ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

ንኣምላኽ ፍቕሪ ምምዕባል ክበሃል ከሎ ብዛዕባኡ ፍልጠት ምህላው ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝምስክርዎ: ባህርያት ኣምላኽ ምስ ፈለጥካ ኢኻ ንዕኡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸተማዕብል እትኽእል። ዝፈትዎን ዝጸልኦን ነገራት ከምኡውን ምርጫታቱን ከተማልኦ ዝደልየካ ብቕዓታትን ምስ እትፈልጥ ድማ ፍቕርኻ እናዓበየ ይኸይድ።

የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንታይ ከም ዝገበረ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኻብ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ እተላእከ ደብዳበ ብዙሕ ዘሐጕሰና: ቅድሚ ሕጂ ዘየስተውዓልናሉ ባህርያት የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክግለጸልና ኸሎ ብዙሕ ኢና እንሕጐስ።

ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጡ ጥራይ ከም ዘፍቅሮ ኣይገብሮን እዩ። ነዚውን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዘጋጥሙና ሰባት ንርእዮ ኢና። የሱስ ንገሊኣቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ዘይመማሰውቲ ኣይሁድ “ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም: . . . ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 5:39, 42) ገሊኣቶም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝገበሮ ተግባራት ንሓያሎ ዓመታት እኳ እንተ ተማህሩ: ንዕኡ ግን ፍቕሪ የብሎምን። ስለምንታይ፧ ነቲ እተማህርዎ ነገራት ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ዘየስተንትኑሉ ብምዃኖም እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ቅኑዓት ሰባት ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ እናዓበየት እያ ኸይዳ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኸምዚ ኸማና ኣብነት ኣሳፍ ስዒቦም እዮም። ብኸመይ ግን እዮም ኣብነቱ ዝሰዓቡ፧

ብሞሳ ነስተንትነሉ

ኣሳፍ ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ልቡ ንኸሕድር ቈሪጹ ተላዒሉ ብምንባሩ: “ምስ ልበይ ኤስተንትን አሎኹ: . . . ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ: ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ: ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 77:6, 11, 12) ሓደ ሰብ ከምቲ እዚ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ንመገድታት የሆዋ ምስ ዘስተንትነሉ: ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ይዓቢ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለና ዘጋጠመና ነገራት ምዝካር ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ የደልድሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “መዓይይቲ” ኣምላኽ ምዃንና ተዛሪቡ እዩ: እቲ ኣብ መንጎ መዓይይቲ ዝምዕብል ዕርክነት ከኣ ፍልይ ዝበለ እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:9) ንየሆዋ ፍቕርና ምስ እንገልጸሉ: የማስወሉን ንልቡ የሐጕሶን እዩ። (ምሳሌ 27:11) ካብ የሆዋ ሓገዝ ደሊና ምስ እንልምኖ እሞ ንሱውን ጸገማትና ንምፍታሕ ምስ ዝሕግዘና: ምሳና ኸም ዘሎ ንፈልጥ: እታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ድማ ዝያዳ ትዓምቝ።

ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም ስምዒታቶም ክገላለጹ ኸለዉ ኣብ መንጎኦም ዕርክነት ይምዕብል። ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ውፉያት ዝዀንናሉ ምኽንያት ክንገልጸሉ ኸለና: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትድልድል። ነቲ የሱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከኣ ነንጸባርቕ። (ማርቆስ 12:30) ንየሆዋ ወትሩ ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓሳብናን ብዅሉ ሓይልናን ንኸነፍቅሮ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ምፍቃር

ቅዱሳት ጽሑፋት: ምሳልያዊ ልቢ ውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ: ማለት ባህግታቱን ኣረኣእያኡን ስምዒታቱን ከም ዘመልክት ይጠቅስ። ስለዚ: ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ምፍቃር ክበሃል ከሎ: ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ንዕኡ ኸነሐጕስ ባህጊ ይህልወና ማለት እዩ። (መዝሙር 86:11) ባህርያትና ብእኡ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ብምግባር ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ነርኢ ኢና። ‘ንኽፍኣት ብምፍንፋንን ኣብ ሰናይ ብምልጋብን’ ድማ ንኣምላኽ ክንመስሎ ንጽዕር።—ሮሜ 12:9

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝስምዓና ስምዒት ትጸልዎ እያ። ንኣብነት: ንዓለማዊ ንስራሕና ኣገዳሲ ወይ መሳጢ ዀይኑ ኽንረኽቦ ንኽእል እኳ እንተዀንና: ልብና ግን ኣብኡ ድዩ፧ ኣይፋልን። ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ስለ እነፍቅሮ: ብቐዳምነት ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢና ኽንፍለጥ እንደሊ። ብተመሳሳሊውን ንወለድናን ንመጻምድትናን ንሓለቓናን ከነሐጕስ ንደሊ እኳ እንተዀንና: ልዕሊ ዅሉ ግን ንየሆዋ ብምሕጓስ ኢና ብምሉእ ልብና ኸም እነፍቅሮ እነርኢ። ከመይሲ: ንሱ ኣብ ልብና ቐዳማይ ቦታ ኽወሃቦ ዝግብኦ እዩ።—ማቴዎስ 6:24፣ 10:37

ንየሆዋ ብዅሉ ነፍስና ምፍቃር

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንዅለንትና ሓደ ሰብን ንህይወቱን እያ እተመልክት። ስለዚ: ንየሆዋ ብዅሉ ነፍስና ኸነፍቅሮ ኽበሃል ከሎ ህይወትና ንዕኡ ንምውዳስን ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ንምርኣይን ንጥቀመላ ማለት እዩ።

ሓቂ እዩ: ሓደ ሞያ ምጥራይ: ንግዲ ምክያድ: ስድራቤት ምእላይ: ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ህይወትና ዘገድሰና ነገራት ክህሉ ይኽእል እዩ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ግን ጕዳያትና በቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲ ብምግባር ከምኡውን ንኻልእ ነገራት ኣብ ህይወትና ኻብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ቦታ ብዘይምሃብ: ማለት ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብምድላይ:’ ንየሆዋ ብዅሉ ነፍስና ኸም እነፍቅሮ ነርኢ። (ማቴዎስ 6:33) ብተወሳኺውን: ብዅሉ ነፍስና ኸነምልኽ ክበሃል ከሎ ብቕንኣት ማለት እዩ። ብቕንኣት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ: ኣብ ኣኼባታት ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ: ወይ ንክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምሕጋዝ: ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ነርኢ። ኣብ ኵሉ ነገራት ‘ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ’ ወይ ብምሉእ ነፍስና ንገብር።—ኤፌሶን 6:6

የሱስ ህይወቱ ብምቕባጽ ንኣምላኽ ብዅሉ ነፍሱ ኸም ዘፍቅሮ ኣርእዩ እዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኽህቦ ኸሎ: ንብሕታዊ ድሌቱ ግን ካልኣይ ቦታ እዩ ሂብዎ። የሱስ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” ብምባል ኣብነቱ ኽንስዕብ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ማቴዎስ 16:24, 25) ህይወትና ምቕባጽ ክበሃል ከሎ ውፉያት ምዃንና እዩ ዘመልክት። ብኻልእ ኣበሃህላ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ሓደ ንጐይታኡ ኣጸቢቑ ዘፍቅሮ እስራኤላዊ ንሓዋሩ ባርያ ክኸውን ዝውስን: ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ስለ እነፍቅሮ ንህይወትና ድሕሪ ደጊም ኣይንውንናን ማለት እዩ። (ዘዳግም 15:16, 17) ንየሆዋ ህይወትና ምውፋይና ኸም እነፍቅሮ እኹል መርትዖ እዩ ዝኸውን።

ንየሆዋ ብዅሉ ሓሳብና ምፍቃር

ንየሆዋ ብዅሉ ሓሳብና ምፍቃር ክበሃል ከሎ: ባህርያቱን ዕላማታቱን ከነማልኦ ዝደልየና ብቕዓታትን ንኽንርዳእ ዘድሊ ዘበለ ዅሉ ንገብር ማለት እዩ። (ዮሃንስ 17:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ኣመሃህራና ብምምሕያሽ ካልኦት ሰባት ንየሆዋ ንኸፍቅርዎ ነእምሮና ወይ ሓሳብና ምስ እንጥቀመሉ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኢና እነርኢ ዘለና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ሓቛቝ ልብኹም ተዓጠቑ’ ብምባል ሓሳብና ንዕዮ ድሉው ክንገብሮ ተማሕጸነ። (1 ጴጥሮስ 1:13) ብዘይካዚ: ንኻልኦት ሰባት: ብፍላይ ከኣ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ተገዳስነትና ንኸነርእዮም ጻዕሪ ንገብር ኢና። ኵነታቶም ነስተብህለሉ እሞ ናእዳ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ንንእዶም: ምጽንናዕ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ከኣ ነጸናንዖም።

ኣእምሮና ንየሆዋ ኸም ዝግዛእ ብምግባር: ብዅሉ ነፍስና ኸም እነፍቅሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንዝዀነ ይኹን ነገር በረኣእያኡ ኽንርእዮ ንጽዕር: ውሳነ ኽንገብር ከለና ብዛዕባኡ ንሓስብ: መገድታቱ ዝበለጸ ምዃኑ ድማ ንተኣማመን። (ምሳሌ 3:5, 6፣ ኢሳይያስ 55:9፣ ፊልጲ 2:3-7) እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ኸለና: ብኸመይ ኢና ሓይልና ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

ንየሆዋ ብዅሉ ሓይልና ምፍቃር

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝርከቡ ሓያሎ መንእሰያት: ሓይሎም ንየሆዋ ንምውዳስ ይጥቀሙሉ እዮም። (ምሳሌ 20:29፣ መክብብ 12:1) ሓደ ኻብቲ ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ንየሆዋ ብምሉእ ሓይሎም ከም ዘፍቅርዎ ዘርእዩሉ መገድታት: ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ብምግልጋል እዩ። ሓያሎ ኣዴታት ደቀን ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ከዱ: ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ይጽመዳ። እሙናት ሽማግለታት እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ንስድራቤቶም ንምእላይ ዘለዎም ሓላፍነት ናይ ጕስነት ምብጻሕ ብምግባር: ንየሆዋ ብዅሉ ሓይሎም ከም ዘፍቅርዎ የርእዩ። (2 ቈረንቶስ 12:15) የሆዋ እቶም ብእኡ ተስፋ ዝገብሩ ብዅሉ ሓይሎም ንዕኡ ብምውዳስ ፍቕሮም ምእንቲ ኽገልጹ: ሓይሊ ይህቦም እዩ።—ኢሳይያስ 40:29፣ እብራውያን 6:11, 12

ፍቕሪ ብዝግባእ እንተ ተዀስኲሳ ትዓቢ እያ። ስለዚ: ግዜ ወሲድና ካብ ምስትንታን ከነቋርጽ የብልናን። የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ኣይንረስዕ: ስለምንታይ ንዕኡ ውፉያት ክንከውን ዝግብኦ ኸም ዝዀነ ድማ ንዘክር። ዘይፍጹማት ደቂ ኣዳም ከም ምዃንና መጠን ነቲ ‘ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘዳለወሎም’ ነገራት ከቶ ኽንበቅዖ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: ንየሆዋ ብዅለንትናና ኸም እነፍቅሮ ግን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር ብሕጂውን እዚ ኻብ ምግባር ኣይንስነፍ!—1 ቈረንቶስ 2:9

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብግብርና ኢና እነርኢ