኣብታ የሱስ “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና” ብምባል ዝመሃራ ጸሎት ይጠቓለል።

ካብ ፈተና ዕቝባ ምርካብ

12, 13. (ሀ) እታ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” እትብል ጸሎት እንታይ ትርጕም እዩ ኽህልዋ ዘይክእል፧ (ለ) እቲ ቐንዲ ፈታኒ መን እዩ: ናብ ፈተና ንኸይንኣቱ እንገብሮ ጸሎትከ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

12 የሱስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ ቀጺሉ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” በለ። (ማቴዎስ 6:13) ከምዚ ኽብል ከሎ: የሆዋ ንኸይፍትነና ኽንልምኖ ኣሎና ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ከምኡ ክኸውን ኣይክእልን እዩ: ከመይሲ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:13) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 130:3) የሆዋ ጌጋና ዘይኣሪ ኻብ ኰነ: ክዕንቅፈና እውን ኣይደልን እዩ። እዛ ኽፋል ጸሎት እዚኣ ደኣ እሞ እንታይ ማለት እያ፧

13 እቲ ብፍሕሶታቱ ኣቢሉ ኽዕንቅፈናን ከውድቐናን ክውሕጠናን ዝጽዕር ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ኤፌሶን 6:11) ቀንዲ ፈታኒ ድማ ንሱ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 3:5) ንየሆዋ ናብ ፈተና ንኸየእትወና ኽንልምኖ ኸለና: ፈተና ኸጋጥመና ኸሎ ንኽንወድቕ ከየፍቅድ ኢና እንልምኖ። እወ: “ሰይጣን [ምእንቲ] ከይብለጸልና” ሓገዝ ንኽህበናን ብፈተናታት ንኸይንስነፍን ኢና እንልምኖ። (2 ቈረንቶስ 2:11) ነቲ እቶም ኣብ ኵሉ ዝገብርዎ ነገራት ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ዝህቡ ሰባት ዝረኽብዎ መንፈሳዊ ዕቝባ ብምርካብ: ኣብ “ጸግዒ እቲ ልዑል” ክንዕቈብ እዩ ጸሎትና።—መዝሙር 91:1-3

14. ፈተና ኣብ ዘጋጥመና እዋን ካብ የሆዋ ሓገዝ እንተ ደሊና: ከም ዘይሓድገና ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

14 እዚ ኣብ ጸሎትና እንብሎ ነገር ካብ ልብና እንደልዮን ብግብርና እነርእዮን እንተ ዀይኑ: የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 10:13

“ካብ ክፉእ ኣድሕነና”

15. ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኻብቲ ኽፉእ ንኽንድሕን ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ብመሰረት እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘተኣማምን ኢደ-ጽሑፍ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: እታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት “ካብ ክፉእ ኣድሕነና” ብዝብላ ቓላት እያ እትዛዝም። a (ማቴዎስ 6:13) ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዕቝባ የድልየና ኣሎ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን “ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ቅቡኣት ተረፍ ኰነ ምስቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ይዋግኡ ኣለዉ። (ራእይ 7:9፣ 12:9, 17) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት: “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ . . . ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” ብምባል መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 5:8, 9) ሰይጣን ዕዮ ስብከትና ደው ከነብል ስለ ዝደሊ: በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሃይማኖታዊ: ንግዳዊ: ወይ ፖለቲካዊ ወኪላቱ ኣቢሉ ኸፈራርሃና እዩ ዝደሊ። ጸኒዕና እንተ ቜምና ግን የሆዋ ኸድሕነና እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 4:7

16. የሆዋ ነቶም ፈተና ዘጋጥሞም ኣገልገልቱ ንምድጋፍ እንታይ እዩ ኣዳልዩ ዘሎ፧

16 የሆዋ ንወዱ ኽፍተን ፈቒዱ እዩ። የሱስ ብቓል ኣምላኽ ገይሩ ንድያብሎስ ምስ ተጻረሮ ግን ንኸበርትዕዎ ኢሉ መላእኽቲ ሰደደሉ። (ማቴዎስ 4:1-11) ብተመሳሳሊ: ብእምነት ናብ የሆዋ እንተ ጸሊናን መዕቈቢና እንተ ጌርናዮን: ብመላእኽቱ ገይሩ ይድግፈና። (መዝሙር 34:7፣ 91:9-11) ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጴጥሮስ 2:9

ምሉእ ድሕነት እንረኽበሉ ግዜ ቐሪቡ

17. የሱስ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ብምሃብ: ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽህልወና ዘኽኣለና ብኸመይ እዩ፧

17 የሱስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ: ቅኑዕ ኣረኣእያ ኸም ዝህልወና ገበረ። ብቐዳምነት: ምቕዳስ እቲ ዓብዪ ስም የሆዋ እዩ ኸተሓሳስበና ዘለዎ። ነዚ ንምፍጻም እተገልግል መሲሓዊት መንግስቲ ስለ ዝዀነት: እታ መንግስቲ እቲኣ መጺኣ ንዅለን እተን ሰባት ዘቘምወን ዘይፍጹማት መንግስታት ንኸተጥፍአንን ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ንኽትገብርን ንጽሊ ኢና። ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋና: ስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስን ኣብ መላእ ኣድማስ ንጽድቃዊ ሉዓላውነቱ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብን እዩ ዝምርኰስ። ብዛዕባ እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ድሕሪ ምጽላይና: ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት: ሓጢኣትና ንኽሕደገልና: ከምኡውን ናብ ፈተና ንኸይንኣቱን ካብ ውዲት እቲ እኩይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ንኽንድሕንን ክንጽሊ ንኽእል ኢና።

18, 19. እታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ንቑሓት ንኽንከውንን ንተስፋና “ኣጽኒዕና” ንኽንሕዛን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

18 ካብቲ እኩይን ካብዚ እተበላሸወ ኣገባቡን ምሉእ ብምሉእ እንድሕነሉ እዋን ቀሪቡ እዩ። ሰይጣን ነቲ ‘ብርቱዕ ቍጥዓኡ’ ኣብ ምድሪ: ብፍላይ ከኣ ኣብቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዘውርደሉ “ቅሩብ ዘመን” ጥራይ ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። (ራእይ 12:12, 17) የሱስ ኣብቲ ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ምልክት “መወዳእታ ዓለም:” ገና ብሕጂ ዝፍጸም ዘህርር ነገራት ተነብዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3, 29-31) እዚ ኽፍጸም ክንርኢ ኸለና: ተስፋ ድሕነትና እናደልደለት እያ እትኸይድ። የሱስ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” በለ።—ሉቃስ 21:25-28

19 እታ ሓጻርን ንጽርትን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገሮም ኣብነት እትዀነና ጸሎት: መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ኣብ ጸሎትና እንታይ ክንጠቅስ ከም ዘሎና ጽቡቕ መምርሒ ትዀነና እያ። የሆዋ ኽሳዕ መወዳእታ ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ዘድልየና ነገራት መዓልታዊ ኸም ዘማልኣልና ምትእምማን ይሃልወና። ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል እንጽልዮ ጸሎት “ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና” ንኽንሕዛ ከኽእለና እዩ።—እብራውያን 3:14፣ 1 ጴጥሮስ 4:7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኸም ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዝኣመሰለ ኣቐድም ኣቢሉ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትብል ጸሎት: “መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ: ኣሜን” ብዝብል ቃላት ውዳሰ ዛዚምዋ ኣሎ። እታ ዘ ጀሮም ቢብሊካል ኮመንተሪ ግን “እቲ ቓላት ውዳሰ . . . ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ዘተኣማምን [ኢደ-ጽሑፍ] ኣይርከብን እዩ” ትብል።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Lydekker

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

በደልና ንኽሕደገልና: ንዝበደሉና ኽንሓድገሎም ኣሎና ድግማ

• “ናይ ዕለት እንጌራና” ንኽወሃበና እነቕርቦ ለመና እንታይ ትርጕም ዝሓዘ እዩ፧

• ነታ “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና” እትብል ክፋል ጸሎት ግለጻ።

• የሆዋ ናብ ፈተና ንኸየእትወና ኽንልምኖ ኸለና እንታይ ማለትና እዩ፧

• “ካብ ክፉእ ኣድሕነና” ኢልና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧