ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ብምዕጋበይ ጸኒዐ ክቕጽል ከኣልኩ

በቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ብምዕጋበይ ጸኒዐ ክቕጽል ከኣልኩ

ታሪኽ ህይወት

በቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ብምዕጋበይ ጸኒዐ ክቕጽል ከኣልኩ

ቤንጃሚን ኢኪቹኩ ኦስዌኬ ዘዘንተዎ

ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ክሳተፍ ምስ ጀመርኩ: ንወለደይ ክበጽሖም ናብ ዓድና ኸድኩ። ኣቦይ ምስ ረኣየኒ: ብካምቻይ ዓትዒቱ ሒዙ “ሰራቒ!” ኢሉ ኽጭድር ጀመረ። ጕራዴኡ ኣልዒሉ በቲ ጽፍሑ ወቕዓኒ። ነበርቲ እታ ቝሸት ነቲ ያዕያዕ ሰሚዖም ናብ ቤትና ተኣኻኸቡ። እንታይ እየ ሰሪቐዮ፧ ነዚ ቐጺለ ኽገልጸልኩም እየ።

ብ1930 ኣብ ኡማሪያም እትበሃል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጂርያ እትርከብ ቍሸት እየ ተወሊደ። በዅሪ እቶም ሸውዓተ ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራቤትና ድማ እየ። ካብተን ኣሓተይ እታ ዓባይ ኣብ 13 ዓመት ዕድሚኣ እያ ሞይታ። ወለደይ ሰዓብቲ እምነት ቤተ-ክርስትያን እንግሊዝ እዮም። ኣቦይ ሓረስታይ ክኸውን ከሎ: ኣደይ ድማ ሸቃጢት እያ። ናብቲ 30 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝርሕቕ ኣብቲ ኸባቢና ዝርከብ ዕዳጋ ብምኻድ ዘይቲ ትዕድግ እሞ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቍሸትና ትምለስ። ድሕሪኡ ንጽብሒቱ ኣንጊሃ ናብቲ 40 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዝርከብ መደበር ባቡር ብምኻድ ነቲ ዘይቲ ትሸጦ። ካብዚ መኽሰብ ዝበሃል እንተ ረኺባትሉ: ካብ 15 ሳንቲም ኣመሪካ ዝበዝሕ ኣይነበረን። በዚ ድማ ንስድራቤታ ምግቢ ዓዲጋ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቤትና ትምለስ። ክሳዕ እታ ብ1950 ዝሞተትላ ዕለት ን15 ዓመት ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ እያ ትነብር ነይራ።

ትምህርተይ ኣብታ ኣብ ቍሸትና እትርከብ ብቤተ-ክርስትያን እንግሊዝ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ እየ ጀሚረ: መባእታዊ ትምህርቲ ንምውዳእ ግን ኣብቲ 35 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ዕጹው ቤት ትምህርቲ ኽመሃር ነበረኒ። ድሕርዚ: ወለደይ ትምህርተይ ንምቕጻል ዝኸውን ገንዘብ ስለ ዘይነበሮም: ስራሕ ከናዲ ጀመርኩ። ፈለማ ንሓደ ኣብ ምዕራባዊ ናይጂርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ለይጎስ ዝሰርሕ ሓላዊ መገዲ ባቡር: ድሕሪኡ ኸኣ ንሓደ ኣብ ሰሜናዊ ናይጂርያ ኣብ እትርከብ ካዱና እትበሃል ከተማ ዝነብር ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኸዳሚ ዀይነ ስራሕ ጀመርኩ። ቀጺለ: ኣብታ ኣብ ማእከላይ ምዕራብ ናይጂርያ እትርከብ ከተማ በኒን: ጸሓፊ ሓደ ጠበቓ ዀንኩ። ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ዕንጸይቲ ዝቈራረጸሉ ትካል ሸቃሊ ዀይነ ዓየኹ። ካብኡ ብ1953 ምስ ሓደ ዘመደይ ንምንባር ናብ ካመሩን ከድኩ: ንሱውን ኣብ ሕርሻ ተኽሊ ጐማ ስራሕ ረኸበለይ። ወርሓዊ ደሞዘይ ትሽዓተ ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ይኸውን ነበረ። ወትሩ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ስራሕ ትሑት እኳ እንተ ነበረ: እኹል ዝበልዖ ምግቢ እንተ ረኺበ ግን ዕጉብ ነበርኩ።

ሓደ ድኻ መንፈሳዊ ሃብቲ ሃበኒ

ኣብቲ ግዜ እቲ ሲልቫኑስ ኦኬሚሪ ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር መሳርሕተይ ነበረ። ሳዕሪ ቘሪጽና ነቲ ተኽሊ ጎማ ኽንሽፍኖ ኸለና: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ ፍልጠት ንምንጋር ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ዅሉ ይጥቀመሉ ነበረ። ነቲ ዝብሎ ዝነበረ እሰምዖ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ስጕምቲ ኣይወሰድኩን። እቲ ዘመደይ ግን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝራኸብ ምስ ፈለጠ: ምሳታቶም ንኸይቀርብ ዝከኣሎ ዅሉ ገበረ። “በንጂ: ንሚስተር ኦኬሚሪ ኣይትኺዶ። ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ ድኻ ኣማኒ ጆሆቫ እዩ። ምስኡ ዝቀራረብ ሰብ ከምኡ ክኸውን እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቐኒ።

ኣብ መጀመርታ 1954 ኣብቲ ኹባንያ ዝነበረ ጸገማት ክጻወሮ ስለ ዘይከኣልኩ: ናብ ዓድና ተመለስኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤተ-ክርስትያን እንግሊዝ ንስነ-ምግባር ብዝምልከት ተሪር ሕግታት ነበራ። ስለዚ ድማ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት እፍንፍን ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግን ነቲ እቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ዘለዎም ግብዝና ተጸየፍክዎ። ብኣፎም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝስዕቡ ዝዛረቡ እኳ እንተዀኑ: ናብራኦም ግን ምስዚ ዝጋጮ ነበረ። (ማቴዎስ 15:8) ምስ ኣቦይ ብተደጋጋሚ ንከራኸር ብምንባርና: ርክብና እናሓርፈፈ ኸደ። ሓደ ምሸት ከኣ ካብ ቤት ወጺአ ናብ ካልእ ኸድኩ።

ካብኡ ናብ ኦሞባ እትበሃል መደበር ባቡር ዝዀነት ንእሽቶ ኸተማ ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ እንደገና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ሓንቲ ፕሪሲላ ኢሲዮካ እትበሃል ኣብ ቍሸትና ዝፈልጣ ዝነበርኩ ሰበይቲ ብስራት መንግስቲ ከምኡውን ድሕሪ ኣርማጌዶን—ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዘርእስተን ጽሑፋት ሃበትኒ። a ብኡንብኡ ኣንቢበ ወዳእክወን: ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ድማ ኣመንኩ። ኣብ ቤተ-ክርስትያንና መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንመሃርን ኢና: የግዳስ ኣብ ስርዓታት ሰብ ኢና እነተኵር። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለዉዎ ጽሑፋት ግን ብተደጋጋሚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝጠቅስ።

ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ንሓውና ኢስዮካን ንሓብትና ኢስዮካን ናብ ቤተ-ክርስትያኖም መዓስ ከም ዝኸዱ ሓተትክዎም። ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣኼባ ኣብ እተኣከብኩሉ እዋን: ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተረድኣንን። እታ ሽዑ ኻብ ግምቢ ዘብዐኛ እተጸንዐት ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ተጠቒሱ ዘሎ መጥቃዕቲ ‘ጎግ ብዓል ማጎግ’ እያ እትገልጽ ነይራ። (ህዝቅኤል 38:1, 2) ዝበዝሕ ቃላት ንዓይ ሓድሽ እኳ እንተ ዀነኒ: በቲ እተገብረለይ ጽቡቐ ኣቀባብላ ስለ እተመሰጥኩ ግን ኣብታ እትቕጽል ሰንበት እውን ክኸይድ መደብኩ። ኣብታ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ኣኼባ ዝኸድኩላ መዓልቲ: ብዛዕባ ስብከት ሰማዕኩ። ስለዚ: ንፕሪሲላ መዓስ ናብ ስብከት ከም ዝኸዱ ሓተትክዋ። በታ ሳልሰይቲ ሰንበት ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዘ ኣሰንየዮም ናብ ስብከት ከድኩ። ንስብከት ዝኸውን ቦርሳ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኰንኩ: ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ድማ ጸብጻብ ኣገልግሎት ሃብኩ!

ዋላ ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይመርሓለይን: ንእንዳ ኢስዮካ ኽበጽሖም ክኸይድ ከለኹ ግን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እምነት ዘደልድልን ዘተባብዕን ቃላት እኣሪ: እተወሰነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት እውን እረክብ ነበርኩ። ብ11 ታሕሳስ 1954 ኣብታ ኣባ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ብማይ ብምጥማቕ ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ኣርኣኹ። እቲ ምስኡ ዘንብረንን ዘስርሓንን ዘመደይ: ምግበይ ከልከለኒ: ካብ ስራሕ እውን ሰጐጐኒ። ነቲ ዘገልገልክዎ እዋን እውን እንተዀነ ሓሙሽተ ሳንቲም ትኹን ኣይሃበንን። ይኹን እምበር: ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ክምስርት ብምኽኣለይ ሕጉስ ስለ ዝነበርኩ: ነቲ ዘመደይ ኣይተቐየምክዎን። እቲ ምስ ኣምላኽ ዝመስረትክዎ ርክብ: ምጽንናዕን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ኣምጸኣለይ። እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ደገፉኒ። ስድራቤት ኢስዮካ ዝበልዖ ምግቢ ኽህቡኒ ኸለዉ: ካልኦት ድማ ሸቐጥ ንኽጅምር ገንዘብ ኣለቅሑኒ። ኣብ መፋርቕ 1955 ሓንቲ ዘገልገለት ብሽክለታ ዓደግኩ: ኣብ መጋቢት 1956 ከኣ ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኵሉ ዕዳይ ኸፊለ ወዳእኩ። እቲ ኻብ ሸቐጥ ዝረኽቦ ዝነበርኩ መኽሰብ ኣዝዩ ሒደት እኳ እንተ ነበረ: ርእሰይ ክኣሊ ግን እኽእል ነበርኩ። እቲ የሆዋ ዝሃበኒ ንዓይ እኹል እዩ ነይሩ።

ንሓወይን ነሓተይን “ምስራቕ”

ርእሰይ ምስ ከኣልኩ: መጀመርታ ዘተሓሳሰበኒ ነገር ንስድራቤተይ ብመንፈስ ምሕጋዝ እዩ። ኣቦይ ጽልእን ጥርጣረን ስለ ዝነበሮ: ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ ይጻረረኒ ነበረ። ንስድራቤተይ ደኣ እሞ ብኸመይ እየ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኽምህሮም ዝኽእል፧ ነቲ ኤርነስት ዝስሙ ምንኣሰይ ሓወይ ንኽሕግዞ ሓሳብ ኣቕረብኩ: ኣቦይ ድማ ምሳይ ክነብር ፈቐደሉ። ኤርነስት ቀልጢፉ ሓቂ ተቐበለ: ብ1956 ከኣ ተጠምቀ። ንሱ ዝገበሮ ለውጢ ነቦይ ብዝያዳ ኸም ዝጻረረና ገበሮ። ኰይኑ ግን: ብዓልቲ ሓዳር ዝነበረት ሓብተይ እውን ምስ በዓል ቤታ ናብ ሓቂ መጸት። እታ ፈሊሽያ ዝስማ ኻልአይቲ ሓብተይ ካብ ትምህርታ ኣብ እትዓርፈሉ እዋን ምሳይ ንኸተሕልፎ ምድላዋት ምስ ገበርኩላ: ኣቦይ እናተወላወለ ፈቐደላ። ነዊሕ ከይጸንሐት: ፈሊሽያ እውን ተጠሚቓ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት።

ብ1959 ነታ በርኒስ እትበሃል ሳልሰይቲ ሓብተይ ምስ ኤርነስት ክትከውን ንኽወስዳ ናብ ዓድና ኸድኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ኣቦይ ንደቀይ ሰሪቕካኒ ኢሉ ዝወቕዓኒ። ንየሆዋ ንምግልጋል ብብሕቶም ከም ዝወሰኑ ኣይተረድኦን። ንበርኒስ ምሳይ ክትከይድ ፈጺሙ ኸም ዘየፍቅደላ መሓለ። ኢድ የሆዋ ሓጻር ስለ ዘይኰነት ግን ንዓመታኣ ቤት ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ: ምስ ኤርነስት ግዜኣ ንምሕላፍ መጸት። ንሳውን ከም ኣሓታ ሓቂ ተቐቢላ ተጠምቀት።

‘ኣብ ኵሉ ብዅሉ ልሙድ ምዃን’

ኣብ መስከረም 1957 ኣብ ወወርሒ 150 ሰዓት ኣብ ዕዮ ስብከት ብምሕላፍ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣነን ሳንደይ ኢሮባላኪ ዝበሃል መገላግልተይን ኣብቲ ኣክፑናቦ: ኤቼ: ዝርከብ ሰፊሕ ዞባ ነገልግል ነበርና። ኣብቲ ቦታ እቲ ድሕሪ ምኻድና ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ ናይ ወረዳ ኣኼባ: ካብ ጕጅለና 13 ሰባት ተጠምቁ። ሕጂ ኣብቲ ቦታ እቲ 20 ጉባኤታት ቈይመን ምርኣይናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘሐጕሰና!

ብ1958 ምስ ሓንቲ ኣብ ጉባኤ ምብራቕ ኢባ እትእከብ ክሪስትያና ኣስዊኬ እትበሃል ስርዓታዊት ፓይነር ተፋለጥኩ። በቲ ቕንኣታ ስለ ዘድነቕክዋ ድማ ኣብ ታሕሳስ እታ ዓመት እቲኣ ተመርዓና። ኣብ መጀመርታ 1959 ንጉባኤታት ምእንቲ ኽበጽሕን ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ምእንቲ ኸበራትዕን: ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ተመዘዝኩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ኽሳዕ 1972 ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ምብራቓውን ማእከላይ ምዕራባውን ናይጂርያ ንዝርከባ ዅለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጺሕናየን ኢና።

እተን ጉባኤታት ተረሓሒቐን እየን ዝርከባ ነይረን: ቀንዲ መጕዓዓዚትና ድማ ብሽክለታ እያ ነይራ። ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ከነገልግል ከለና: ኣሕዋትና ናብታ ቐጺልና እንበጽሓ ጉባኤ ንኽንከይድ ታክሲ ይኰናተሩልና ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ እንሓድረሉ ገዛ ምድሪ ቤቱ ብጭቃ እተለቕለቐ ክኸውን ከሎ: ሰንቀ እውን ኣይነበሮን። ብዕንጸይቲ ኣብ እተሰርሐ ዓራት ድማ ንድቅስ ነበርና። ገሊኡ ዓራውቲ ብሓሰር እተሰርሐ ፍርናሽ ክህልዎ ኸሎ: ገሊኡ ግን ፍርናሽ ዝበሃል እውን ኣይነበሮን። መጠን እቲ ዝቐርበልና ዝነበረ ምግቢ ዀነ ዓይነቱ ንዓና ጸገም ኣይፈጠረልናን። ብሒደት ነገራት ምዕጋብ ስለ ዝለመድና: በታ እትወሃበና ምግቢ ንሕጐስ ነበርና: እቶም ኣአንገድትና እውን በዚ ባህ ይብሎም ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ገሊኡ ኸተማታት ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረ: ነታ ብላምባ እትሰርሕ ፋኑስ ወትሩ ንማልኣ ነበርና። እዚ ዅሉ ጸገማት እኳ እንተ ነበረ: ምስ ጉባኤታት ብዙሕ ዘሐጕስ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና።

ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብናዮ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:8) ጳውሎስ ጸበባ ብምሕላፉ ብዘለዎ ንኽዓግብ ተለማሚዱ እዩ። ብኸመይ እዩ ዝለመደ፧ “ትሕት ምባል እፈልጥ: ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ” ብምባል ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ነዚ ለሚድናዮ ኢና። ብዘይካዚውን ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ [ኣምላኽ] ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊልጲ 4:12, 13) ነዚውን ኣብ ህይወትና ተመኲርናዮ ኢና። ከመይሲ: በቲ ዘሎና ዕጉባት ነበርና: ሃናጺ ክርስትያናዊ ንጥፈታትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን እውን ነበረና።

ምስ ሰደርና ኣብ ጉባኤታት ምግልጋል

ኣብ መወዳእታ 1959 በዅሪ ወድና ጆኤል: ብ1962 ከኣ ካልኣይ ወድና ሳሙኤል ወለድና። ድሕርዚ እውን ንክሪስትያናን ክልተ ደቅናን ሒዘ ንጉባኤታት ምብጻሕ ቀጸልኩ። ብ1967 ኣብ ናይጂርያ ውግእ ሓድሕድ ተባርዐ። ዘየቋርጽ ደብዳብ ነፈርቲ ብምንባሩ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽወ። ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ቅድሚ ምጅማረይ ብዓልቲ ቤተይ መምህር ብምንባራ: እቲ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ንደቅና ኣብ ገዛ ትምህሮም ነበረት። ሳሙኤል ኣብ ሽዱሽተ ዓመቱ ምንባብን ምጽሓፍን ክኢሉ ነበረ። ድሕሪ እቲ ውግእ ትምህርቲ ኽኣቱ ኸሎ: ካብቶም መዛኑኡ ኽልተ ኽፍሊ ቐዲሙ ነበረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ እናኣገልገልኩ ቘልዑ ምዕባይ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረዳእናዮን። ብ1972 ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ንኸነገልግል ምስ ተመደብና ግን ብዙሕ ኢና ተጠቒምና። ኣብ ሓደ ቦታ ስለ እተቐመጥና ድማ ንመንፈሳውነት ስድራቤትና እኹል ቈላሕታ ንኽንገብር ኣኽኣለና። ንደቅና ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዝና በቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዕጉብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ምሂርናዮም ኢና። ብ1973 ሳሙኤል ተጠምቀ: ጆኤል ድማ ኣብታ ዓመት እቲኣ ስርዓታዊ ፓይነር ኰነ። ክልቲኦም ደቅና ንፉዓት ክርስትያን ኣንስቲ ተመርዕዮም ንደቆም ኣብ ሓቂ የዕብዩ ኣለዉ።

ውግእ ሓድሕድ ዘምጽኦ ሕሰም

እቲ ውግእ ሓድሕድ ክባራዕ ከሎ ምስ ስድራቤተይ ብሓባር ኣብ ጉባኤ ኦኒትቻ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ አገልግል ነበርኩ። እቲ ውግእ እቲ ኸኣ ስጋዊ ጥሪት ምድላብ ወይ ኣብኡ ምውካል ከንቱ ምዃኑ ብዝያዳ እዩ ኣነጺሩልና። ሰባት ጥሪቶም ኣብ ጐደናታት ራሕሪሖም ህይወቶም ንምድሓን ክሃድሙ ርእየ እየ።

እቲ ውግእ እናተጋደደ ምስ ከደ: ኵሎም በጽሕታት ኣብ ውትህድርና ክኽተቡ ተኣወጀ። ብዙሓት ኣሕዋት ነዚ ምፍጻም ብምእባዮም ስቓይ ወረዶም። ከም ድላይና ኽንንቀሳቐስ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ዋሕዲ ምግቢ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ፈጠረ። ዋጋ ፍርቂ ኺሎ ካሳቫ (ሱሩ ዝብላዕ ዓይነት ተኽሊ) ካብ 7 ሳንቲም ኣመሪካ ናብ 14 ዶላር ደየበ። ሓደ ኹባያ ጨው ድማ ካብ 8 ዶላር ናብ 42 ዶላር በጽሐ። ጸባን ጠስምን ሽኮርን እሞ ኸኣ ፈጺሙ ኻብታ ዓዲ ጠፍአ። ነዛ ህይወትና ንምድሓን ዘይበሰለ ፓፓዮ ጥሒንና ምስ ሒደት ሓርጭ ካሳቫ ሓዊስና ንምገቦ ነበርና። ብዘይካዚ: ኣንበጣ: ቅራፍ ካሳቫ: ከምኡውን እተፈላለየ ዓይነት ዝረኸብናዮ ኣቝጽልቲ ንምገብ ነበርና። ስጋ ብርቂ ብምንባሩ: ንደቀይ ጠበቕ እሕዘሎም ነበርኩ። ኰይኑ ግን: እቲ ዅነታት እናኸፍአ እኳ እንተኸደ: የሆዋ ወትሩ ዘድልየና የማልኣልና ነበረ።

ይኹን እምበር: እቲ ውግእ ዘስዓቦ መንፈሳዊ ጥሜት ዝገደደ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ዝበዝሑ ኣሕዋት ካብቲ ውግእ ዝነበሮ ዞባ ናብ ዱር ወይ ናብ ካልእ ኣቝሻት ሃዲሞም ነበሩ። ክሃድሙ ኸለዉ ንመብዛሕትኡ: ምናልባት እውንእቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋቶም ብምሉኡ ጠፍኦም። ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓደስቲ ጽሑፋት ናብ ቢያፍራ ንኸይኣቱ ኸልከሉ። መብዛሕትአን ጉባኤታት ኣኼባታት ክገብራ እኳ ዝጽዕራ እንተ ነበራ: ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መምርሒ ኽበጽሐን ዘይክእል ብምንባሩ መንፈሳውነት ኣሕዋት ተዳኸመ።

ንመንፈሳዊ ጥሜት ምቅላሱ

ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንዅለን ጉባኤታት ንምብጻሕ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ነበሩ። ሓያሎ ኣሕዋት ካብ ከተማታት ስለ ዝሃደሙ: ኣብቲ ኽርከቡሉ ዝኽእሉ ዘበለ አናድዮም ነበርኩ። ሓደ ግዜ ንብዓልቲ ቤተይን ንደቀይን ኣብ ሓደ ደሓን ዝዀነ ቦታ ገዲፈ ኣብ እተፈላለየ ኣቝሻትን ዱርን ነሕዋት እናኣናደኹ ንሽዱሽተ ሰሙን በይነይ ተጐዓዝኩ።

ኣብ ጉባኤ ኦቡንካ እናኣገልገልኩ ኸለኹ: ኣብቲ ኣብ ኣውራጃ ኦኪግዋ ዝርከብ ከባቢ ኢሱኦቺ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ሰማዕኩ። ስለዚ: ኣብቲ ኣብ ቍሸት ኡምዋኩ ዝርከብ ሕርሻ ካዕካዕ ንኽተኣኻኸቡ በሕዋት ገይረ መልእኽቲ ለኣኽኩሎም። ኣነን ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓውን ብብሽክለታ ጌርና ን15 ኪሎ ሜተር ድሕሪ ምጕዓዝ: ኣብቲ ኣንስትን ቈልዑትን ዝርከብዎም 200 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣከቡሉ ሕርሻ በጻሕና። ብተወሳኺውን: ብሓገዝ ሓንቲ ፓይነር ሚእቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ እተዓቝቡሉ ዱር ሎማራ ክኸይድ ከኣልኩ።

ላውረንስ ኡግዋቡ ሓደ ኻብቶም ኣብታ ብውግእ እተሓመሰት ከተማ ኦወሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ተባዓት ኣሕዋት እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ከባቢ ኦሃጂ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ነገረኒ። ወተሃደራት ነቲ ቦታ ተቘጻጺሮምዎ ስለ ዝነበሩ: እቶም ኣሕዋት ብናጻ ኽንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ክልቴና ጸልማት ተጐልቢብና ናብቲ ቦታ ብብሽክለታ ኸድና: ኣብ ቀጽሪ እንዳ ሓደ ሓው ድማ ን120 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብናዮም። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒምና እውን ነቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ኣሕዋት በጻሕናዮም።

ሓው ኣይዛክ ንዋጉ ድማ ካልኦት ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ኣሕዋት ኣበይ ከም ዘለዉ ንኽሕግዘኒ ኽብል ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ነይሩ። ብታንኳ ገይሩ ፈለግ ኦታሚሪ ኣሳገረኒ: ኣብቲ ኢግቡ ኤታቻ ዝበሃል ቦታ ንዝነበሩ ልዕሊ 150 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ረኸብናዮም። ኣብኡ ዝነበረ ሓደ ሓው “እዚኣ ብህይወት ካብ ዝነበርኩለን ኵለን መዓልትታት እታ ዝበለጸት እያ! ናይ ወረዳ ተዓዛቢ እንደገና እርኢ እየ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረንን። ኣብዚ ጽዕጹዕ ውግእ ዋላ እውን እንተ ሞይተ: ጐዲሉኒ ዝብሎ የብለይን” በለ።

ንዓይ እውን እንተዀነ ወተሃደር ኰይነ ንክኽተብ ጻውዒት ክቐርበለይ ዝኽእል እኳ እንተ ነበረ: ዕቝባ የሆዋ ግን ብተደጋጋሚ ርእየ እየ። ሓደ እዋን ድሕሪ ቐትሪ ምስ 250 ዝዀኑ ኣሕዋት ኣኼባ ድሕሪ ምግባር ናብቲ ዓሪፈሉ ዝነበርኩ ቦታ ኽምለስ ከለኹ: ፈታሽ ጕጅለ ወተሃደራት ደው ኣበሉኒ። “ንምንታይ ኢኻ ኣባል እዚ ሰራዊት ዘይኰንካ፧” ኢሎም ሓተቱኒ። መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኽ ሚስዮናዊ ምዃነይ ገለጽኩሎም። እንተዀነ ግን: ክኣስሩኒ ኸም ዝቘረጹ ኣስተብሃልኩ። ብኡንብኡ ብልበይ ሓጺር ጸሎት ድሕሪ ምግባር: ነቲ ሓላፊኦም “በጃኻ እንዶ ግዳ ክኸይድ ሕደገኒ” በልክዎ። እቲ ዘገርም ከኣ “ሕደጉኒ ዲኻ እትብል ዘለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። “እወ” ኢለ ምስ መለስኩሉ: “ክትከይድ ትኽእል ኢኻ” በለኒ። ዋላ ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ሓንቲ ቃል ዘውስአ ኣይነበረን።—መዝሙር 65:1, 2

ዕግበት ተወሳኺ በረኸት የምጽእ

ብ1970 እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ምግልጋለይ ቀጸልኩ። ነተን ጉባኤታት እንደገና ንክቘማ ናይ ምሕጋዝ ኣጋጣሚ ምርካበይ ንዓይ ክብሪ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ: ኣነን ክሪስትያናን ክሳዕ 1976 ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና: ካብኡ ድማ እንደገና ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ተመዘዝኩ። ኣብ መፋርቕ እታ ዓመት እቲኣ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ድሕርዚ ሸውዓተ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ኣብ ናይጂርያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብዚ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እዚ: ምስቶም ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ ዝነበረሉ እዋንን ኣብ ካልእ ግዜያትን ዝረኸብናዮም እሞ ክሳዕ ሕጂ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋት እንደገና ኽንራኸብ ከለና ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዘምጽኣልና።

ኣብ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ክሪስትያና እተደንቕ ደጋፊትን እምንቲ ብጸይትን እያ ዀይናትኒ። ካብ 1978 ኣትሒዛ ጥዕና እኳ እንተ ዘይብላ: እቲ ቈራጽነት ዝመልኦ ኣወንታዊ ኣረኣእያኣ ግን ሓላፍነተይ ተሰኪመ ንክቕጽል ኣኽኢሉኒ እዩ። ንሓቅነት እተን “ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ” ዝብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ተመኲርናየን ኢና።—መዝሙር 41:3

ነተን በገልግሎት ትሑዛት ዝነበርናለን ዓመታት ምልስ ኢለ ኽዝክረን ከለኹ: ነቲ የሆዋ ዝሃበና ዘደንቕ በረኸት ካብ ምምስጋን ሓሊፈ ዝብሎ የብለይን። በቲ ዝሃበኒ ብምዕጋበይ: ብርግጽ ብዙሕ ሓጐስ ክረክብ ክኢለ እየ። ሓወይ: ኣሓተይ: ደቀይ: ከምኡውን ስድራቤቶም ምሳይን ምስ ብዓልቲ ቤተይን ሓቢሮም ንየሆዋ ኸገልግሉ ብምርኣየይ ዝረኽቦ ሓጐስ: መወዳድርቲ ዘይብሉ በረኸት እዩ። የሆዋ ዘዕግብን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ሂቡኒ እዩ። ካብቲ ዝምነዮ ዝነበርኩ: ከይተፈጸመ ዝተረፈ ዋላ ሓደ ነገር የለን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ። ሕጂ ግን ኣይሕተማን እየን ዘለዋ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ነሕዋት ዘዐንገለ ነቲ እዋን እቲ ዝኸውን ምድላው

ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ናይጂርያ ዝርከቡ ቐቢላታት ንሓድሕዶም ይጻልኡ ብምንባሮም: ረብሻ: ዕልወት: ምጥሓስ ሕጊ: ከምኡውን ዓመጻ ተላዕለ። እዚ ምዕባለታት እዚ ነቶም ካብቲ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት ክዀኑ ዝቘረጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርቱዕ ጸቕጢ ኣውረደሎም። ዳርጋ 20 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐትሉ። መብዛሕትኦም ከኣ ጥሪቶም ሰኣኑ።

ብ30 ግንቦት 1967 ምብራቓዊ ግዝኣት ናይጂርያ ኻብቲ ፌደረሽን ተገንጺላ ሪፓብሊክ ቢያፍራ ዀነት። እቲ ፌደራላዊ ሰራዊት ብኡንብኡ ስጕምቲ ወሰደ: ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ ድማ ፈጺምካ ክኽየድ ዘይከኣል ኰነ። ብድሕሪኡ ደማውን ጽዕጹዕን ውግእ ሓድሕድ ሰዓበ።

ኣብ ቢያፍራ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒዞምዎ ዝነበሩ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ኣደዳ መጥቃዕቲ ገበሮም። ጋዜጣታት ንህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ንምልዕዓል ዘጐሃህር ጽሑፋት ሓተማ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነገልገልቱ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዝረኽቡ ገይሩ እዩ። ብኸመይ፧

ኣብ መጀመርታ 1968 ሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣብ ኣውሮጳ ተመዲቡ ኣብ እንዳ ጶስጣ ኽሰርሕ ከሎ: ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቢያፍራ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተመዲቡ ኽዓዪ ጀመረ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ክልቲኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ብምኽንያት እዚ ስርሖም ከኣ ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ንቢያፍራ ምስ ወጻኢ ዓለም ዘራኽባ እንኮ መስመር እዮም ነይሮም። እዞም ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣቶም እቲ ዅነታት ሓደገኛ እኳ እንተ ነበረ: ፍቓደኛታት ኰይኖም መንፈሳዊ ምግቢ ናብ ቢያፍራ የብጽሑ ነበሩ። ብዘይካዚ: ነቶም ኣብ ጭንቂ ዝነበሩ ኣሕዋትና ረድኤት ንኽበጽሖም እውን ሓጊዞም እዮም። እቲ ውግእ ብ1970 ክሳዕ ዘኽትም ነዚ ኣገዳሲ ምድላው እዚ ተጠቒሞምሉ እዮም። ጸኒሑ ሓደ ኻባታቶም “እዚ ምድላው እዚ ደቅሰብ ክውጥንዎ ዝኽእሉ ኣይነበረን” በለ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1956

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1965 ምስ ደቅና ጆኤልን ሳሙኤልን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ስድራቤትካ ሓቢርካ ንየሆዋ ኸተገልግሎስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ኣነን ክሪስትያናን ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይጂርያ