ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ “ሕምብርቲ ዓለም” እተገብረ ኣኼባ

ኣብ “ሕምብርቲ ዓለም” እተገብረ ኣኼባ

ኣብ “ሕምብርቲ ዓለም” እተገብረ ኣኼባ

“ተ ፒቶ ኦ ተ ሀኑዋ” ዝብል ቃላት ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ እዚ በቲ ራፓ ኑዊ ዝበሃል ኣብ ደሴት ኢስተር ዝዝረብ ቦኽሪ ቛንቋ “ሕምብርቲ ዓለም” ማለት እዩ። እቲ ኣብዛ ደሴት እዚኣ እተገብረ ኣኼባ ኣዝዩ እተፈልየ ዝገበሮ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ደሴት ኢስተር ወይ ብኣጸዋውዓ ተቐማጦኣ ራፓ ኑዊ: እተገለለት: እትምስጥ: ከምኡውን ፍልይ ዝበለት ተባሂላ ኽትግለጽ ትኽእል እያ። ኣብ ደቡብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ካብ ሳንቲያጎ: ቺለ: 3,790 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ብምዃና ብሓቂ እተገለለት እያ። እዛ ደሴት እዚኣ ብ9 መስከረም 1888 ሓንቲ ኻብ ኣውራጃታት ቺለ ዀነት።

እዛ ስሉስ ኵርናዓዊ ቕርጺ ዘለዋ ደሴት 166 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ ዀይና: ብመሰረቱ ብሰለስተ ዝቐሃመ እሳተ-ጎሞራ ዝቘመት እያ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምተን መብዛሕትአን ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ደሴታት ብጫፋት ናይ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝርከብ ዓበይቲ ኣኽራን እያ ቘይማ። እዛ ደሴት እዚኣ ብምልእታ ባህርያዊ ቕርሲ ጌርካ እያ እትርአ። ብፍላይ በቲ ሞኣይ ዝበሃል ምስጢራዊ ሓወልትታት ብዝያዳ ኸም እትፍለጥ ዘጠራጥር ኣይኰነን። a

ደሴት ኢስተር ኣብ ርእሲ እቲ ማራኺ ኣቀማምጣ መሬታን ታሪኻዊ ቦታታትን: ፍልይ ዝበለ ምዑዝ መግቢ እውን ኣለዋ። ኣብዛ ደሴት እዚኣ ከም እኒ ኣናናስ: ኣቮካዶ: ፓፓዮ: ከምኡውን ትሽዓተ እተፈላለየ ዓይነት ባናና ይፈሪ። ካብቲ ባሕሪ ድማ እተፈላለየ ዓይነት ዓሳን ካልእ ዝብላዕ ነገራትን ይርከብ።

ኵነታት ኣየር ደሴት ኢስተር ምሹእ ክኸውን ከሎ: ዝናም ኣዘውቲሩ ዝወቕዓላን ቀስተ ደበና ብብዝሒ ዝረኣየላን ብምዃና: በጻሕቲ ጽሩይ ኣየር ይረኽቡ: እጹብ ትርኢት ድማ ይርእዩ። ኣብዚ እዋን እዚ 3,800 ዝዀኑ ተቐማጦ ኣለዉዋ። እዞም ተቐማጦ እዚኣቶም ካብቶም ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ ዓዲ ዝሰፈሩ ኣውሮጳውያንን ቺለያውያንን ካልኦት ዓሌታትን እተወልዱ እዮም። ካብ ኣውሮጳን እስያን ዝኸዱ በማእታት ዝቝጸሩ በጻሕቲ ነታ ደሴት ስለ ዝበጽሕዋ: ቱሪዝም ኣገዳሲ ኽፍሊ ቝጠባ እታ ደሴት እዩ።

ዘርኢ መንግስቲ ንመጀመርታ ግዜ ተዘርአ

ናይ 1982 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ጸብጻብ ሒዛ ወጺኣ ነይራ:- “ኣብ ደሴት ኢስተር ንእተወሰነ ግዜ ሓንቲ ኣስፋሒት ነይራትና። ሓንቲ ኣብዚ [ኣብ ቺለ ዘሎ] ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እትርከብ ሚስዮናዊት ብደብዳበ ገይራ መንፈሳዊ ሓገዝ ትገብረላ ነበረት። ሕጂ እታ ኣስፋሒት ካብታ ደሴት እኳ እንተ ተመልሰት: ኣብታ ደሴት ኵንትራት ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ዝኣተዉ ሰባት ኣድራሻታት ኣሎና። እቲ ዘገርም ከኣ ኣብ ሚያዝያ 1980 ሓደ ተገዳሲ ደዊሉ በዓል ዝኽሪ መዓስ ከም ዝብዓል ሓተተና። ጸኒሑ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኻብ ቫልፓራይዞ ናብታ ደሴት ዝገዓዙ ሰብ ሓዳር: ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሑሎም። ኣብ ሚያዝያ 1981 ኣብዛ ደሴት እዚኣ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ኣኼባ ምስ ተገብረ: 13 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። እቲ ‘ብስራት’ ኣብዛ እተገለለት ደሴት ክኣቱ ምጅማሩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘሐጕሰና!”

ጸኒሑ ብ30 ጥሪ 1991 እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ዳርዮ ፈርናንደስን ዊኒ ፈርናንደስን ንዝበሃሉ ሰብ ሓዳር ፍሉያት ፓይነራት ናብታ ደሴት ለኣኸ። ሓው ፈርናንደስ “ሓሙሽተ ሰዓት ዝወስድ በረራ ድሕሪ ምግባርና ናብታ ኻብ ምድርና ዝያዳ ዅሉ እተገለለትን ባህላ ምስጢራዊ ዝዀነን ቦታ በጻሕና” ብምባል ተዘክሮኦ ይገልጽ። ሓደ ኣብታ ዓዲ ዝነብር ሓውን ሓንቲ ምስ ክልተ ደቃ ናብታ ደሴት ካብ እትመጽእ ነዊሕ ዘይገበረት ሓብትን ብዝገብርዎ ደገፍ ብዝግባእ ኣኼባታትን ስብከትን ክካየድ ጀመረ። ካብ ስድራቤት ዝወርድ ጸቕጢ: ሃይማኖታዊ ቝጥዓ: ከምኡውን ኣብ ባህሊ ፖሊነዥያ ልሙድ ዝዀነ እተወሰነ ኣነባብራ ጸገማት እኳ እንተ ኣምጽኣሎም: ነቲ ጻዕርታቶም የሆዋ ኽባርኾ ኸሎ ግን ርእዮም እዮም። ሓው ፈርናንደስን ብዓልቲ ቤቱን ኣብዚ እዋን እዚ ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ኣይኰነን ዘገልግሉ ዘለዉ: እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብኡ እተወለደ ወዶም ኣብታ ደሴት የዕብይዎ ኣለዉ። ሎሚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ 32 ሕጉሳት ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ገለ ኻባታቶም ደቀባት ራፓ ኑዊ ክዀኑ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ኣብታ ደሴት እተጣየሱ ወይ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልይዎ ቦታ ኸይዶም ከገልግሉ ዝገዓዙ እዮም።

ንናይ ወረዳ ኣኼባ እተገብረ ምድላው

ኣብ መንጎ ላቲን ኣመሪካን እታ ደሴትን ዘሎ ነዊሕ ርሕቐት ኣብ ግምት ብምእታው: እታ ኣብታ ደሴት እትርከብ ጉባኤ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ እቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ: ናይ ወረዳ ኣኼባ: ከምኡውን ኣውራጃዊ ኣኼባ ብቪድዮ ተቐዲሑ ይለኣኸላ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 2000 ግን ኣብ ቺለ ዝርከብ ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነታ ደሴት ንመጀመርታ ግዜ ናይ ርእሳ ኣኼባ ኽትገብር ዝብል ጕዳይ ክሓስበሉ ጀመረ። ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ሕዳር 2001 ናይ ወረዳ ኣኼባ ንኽግበር መደብ ተገብረ። ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ቺለ ዝርከቡ እተወሰኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ንኽእከቡ ዕድመ ተገብረሎም። ብሰንኪ እቲ ነፋሪት እትበረሉ መደብ እቲ ኣኼባ ሰንበትን ሰኑይን ክግበር ተመደበ።

እቶም 33 ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብታ ደሴት ከይዶም ኣብቲ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ንፈለማ ግዜ ናይ ወረዳ ኣኼባ ምግባር ብዙሕ እዩ ኣሐጒስዎም። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ንሓያሎ ሰዓታት በረራ ድሕሪ ምግባር: እቶም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ኣሕዋት መርሓባ ኢሎም ክቕበልዎም ከለዉ ብሓቂ ዘሐጕስ እዩ ነይሩ። እቶም ዕዱማት ብመሰረት ልማድ እታ ደሴት ትንጎ ዕምባባ (ብዕምባባታት እተሰርሐ ኣብ ክሳድ ዝኣቱ ስልማት) ተገብረሎም። ድሕሪኡ ናብቲ ዝዓርፉሉ ቦታ ተወስዱ። ኣብታ ደሴት ንሕጽር ዝበለ እዋን ዙረት ድሕሪ ምግባር: እቶም ኣብቲ ኣኼባ ኽፍሊ ዝነበሮም ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣከቡ።

እቲ ኣኼባ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲ ኣብ ኵሉ ተፈልጠ

ገሊኣቶም ዕዱማት ናብቲ ኣኼባ ክኸዱ ኸለዉ: ሓደ ኣብቲ ዓዲ ዝነብር ካህን ብዛዕባ ምምጻኦም ኣብ ረድዮ ኽዛረብ ምስ ሰምዑ ተገሪሞም እዮም። ካብ ደቡብ ኣመሪካ ዝመጹ በጻሕቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ንኽዛረቡ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከም ዝዞሩ ጠቐሰ። ንምእመናኑ ድማ ነቶም በጻሕቲ ንኸይሰምዕዎም እኳ እንተ ተማሕጸኖም: እቲ ዘረባኡ ግን ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ደሴት ከም ዝመጹ ዅሉ ሰብ ንኽፈልጥ ኣኽኢሉ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ሃንቀውታ ኣሕደረ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ መዓልትታት: እቶም ዕዱማት ነቶም ነበርቲ እታ ደሴት ነቲ ዘተባብዕ ብስራት ብሜላ ነገርዎም።

እቲ ኣኼባ ተጀመረ

ሰንበት ንግሆ ምስ ኰነ እቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ኣሕዋት ነቶም ዕዱማት ናብቲ ኣኼባ ኽመጹ ኸለዉ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ንምባል ኣቐዲሞም ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኢሎም ጸንሑ። “ኢዮራና ኮየ! ኢዮራና ኮየ!” ማለት “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” በልዎም። ገሊኣተን ኣሓት ልክዕ ከም ባህሊ ፖሊነዥያ ባህላዊ ኽዳን ተኸዲነን: ንጸጕረን ድማ ብምልኩዕ ዕምባባታት ሰሊመን መጻ።

ንምስማዕ ባህ ዘብል መኽፈቲ ሙዚቃ ምስ ተሰምዐ: እቶም ሚእቲ ዝዀኑ ተኣከብቲ ብሓባር ኰይኖም ኣብታ ደሴት ቅድሚኡ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ መገዲ “ጽኑዓት: ዘይትነቓነቑ ኹኑ!” ዘርእስቱ መዝሙር ዘመሩ። እቲ ኣቦ መንበር በቲ ራፓ ኑዊ ዝበሃል ቋንቋኦም ገይሩ ብውዕዉዕ ስምዒት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ክብል ከሎ: ነቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ኣሕዋት ንብዓት ሰዓሮም። ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዕረፍቲ ሰለስተ ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ህይወቶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ኣብ ማይ ብምጥማቕ ኣርኣዩ። እቲ ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣኼባ ኽዛዘም ከሎ: ኵላቶም ናብ የሆዋን ናብታ ዓለምለኻዊ ሕውነትን ዝያዳ ኸም ዝቐረቡ ተሰምዖም።—1 ጴጥሮስ 5:9

ናይ ንግሆ ስብከት

ኣብታ ደሴት ዘሎ ዅነታት ፍልይ ዝበለ ብምዃኑ: እቲ ናይታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኣኼባ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ጀሚሩ። ስለዚ: እቶም ዕዱማት ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ናይ ንግሆ ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፉ። እንታይ ተመክሮታትከ ኣጋጠሞም፧

ሓንቲ ሸሞንተ ውሉዳት ዘለዉዋ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካቶሊክ ብምዃና ኸተዘራርቦም ከም ዘይትኽእል ነገረቶም። ብዛዕባቲ ኸም ምውሳድ ሓሽሽን ናይ ስድራቤት ሽግራትን ዝኣመሰለ ንዅሉ ሰብ ዘጓንፍ ጸገማት ከዘራርብዋ ኸም ዝደልዩ ምስ ነገርዋ ግን ክትሰምዖም ፍቓደኛ ዀነት።

ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ: መጀመርታ ንሰብ ሓዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ገይራ ኣይተቐበለቶምን። ናብታ ዝመጹላ ኣህጉር ተመሊሶም ነቶም ጨካናት ሰባት ከዘራርብዎም ነገረቶም። እቶም ሰብ ሓዳር እቲ “ወንጌል መንግስቲ” ንዅሉ ሰብ ከም ዝነግሩን ናብታ ደሴት ዝመጹሉ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ንኸዕቢ ኣብ ዝሕግዝ ኣኼባ ንኽካፈሉ ምዃኖምን ነገርዋ። (ማቴዎስ 24:14) ካብኡ ምስቲ ኣብታ ደሴት ዘሎ ኣብ እትመሳሰል ግን ከኣ ሕማምን ሞትን ኣብ ዘይብላ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዘሐጕሳ እንተ ዀይኑ ሓተትዋ። እቲ ኣብታ ደሴት ዝርከብ ኣፍ እሳተ-ጎመራ ንኽንደይ ዓመታት ዝኣክል ከም ዝጸንሐ ኸም እትሓስበሉ ምስ ገበሩ: ህይወት ብሓቂ ሓጻር ምዃና ኣስተንተነትሉ እሞ “ንሓጺር ግዜ ጥራይ እንነብር ስለምንታይ ኢና፧” ኢላ ሓተተቶም። ናይዚ መልሲ ኻብ መዝሙር 90:10 ምስ ኣንበበቶ ተገረመት።

ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ጐረቤት ጭድርታ ሰምዑ። እቲ ጭድርታ እንታይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይተረድኦም: እታ ሰበይቲ ግን እቶም ጐረባብቲ ይጻረፉን እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክመጽእዎም ከም ዘይደልዩ ይገልጹን ምህላዎም ነገረቶም። ይኹን እምበር: እታ ሰበይቲ ኑዋ ወይ ካብ ስድራቤታ በዅሪ ስለ ዝነበረት: ኣቦኣ ኻብ ዝመውት ኣትሒዙ ነቲ ስድራቤታ ዝሓይሽ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ነበራ። ኣብ ቅድሚ እቶም ቤተሰባ ኸኣ ብቛንቋኣ ገይራ ነቶም ኣሕዋት ተጣበቐትሎም: ነቲ ዝሃብዋ ጽሑፋት ድማ ተቐበለቶም። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ምስ ሓዋ ብማኪና ገይራ ኽትከይድ ከላ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኣየቶም ደው ንኸብለላ ነገረቶ። ንሱ በዚ እኳ እንተ ዘይተሓጐሰ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሰናበተቶም: ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ንኽረኽቡ ድማ ትምኒታ ገለጸት።

ገሊኣቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ነቲ እቶም ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰብክዎ መልእኽቲ መጀመርታ ዘይተቐበልዎ እኳ እንተ መሰሉ: እቶም ራፓ ኑዊ ብተፈጥሮኦም ሕያዎትን ምቕሉላትን ምዃኖም ግን ነቶም በጻሕቲ ንጹር ኰይንሎም እዩ። መብዛሕትኦም ነቲ ብስራት ተሓጒሶም ሰምዑ። አረ: ካብቶም ኣብታ ደሴት እተጠምቁ 20 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ: እቶም 6 ነበርቲ እታ ደሴት እዮም። ሓደ ኻብዚኣቶም ንብዓልቲ ቤቱ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርሓላ ኸሎ: ኣብ ካልእ ክፍሊ ዀይኑ ምስ ሰምዐ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ፈለጠ። ኣብዚ እዋን እዚ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም: ንሱ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ይዓዩ ኣሎ።

እቲ መንፈሳዊ ኣኼባ ቐጸለ

ድሕሪ ምሳሕ እቲ ናይ ካልአይቲ መዓልቲ ኣኼባ ተጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲውን እቶም 32 ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን እቶም 33 ዕዱማት ጥራይ ዘይኰኑስ ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት መጹ። ዳርጋ ሓደ ሚእቲ ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ትምህርትታት: እንተላይ ነቲ “ብፍቕርን እምነትን ንዓለም ምስዓር” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ሰምዑ። አረ እቶም ኣብኡ እተኣከቡስ: ኣብ ህዝቢ የሆዋ ኣብ መንጎ እቶም እተፈላለየ ባህልታት ዘለዎም እውን ከይተረፈ ዘሎ ፍቕሪ ብዓይኖም እዮም ዝርእይዎ ነይሮም።—ዮሃንስ 13:35

ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛብን እቶም ናይ ኣውራጃ ተዓዘብትን ምስቶም ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ፍልይ ዝበለ ኣኼባ ገይሮም ነይሮም። እቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሰለስተ ስርዓታውያን ፓይነራት: በቶም ስርዓታውያን ወይ ፍሉያት ፓይነራት ዝዀኑ ዕዱማት ተሰንዮም ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈሉ። ኵላቶም ብዙሕ እዮም ተተባቢዖም።

ንጽብሒቱ ገለ ኻብቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ መራሕቲ በጻሕቲ ሃገር ኰይኖም ዝዓዩ ኣሕዋት: ነቶም ዕዱማት ኣብታ ደሴት ኣዛወርዎም። ነቲ ሞኣይ ዝበሃል ሓወልትታት እተቐርጸሉ ኣእማን ዝፈሓረሉ ቦታ: ጥንታዊ ውድድራት ዝግበረሉ ዝነበረ እሳተ-ጎመራ ዘለዎ ቦታ: ከምኡውን ነቲ ናብታ ደሴት ዝመጹ ፈለምቲ ሰባት ዝወረደሉ ውቁብ ወርቃዊ ሑጻ ዘለዎ ኣናኬና ዝበሃል ገምገም እናዞሩ ረኣይዎ። b

እቶም በጻሕቲ ምስቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ኣሕዋት ዘሕለፍዎ ናይ መወዳእታ ግዜ: ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ኣኼባ እቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣጋይሾም ፍሉይ መግቢ ብምድላው ኣስደመምዎም። ድሕሪኡ ፍልይ ዝበለ ኽዳን ተኸዲኖም ከኣ ባህላዊ ሳዕስዒት ኣርኣይዎም። እቶም ዕዱማት ኰኑ እቶም ራፓ ኑዊ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን: ካብቲ ኣኼባ ብዙሕ ንኽጥቀሙ ጻዕሪ ገበሩ።

ኵሎም እቶም ተዓዲሞም ናብታ ደሴት ዝኸዱ ነቶም ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ጽቡቕ ገይሮም ዘአንገድዎም ኣብ እተገለለት ደሴት ዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕሪ ሓዲርዎም እዩ። ካብታ ደሴት ክምለሱ ኸለዉ ኸቢድዎም እዩ ነይሩ። ነቶም ሓደስቲ እተላለይዎም ፈተውቲ ዀነ ነቲ እተዋህቦም መንፈሳዊ ምትብባዕ ወትሩ ኣኽቢሮም እዮም ዝርእይዎ። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ እቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ኣሕዋት ነቶም ዕዱማት ካብ ዛዕጐል ዝሰርሕዎ ስልማት ኣብ ክሳውዶም ገበሩሎም።

እቶም ዕዱማት ክነቕሉ ኸለዉ “ኢዮራና! ኢያው ሀ ሆኪ ማኣይ ኤ ራፓ ኑዊ ኢ” ማለት “ደሓን ኩኒ ራፓ ኑዊ! ክምለሰኪ እየ” ኢሎም ተመባጽዑ። እወ: ነቶም ኣብታ እተገለለት: እትምስጥ: ከምኡውን ፍልይ ዝበለት ደሴት ኢስተር ዝርከቡ ሓደስቲ ፈተውቶምን መንፈሳውያን ኣባላት ስድራቤቶምን ተመሊሶም ንኽበጽሕዎም ሃረር እዮም ዝብሉ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 22 ሰነ 2000 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተወከስ።

b ኣብቲ ራኖ ራራኩ ዝበሃል ኣፍ እሳተ-ጎመራ ዘለዎ ቦታታት ብዙሕ እተቐርጸ ጽሑፋት ኣሎ። እቶም ገዛእቲ እታ ደሴት ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት: ውድድር ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን ካብዚ ቦታ እዚ ይብገሱ ነበሩ። እቲ ውድድር በቲ ጸድፊ ምውራድ: ናብ ሓንቲ ኻብተን ንኣሽቱ ደሴታት ሓምቢስካ ምኻድ: ኣብቲ ኸባቢ ናይ እትርከብ ዑፍ እንቋቝሖ ምርካብ: እናሓምበስካ ናብታ ደሴት ተመሊስካ ምምጻእ: ከምኡውን ነታ እንቋቝሖ ኸይተሰብረትካ በቲ ጸድፊ ምሕኳር ዘጠቓልል ነበረ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ደሴት ኢስተር ምምስካር

ቅድሚ እዚ ዘይርሳዕ ኣኼባ ኽልተ ዓመት ይገብር: ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብታ ደሴት ምብጻሕ ገይሩን ሓያሎ ባህ ዘብል ተመክሮታት ኣጋጢምዎምን ነበረ። ንኣብነት: እታ ናብ መሕደሪኦም ዝወሰደቶም ሓብቲ ኣስታት 16 ዓመት ይገብር መንእሰይ ከላ ኣብ ደቡባዊ ቺለ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዋ ኸም ዝነበሩ ምስ ነገረቶም ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረሙ እሞ ሕስብ ኣብሉዎ። እቲ ሽዑ ዝዘርእዎ ዘርኢ ጸኒሑ ኣብ ራፓ ኑዊ ፍረ ፈረየ።

ብዘይካዚውን ዘስሕቕ ተመክሮ ኣጋጠሞም። ሓደ መዘከርታ ኣቓሑ ንዝሽየጦ ድኳን ዝውንን ሰብኣይ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እታሕትማ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ወሰደ። ክበጽሕዎ ምስ ተመልሱ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ኸም ዘይከኣለ ነገሮም። ከመይሲ: ብስጳንኛ እተዳለወ ዘይኰነስ ብፈረንሳይኛ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ገዲፎምሉ! እቲ ጸገም ብቕልጡፍ ተፈትሐ: ብሓገዝ እቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንምርድኡ ብዘየጸግሞ ማለት ብቛንቋኡ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋህቦ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ደሴት ኢስተር

ቺለ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክልተ ኻብቶም ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ እተጠምቁ ሰባት

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ዓቐበት እሳተ-ጎመራ ራኖ ራራኩ፣ እታ ንእሽቶ ስእሊ:- ኣብ በረኻ እታ ደሴት ዝበቍል ዘይቱን