ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከይትጥበር ተጠንቀቕ

ከይትጥበር ተጠንቀቕ

ከይትጥበር ተጠንቀቕ

“ብኸንቱ ምጥባር ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።” —ቈሎሴ 2:8

1-3. (ሀ) ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት መዓልታዊ ናብራ ወድሰብ ጥበራ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎ እንታይ ኣብነታት እዩ ዝገልጸልና፧ (ለ) በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥበራ ኽንግረም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

 ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ ናይ ሕጊ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ኸካይድ ከሎ ንጠበቓታት “ክንደይ ካባኻትኩም እዮም ካብቶም ኣገልግሎትኩም ደልዮም ዝመጹኹም ሰባት ሓሶት ተዛሪቦምኹም ዘይፈልጡ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ መልሲኸ እንታይ ነበረ፧ ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ “ካብ ኣሽሓት ጠበቓታት ሓደ ጥራይ ተረኽበ።” ሓደ ኽርከብ እተኻእለ ግን ስለምንታይ እዩ፧ “እቲ ጠበቓ ኣብ ሓደ ዓብዪ ትካል ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ስለ ዘይጸንሐ: ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ: ኣገልግሎቱ ደልዩ ዘዘራረቦ ሰብ ኣይነበረን።” እዚ ተመክሮ እዚ ሓሶትን ጥበራን ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ኣዝዩ ልሙድ ምዃኑ ዘርኢ ኣብነት እዩ።

2 ጥበራ ብዙሕ መልክዕ እዩ ዘለዎ: ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ህይወት ከኣ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝቐርብ ጸብጻባት ሓያሎ ኣብነታት ሒዙልና ኣሎ። ሒደት ኣብነታት ንምጥቃስ እኳ ፖለቲካውያን ብዛዕባ እቲ ዝወስድዎ ስጕምትታት ሓስዮም ይዛረቡ: ናይ ሕሳብ ተጸባጸብትን ጠበቓታትን ንእተረኽበ መኽሰብ ኣጋኒኖም ይገልጹ: ብረክላም ኣቝሑ ዘላልዩ ሰባት ንተጠቀምቲ የታልሉ: ተማጐትቲ ሰባት ንናይ መድሕን ኩባንያታት የደናግሩ። ብዘይካዚ ሃይማኖታዊ ጥበራ እውን ኣሎ። ካህናት ከም እኒ ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን እያ: ሲኦል መሳቐዪ ቦታ እዩ: ከምኡውን ኣምላኽ ስላሴ እዩ ዝብል ናይ ሓሶት ትምህርትታት ብምምሃር ንህዝቢ የስሕቱ።—2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

3 እዝስ ከደንጽወና ዝግባእ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ክገልጽ ከሎ “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ብምባል ኣጠንቂቑና ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ስለዚ ኸም ክርስትያናት መጠን ካብ ሓቂ ኸርሕቐና ዝኽእል ዝጥብር ሓሳባት ከይንቕበል ክንጥንቀቕ ኣሎና። ይኹን እምበር: ‘ሎሚ ጥበራ ክሳዕ ክንድዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ: ብኸመይከ ኢና ንኸይንጥበር ክንጥንቀቕ ዘሎና፧’ ዝብላ ክልተ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና።

ሎሚ ጥበራ ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ ምኽንያት

4. መጽሓፍ ቅዱስ ጥበራ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ ምኽንያት ብኸመይ ይገልጾ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ጥበራ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ይገልጸልና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ: “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ገለጸ። (1 ዮሃንስ 5:19) እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። የሱስ: ብዛዕባኡ “ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” በለ። እምበኣር እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ገዛኢኣ ዘንጸባርቖ መንፈስን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ጥበራን እንተ ኣንጸባረቐት ዘገርም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 8:44፣ 14:30፣ ኤፌሶን 2:1-3

5. ሰይጣን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኽጥብር ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ብኸመይ እዩ: መጥቃዕቱኸ ብፍላይ ኣብ መን እዩ ዝፍኑ፧

5 ሰይጣን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዝገብር ዘሎ። ናብ ምድሪ ተደርብዩ እዩ። ሓጺር ግዜ ጥራይ ተሪፉዎ ኸም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ ከኣ “ብብርቱዕ ቍጥዓ” እዩ ወሪዱ ዘሎ። ብእተኻእሎ መጠን ሓያሎ ሰባት ከጥፍእ ስለ እተዓጥቀ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኣሎ።’ (ራእይ 12:9, 12) ሰይጣን ስለ ዘይሕለል ሳሕቲ ኣይኰነን ዝጥብር ወይ ዘታልል። a ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕዊሩ ኻብ ኣምላኽ ንኸርሕቖም እተፈላለየ ናይ ምጥባር ሜላታት እዩ ዝጥቀም። (2 ቈረንቶስ 4:4) እዚ ዝወጸሉ ጠባሪ ዀይኑ ዘሎ ሰይጣን ብፍላይ ነቶም ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ዝሰግድሉ ወይ ዘምልኽዎ ሰባት ክውሕጦም ተዓጢቑ እዩ ዘሎ። (ዮሃንስ 4:24፣ 1 ጴጥሮስ 5:8) ሰይጣን ‘ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም እኽእል እየ’ ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። (እዮብ 1:9-12) እምበኣርከስ: ንገለ ኻብቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ “ፍሕሶ” ወይ ንምጥባር ዝጥቀመሉ ሜላታት ከምኡውን ብኸመይ ክንጥንቀቐሉ ከም እንኽእል ንመርምር።—ኤፌሶን 6:11

ብኸሓድቲ ኸይትጥበር ተጠንቀቕ

6, 7. (ሀ) ከሓድቲ እንታይ እዮም ክብሉ ዝኽእሉ፧ (ለ) ከሓድቲ እንታይ ከም ዝደልዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣነጺሩ ዝገልጸልና ብኸመይ እዩ፧

6 ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥባር ኣብ ዝገብሮ ጻዕርታቱ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኸሓድቲ ኽጥቀም ጸኒሑ እዩ። (ማቴዎስ 13:36-39) ከሓድቲ ‘ንየሆዋ ነምልኽ: ብመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንኣምን ኢና’ ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ነታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ግን ነጺጎምዋ እዮም። አረ ገሊኣቶምሲ ናብቲ ሓዲጎምዎ ዝነበሩ እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” እትምህሮ ንኣምላኽ ዘሕስር ትምህርትታት ተመሊሶም እዮም። (ራእይ 17:5፣ 2 ጴጥሮስ 2:19-22) እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እተመርሑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንኸሓድቲ እንታይ ድራኸ ከም ዘለዎምን እንታይ ሜላታት ከም ዝጥቀሙን ብትርር ዝበለ ቓላት ኣቃሊዖምዎም ኣለዉ።

7 ከሓድቲ እንታይ እዮም ዝደልዩ፧ መብዛሕትኦም ከሓድቲ ነታ ምናልባት ከም ሓቂ ተቐቢሎምዋ ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ እምነት ሓዲጎምዋ ብምኻዶም ጥራይ ኣይዓግቡን እዮም። ዝበዝሕ ግዜ ንኻልኦት ክልክሙ እዮም ዝደልዩ። ሓያሎ ኻባታቶም ብጻዕሪ ናይ ገዛእ ርእሶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ክንዲ ዘፍርዩ: ‘ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እዮም ደድሕሪኦም ኺስሕቡ’ ዝደልዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ሃዋርያ ጳውሎስ: ብዛዕባ መምህራን ሓሶት “ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ዝብል መጠንቀቕታ ሃበ። (ቈሎሴ 2:8) ሓያሎ ጠበርቲ ኽማርኹዶ ኸይኰነ ዝደልዩ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ዓመጸኛ ንሓደ ገርሂ ኻብ ኣባላት ስድራቤቱ ፈልዩ ዝጨውዮ: ከሓድቲ እውን ነቶም ገርህታት ኣባላት ጉባኤ ብምምራኽ ወይ ብምህዳን ካብቲ መጓሰ ኽፈልይዎም እዮም ዝጽዕሩ።

8. ከሓድቲ ሸቶኦም ንምውቃዕ እንታይ ኣገባብ እዮም ዝጥቀሙ፧

8 ከሓድቲ ሸቶኦም ንምውቃዕ እንታይ ኣገባብ እዮም ዝጥቀሙ፧ ዝበዝሕ ግዜ ዝጥቀምሉ ሜላ እተጠውየ ሓበሬታ: ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ዘይኰነ ሓሳባት: ከምኡውን ውጹእ ሓሶት ብምንዛሕ እዩ። የሱስ ሰዓብቱ ኣደዳ እቶም ‘ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ዝዛረቡሎም’ ክዀኑ ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:11) እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕሱማት ተጻረርቲ ንኻልኦት ንምጥባር ኰነ ኢሎም ሓቂ ዘይኰነ ነገራት ይዛረቡ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኸሓድቲ “ብዘረባ ጥበራ” ናይ ሓሶት ትምህርትታት እናመሃሩ ‘ንጽሑፋት ከም ዝጠዋውይዎ’ መወዳእታኡ ኸኣ ንጥፍኣቶም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 2:3, 13፣ 3:16) እቲ ዘሕዝን ድማ ‘እምነት ሓያሎ ሰባት ኣብ ምግልባጥ’ ተዓዊቶም እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 2:18

9, 10. (ሀ) ብኸሓድቲ ኸይንጥበር ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ክመሓየሽ ዘድልየሉ ዅነታት ምስ ዘጋጥም ክንርበሽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

9 ብኸሓድቲ ኸይንጥበር ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ‘ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ተዓዘብዎም: ካባታቶም ከኣ ኣግልሱ’ ዝብል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ብምስዓብ ኢና ነዚ ኽንገብሮ እንኽእል። (ሮሜ 16:17) ነቲ ብቓላቶም: ብጽሑፍ: ወይ ብመርበብ ሓበሬታ ዘቕርብዎ ሓሳባት ብምንጻግ ኢና ኻባታቶም ‘ከነልግስ’ እንኽእል። ከምዚ ዓይነት ኣቕዋም ክንወስድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ቀዳማይ ምኽንያት: ቃል ኣምላኽ ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝእዝዘናን የሆዋ ወትሩ ዝጠቕመና ነገር ከም ዝሓስበልና ስለ እንፈልጥን እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

10 ካልኣይ ከኣ ነታ ኻብ ዓባይ ባቢሎን እትፈልየና ኽቡር ሓቂ ዝመሃረትና ማሕበር ስለ እነፍቅራ እዩ። ምስናይዚውን ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ፍጹም ከም ዘይኰነ ንግንዘብ ኢና፣ እቲ ዝነበረና ምርዳእ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክመሓየሽ ጸኒሑ እዩ። ከም እሙናት ክርስትያናት መጠን ከምዚ ዝኣመሰለ ምዅላዕ ክግበር ከሎ ብትዕግስቲ ንየሆዋ ኢና እንጽበዮ። (ምሳሌ 4:18) የሆዋ ኽሳዕ ዘብርሃልና ኸኣ ነታ ባህ ኢልዎ ዝጥቀመላ ዘሎ ማሕበሩ ኽባርኻ ኸሎ ብንጹር ንርኢ ስለ ዘሎና ሓዲግናያ ኣይንወጽእን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 6:7፣ 1 ቈረንቶስ 3:6

ርእስኻ ኸይትጥብር ተጠንቀቕ

11. ዘይፍጹማት ሰባት ንርእስኻ ናይ ምጥባር ዝንባለ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ዘይፍጹማት ሰባት ርእስኻ ናይ ምጥባር ዝንባለ ኣለዎም። እዚ ድማ ሰይጣን ንኽምዝምዘና ዝጥቀመሉ ኻልእ ሜላ እዩ። ኤርምያስ 17:9 “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ትብል። ያእቆብ እውን “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:14) ልብና እንተደኣ ተሓቢሉ: ንሓጢኣት ከም ዝማርኽን ጕድኣት ከም ዘይብሉን ኣምሲሉ ብምቕራብ ሓባቢሉ ኸም እንፍጽሞ ኽገብረና ይኽእል እዩ። ንሓጢኣት ኢድካ ምሃብ ናብ ጥፍኣት ስለ ዝመርሕ: ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ምሓዝ ጠባሪ እዩ።—ሮሜ 8:6

12. በየናይ መገድታት ኢና ርእስና ኽንጥብር እንኽእል፧

12 ብቐሊሉ ርእስና ኽንጥብር ንኽእል ኢና። እቲ ጐራሕ ልብና ንዘሎና ኸቢድ ጕድለታት ምስምስ ከም እነቕርብ ወይ እውን ንዝፈጸምናዮ ኸቢድ ሓጢኣት ከም እነመኻንየሉ ኽገብር ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 15:13-15, 20, 21) ነቲ ዘተሓታትት ኣመላት እውን መመኽነይታ ኸም እነቕርበሉ ኽገብረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መዘናግዒ ንውሰድ። ገሊኡ መዘናግዒታት ጥዑይን ባህ ዘብልን እኳ እንተዀነ: እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ፊልምን ኣብ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማትን መርበብ ሓበሬታን እተቕርቦ መብዛሕትኡ ነገራት ጽዩፍን ርኹስን እዩ። ከይተጐዳእና ንጽዩፍ መዘናግዒታት ኽንርእዮ ንኽእል ኢና ኢልና ንርእስና ኸነእምን ቀሊል እዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ‘ሕልናይ ሕርኽርኽ ዘይብሎ እንተደኣ ዀይኑ እንተ ረኣኹ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧’ ዝብል ምኽንያት እዮም ዘቕርቡ። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ሓሶት ምኽንያታት ብምቕራብ ‘ርእሶም እዮም ዝጥብሩ’ ዘለዉ።—ያእቆብ 1:22

13, 14. (ሀ) ሕልናና ወትሩ ዘተኣማምን መምርሒ ክዀነና ኸም ዘይክእል ዘረጋግጽ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኣሎና፧ (ለ) ርእስና ኸይንጥብር ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ርእስና ኸይንጥብር ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ቅድም ቀዳድም ሕልና ወድሰብ ወትሩ ትውክልቲ ኽትገብረሉ ዝከኣል ከም ዘይኰነ ንዘክር። ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ንውሰድ። ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ንሰዓብቲ ክርስቶስ መስጐጕቲ የውርደሎም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2) ኣብቲ ግዜ እቲ ሕልናኡ ሕርኽርኽ ኣይብሎን ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕርኽርኽ ዘይብሎ ዝነበረ ግን ሕልናኡ ብጌጋ ተመሪሑ ስለ ዝነበረ እዩ። ጳውሎስ “ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን . . . ገበርክዎ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13) ስለዚ: ብዛዕባ ሓደ መዘናግዒ ሕልናና ሕርኽርኽ ስለ ዘይበለና ጥራይ: ዝወሰድናዮ ስጕምቲ ቕኑዕ እዩ ኽበሃል ኣይከኣልን እዩ። ብቓል ኣምላኽ ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና ጥራይ እዩ ብጽቡቕ መገዲ ኽመርሓና ዝኽእል።

14 ርእስና ምእንቲ ኸይንጥብር ክንርስዖ ዘይብልና ገለ ሓጋዚ ርእይቶታት እንሆ። ብጸሎት ርእስኻ መርምር። (መዝሙር 26:2፣ 2 ቈረንቶስ 13:5) ብቕንዕና ርእስኻ ምስ እትምርምር ኣብ ኣመለኻኽታኻ ወይ ኣብ ኣካይዳኻ ኽትገብሮ ዘሎካ ምትዕርራይ ክረኣየካ ይኽእል እዩ። ዘረባ ሰብ ስማዕ። (ያእቆብ 1:19) ርእስና ኽንምርምር ከለና እውን ብናይ ገዛእ ርእስና ኣተሓሳስባ ኽንጽሎ ስለ እንኽእል: ብሱላት ክርስትያናት ብጾትና ንዝህቡና ርጡብ ምኽሪ ምስ እንሰምዕ ጥበባዊ እዩ። ነቶም ሚዛናውያንን ተመክሮ ዘለዎምን ክርስትያናት ብጾትና ባህ ዘይብሎም ውሳነታት ትገብር ወይ ባህ ዘይብሎም መገድታት ትስዕብ ከም ዘለኻ እንተደኣ ተፈሊጡካ: ‘ሕልናይ ብግቡእ ስለ ዘይሰልጠነ ደዀን ይኸውን ወይስ ልበይ ስለ ዝጥብረኒ ዘሎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ስርዓታዊ ዄንካ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣንብብ። (መዝሙር 1:2) ከምዚ ምግባርካ ኣተሓሳስባኻን ኣመለኻኽታኻን ስምዒታትካን ብስርዓታት ኣምላኽ ንኽትመርሖ ኽድግፈካ እዩ።

ካብ ናይ ሰይጣን ሓሶት ተጠንቀቕ

15, 16. (ሀ) ሰይጣን ንኸታልለና ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ እንታይ ሓሶት እዩ ዝጥቀም፧ (ለ) ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ንኸይንታለልከ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

15 ሰይጣን ንኽጥብረና ኣብ ዝገብሮ ጻዕርታት እተፈላለየ ሓሶት ይጥቀም እዩ። ስጋዊ ጥሪት ሓጐስን ዕግበትን ከም ዘምጽእ እምነት ከነሕድር ዝደልየና እኳ እንተዀነ: ዝበዝሕ ግዜ ግን ስጋዊ ጥሪት ጓሂ ኸምጽእ ኢና እንርእዮ። (መክብብ 5:10-12) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ንጹር መርትዖ እናረኣና ኽነስና: እዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ንዘለኣለም ክቕጽል እዩ ዝብል እምነት ከነሕድር እዩ ዝደልየና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ተድላ ርእሶም ዝደልዩ ሰባት ዝበዝሕ ግዜ መሪር ሳዕቤን ዝዓጽዱ ኽነሶም: ዘይስነ-ምግባራዊ ናብራ ምንባር ምንም ጕድኣት የብሉን ዝብል ሓሳባት ከም ዝዝርግሑ እዩ ዝገብር። (ገላትያ 6:7) ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ከይንጥበር ብኸመይ ኢና ኽንጥንቀቕ እንኽእል፧

16 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣብነታት ተጠቐም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገለ ብናይ ሰይጣን ሓሶት እተጠበሩ ውልቀ-ሰባት ዝገልጽ ንመጠንቀቕታ ዝኸውን ኣብነታት ሒዙልና ኣሎ። እዚ ኣብነታት እዚ ስጋዊ ነገራት ከም ዘፍቀሩ: ንህጹጽነት እቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ እዋናት ዕሽሽ ከም ዝበሉ: ወይ እውን ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ከም ዝወደቑ እሞ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘስዓበሎም ዝገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 19:16-22፣ 24:36-42፣ ሉቃስ 16:14፣ 1 ቈረንቶስ 10:8-11) ካብ ዘመናዊ ኣብነታት ተምሃር። ገሊኣቶም ክርስትያናት ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ስለ ዘጥፍኡ: ንኣምላኽ ብምግልጋሎም ከም እተወጽዑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። ነቲ ዘሐጕስ ኢሎም ዝሓስብዎ ናብራ ንምንባር ንሓቂ ሓዲጎምዋ ይወጹ ይዀኑ። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ንኣምላኽ ዘጕሂ ሕማቕ ኣካይዳኦም ውዒሉ ሓዲሩ ሕማቕ ፍረ ኸየፍረየሎም ስለ ዘይተርፍ: “ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ” እዮም ዘለዉ ኽበሃል ይከኣል እዩ። (መዝሙር 73:18, 19) እምበኣርከስ ካብ ጌጋ ኻልኦት ምምሃር ልብምና እዩ።—ምሳሌ 22:3

17. ሰይጣን: ‘የሆዋ ኣየፍቅረንን እዩ ወይ ከም ዘይጠቅም ገይሩ እዩ ዝርእየኒ’ ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ ስምዒት ከም እነሕድር ዝገብር ብኸመይ እዩ፧

17 ሰይጣን ኣሳልጦ ዝረኽበሉ ኻልእ ሓሶት ከኣ ‘የሆዋ ኣየፍቅረንን እዩ ወይ ከም ዘይጠቅም ገይሩ እዩ ዝርእየኒ’ ዝብል ስምዒት ከም እነሕድር ብምግባር እዩ። ንዘይፍጹማት ሰባት ነሽሓት ዓመታት ዝኣክል ጽቡቕ መጽናዕቲ ገይሩሎም እዩ። ተስፋ ምቝራጽ ከዳኽመና ኸም ዝኽእል ከኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። (ምሳሌ 24:10) ስለዚ ኸኣ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ የብለይን’ ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ ስምዒት ከም እነሕድር ይገብር። እንተደኣ ‘ተደርቢና’ እሞ: የሆዋ ኣይሓልየልናን እዩ ንዝብል ስምዒት እንተደኣ ኣሚንናሉ: ንኽንሕለል ክንፍተን ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:9) እንተደኣ ተሓሊልና ኸኣ እቲ ቐንዲ ጠባሪ ዕላማኡ ወቒዑ ማለት እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ደኣ እሞ በዚ ኻብ ሰይጣን ዝመነጨ ሓሶት ከይንጥበር ክንጥንቀቕ እንኽእል፧

18. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ። ቃል ኣምላኽ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዝግደሰልናን ከም ዘፍቅረናን ዘረጋግጽ ልቢ ዝትንክፍ ምሳልያዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ። የሆዋ ንንብዓትካ ‘ኣብ ጭልፎኡ’ እዩ ዝእክቦ: እዚ ኽበሃል ከሎ ኸኣ ንዕኡ እሙን ንምዃን ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ንእትነብዖ ንብዓት ይርእዮን ይዝክሮን ማለት እዩ። (መዝሙር 56:8) “ስቡር ልቢ” ኣብ ዝህልወካ እዋን ይርኢ: ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ቀረባኻ ይኸውን። (መዝሙር 34:18) ብዛዕባኻ ዅሉ ይፈልጥ እዩ: ‘ንዅለን ጸጕሪ ርእስኻ’ እኳ ከይተረፈ ይቘጽረን እዩ። (ማቴዎስ 10:29-31) ልዕሊ ዅሉ ድማ ምእንታኻ ኢሉ ‘ንወዱ በጃ ሂቡ’ እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ገላትያ 2:20) ሓድሓደ ግዜ ግን እዚ ጥቕስታት እዚ ብብሕቲ ኣባና ዝውዕል ምዃኑ ንምእማኑ የጸግመና እዩ። ይኹን እምበር: ንቓል ኣምላኽ ክንኣምኖ ኣሎና። ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እውን ከይተረፈ ከም ዘፍቅረና ኽንኣምን ይደልየና እዩ።

19, 20. (ሀ) ነቲ ‘የሆዋ ኣየፍቅረንን እዩ’ ዝብል ስምዒት ከም እተሕድር ዝገብር ሓሶት ሰይጣን ከተለልዮን ክትነጽጎን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ተስፋ ንዝቘረጹ ክርስትያናት ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧

19 ነቲ ሓሶት ኣለሊኻ ንጸጎ። ሓደ ሰብ ይሕሱ ኸም ዘሎ እንተደኣ ፈሊጥካ ንኸይትጥበር ክትከላኸል ትኽእል ኢኻ። ብተመሳሳሊ መገዲ ሰይጣን ‘የሆዋ ኣየፍቅረንን እዩ’ ዝብል ሓሶት ክትኣምን ከም ዝደልየካ ምፍላጥ ጥራይ ንርእሱ ንኽትከላኸሎ ብዙሕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሜላታት ሰይጣን እተጠንቅቕ ሓንቲ ዓንቀጽ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ወጸት: ሓንቲ ክርስትያን “ሰይጣን ተስፋ ንኸቝርጸኒ ኢሉ ስምዒታተይ ክጥቀም ከም ዝጽዕር ከቶ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሕጂ ግን እዚ ምፍላጠይ: ነዚ ስምዒታት እዚ ንኽቃለሶ ድራኸ ኣሕዲሩለይ እዩ” በለት።

20 ተመክሮ ናይ ሓደ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነብር ገያሺ ተዓዛቢ ንርአ። ንሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ክርስትያን ጕስነታዊ ምብጻሕ ክገብረሉ ኸሎ: ዝበዝሕ ግዜ ‘ብስላሴ ትኣምን ዲኻ፧’ ዝብል ሕቶ እዩ ዘቕርበሉ። እቲ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ከኣ እዚ ሓደ ኻብቲ ናይ ሰይጣን ሓሶት ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ‘ኣይኣምንን እየ’ ዝብል መልሲ እዩ ዝህብ። እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ቐጺሉ ‘ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ምዃኑ ትኣምን ዲኻ፧’ ኢሉ ይሓትት። ነዚ እውን እንተዀነ ‘ኣይኣምንን እየ’ ዝብል መልሲ ይህቦ። ሽዑ እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዝበዝሕ ግዜ ከም ናይ ሰይጣን ሓሶት ጌርና ዘይንርእዮ ካልእ ሓሶት ሰይጣን እውን ከም ዘሎ ይነግሮ። ቀጺሉ እቲ ‘የሆዋ ኸም ውልቀ-ሰብ መጠን ኣየፍቅረንን እዩ’ ኢልካ ምሕሳብ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ሓሶት ምዃኑ ዘቃልዕ ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ b እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 249: ቍጽሪ 21: ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ከም ዘቕልበሉ ይገብር። እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ተስፋ ንዝቘረጹ ክርስትያናት ነዚ ናይ ሰይጣን ሓሶት እዚ ኣለልዮም ንኽነጽግዎ ብዝገበረሎም ሓገዝ ብዙሕ ከም እተጠቕሙ ይገልጽ።

ከይትታለል ተጠንቀቕ

21, 22. ነቲ ዝጥብር ሜላታት ሰይጣን ንምልላዩ ዘይንጽገም ስለምንታይ ኢና: ውሳኔናኸ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧

21 ሰይጣን ኣብዘን ተጸንቂቐን ዘለዋ ዳሕሮት መዓልትታት: እዚ ዘይበሃል ሓሶትን ጥበራን ክነዝሕ ምዃኑ ኽንጽበዮ ዘሎና ነገር እዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: የሆዋ ብዛዕባ ሜላታት ሰይጣን ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይሓደገናን። መጽሓፍ ቅዱስን እቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ነቲ ናይ ድያብሎስ እኩይ ሜላታቱ ኣነጺሩ እዩ ዝቐልዖ። (ማቴዎስ 24:45) ብዛዕባ ሜላታቱ ምፍላጥና ንኸይንጥቃዕ ዝሕግዝ እዩ።—2 ቈረንቶስ 2:11

22 ስለዚ እምበኣር ነቲ ኸሓድቲ ዘቕርብዎ ሓሳባት ንጠንቀቐሉ። ከይተረድኣና ርእስና ኸይንጥብር ቈራጽነት ንግበር። ነቲ እተፈላለየ ሓሶት ሰይጣን ኣለሊና ንንጸጎ። በዚ ኸምዚ ምስቲ ጥበራ ዝጸልእ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ ፈጣሪና ንዘሎና ርክብ ክንሕልዎ ኢና።—መዝሙር 31:5፣ ምሳሌ 3:32

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እታ ኣብ ራእይ 12:9 “ዜስሕታ ዘሎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ግሲ: ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ኣዘውቲርካ ንእትገብሮ ተግባር እተመልክት” ምዃና ገለጸ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብመዘናግዒ ዝመጸ ርእስኻ ኣይትጠብር

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ርእስኻ ከይትጥብር ተጠንቀቕ: ብጸሎት ርእስኻ መርምር: ዘረባ ሰብ ስማዕ: ኣዘውቲርካ ቓል ኣምላኽ ኣንብብ

ትዝክሮዶ፧

• ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ጥበራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

• ብኸሓድቲ ንኸይንጥበር እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

• ብእተፈላለየ መገዲ ርእስና ኸይንጥብር ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ብናይ ሰይጣን ሓሶት ከይንጥበር ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧