ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕሙማት እንተ ኣሚኖም ክሓውዩ ይኽእሉ ድዮም፧

ሕሙማት እንተ ኣሚኖም ክሓውዩ ይኽእሉ ድዮም፧

ሕሙማት እንተ ኣሚኖም ክሓውዩ ይኽእሉ ድዮም፧

ስም እንሓምም: ካብ ሕማምና ኽንጥዕን ክንሓውን ንደሊ ኢና። የሱስ ክርስቶስ ንሓያሎ ሰባት ካብ እተፈላለየ ዓይነት ሕማም የሕውዮም ከም ዝነበረ ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ብኸመይ እዩ ግን ከሕውዮም ክኢሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሓይሊ ኣምላኽ’ ከም ዝገበሮ እዩ ዝነግረና። (ሉቃስ 9:42, 43 ትርጕም 1990፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:11, 12) ስለዚ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር: ናይ ውልቀ-ሰብ እምነት ጥራይ ኣይኰነን ካብ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል። (ግብሪ ሃዋርያት 28:7-9) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሕሙማት ቅድሚ ምሕዋዩ ኣብኡ እምነት ከም ዘላቶም ንኽገልጹ ዘይሓተቶም።

ይኹን እምበር: ‘ተኣምራዊ ምሕዋይ ጥንቲ ዝተረፈ ነገር ድዩ: ወይስ እቲ የሱስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዓይነት ምሕዋይ ሕጂውን ይግበር ኣሎ እዩ፧ እቶም ዘሳቒ ወይ ክሓዊ ዘይክእል ሕማም ዝሓመሙ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ኣምላኽ ዘምጽኣ ጽድቂ ዝሰፍነላ ሓዳስ ዓለም: ሓይሊ ኣምላኽ ከምቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝፈጸሞ ዓይነት ተኣምራዊ ምሕዋይ እንደገና ኽገብር ምዃኑ ይገልጸልና። እቶም እምነት ንዘላቶም ንፍውስ ኢና ዝብሉ ሰባት ክፍውስዎ ዘይከኣሉ ዅሉ ሕማማት ኰነ ከወግድዎ ዘይክእሉ ሞት: ኣምላኽ መዓስን ብኸመይን ከም ዘወግዶ: ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። እወ: ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ” እዩ።—ኢሳይያስ 25:8