ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጸበባ ንዘለዉ ዝኸውን መጸናንዒ

ኣብ ጸበባ ንዘለዉ ዝኸውን መጸናንዒ

ኣብ ጸበባ ንዘለዉ ዝኸውን መጸናንዒ

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ሓያሎ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ጸበባ ኸጋጥሞም ከሎ መምርሒ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ ነበሩ። ይኹን እምበር: ብልሓት ተጠቒሞም ካብ ጨቈንቶም ብምምላጥ ኰነ ብኻልእ መገዲ ጸበባኦም የፋዅሱ ነይሮም እዮም። ንኣብነት: ዳዊት ኣብ የሆዋ ብምውካልን ብምብልሓትን ንዘጋጥሞ ዝነበረ ጸበባ ይጽመሞ ነይሩ እዩ። ሎሚኸ ንሕና ጸበባ ኸጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ኢና ኽንዋጽኣሉ እንኽእል፧

ጸበባ ኸጋጥመካ ኸሎ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ኣድላዪ ስጕምትታት ከም እትወስድ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት: ካብ ስራሕ እንተደኣ ወጺእካ: ንርእስኻን ንስድራቤትካን ንምንባይ ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ፋሕተርተር ኣይትብልንዶ፧ (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ወይ ከኣ ምስ እትሓምም ናብ ሕክምና ኣይትኸይድንዶ፧ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሕማም ንምፍዋስ ሓይሊ ኣምላኽ ዝነበሮ የሱስ ‘ንሕሙማት ሓኪም ከም ዘድልዮም’ ኣፍልጦ ሃበ። (ማቴዎስ 9:12) ይኹን እምበር: ዘጋጥመካ ዘበለ ዅሉ መከራ ወትሩ የልግስ እዩ ማለት ኣይኰነን: ብመጠኑ እናተጸመምካ ኽትነብር ከድልየካ ይኽእል እዩ።

ስለዚ: ጸገም ከጋጥመካ ኸሎ ነቲ ጕዳይ ስለምንታይ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ዘይተቕርቦ፧ ንኣብነት: ስራሕ ክንደሊ ኸለና: ብጸሎት ኣብ ኣምላኽ ምውካልና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ስራሕ ንኽንቅበል ፈታኒ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ንኽንቃወሞ ሓይሊ ይህበና። ብስስዐ ወይ ብፍቕሪ ገንዘብ ተለዓዒልና ‘ካብ እምነት ንኸይንዝንብል’ እውን ክሕግዘና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) እወ: ምስ ስራሕ ወይ ስድራቤት ወይ ናይ ጥዕና ጕዳያት እተተሓሓዘ ኸቢድ ውሳነታት ክንገብር ከለና: ነቲ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ዝብል ዳዊት ዝሃቦ ማዕዳ ኽንስዕቦ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 55:22

ኣብ ርእሲ እዚውን ልባዊ ጸሎት ምቕራብና: እቲ ዝወረደና መከራ ነተሓሳስባና ዓብሊሉ ሚዛንና ኸም እንስሕት ንኸይገብረና ህድኣት ክህበና ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ብምባል ጸሓፈ። ልባዊ ጸሎት ብኸመይ እዩ ኸጸናንዓና ዝኽእል፧ ጳውሎስ ቀጺሉ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ይብለና። (ፊልጲ 4:6, 7) ሰላም ኣምላኽ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ” ብምዃኑ ንስምዒትና ዝደቍስ ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ የህድኣና። ‘ንልብናን ሓሳብናን ስለ ዝሕልዎ’ ኸኣ ንጸበባና ኸጋድድ ዝኽእል ናይ ሃወኽ ስጕምትታት ንኸይንወስድ ይሕልወና።

ጸሎት ኵነታት ከም ዝቕየር ክገብር እውን ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ: ንብጾቱ ክርስትያናት ክጽልይሉ ብትሕትና ተወከሶም። ጳውሎስ ክጽልይሉ እተወከሶም ስለምንታይ እዩ፧ ቀጺሉ “ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም: እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:19) ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ክርስትያናት ብጾቱ ኣዘውቲሮም ምእንታኡ ዝጽልይዎ ዝነበሩ ጸሎት: የሆዋ ስለ ዝሰምዖ ነቲ ዝፍትሓሉ እዋን ከቀላጥፎ ኸም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ፊልሞን 22

ጸሎት ነቲ መከራና ዘምጽኦ ሳዕቤን ክቕይሮ ይኽእል ድዩ፧ ምናልባት ይኽእል ይኸውን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎትና በቲ ንሕና ዝመረጽናዮ መገዲ ኸም ዘይምልሰልና ኽንፈልጥ ኣሎና። ጳውሎስ ምናልባት ነቲ ኣካላዊ ጸገም ክኸውን ዝኽእል ‘ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ ግራጭ’ ከልግሰሉ ደጋጊሙ ጸልዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነዚ ስቓይ እዚ ኣብ ክንዲ ዘልግሰሉ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ኢሉ መለሰሉ።—2 ቈረንቶስ 12:7-9

ስለዚ እምበኣር: ጸበባና ብኡንብኡ ኸየልግስ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ትውክልቲ ንምግላጽ ግን ኣጋጣሚ ኣሎና። (ያእቆብ 1:2-4) የሆዋ ኣምላኽ ንጸበባና እኳ እንተ ዘየልገሰልና ‘ምጽዋሩ ምእንቲ ኽንክእል ግን መውጽኢ ኽገብረልና’ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ‘ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ተባሂሉ ኸም እተጸውዐ ኣይንረስዕ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) እወ: ኣምላኽ ንኽንጽመም ዘኽእለና ነገር ክህበና ይኽእል እዩ: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት እውን ሂቡና ኣሎ።

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል ይመባጻዕ። (ራእይ 21:3, 4) ጸበባ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ ምባልሲ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ድዩ፧ ኣብ ናብራኻ መከራ ተፈልዩካ ዘይፈልጥ ሰብ እንተደኣ ዄንካ: ከምኡ ኽስምዓካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ፍርሂ ይኹን መከራ ዘይብላ ዓለም ከም እትመጽእ ተመባጺዑ እዩ: ዕላማኡ ኸም ዝፍጸም ከኣ እሙን እዩ።—ኢሳይያስ 55:10, 11

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጭንቀት ምንጋፍ