ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ ድዩ፧

ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ ድዩ፧

ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ ድዩ፧

“ሃይማኖት ናዕቢ ኣብ ዘየለዓዕለሉ እዋን: ንሕልና ደቅሰብ ዘደንዝዝ: ነእምሮኦም ድማ ካብ ክውንነት ብዝረሓቐ ሕልምታት ዝመልእ መደንዘዚ እዩ ዝኸውን። . . . ንሰባት ጸቢብ ዘተሓሳስባኦም: ኣጕል እምነት ዘለዎም: ብጽልእን ፍርህን እተመልኡ እዩ ዝገብሮም።” እቲ ነዚ ዝጸሓፈ ቐደም ናይ ሜቶዲስት ሚስዮናዊ ዝነበረ ሰብኣይ ኣስዕብ ኣቢሉውን “እዚ ኽሲ እዚ ሓቂ እዩ። ሕማቕን ጽቡቕን ሃይማኖት ኣሎ” በለ።—ስታርት ዮር ኦውን ረልጅን

‘እዚ ነቐፌታ እዚ ልክዕ ኣይኰነን’ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይዀኑ። እንተዀነ ግን: መን እዩ እሞ ንታሪኽ ዝኽሕዶ፧ እቲ “ንኣምላኽ ምግልጋልን ምምላኽን” ዝብል ትርጕም ተዋሂብዎ ዘሎ ሃይማኖት: መብዛሕትኡ እዋን ዘሰምብድ ታሪኽ እዩ ዘለዎ። ምስትውዓል ክህበናን ከነቓቕሓናን ዝግብኦ እኳ እንተ ነበረ: ናዕብን ዘይተጻዋርነትን ጽልእን እዩ ዝዘርኣልና ዘሎ። ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝዀነ፧

መታለሊ “መልኣኽ ብርሃን”

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብዝምልከት ኣዝዩ ቐሊል መልሲ እዩ ዝህበና። ሰይጣን ድያብሎስ ንርእሱ “መልኣኽ ብርሃን” ገይሩ ብምቕራብ: ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ትምህርትታት ኣምላኽ ዘይኰነስ ትምህርትታቱ ንኽስዕቡ ኣስሒትዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:14) ሃዋርያ ዮሃንስ: ሰይጣን ዘሕድሮ ጽልዋ ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ “ብዘላ ዓለም . . . በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ገለጸ። (1 ዮሃንስ 5:19) “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ሰይጣን ምዃኑ: ዮሃንስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ራእይ 12:9

እዚ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ፧ ሰይጣን ብደጊአን ክትርእየን ከለኻ ቕዱሳት ዝመስላ ሃይማኖታት ኣተኣታተወ። ጥዑያት ዝመስላ እኳ እንተዀና: እንታይነተን ግን በቲ ዘፍርያኦ ሕማቕ ፍረ እዩ ዝቕላዕ። (ማቴዎስ 7:15-20፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:5) ሃይማኖት ጸገማት ደቅሰብ ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝሕግዝ: ንባዕሉ ኽፍሊ እቲ ጸገም ኰነ።

ተቐላጢፍካ ‘እዚ እኳ ዘይመስል እዩ’ ኣይትበል። ምትላል ክዓዪ ዝኽእል እቲ እተታለለ ሰብ ዘይፈልጦ ኽሳዕ ዝዀነ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር: ንኣምላኽ ኣይኰነን” ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ ገሊጹ። (1 ቈረንቶስ 10:20) እቶም ሰባት ነጋንንቲ የምልኹ ምንባሮም ምስ ፈለጡ: ኣሰምቢድዎም ክኸውን ኣለዎ። ንሓደ ሰናይ ኣምላኽ ወይ ኣማልኽቲ የምልኹ ዝነበሩ እዩ መሲልዎም ነይሩ። ከም ሓቂ ግን በቶም ሰይጣን ንደቅሰብ ከስሕት ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝድግፍዎ ‘ኣብ ሰማያት ዘለዉ መናፍስቲ እከይ’ እዮም ተታሊሎም።—ኤፌሶን 6:12

ንኣብነት: ሰይጣን ንብዙሓት ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ግን ከኣ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባቲ ኣጋንንቲ ዘሕድርዎ ሕማቕ ጽልዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዝብሉ ሰባት ብኸመይ ከም ዘታልሎምን ዘስሕቶምን እስከ ንርአ።—1 ቈረንቶስ 10:12

ትምህርታት የሱስ ካብ ኣምላኽ እዩ

የሱስ ክርስቶስ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) እወ: ትምህርትታቱ ኻብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቶም ንትምህርታቱ ዝሰምዕዎ ሰባት ብዙሕ ዘተባብዕ ዝነበረ። “ንሕልና ደቅሰብ ዘደንዝዝ: ነእምሮኦም ድማ ካብ ክውንነት ብዝረሓቐ ሕልምታት ዝመልእ” ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ትምህርትታት የሱስ ንሰባት ካብቲ ብሰሪ ምትላል ድያብሎስ “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ” ዘሎ ህዝቢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝስዕብዎ ሃይማኖታዊ ስሕተትን ፍልስፍናታት ሰባትን ሓራ እዩ ዘውጽኣና።—ኤፌሶን 4:18፣ ማቴዎስ 15:14፣ ዮሃንስ 8:31, 32

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ሃይማኖታውያን ኢና’ ብምባሎም ጥራይ ዘይኰነስ: በታ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ዘፍርዮ ዝስሕብ ባህርያት እተንጸባርቕ እምነት እዮም ዝልለዩ ነይሮም። (ገላትያ 5:22, 23፣ ያእቆብ 1:22፣ 2:26) ካብዘን ባህርያት እዚኣተን እታ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ እያ።—ዮሃንስ 13:34, 35

እንተዀነ ግን: ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣስተብህል። የሱስ ኰነ ሃዋርያቱ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸምቲ ዝጀመረቶ ዀይና ኽትቅጽል ኣይተጸበይዋን ነይሮም። ክሕደት ከም ዝምዕብልን ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንእተወሰነ እዋን ከም ዝዕብለልን ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንእተወሰነ እዋን ተዋሕጠ

የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምስላ: ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንእተወሰነ እዋን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወሓጥ ገሊጹ ነይሩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 13:24-30, 36-43 ዝርከብ ጸብጻብ እሞ ኣንብቦ። የሱስ ኣብ ሓደ ግራት: ስርናይ ወይ “ጽቡቕ ዘርኢ” ዘርአ: እዚ ኸኣ ነቶም ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘቘሙ እሙናት ደቀ መዛሙርቱ የመልክት። ይኹን እምበር: የሱስ ድሕሪኡ እቲ “ጸላኢ:” ማለት ሰይጣን ድያብሎስ: ነቲ ስርናይ እተዘርአ ግራት “ክርዳድ” ከም ዝዘርኣሉ ተነበየ: እዚኣቶም ከኣ እቶም ንየሱስ ክርስቶስ ንስዕቦ ኢና እናበሉ: ንትምህርትታቱ ግን ዘይቅበሉ እዮም።

ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ: ነዊሕ ከይጸንሐ: “ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶም” ቄናን ትምህርቲ ሰብ ዝስዕቡ “ክርዳድ” ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት መጹ። (ኤርምያስ 8:8, 9፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ብልሹውን ናይ ሓሶትን ክርስትና ኣብ ዓለም ተፈጥረ። በቶም መጽሓፍ ቅዱስ ‘መፍረስቲ ሕጊ’ ዝብሎም “ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ” እተመልኡ ብልሹዋት ኣቕሽሽቲ ድማ ተዓብለለ። (2 ተሰሎንቄ 2:6-10) የሱስ እዚ ዅነታት እዚ ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ከም ዝቕየር ተነብዩ ነይሩ። እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ክርስትያናት ብሓደ ኽእከቡ ኸለዉ: እቲ “ክርዳድ” ድማ ኣብ መወዳእታ ኽጠፍእ እዩ።

እዚ ናይ ሓሶት ክርስትና እዚ ኸኣ እዩ “ብዅሉ እቲ ባርባራዊ ተግባራት” ኰነ በቲ ንህዝበ-ክርስትያን ዝወሓጣ መንፈሳዊ ጸልማት ተሓታቲ ዝኸውን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዝን ንዅሉ እቲ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ብስም ሃይማኖት እተገብረ ብልሹውን ዓመጻ ዝመልኦን ተግባርን ኣቐዲሙ ብምስትብሃል: “ብሰሮምውን [ብሰሪ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ] እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ” ኢሉ ተነበየ።—2 ጴጥሮስ 2:1, 2

ቍጥዓን ጽልእን ዘሕድር ትምህርቲ ሃይማኖት”

ንሃይማኖት ሕማቕ ስም ዘውሃበቶ ግን ህዝበ-ክርስትያን ጥራይ ዘይምዃና እተረጋገጸ እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቶም እታ ፈላሲት ዝነበረት ካረን ኣርምስትሮንግ “ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ሃይማኖታት” ኣለዉ ዝበለቶም ጥሩፋት እሞ ሕስብ ኣብል። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ሓደ ኻብቲ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ክሓልፎ ዘለዎ ወሳኒ ፈተና “ብግብሪ ዝርአ ድንጋጽ” ምዃኑ ትገልጽ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጥሩፋት ሃይማኖታት እንታይ ታሪኽ እዩ ዘለወን፧ “እቲ ጥሩፋት ዝኣምንዎ እምነት ናይ ኣይሁድ: ናይ ክርስትያናት: ወይ ናይ እስላም ይኹን ብዘየገድስ ቍጥዓን ጽልእን ዘሕድር ሃይማኖታዊ ትምህርቲ እንተ ዀይኑ: ነዚ ወሳኒ ፈተና እዚ ኣይሓልፎን እዩ” ኢላ ጸሓፈት። (ዘ ባትል ፎር ጎድ—ፋንዳሜንታሊዝም ኢን ጁዳይዝም: ክርስትያኒቲ ኤንድ ኢስላም) እንተዀነ ግን: እተን “ጥሩፋት” እተባህላ ሃይማኖታት ጥራይ ድየን “ቍጥዓን ጽልእን ዘሕድር ሃይማኖታዊ ትምህርቲ” ዝምህራ፧ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ከምዚ ኸም ዝገብራ ኻብ ታሪኽ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

ሰይጣን ብቝጥዓን ብጽልእን መወዳእታ ብዘይብሉ ምፍሳስ ደምን እትፍለጥ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቚሙ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሃጸይ እዚኣ ‘ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ርኽሰት ምድሪ’ ብምባል እዩ ዝጽውዓ: ኣብ ዝባን እቲ ብኣራዊት እተመሰለ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም እተወጥሐት ኰይና ኸኣ ተገሊጻ ኣላ። በቲ “ደም . . . ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉ” ተሓታቲት ምዃና ድማ ከነስተብህለሉ ይግባእ።—ራእይ 17:4-6፣ 18:24

ኵሉ ኣይኰነን ተታሊሉ

ኵሉ ሰብ በዚ ኸም ዘይተታለለ ግን ታሪኽ ዝሕብሮ ጕዳይ እዩ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ መልቪን ብራግ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: “ብዙሓት ዝነኣዱ ሰባት: ዝበዝሑ ኻብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት እኩያት ክነሶም ሰናይ ይገብሩ” ምንባሮም ሓበረ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ምስጋድ ወይ ምምላኽ ኣየቋረጹን። (ዮሃንስ 4:21-24) ካብቲ “ደጋፊ ወተሃደራዊ ስልጣን” ብምዃን ዝመንዘረ ሃይማኖታዊ ኣገባብ ተፈልዮም እዮም። እቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ዝነበረ ርክብ “የሱስ ብዓል ናዝሬት ዘይኰነስ ሰይጣን ዝገበሮ ውዕል” ስለ ዝነበረ: ኣብኡ ኣይኣትዉን እዮም ነይሮም።—ቱ ታውዘንድ ይርስ—ዘ ሰከንድ ሚልየንየም:- ፍሮም ሜዲቫል ክሪስተንደም ቱ ግሎባል ክርስትያኒቲ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ጽልዋ ብምግባር እዮም ዝፍለጡ። ካብ ዝዀነ ይኹን ብልሽውና ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ምእንቲ ክዀኑ: እምነታቶምን ተግባራቶምን ኣብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምርኰስ እዮም ገይሮምዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ነቲ የሱስ ‘ካብ ዓለም ንኸይኰኑ’ ዝሃቦም ትእዛዝ ይስዕቡ እዮም። (ዮሃንስ 15:17-19፣ 17:14-16) ንኣብነት: ስርዓት ናዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ካብ ክርስትያናዊ ኣቕዋሞም ምልምማጥ ስለ ዝኣበዩ: በቲ ስርዓት ተቐባልነት ኣይረኸቡን። ሂትለር በዚ ጸልኦም። ኣብያተ-ትምህርቲ ዝጥቀማሉ ሓደ መምሃሪ መጽሓፍ ብዛዕባዚ ኸምዚ ይብል:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽዋር ንኸየልዕሉ ኣብ ዝገበርዎ ውሳነ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ስዒቦም። ስለዚ: ኣባላት ሰራዊት ናዚ ዀይኖም ምግልጋል ኰነ ምስ ናዚ ዘተሓሕዞም ዝዀነ ይኹን ነገር ምግባር ኣበዩ። እቶም ኤስ.ኤስ. ከኣ ሕነ ናይዚ ንምሉኣት ስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሰሩ። ሓደ ሲሶ [ኻብቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ] ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተቐትሉ።”—ጀርመኒ—1918-45

ልክዕ እዩ: ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝርከቡ ካልኦት ተባዓት ውልቀ-ሰባት እውን ምእንቲ እምነቶም ስቓይ ወሪድዎም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከም ጕጅለ ሃይማኖት መጠን ብሕብረት እዮም ተሳቕዮም። መብዛሕትኦም ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓታት ጸኒዖም እዮም ኣኽቢሮምዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ማርቆስ 12:17

ሱር እቲ ጸገም

ስለዚ: ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ እዩ ዝብል ሓሳብ እተወሰነ ሓቅነት እዩ ዘለዎ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት እያ ሱር ጸገማት ደቅሰብ ዝዀነት። ኣምላኽ ከኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከጥፍአን መዲቡ ኣሎ። (ራእይ 17:16, 17፣ 18:21) ንዝዀነ ይኹን ፍትሕን ጽድቅን ዝፈቱ ዘበለ “ኣቱም ህዝበይ: ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ [ካብታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን] ውጹ” ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። (ራእይ 18:4, 5) እወ: ኣምላኽ በቲ ‘ንሕልና ደቅሰብ ዘደንዝዝ: ነእምሮኦም ድማ ካብ ክውንነት ብዝረሓቐ ሕልምታት ዝመልእ፣ ንሰባት ጸቢብ ዘተሓሳስባኦም: ኣጕል እምነት ዘለዎም: ብጽልእን ፍርህን እተመልኡ ዝገብር’ ዓይነት ሃይማኖት ኣመና ተቘጢዑ እዩ ዘሎ!

እዚ ኽሳዕ ዝኸውን ግን ኣምላኽ ነቶም ሓቂ ዘፍቅሩ ናብ ንጽህቲ ሃይማኖት ይእክቦም ኣሎ። እዛ ሃይማኖት እዚኣ ንስርዓታትን ትምህርትታትን እቲ ፈቃር: ፍትሓዊ: ከምኡውን ደንጋጺ ፈጣሪ እያ እትስዕብ። (ሚክያስ 4:1, 2፣ ጸፎንያስ 3:8, 9፣ ማቴዎስ 13:30) ንስኻውን ኣባል እዛ ሃይማኖት እዚኣ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዛ ንጽህቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከም እተለልያ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ: ንሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኻብ ምጽሓፍ ወይ ንዝዀነ ይኹን ናይ የሆዋ ምስክር ንኽሕግዘካ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበል።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እተፈላለየ መበቆል ዘለዎም ሰባት ኣብታ ንጽህቲ ሃይማኖት ሓጐስ ረኺቦም ኣለዉ