ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ኽበጽሑኻ ዝመጹ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ኽበጽሑኻ ዝመጹ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ኽበጽሑኻ ዝመጹ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ መላእ ዓለም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይተሓለሉ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ብዝህብዎ ኣገልግሎት ፍሉጣት እዮም። ገሊኣቶም ሰባት: ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰብክዎ መልእኽቲ ብዙሕ ተገዳስነት ምስ ዘይህልዎም: ንምንታይ ብተደጋጋሚ ኽበጽሕዎም ከም ዝመጹ ይሓስቡ እዮም። ካብ ሩስያ እተላእከ ኽልተ ደብዳበታት መልሲ ናይዚ ንኽንርዳእ የኽእለና።

ሓንቲ ኣብ ከባሮስክ እትነብር ማሻ እትበሃል ጓል 19 ዓመት መንእሰይ “ሓቂ ንምዝራብ: ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምርሓቕ ዝከኣለኒ እየ ዝገብር ነይረ” በለት። ይኹን እምበር: ሒደት ቅዳሓት እተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ መጽሔታት ድሕሪ ምንባብ ኣረኣእያ ቀየረት። “ብሓቂ ዝምስጥን ምስትውዓል ዝህብን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ንዓለም ብኻልእ ኵርናዕ ንኽትርእያ የኽእለካ። በብቝሩብ ሰባት ስለምንታይ ብህይወት ከም ዝነብሩ ኽርድኣኒ ጀሚሩ” በለት።

ካብ ቫላድቨስቶክ ብሸነኽ ሰሜን 80 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኡሱሪስክ እትነብር ስቭየትላና ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብዚ ቐረባ ግዜ እየ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኸንብብ ጀሚረ። እዚ መጽሔታት እዚ ንግዜና ኣመና እዩ ዘድሊ። ኵሉ እቲ ዓንቀጻት ባህ እዩ ዝብለኒ። ኣዝዩ ዝምስጥን ሓበሬታ ዝህብን ምስትውዓል ዝውስኽን ስለ ዝዀነ አመስግነኩም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንስኻትኩም ስለ ዘለኹምልናን ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይን ኣድላዪን ዕዮ ስለ እትዓዩን ኣዝየ አመስግነኩም።”

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይሰባኺኸ [ሰባት] ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ብምባል ዝሓተታ እተመራምር ሕቶ ኣርዚኖም እዮም ዝርእይዋ። (ሮሜ 10:14) ኣብ ዝቕጽል እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሑኻ ምስ መጹ ንሒደት ደቓይቕ ንምንታይ ዘይትሰምዖም፧ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ባህ ክብለካ ይኽእል ይኸውን።