ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ምብትታን ክድሕናዶ ይኽእላ እየን፧

ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ምብትታን ክድሕናዶ ይኽእላ እየን፧

ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ምብትታን ክድሕናዶ ይኽእላ እየን፧

ስቲቨን ቲርዎምወ ዝበሃል ኡጋንዳዊ ቐሺ “ህዝቢ ብሪጣንያ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ እኳ እንተዀኑ: ንክርስቶስ ውፉያት ክዀኑ ግን ኣይደልዩን እዮም” በለ። እዚ ቐሺ እዚ በቲ ኣስታት 20 ዓመት ይገብር ኣብ ኡጋንዳ ንቤተ-ክርስትያኑ ዝወረዳ መስጐጕቲ ሓሊፉ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብቲ ኣብ ሊድስ: ዓዲ እንግሊዝ: ዝርከብ ሰብኡት ዝተኣኻኸቡሉ ኽበብ ቅድሚ ጸወታ ቢንጎ ምጅማሮም ንዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ይሰብኽ ኣሎ።

ካብ ብሪጣንያ ኣትላንቲክ ምስ እትሰግር ከኣ ነታ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ዝቘመት ናይ ዓዲ እንግሊዝ ሚስዮን ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ቕልውላው የጋጥማ ኣሎ። ናይቲ ሚስዮን ወግዓዊ ዌብ ሳይት “ኣብዚ እዋን እዚ ኻብተን እንግሊዝኛ ዝዛረቡ ሰባት ዘለዉወን ሃገራት: ብቝጽሪ ኣባል ቤተ-ክርስትያን ዘይኰኑን መንፈሳዊ ተገዳስነት ዘይብሎምን ሰባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። . . . ንሕና ንርእስና ሚስዮናውያን ዘድልዩና ዄንና ኣሎና” በለ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያኖም ለውጢ ንኸምጽኡ ዝገበርዎ ጻዕርታት ተስፋ ስለ ዘቝረጾም: ነቲ ንቡር ዝነበረ ስርዓት ገዲፎም ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት እስያን ኣፍሪቃን ብምትሕብባር “ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ክህቡ” ይጽዕሩ ኣለዉ።

እንተዀነ ግን: ካብ ኣፍሪቃ: እስያ: ከምኡውን ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ ሚስዮናውያን ኣብተን ክርስትያናት ኢና ዝብላ ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ብምስባኽ ‘ነፍሳት ዘድሕኑ’ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

መን ንመን እዩ እሞ ኸድሕኖ፧

ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ውፉያት ኣውሮጳውያን ናብተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ: እስያ: ፓሲፊክ: ከምኡውን ደቡብ ኣመሪካ ይውሕዙ ነበሩ። ሃይማኖቶም ናብተን ኣረማውያን ዝበሃላ ሃገራት ንምትእትታው እዮም ተላዒሎም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እተን ብክርስትያናዊ ስርዓት ዝቘማ ዝበሃላ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብቲ ምንቅስቓስ ተሳተፋ: ጸኒሐን እውን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ርእሰን ወንጌላዊ ሚስዮናት ብምቛም ንሃገራት ኣውሮጳ በለጻአን። ሕጂ ግን እቲ ነገር ኮር ተገልበጥ እዩ ዀይኑ ዘሎ።

መስራትን ዳይረክተርን እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ዘይኰና ሃገራት ዝግበር ማእከል መጽናዕቲ ክርስትና ዝዀነ ኣንድርው ዎልስ: “ማእከል [ስመ-ክርስትያን] ተቐዪሩ እዩ” በለ። ብ1900 ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣብ ኣውሮጳ ወይ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን 60 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን እዮም ዝርከቡ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንጋዜጠኛታት እተፈነወ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ: “ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ፊሊፕንስ ወይ ህንዲ ኣብ ዝመጹ ኻህናት እየን ዝውከላ” ከምኡውን “ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ናይ ካቶሊክ ካህናት ሓደ ኻብ ሽዱሽተ ኻብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ እዮም።” ኣብ ነዘርላንድስ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ጋናውያን ዝዀኑ ኻብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ወንጌላውያን: ንገዛእ ርእሶም “ዓለማውያን ኣብ ዝነብሩሉ ኽፍለ-ዓለም ዝርከቡ ሚስዮናውያን” ገይሮም እዮም ዝርእዩ። ብራዚላውያን ወንጌላውያን ከኣ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ብሪጣንያ ጽዑቕ ወፈራ ይገብሩ ኣለዉ። ሓደ ጸሓፊ እውን “ናይ ክርስትያን ሚስዮናዊ ምንቅስቓስ ናይ ድሕሪት ማርሻ ኣእትዩ ኣሎ” በለ።

ዘንጸላሉ ዘሎ ጸገማት

ኣብተን ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣስፋሕፊሑ ዝረኣየለን ዘሎ ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሚስዮናውያን የድልዩ እዮም። ሓንቲ መጽሔት “ኣብ ስኮትላንድ ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ምእመናን ትሕቲ 10 ሚእታዊት እዮም” በለት። ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን እሞ ኸኣ ካብዚ ዝውሕዱ እዮም። ሓደ ኻልእ መጽናዕቲ “40 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣመሪካውያንን 20 ሚእታዊት ዝዀኑ ካናዳውያንን ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝኸዱ ገሊጾም” ብምባል ሓበረ። ብኣንጻሩ ግን: ኣብ ፊሊፕንስ 70 ሚእታዊት ዝዀኑ ናብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝኸዱ ኽፍለጥ ከሎ: ኣብ ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እውን እቲ መጠን ተመሳሳሊ እዩ።

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዀይኑ ዘሎ ጕዳይ ግን እቶም ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝርከቡ ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ካብቶም ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝርከቡ ኣብ እምነቶም ብዝያዳ ተረርቲ ብምዃኖም እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝርከቡ ካቶሊክ ምስ ተሓትቱ: ኣብ ካህናቶም ዘለዎም እምነት እናነከየ ምኻዱ ገለጹ: ምእመናን ዝያዳ ተሳትፎ ኽህልዎምን ኣንስቲ ማዕርነት ክህልወንን ድማ ተማጐቱ። ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝርከቡ ካቶሊክ ግን መብዛሕትኦም ነቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣቐዲማ እትስዕቦ ስርዓታት እዮም ዝድግፉ። እቶም ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ምእመናን እናበዝሑ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን: ኣብ መጻኢ ንግጭት ዝኸውን ባይታ እዩ ዝጣጥሕ ዘሎ። ናይ ታሪኽን ሃይማኖትን ምሁር ፊሊፕ ጀንኪንስ: “ድሕሪ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት እቲ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝርከብ ክርስትና ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝርከብ ተመሳሳሊ እምነት ዝስዕብ ክርስትና ኸም ናይ ሓቂ ገይሩ ኣይክርእዮን እዩ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝርከብ እውን ከምኡ” በለ።

ዎልስ ነዚ ኣንፈት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: እታ ብህጹጽ መልሲ ኽርከበላ ዘለዋ ሕቶ “ኣፍሪቃውያን: እስያውያን: ላቲን ኣመሪካውያን: ሰሜን ኣመሪካውያን: ከምኡውን ኣውሮጳውያን ክርስትያናት ብሓቅነቱ ተቐባልነት ዘለዎ ሓደ ዓይነት እምነት ብምሓዝ ሰሚሮም ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ክነብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧” እትብል ምዃና ገለጸ። ንስኻኸ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧ ኣብዛ እናተኸፋፈለት እትኸይድ ዘላ ዓለም ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ምብትታን ክድሕናዶ ይኽእላ እየን፧ ኣብ ክርስትና ናይ ሓቂ ሓድነት ንኽህሉ መሰረት ዝዀነና እንታይ እዩ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኽትህበካ: ሓድነት ዘለዎም ክርስትያናት ኣብ መላእ ዓለም ይስስኑ ኸም ዘለዉ ድማ መርትዖ ኸተቕርበልካ እያ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ቐደም ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ህንጻ: እንዳ ሙዚቃ ዀይኑ ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/Nancy Palmieri