ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሌዋውያን ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ርስቲ ኻብ ዘይነበሮም: ከምቲ ኣብ ኤርምያስ 32:7 ተሓቢሩ ዘሎ: ሃናምኤል እቲ ሌዋዊ ነቲ ወዲ ሓው ኣቦኡ ኤርምያስ እቲ ሌዋዊ ግራት ክሸጠሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንኣሮን “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሀሉኻ። ኣብ ማእከሎም [እስራኤላውያን] ከኣ ግደ ኣይሀሉኻ” በሎ። (ዘሁልቍ 18:20) ይኹን እምበር: ንሌዋውያን ኣብ ምልእቲ እታ ምድሪ ተስፋ ፋሕ ኢለን ዝርከባ 48 ከተማታትን ከባቢአንን ተዋሂበንኦም ነይረን። እታ ንኤርምያስ ዓዱ ዝነበረት ዓናቶት: ሓንቲ ኻብተን “ንደቂ ኻህን ኣሮን” እተዋህባ ኸተማታት እያ ነይራ።—እያሱ 21:13-19፣ ዘሁልቍ 35:1-8፣ 1 ዜና መዋእል 6:54, 60

ኣብ ዘሌዋውያን 25:32-34 ነቲ ብሌዋውያን ዝውነን መሬት ብዛዕባ ‘ምብጃው’ ዝምልከት የሆዋ ዝሃቦ ንጹር መምርሒ ንረክብ ኢና። እምበኣር: ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ሌዋውያን እተወሰነ መሬት ናይ ምውራስ: ናይ ምጥቃም: ከምኡውን ነቲ እትውንኖ ዘበለ ናይ ምሻጥ መሰል ነበራ። እዚ ኸኣ ምሻጥን ምብጃውን እቲ መሬት ከም ዘጠቓልል ኣየጠራጥርን እዩ። a ሌዋውያን ብብዙሕ መዳያት ልክዕ ከምቶም ካልኦት ነገዳት እስራኤላውያን መሬት ይውንኑን ይሸጡን ነበሩ።

ዋንነት እቲ ሌዋውያን ዝነበሮም መሬት ካብ ወለዲ ናብ ውሉዳት እናተወራረሰ ይኸይድ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ‘ንምብጃው’ ተባሂሉ መሬት ክሽየጥ ዝከኣል ሓደ ሌዋዊ ንኻልእ ሌዋዊ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: “ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት . . . ናይ ዘለኣለም ርስቶም” ብምዃና ስለ ዘይትሽየጥ: ንምብጃው ተባሂሉ ዝሽየጥ መሬት ኣብ ውሽጢ እተን ከተማታት ዝርከብ ዝነበረ ጥራይ እዩ ዝመስል።—ዘሌዋውያን 25:32, 34

ስለዚ: እታ ኤርምያስ ካብ ሃናምኤል ንኽብጀዋ ኢሉ ዝዓደጋ መሬት ነዚ ዅነታት እዚ እተማልእ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ዶብ እታ ኸተማ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እታ ‘ግራት’ እቲኣ ናይ ሃናምኤል ምዃናን ኤርምያስ መሰል “ምብጃው” ከም ዘለዎን የሆዋ ባዕሉ ኣረጋጊጹ እዩ። (ኤርምያስ 32:6, 7) የሆዋ ነቲ እስራኤላውያን ንነዊሕ ግዜ ኣብ ባቢሎን ድሕሪ ምጽናሕ መሬቶም ንኽወርሱ ኽምለሱ ምዃኖም ዝሃቦ መብጽዓ ምሳሌ ንክኸውን እዩ ነታ ግራት እቲኣ ኸም እትዕደግ ዝገበረ።—ኤርምያስ 32:13-15

ሃናምኤል ነታ ኣብ ዓናቶት ዝነበረት ግራቱ ብዘይግቡእ መገዲ ኸም ዝወነና ዝሕብር ዋላ ሓደ ነገር የለን። ብዘይካዚውን ንኤርምያስ ነታ ኣብ ዓናቶት ዘላ ግራት ክዕድጋ ብምሕታቱ ሕጊ የሆዋ ኸም ዘፍረሰ: ወይ ኤርምያስ ነታ ግራት ብምዕዳጉ ነቲ መሰል ምብጃው ብዘይግቡእ ከም እተጠቕመሉ ዝሕብር ነገር የለን።—ኤርምያስ 32:8-15

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. በርናባስ እቲ ሌዋዊ ነቲ ዝውንኖ መሬቱ ሸይጡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ድኻታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምሕጋዝ ነቲ ገንዘብ ወፈዮ። እቲ መሬት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ወይ ኣብ ቆጵሮስ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ በርናባስ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝውንኖ መቕበሪ ቦታ ጥራይ ክኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:34-37