ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”

“ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”

“ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”

“ናብ ቤትካ ኼድካ ምስ ሰበይትኻን ስድራኻን እተወሰነ ግዜ ኣሕልፍ” ዝብል መምርሒ ኽወሃቦ ኸሎ ሓጐስ ዘይስምዖ ወተሃደር ኣሎዶ ምበልካ፧

ብግዜ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሓደ ወተሃደር ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ተዋህቦ። እቲ ንጉስ ባዕሉ ንኡርያ ሔታዊ ጸዊዑ ናብ ቤቱ ክኸይድ ኣተባብዖ። ኡርያ ግን ናብ ቤቱ ምኻድ ኣበየ። ብዛዕባዚ ዘይተለምደ ተግባር እዚ ምስ ተሓትተ: እቲ ንህላወ የሆዋ ዘመልክት ታቦት ኪዳንን ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ዓውዲ ውግእ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምጥቃስ: “ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክአቱ፧” ብምባል መለሰ። ኣብቲ ወሳኒ ግዜ እቲ እዚ ነገር እዚ ምግባር ንኡርያ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ።—2 ሳሙኤል 11:8-11

ንሕናውን ኣብ እዋን ውግእ ንነብር ስለ ዘለና: እቲ ኡርያ ዘንጸባረቖ ባህሪ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ ዘበግስ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸምቲ ሃገራት ዓለም ዝገብራኦ ዘለዋ ውግእ ዘይኰነስ እተፈልየ ዓይነት ውግእ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ውግእ እዚ ምስቲ ኽልተ ውግኣት ዓለም ክወዳደር ከሎ: ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ። ንስኻውን ኣብዚ ውግእ እዚ ትሳተፍ ኢኻ ዘለኻ። ብዙሕ ሓደገኛ ዅነታት ዘለዎ ክኸውን ኸሎ: እቲ ጸላኢ እውን ሓያል እዩ። ጠያይት ዘይትኰሰሉን ቦምባታት ዘይድርበየሉን ውግእ እኳ እንተዀነ: ሓያል ስትራተጂ ግን የድልየካ።

ኣብዚ ውግእ እዚ ወተሃደር ኴንካ ቕድሚ ምስላፍካ: እቲ ገድሊ ቕኑዕ እንተ ዀይኑን ንምንታይ ዕላማ ትጋደል ከም ዘለኻን ክትፈልጥ ኣሎካ። እዚ ውግእ እዚ መስዋእቲ ክኽፈሎ ዝግባእ ድዩ፧ ዕላማ እዚ ፍሉይ ገድሊ እዚ ኣብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ መልእኽቲ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ብምባል ንጹር ገይርዎ ኣሎ። እወ: ኣብዚ ውግእ እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ድፋዕ ኴንካ ዘይኰነስ: ነታ “እምነት” ማለት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ክርስትያናዊ ሓቂ ሒዝካ ኢኻ እትምክት። እምበኣር: ነታ “እምነት” ንኽትጋደለላን ዓወት ንኽትረክብን ምሉእ ብምሉእ ክትኣምነላ ኣሎካ።—1 ጢሞቴዎስ 6:12

ሓደ በሊሕ ተዋጋኢ ንጸላኢኡ ኽፈልጥ ይጽዕር እዩ። ኣብዚ ውግእ እዚ ኸኣ ጸላኢ ብናይ ውግእ ስትራተጂ ንነዊሕ ዓመታት ዝደለቦ ተመክሮን እዚ ዘይበሃል ብልሓትን ኣጽዋርን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ ደቅሰብ ዝበልጽ እዩ። እዚ እኩይን ዓመጸኛን ዘየናሕስን ጸላኢ ሰይጣን እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ስጋዊ ኣጽዋር ኰነ ሰባት ዝምህዝዎ ጕርሕን ሽጣራን ነዚ ተጻራሪና እዚ ዝብድሆ ኣይኰነን። (2 ቈረንቶስ 10:4) ኣብዚ ውግእ እዚ ደኣ እሞ እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ኢኻ ኽትጥቀም እትኽእል፧

ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ኣጽዋርና “ናይ መንፈስ ሰይፊ . . . ማለት ቃል ኣምላኽ” እዩ። (ኤፌሶን 6:17) ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ብምባል እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ምዃኑ ኣጕልሐ። (እብራውያን 4:11, 12) እዚ መሳርያ ውግእ እዚ ኣዝዩ በሊሕን ቅኑዕን ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ኣብ ውሽጣዊ ሓሳባትን ድራኸታትን ውልቀ-ሰብ ሰንጢቑ ስለ ዝኣቱ: ብብልሓትን ብጥንቃቐን ክንጥቀመሉ ኣሎና።

ሓደ ሰራዊት ብሉጽ ኣጽዋር እናሃለዎ ኽነሱ እቶም ወተሃደራቱ ብዝግባእ ዘይጥቀሙሉ እንተ ዀይኖም: እቲ ኣጽዋር ብላሽ ከም ዝዀነ ትፈልጥ ትኸውን። ብተመሳሳሊውን ንሰይፍኻ ብዝግባእ ንኽትጥቀመሉ መምርሒ የድልየካ። እቲ ዘሐጕስ ግን እቶም ብሉጻት ተዋጋእቲ ኸሰልጥኑኻ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ነዞም “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብምባል ዝጸውዖም ንውግእ ዘሰልጥኑ መምህራን: ንሰዓብቱ መንፈሳዊ መግቢ ወይ መምርሒ በብግዜኡ ንኽህቡ ሓላፍነት እተዋህቦም ምዃኖም ገለጸ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ እዚ መን ምዃኑ ንምልላይ ነቲ ብትግሃት ዝህቦ ትምህርትታቱን ብዛዕባ ስልቲ ጸላኢ በብግዜኡ ዝህቦ መጠንቀቕታኡን ብምዕዛብ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ባርያ ተባሂሉ ዘሎ ጕጅለ እዚ በቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቘመ ምዃኑ መርትዖታት ይሕብረና።—ራእይ 14:1

እዚ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ እዚ ኻብ ምምሃር ሓሊፉ እውን ብዙሕ ነገራት ገይሩ እዩ። ነቲ ንሰብ ተሰሎንቄ “ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ: ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ: ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ እውን ኣርእዮም እዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8) እምበኣር: ካብቲ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዝወሃብ ስልጠና ናይ ምጥቃም ሓላፍነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወተሃደር እዩ ዝግደፍ።

ብዘሎ ኣጽዋር

ንምክልኻል ዘኽእለካ ምሉእ ኣጽዋር ተዳልዩልካ ኣሎ። እዚ ኣጽዋር እዚ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ኣብ ኤፌሶን 6:13-18 ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ጥንቁቕ ወተሃደር ሓደ ኻብቲ መንፈሳዊ ኣጽዋሩ ጠፊእዎ ወይ ጽገና እናኣድለዮ ኽነሱ: ብድፍረት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኣይኣቱን እዩ።

ሓደ ክርስትያን ኵሉ እቲ ንኽከላኸለሉ እተዳለወሉ ኣጽዋር ዘድልዮ እኳ እንተዀነ: ብፍላይ ዘድልዮ ግን እቲ ዓብዪ ዋልታ እምነት እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ “ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ” ዝበለ።—ኤፌሶን 6:16

እቲ ንምሉእ ኣካላትካ ኽሽፍን ዝኽእል ዓብዪ ዋልታ: ንእምነት ዘመልክት እዩ። ኣብቲ የሆዋ ዝህበካ መምርሒታት ሓያል እምነት ክህልወካን ኵሉ መብጽዓታቱ ፍጻሜኡ ኸም ዝረክብ ከይተጠራጠርካ ኽትቅበሎን ኣሎካ። እዚ መብጽዓታት እዚ ድሮ ኸም እተፈጸመ ዀይኑ ኽስምዓካ ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ሰይጣን እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዝድምሰስ: ምድሪ ናብ ገነት ከም እትቕየር: ከምኡውን እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ናብ ፍጽምና ኸም ዝበጽሑ ኽንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ጥርጣረውን ኽሓድረካ የብሉን።—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:1, 2፣ ራእይ 19:17-21

እዚ ገድሊ እዚ ሓያል ስለ ዝዀነ ግን ዓርኪ የድልየካ። ኣብ እዋን ውግእ ተዋጋእቲ ንሓድሕዶም ክተባብዑን ክደጋገፉን ኸለዉ: አረ ሓድሓደ ግዜውን ሓደ ነቲ ሓደ ኸድሕኖ ኸሎ: ብጻይነት እዮም ዘማዕብሉ። ኣብ ጐድንኻ ዀይኖም ዝዋግኡ ዘድልዩኻ እኳ እንተዀኑ: ኣብዚ ገድሊ እዚ ዕዉት ንምዃን ግን ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ኣሎካ። ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ ነቲ ኣጽዋር ክዝርዝር ከሎ: “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም” ዝበለ።—ኤፌሶን 6:18

ናይ ቀረባ ዓርኪ ኽህልወና ንፈቱ ኢና። ምስ ዓርክና ግዜ ኸነሕልፍ ንደሊ ኢና። ኣዘውቲርና ብጸሎት ንየሆዋ ምስ እንዛረቦ: ህያውን እሙንን ዓርኪ እዩ ዝዀነና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል የተባብዕ።—ያእቆብ 4:8

ስልትታት ጸላኢ

ሓድሓደ ግዜ ምስዛ ዓለም እዚኣ ምቅላስ ክበሃል ከሎ: ነተጕቲ ኣብ እተዘርኦ ቦታ ብእግርኻ ኸም ምዝዋር ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ኣንፈት መጥቃዕቲ ኽመጸካ ይኽእል እዩ: ጸላኢ እውን ኣዳህሊሉ ኸጥቅዓካ እዩ ዝፍትን። የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘድልየካ መከላኸሊ ኸም ዘዳለወልካ ግን ተኣማመን።—1 ቈረንቶስ 10:13

ጸላኢ ኣብቲ ንእምነትካ መሰረት ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት መጥቃዕቱ ኽፍኑ ይኽእል እዩ። ከሓድቲ ንኽስዕሩኻ ኢሎም ልዙብ ቃላትን ሻሕራን ጠዋይ መርትዖን ይጥቀሙ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባኻ ዝሓልዩ ኣይኰኑን። ምሳሌ 11:9 እቲ ኸሓዲ ወይ “እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ: ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ” ትብለና።

ነቶም ከሓድቲ ንኽትረትዖም ኢልካ ኽትሰምዖም ወይ ጽሑፋቶም ከተንብብ ዘሎካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ ተጋጊኻ ኣለኻ። እቲ ቔናንን መርዛምን ዘረባኦም ብመንፈስ ክጐድኣካን ንእምነትካ ኸም ብቕልጡፍ እናለሓመ ዝባላዕ መንሽሮ ኸበላሽዋን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:16, 17) ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣምላኽ ንኸሓድቲ ዝሃቦ ምላሽ ቅድሓዮ። እዮብ ብዛዕባ የሆዋ ኣመልኪቱ: ከሓዲ ወይ “ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይኪብልን እዩ” በለ።—እዮብ 13:16

ጸላኢ እተወሰነ ዓወት ዝረኽበሉ እተፈላለየ ስልትታት ክጥቀም ይፍትን ይኸውን። ኣባላት ሓደ ዝምርሽ ዘሎ ሰራዊት ግዕዙይን ብዕሉግን ተግባራት ንኽፍጽሙ ኢሎም ካብ መስርዖም ዝበታተኑ እንተ ዀይኖም: እዚ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ኣብዚ መዳይ እዚ: ከም እኒ ብዕሉግ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ቀይዲ በተኽ ሙዚቃን ዝኣመሰለ ዓለማዊ መዘናግዒታት ኣስላጢ መታለሊ ዀይኑ እዩ ዘገልግል። ገሊኣቶም ዋላ ሓንቲ ኸይተጸልዉ ብዕሉግ ትርኢት ክርእዩ ወይ ብዕሉግ ጽሑፋት ከንብቡ ኸም ዝኽእሉ እዮም ዝዛረቡ። ሓደ ኣዘውቲሩ ጾታዊ ፊልምታት ዝርኢ ዝነበረ ሰብ ግን “ነዚ ትርኢት እዚ ፈጺምካ ኣይትርስዖን ኢኻ: ዝያዳ ብዝሓሰብካሉ መጠን ከኣ ነቲ ዝረኣኻዮ ኽትገብር ኢኻ እትደሊ። . . . እቲ ፊልምታት ሓደ ነገር ከም ዘምለጠካ ጌርካ ንኽትሓስብ እዩ ዝገብረካ” በለ። በዚ ረቂቕ መጥቃዕቲ ኽትቈስል ኣብ ዝገብረካ ዅነታት ክትኣቱስ ግቡእ ድዩ፧

ካልእ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ተወንጫፊ: ብፍቐረ-ንዋይ ገይሩ ብምስሓብ እዩ። ኵላትና ብስጋ ሓድሓደ ነገራት ስለ እንደሊ: እዚ ሓደጋ እዚ ንኸተስተውዕለሉ ዘጸግም ክኸውን ይኽእል እዩ። ቤትን መግብን ክዳንን ንደሊ ኢና: ጽቡቕ ነገራት ምጥራይ እውን ጌጋ ኣይኰነን። ኣብ ሓደጋ ኸእቱ ዝኽእል ግን እቲ ሰብ ንስጋዊ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። ገንዘብ ካብ መንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ ዘገድሰና ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍቕሪ ገንዘብ ክሓድረና ይኽእል እዩ። ሃብትና ደረት ክንገብረሉ ኸም ዘሎና ንርእስና ኸነዘኻኽር ይግባእ። ገንዘብ ሓላፊ ክኸውን ከሎ: መንፈሳዊ ሃብቲ ግን ንዘለኣለም እዩ ዝነብር።—ማቴዎስ 6:19, 20

ፍናን ሓደ ሰራዊት ትሑት እንተ ዀይኑ: እቲ ዓወት ንኽረክብ ዘለዎ ኣጋጣሚ ይንኪ እዩ። “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።” (ምሳሌ 24:10) ሰይጣን ካብ ዝጥቀመሉ ኣጽዋር ሓደ: ዘሐልለካ ነገራት ብምቕራብ እዩ። “ተስፋ ምድሓን . . . ከም ቍራዕ ርእሲ” ጌርና ምስ እንኽደኖ: ንኸይንሕለል ክሕግዘና ይኽእል እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) እምነትካ ኸምቲ ንኣብርሃም ዝነበረቶ ዓይነት ድልድልቲ ኽትገብራ ጽዓር። ኣብርሃም ነቲ ሓደ ወዱ ዝነበረ ይስሃቅ ክስውእ ምስ ተሓትተ: ሰጋእ ኣይበለን። ነቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ብዘርኡ ኣቢሉ ኽባርኾም ምዃኑ ዝኣተወሉ መብጽዓ ኸም ዝፍጽም: ነቲ መብጽዓ እቲ ንምፍጻም እውን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ንይስሃቅ ካብ ሞት ከተንስኦ ኸም ዝከኣሎ ይኣምን ነበረ።—እብራውያን 11:17-19

ኣብቲ ገድሊ ኣይትተሓለል

ገሊኣቶም ንነዊሕ ግዜ ብትብዓት እተቓለሱ ሰባት: እናደኸሙ ይኸዱ እሞ ከም ቀደሞም ብንቕሓት ኣይጋደሉን ይህልዉ ይዀኑ። እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኡርያ ዝገደፎ ኣብነት: ንዅላትና ኣብቲ ገድሊ እንሳተፍ ዘበልና ቕኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልወና እዩ ዘኽእለና። ብዙሓት ተዋጋእቲ ክርስትያናት ብጾትና ብስእነት ይሽገሩ: ንሓደጋታት ይቃልዑ: ወይ ብቝርን ጥሜትን ይሳቐዩ ኣለዉ። ንሕናውን ልክዕ ከም ኡርያ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ እንረኽቦ ምሾት ክንሓስብ ወይ በቲ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ንኽንነብር ዘሎና ትምኒት ክንምራሕ ኣይንደልን ኢና። ከም እሙናት ተጋደልቲ መጠን ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሰራዊት የሆዋ ሓቢርና ኽንጸንሕን ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ዘደንቕ በረኸት ክሳዕ እንረክብ ገድልና ኽንቅጽልን ኢና እንደሊ።—እብራውያን 10:32-34

ምናልባት እቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ገና ኣብ መጻኢ ርሒቑ እዩ ዝፍጸም ኢልና ብምሕሳብ ምስ እንፈዝዝ ኣብ ሓደጋ ኢና እንኣቱ። ንንጉስ ዳዊት ዘጋጠሞ ኣብነት ነዚ ሓደጋ እዚ እዩ ዘጕልሓልና። ብዝዀነ ምኽንያት ምስ ሰራዊቱ ኣብ ውግእ ኣይነበረን። ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣብ ዝተረፈ ህይወቱ ብዙሕ ጓህን መከራን ዘስዓበሉ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጸመ።—2 ሳሙኤል 12:10-14

ኣብዚ ገድሊ እዚ ብምስታፍና: ኣብ ውግእ ዘጋጥም ጸገማት ብምጽዋርና: ዘጋጥመና ላግጺ ኽኢልናዮ ብምሕላፍና: ከምኡውን ዘተሓታትት ዓለማዊ ደስታ ብምጥንጣንናሲ ጥቕሚ ንረኽበሉ ዲና፧ እቶም ብዝግባእ ዝጋደሉ ዘለዉ: እቲ እዛ ዓለም እተቕርቦ ነገራት ዘብለጭልጭ ብምዃኑ መሳጢ ዝመስል እኳ እንተዀነ: ቅርብ ኢልካ እንተ መርሚርካዮ ግን ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ እዮም ዝሰማምዑሉ። (ፊልጲ 3:8) ብዘይካዚ: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዓለም እተቕርቦ ተድላ ስቓይን ጓህን እዩ ዘምጽእ።

ኣብዚ መንፈሳዊ ገድሊ እዚ ዝሳተፍ ክርስትያን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ይረክብ: ንጹህ ሕልና የጥሪ: እተደንቕ ተስፋ ድማ ትህልዎ። ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ዘይመውት ሰማያዊ ህይወት ዝረኽቡሉ እዋን ብሃንቀውታ እዮም ዝጽበይዎ። (1 ቈረንቶስ 15:54) መብዛሕትኦም ክርስትያናት ተጋደልቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ክረኽቡ እዩ ተስፋኦም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓስቢ ብዙሕ መስዋእቲ ክኽፈሎ ኸም ዝግባእ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ኣብዚ ውግእ እዚ እሙናት ክሳዕ ዝዀንና: ከምዚ ዓለማዊ ውግኣት ዘይኰነስ: ኣብ መወዳእታኡ ኸም እንዕወት እተረጋገጸ እዩ። (እብራውያን 11:1) እዚ ሰይጣን ዝቈጻጸሮ ኣገባብ ግን ምሉእ ብምሉእ ጥፍኣት እዩ ዝጽበዮ።—2 ጴጥሮስ 3:10

ኣብዚ ገድሊ እዚ ኽትጋደል ከለኻ: ነተን “ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ዝብላ ቓላት የሱስ ዘክረን። (ዮሃንስ 16:33) ነቒሑ ብምግዳልን ንጽህናኡ ብምሕላውን እዩ ስዒሩ። ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጠያይት ዘይትኰሰሉን ቦምባታት ዘይድርበየሉን ውግእ እኳ እንተዀነ: ሓያል ስትራተጂ ግን የድልየካ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እሙናት ክሳዕ ዝዀንና: ኣብ መወዳእታኡ ኸም እንዕወት እተረጋገጸ እዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ንኸይንሕለል ይሕግዘና

ነቲ “ርሱን መንትግ” ንምምካት ዓብዪ ዋልታ እምነት ተጠቐም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

መብጽዓታት ኣምላኽ ኸም ዝፍጸም ክንተኣማመን ኣሎና