ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ክርስትና ይስስን ኣሎ

ናይ ሓቂ ክርስትና ይስስን ኣሎ

ናይ ሓቂ ክርስትና ይስስን ኣሎ

እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ኣገልግሎት ኣብ ዓለም ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደረ። መልእኽቱ ንሰባት ብዘደንቕ መገዲ ዘነቓቕሕን ዘንቍሕን ዘለዓዕልን እዩ ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ክዛረብ ዝሰምዕዎ ሰባት ልቦም ተተንኪፎም እዮም።—ማቴዎስ 7:28, 29

የሱስ ድምብርጽ ከይበሎ ኣብቲ ብግዜኡ ዝነበረ ጭቈና ዝመልኦ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ስርዓት ኢዱ ምእታው እኳ እንተ ኣበየ: ደቅሰብ ብቐሊሉ ዝቐርብዎ ግን ነበረ። (ማቴዎስ 11:25-30) ነቲ እኩያት መናፍስቲ ኣብ ምድሪ ዘለዎም ሰፊሕ ጽልዋ ኣፍልጦ ሂቡሉ: ኣምላኽ ካብቲ ናታቶም ዝበልጽ ሓይሊ ኸም ዝሃቦ እውን ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:2-11, 24፣ ዮሃንስ 14:30) የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ስቓይን ሓጢኣትን ዘሎ መሰረታዊ ምትእስሳር ኣጸቢቑ ኣነጺርዎ: ብፍቕሪ ተደሪኹ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ነባሪ ራህዋ ኸም እተምጽእ ሓበረ። (ማርቆስ 2:1-12፣ ሉቃስ 11:2, 17-23) ንዅሎም እቶም ምስ ኣምላኽ ብብሕቶም ርክብ ክህልዎም ዝደልዩ ስም ኣምላኽ ብምግላጽ: ነቲ ንናይ ሓቂ መንነት ኣቦኡ ጋሪዱ ዝነበረ ጸላም ሓንሳእን ንሓዋሩን ቀንጠጦ።—ዮሃንስ 17:6, 26

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከቢድ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መስጐጕቲ እናወረዶም ከሎ: ነቲ መልእኽቲ ብቕልጡፍ ምዝርጋሖም እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ኣቢሉ ጥራይ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኣውሮጳን ድልዱላት ክርስትያናዊ ጉባኤታት ቈይመን ነይረን። (ቈሎሴ 1:23) እታ የሱስ ዝመሃራ ዘይተሓላለኸት ሓቂ ንኣልባብ እቶም ኣብ ምሉእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ትሑታትን ቅኑዓትን ሰባት ኣብሪሃ እያ።—ኤፌሶን 1:17, 18

እዞም ካብ እተፈላለየ ቝጠባዊ ደረጃ: ባህሊ: ቋንቋ: ከምኡውን ሃይማኖት እተኣኻኸቡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም: ብሓደ ሓቢሮም ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ሓንቲ እምነት” ክትህልዎም እትኽእል ብኸመይ እያ፧ (ኤፌሶን 4:5) ምእንቲ ኸይፈላለዩ: “ሓደ ዘረባ” ንኽዛረቡ ዘኽእሎም እንታይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 1:10) ኣብ መንጎ እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዘሎ ምፍልላይ ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኽንምርምሮ ኣሎና።

መሰረት ክርስትያናዊ ሓድነት

የሱስ ንኽፍረድ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምስ ቀረበ: “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ብምባል መሰረት ክርስትያናዊ ሓድነት ገሊጹ ነይሩ። (ዮሃንስ 18:37) እምበኣር: ንትምህርትታት የሱስን ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ምቕባል: ነቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ሓድነት ንኽህልዎም ሓያል ጽልዋ እዩ ዝገብረሎም።—1 ቈረንቶስ 4:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ልክዕ እዩ: ሓድሓደ ግዜ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ቅንዕና ተበጊሶም ሕቶታት ክሓቱ ወይ ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥም እንታይ እዮም ዝገብሩ፧ የሱስ “እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና: ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር: ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ: ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም: ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 16:12, 13) ስለዚ: እቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓቂ ኸምቲ ኣምላኽ በብቝሩብ ዝገለጻ ገይሮም ንኽርድኡዋ እቲ ኣምላኽ ዝህቦም መንፈስ ቅዱስ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: እዚ መንፈስ እዚ ኣባታቶም ከም እኒ ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ ዝኣመሰለ ሓድነት ንኽህሉ ኣበርክቶ ዝገብር ፍረ የፍሪ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28፣ ገላትያ 5:22, 23

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኽሰሓሓቡ ወይ ንኽጐጃጀሉ ኣየፍቀደሎምን፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት ምስ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ስርዓታት እቶም ዝረኽብዎም ሰባት ንኽወሃሃድ ኢሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጕም ክህብዎ እውን ስልጣን ኣይሃቦምን። የግዳስ: ኣብታ ምሳታቶም ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት: “ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር: ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም: ንስኻ ኸም ዝለአኽካኒ: ምእንቲ ኽትአምንሲ: ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ” ብምባል ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። (ዮሃንስ 17:20, 21) እምበኣር: ብመንፈስን ብሓቅን ዝቘመ ሓድነት ካብቲ ክርስትና ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜና መለለዪ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። (ዮሃንስ 4:23, 24) ይኹን እምበር: ሎሚ ኣብያተ-ክርስትያን ተበታቲነን ደኣ እምበር ሰሚረን ኣይኰናን ዘለዋ። ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብያተ-ክርስትያን ተበታቲነን ዘለዋ ስለምንታይ እየን፧

ሓቂ ንምዝራብ: ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ ብዙሕ እምነታትን ልምድታትን ዘለዎም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ኽህልዉ ዝኸኣሉ: ንትምህርትታት የሱስ ብዘይምስዓቦም እዩ። ሓደ ጸሓፊ “ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገብርዎ ዝነበሩ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝደለይዎ ኽወስዱ ኸለዉ: ምስ ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ስርዓታቶም ዘይቃዶ ዘበለ ዕሽሽ ይብሉዎ” በለ። የሱስን ሃዋርያቱን ነዚ ብትንቢት ገሊጾምዎ ነይሮም እዮም።

ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ነቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም” ኢሉ ጸሓፈሉ። ኵሎም ክርስትያናት ድዮም ክስሕቱ፧ ኣይፋልን። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ: መከራ ጽገብ: ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3-5፣ ሉቃስ 21:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3) ጢሞቴዎስን ካልኦት እሙናት ክርስትያናትን በዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ማዕዳ ተመላሊሶም እዮም።

ሕጂውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓድነት ኣለዎም

ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ብምንጻግን ንሰረተ-እምነቶም ብዝምልከት ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ጥራይ ብምቕባልን ይጥንቀቑ እዮም ዘለዉ። (ቈሎሴ 2:8፣ 1 ዮሃንስ 4:1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: መልእኽቲ የሱስ ማለት እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ብምንጋር: ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ ኣለዉ። እቲ ዝነብሩሉ ዓዲ ብዘየገድስ ንየሱስ ብሓድነት ከም ዝመስልዎን ብናይ ሓቂ ክርስትና ኸም ዝመላለሱን ዘረጋግጽ ኣርባዕተ መዳያት ርአ።

እምነቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። (ዮሃንስ 17:17) ሓደ ኣብ በልጅዩም ዚነብር ካህን ብዛዕባኦም “ሓደ ኻብቲ ካባታቶም [ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ክንመሃሮ ዘሎና ነገር: እቲ ንቓል ኣምላኽ ክሰምዑ ዘለዎም ድሌትን ብዛዕባኡ ንኽምስክሩ ዘለዎም ትብዓትን እዩ” በለ።

ካብዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት መንግስቲ ኣምላኽ ራህዋ ኸተምጽኣሎም እዮም ዝጽበዩ። (ሉቃስ 8:1) ኣብ ባራንኲላ: ኮሎምብያ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ኣንቶንዮ ዝስሙ ውፉይ ደጋፊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣዘራረቦ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኣንቶንዮ ኣይወገነን: ካልእ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ እውን ኣይደገፈን። ኣብ ክንድኡስ: ንኣንቶንዮን ንሓብቱን ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምህሮም ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም ሓተቶም። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣንቶንዮ ነቶም ኣብ ኮሎምብያን ኣብ ካልእ ሃገራት ዓለምን ዝርከቡ ድኻታት መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ተስፋ ኸም እትዀኖም ኣስተውዓለ።

ስም ኣምላኽ የኽብሩ። (ማቴዎስ 6:9) ነታ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ውፍይቲ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ዝነበረት ማርያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጀመርታ ግዜ ምስ መጽዋ: ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸርእይዋ ፍቓደኛ ዀነት። ነዚ ምስ ረኣየት እንታይ ተሰምዓ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ “ስም ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኣኽዎ ነባዕኩ። ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ክፈልጥን ክጥቀመሉን ከም ዝኽእል ምፍላጠይ ልበይ ተንከፈኒ” በለት። ማሪያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸለት: ኣብ ህይወታ ንመጀመርታ ግዜ ባህርያት የሆዋ ኽትፈልጥን ምስኡ ነባሪ ርክብ ክትምስርትን ድማ ከኣለት።

ብፍቕሪ ዝሰመሩ እዮም። (ዮሃንስ 13:34, 35) ርእሰ-ዓንቀጽ እታ ዘ ሌዲስሚዝ—ሸሜነስ ክሮኒክል ዘርእስታ ኣብ ካናዳ እትሕተም ጋዜጣ: “ሃይማኖታዊ እምነት ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ: ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ፈረቓን ኣብ ካሲዲ ነቲ 2,300 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ መአከቢ ኣደራሽ ለይትን መዓልትን ብዘይምቍራጽ ዝሃነጹ 4,500 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትንእዶም ይግባእ። . . . ነዚ ብዘይ ምክርኻር: ብዘይ ምስሕሓብ: ወይ ክብሪ ርእሶም ከይደለዩ ብሓጐስ ክገብሩ ምኽኣሎም: መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትና እዩ” ዝብል ሓሳባት ሒዛ ወጸት።

ነዚ መርትዖታት እዚ እሞ ኣስተብህለሉ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ምሁራን: ሚስዮናውያን: ከምኡውን ምእመናን ምስቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያኖም ዘንጸላሉ ዘሎ ምስሕሓብ ክቃለሱ ኸለዉ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ኣብ መላእ ዓለም ይስስኑ ኣለዉ። እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ቓል ኣምላኽ ንኽሰብኩን ንኽምህሩን እተዋህቦም ሓላፍነት ይፍጽሙ እዮም ዘለዉ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ንስኻውን ሓደ ኻብቶም በቲ ዝግበር ዘሎ ጽያፍ “ዚጕህዩን ዚትክዙን” እንተ ዄንካ: በቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ምፍልላይ ድማ ትጭነቕ እንተ ዄንካ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሓደ በይኑ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብሓድነት ዘቕርብዎ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ንኽትጽምበሮም ንዕድመካ።—ህዝቅኤል 9:4፣ ኢሳይያስ 2:2-4