ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖት ጽቡቕ ጽልዋ ድዩ ዘለዎ ወይስ ሕማቕ፧

ሃይማኖት ጽቡቕ ጽልዋ ድዩ ዘለዎ ወይስ ሕማቕ፧

ሃይማኖት ጽቡቕ ጽልዋ ድዩ ዘለዎ ወይስ ሕማቕ፧

“ክርስትና ንዝገበረለይ ነገር አማስወሉ እየ: እዛ ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመት ብክርስትና እተጸልወት ዓለም እውን ከተማስወሉ ይግብኣ።”—መቕድም ናይቲ ቱ ታውዘንድ ይርስ—ዘ ፈርስት ሚልየንየም:- ዘ በርዝ ኦቭ ክርስትያኒቲ ቱ ዘ ክሩሴድ

ነዚ “ንክርስትና” ዝምልከት መግለጺ ዝሃበ: እቲ ጸሓፍን ኣብ መደበር ተለቪዥን ዝዓዪን መልቪን ብራግ ዝበሃል እንግሊዛዊ እዩ። ቃላቱ ንስምዒት እቶም ንሃይማኖቶም ኣዝዮም ዘማስዉሉን እሙናት ዝዀኑን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ምድሪ ዘንጸባርቕ እዩ። ሃይማኖት ኣብ ህይወቶም ጽቡቕ ንኽገብሩ ሓያል ጽልዋ ኸም ዝገበረሎም እዮም ዝኣምኑ። ንኣብነት: ሓደ ደራሲ: ብዛዕባ ምስልምና ኽገልጽ ከሎ “ንምልእቲ ዓለም ዝጠቐመ ዓብዪ ስልጣነ ኣምጺኡ እዩ” በለ።

ሃይማኖት ዘለዎ ግደ ጽቡቕ ድዩ ወይስ ሕማቕ፧

ብራግ ቀጺሉ እተዛረቦ ቓላት ግን ብሓቂ ሃይማኖት ጽቡቕ ጽልዋ እንተልይዎ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ጕዳይ እዩ። “ኣብ ክርስትና ሓደ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ነገር ግን ኣሎ” በለ። እንታይ እዩ ሕርኽርኽ ኢልዎ፧ “ኣብ መብዛሕትኡ ‘ታሪኽ ክርስትና’ እተንጸባረቐ ጥሩፍነት: እከይ: ኢሰብኣውነት: ከምኡውን እናፈለጥካ ዝግበር ድንቍርና” እዩ ሕርኽርኽ ከም ዝብሎ ዝገለጸ።

ሓያሎ ሰባት ኣብ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ዓለም ጥሩፍነት: እከይ: ኢሰብኣውነት: ከምኡውን እናፈለጥካ ምድንቋር ከም እተንጸባረቐ ይኣምኑሉ እዮም። ሃይማኖት ንደቅሰብ ዝጠቅም እኳ እንተ መሰለ: ኣብ ውሽጢ እቲ ንጽህናኡን ቅድስናኡን ግን ግብዝናን ሓሶትን ዝመልአ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። (ማቴዎስ 23:27, 28) ኤ ራሽናሊስት ኢንሳይክሎፔድያ “ሃይማኖት ምስ ስልጣነ ብዝተሓሓዝ ፍሉይ ግደ ኸም ዘለዎ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብ መብዛሕትኡ ጽሑፋትና እንረኽቦ እኳ እንተዀንና: ካብ ታሪኽ ግን እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምዃኑ ኢና እንርዳእ” ይብል።

ዝዀነት ጋዜጣ እንተ ኣንቢብካ: ብዛዕባ እቶም ፍቕርን ሰላምን ድንጋጽን እናሰበኹ ኽነሶም ጽልኢ ዘጐሃህሩ: ነቲ ዘሰቅቕ ግጭታቶም መመኽነይታ ንክዀኖም ኢሎም ከኣ ስም ኣምላኽ ዝጠቕሱ መራሕቲ ሃይማኖት ብብዝሒ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር: ሓያሎ ሰባት ንሃይማኖት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህይወት ሰባት ጕድኣት ዘምጽእ ገይሮም እንተ ረኣይዎ: ዘገርም ኣይኰነን።

ሃይማኖት እንተ ዘይብልካዶ ይሓይሽ፧

ገሊኣቶም ሰባት ከምቲ ድሕሪ ግዜ “ዅሉ ዓይነት ሃይማኖታዊ እምነት [እንተ ዝጠፍእ]” ኢሉ ዝምነ ዝነበረ በርትራንድ ራስል ዝበሃል እንግሊዛዊ ፈላስፋ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ሃይማኖት እንተ ተወጊዱ ዅሉ ጸገማት ደቅሰብ ፍታሕ ዝረክብ እዩ ዝመስሎም። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም እቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ሰባት እውን ማዕረ እቶም ሃይማኖተኛታት ጽልእን ድርቅናን ክህልዎም ከም ዝኽእል እናፈለጡ ኸም ዘይፈለጡ ዀይኖም እዮም ዝሓልፍዎ። ካረን ኣርምስትሮንግ እትበሃል ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕዳይ እትጽሕፍ ደራሲት “ዓለማውነት ማዕረ እቲ ሃይማኖታዊ ውግእ ዘስዕቦ ቕትለት ከምጽእ ከም ዝኽእል እንተ ወሓደ ኣብቲ ናዚ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለት ተራእዩ እዩ” ብምባል ተዘኻኽር።—ዘ ባትል ፎር ጎድ—ፋንዳመንታሊዝም ኢን ጁዳይዝም: ክርስትያኒቲ ኤንድ ኢስላም

እሞ ደኣ ሃይማኖት ብሓቂዶ ጽቡቕ ጽልዋ ኣለዎ እዩ: ወይስ ሱር ጸገማት ደቅሰብ እዩ፧ ኵለን ሃይማኖታት ብምጥፋእ ድዩ ነዚ ጸገማት ፍታሕ ዝርከበሉ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝብል ክንርኢ ኢና። እቲ ኣብኡ እትረኽቦ መልሲ የገርመካ ይኸውን።