ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

ሓደ ንግሆ ኣብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር ጸሓይ ክትበርቕ ከላ: ሓደ ኣቦ እቲ ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ በዅሪ ወዱ በታ ለይቲ እቲኣ ብሓደጋ ማኪና ኸም ዝሞተ ተነግሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ መርድእ እንተ ትሰምዕ ከመይ ምተሰምዓካ፧ እዞም ኣባላት ስድራቤት እዚኣቶም ከም ካልኦት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ስድራቤታት ዝቀራረቡ ብምንባሮም ተዘኒቦም እዮም ተሪፎም። በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ብዙሕ እንተ ዝምረሩ ነይሮም ዘገርም ኣይምዀነን። እንተዀነ ግን: በታ መዓልቲ እቲኣ እውን ከይተረፈ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለ ዝሓዙ: ኣባላት እቶም ማሕበረሰቦም ደንጸዎም። ብዙሕ ሓዚኖም እኳ እንተ ነበሩ: የሆዋ ኣብ ዝመደቦ ግዜ ንወዶም ከተንስኦ ምዃኑ ምሉእ ምትእምማን ነበሮም። ነታ “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” እተባህለላ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ብሃንቀውታ ተጸበዩ። (ራእይ 21:4) ሎሚ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እውን ከይተረፈ: ነታ ስድራቤት እቲኣ ዝፈልጥዋ ሰባት ብዛዕባ እቶም ወለዲ ዝነበሮም ኣረኣእያን ብዛዕባ እታ ኣብነታዊት እምነቶምን ይዛረቡ እዮም።

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ናይ ኵነታት ለውጢ እውን እንተ ኣጋጠሞ ሚዛኑ ሓልዩ እዩ ዝመላለስ። ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኣይምረርን: ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንኽዕብልሎ ኸኣ ኣይፈቅድን እዩ። እዚ ግን ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ ገለ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ንርአ።

ፍርሂ ሰባት ከሸግረካ ኸሎ

ብ1512 ቅ.ኣ.ዘ. ህዝቢ እስራኤል ኣብ በረኻ ጳራን ከለዉ: ሙሴ ነታ ምድሪ ተስፋ ንኽስልይዋ 12 ሰለይቲ ለኣኸ። (ዘሁልቍ 13:17-20) ኵሎም እቶም ሰለይቲ ኣብ ነገዳቶም ሹማምንቲ ብምንባሮም ሰናይ ኣብነት ክዀኑ ዝግብኦም እዮም ነይሮም። (ዘሁልቍ 13:1, 2) እቲ ዘሕዝን ግን: ድሕሪ 40 መዓልቲ ዓሰርተ ኻባታቶም ሕማቕ ወረ ሒዞም ብምምጻኦም: እስራኤላውያን መምርሒ የሆዋ ጥሒሶም ናብ ግብጺ ኽምለሱ ደለዩ! “ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ . . . ናብቲ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።—ዘሁልቍ 13:28, 31

ከመይ ዝበለ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዀን እዮም ሒዞም! እቶም እያሱን ካሌብን ዝበሃሉ ዝተረፉ ኽልተ ሰለይቲ ግን “እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ: ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ: ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ: ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና: ንሳውን ኪህበና እዩ” ብምባል ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዮም ሒዞም። (ዘሁልቍ 14:7, 8፣ 13:30) እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኣቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ኸለዉ ሓደ ዓይነት ነገራት እዮም ርእዮም። እቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ግን ኣመና እተፈላለየ እዩ ነይሩ። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዝሓዝዎ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ስለ ዝጸለዎም: ከጕረምርሙ ጀመሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ እቶም ካብ ደቂ 20 ዓመት ንላዕሊ ኣብቲ በረኻ ሞቱ። እያሱን ካሌብን ጥራይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከሉ: ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ኸኣሉ። (ዘሁልቍ 14:22-30) እቲ ዝገደፉልና ኣብነት: ኣብዚ ግዜና መስጐጕቲ ወይ ምጽራር ከጋጥመና ኸሎ ወይ እናገደደ ክኸይድ ከሎ: እሙናት ኴንና ንኽንቅጽልን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንሕዝን ከተባብዓና ኣለዎ።

ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበረት ሃገር ዝነብር ፍሉይ ፓይነር ተኣሲሩ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ኣጋጠሞ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠሞ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “እቶም ሰበ-ስልጣን ዝያዳ ጸቕጢ ብዝገበሩለይ መጠን: ናብ የሆዋ ዝያዳ ዝቐረብኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እዝምር ነበርኩ። ንዅሉ እቲ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ጥቕስታት ዘከርክዎ። የሆዋ ነዚ ኽወርደኒ እኳ እንተ ፈቐደ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከፍትሓኒ ኸም ዝኽእል እፈልጥ ነበርኩ። እዚ ዅሉ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽህልወኒ ሓገዘኒ። ከምቶም ሃዋርያት ምእንቲ ስም እቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ስለ እተወቓዕኩ ተሓጐስኩ። የሆዋ ንኸበርትዓኒ ኣዘውቲረ እጽሊ ነበርኩ። ንሱ ስለ ዝደገፈኒ ኸኣ እታ ናይ መጀመርታ መውቃዕቲ ጥራይ እያ እትስምዓኒ ነይራ። ንኻልኦት እሱራት ንኽምስክረሎም ዝረኸብክዎ ዘበለ ኣጋጣሚታት እጥቀመሉ ነበርኩ።”

እዚ ክርስትያን እዚ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ: “ህይወትና ንየሆዋ ስለ ዝወፈናን ንዕኡ እሙናት ክንከውን ስለ እተመባጻዕናን: ዝዀነ ይኹን ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመና ንዕኡ ኻብ ምግልጋል ከነቋርጽ የብልናን። ከነምልኾን ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ክንከውንን ዝግብኦ እዩ” በለ።

ንሕናውን ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ምጽራር ከጋጥመና ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንሰባት ንኸይንፈርህ ቈራጽነት ንግበር። ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና: ከምቲ እያሱን ካሌብን ዝረኸብዎ ብዙሕ ዓስቢ ኽንረክብ ኢና።

ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል ከተጥፍእ ከለኻ

ነቶም 12 ሰለይቲ ዝሰደዶም: እቲ መራሒ ህዝቢ እስራኤል ዝነበረ ሙሴ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ መሪሑ ስለ ዘውጽኦ: ናብታ ምድሪ ተስፋ መሪሕዎም ክኣቱ ትጽቢት ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር: ሓንሳእ ተቘጢዑ ንስም የሆዋ ኽብሪ ስለ ዘይሃበ: ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣጥፍአ። (ዘሁልቍ 20:2-13) ሙሴ ግን ከመይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ ጸኒሑ ኣብ ዘቀናበራ መዝሙር “ስም እግዚኣብሄር እነግር አሎኹ . . . ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” በለ። (ዘዳግም 32:3, 4) ሙሴ ኣገዳሲ ናይ ኣገልግሎት መሰል እኳ እንተ ኣጥፍአ: ከመይ ዝበለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዀን እዩ ዝነበሮ!

ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙና: ነዚ ሙሴ ዘሕለፎ ተመክሮ ምዝካርና ኽሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ጉባኤ ዝርከቡ ኣካል ሽማግለታት ንሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኽወርድ ይውስኑ ይዀኑ: ከምዚ ዝገብሩ ኸኣ ምናልባት ነዚ መሰል ኣገልግሎት እዚ ዝኸውን ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ስለ ዝጐደሎ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓው ክወርድ ዘይግብኦ ኸም ዝነበረ ስለ ዝስምዖ: ክሓርቕን ዘየድሊ ጸገማት ክፈጥርን ይኽእል እዩ። ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ: ከጕረምርምን ጕድለት ካልኦት ክኣርን ክሓምን ይጅምር ይኸውን። ኣብ መወዳእታኡ: ናብ ኣኼባ ምኻድን ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍን ከቋርጽ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዝገብር ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኵነታት ኰን እዩ ዝወድቕ! ኣብ ክንድኡስ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ: ዝሓሸ ኣገልጋሊ የሆዋ ንክኸውን ተግሳጽ ወይ ስልጠና ኸም እተዋህቦ ገይሩ እንተ ዝወስዶ ዝያዳ ጽቡቕዶ ኣይምዀነሉን፧ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንምግልጋል ዘኽእሎ ብቕዓታት ምእንቲ ኸማልእ: ቃል ኣምላኽ ንኸጽንዕን ንኸስተንትነሉን ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ከምዚ ዝገበሩ ኣሕዋት ጸኒሖም ዝዓበየ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ብምርካብ ተባሪኾም እዮም።—እብራውያን 12:11

ዘይተጸበኻዮ ለውጢ ኸጋጥም ከሎ

ኣብ ህይወትና ሓያሎ ዘይተጸበናዮ ለውጥታት የጋጥመና እዩ። እዚ ኸኣ ንገሊኣቶም ከም ዝበሳጨዉን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸም ዘሕድሩን ይገብሮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓደ ነገር ከምቲ ዝሓሰብካዮ ስለ ዘይኰነልካ እንታይ ኢኻ ዝገበርካ: ወይ ከመይ ተሰሚዑካ፧ ንኣሽቱ ነገራት እውን እንተዀነ ኣኽቢድና እንተ ርኢናዮ: ከበሳጭወና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ነቲ ለውጢ ብዝሓሸ ዅነታት ንኽትዋጽኣሉ እዩ ዘኽእለካ።

ንሩት ዘጋጠማ ነገር ሓደ ኻብቲ ኽንዝክሮ ዘሎና ሰናይ ኣብነት እዩ። ገና ብንእስነታ መበለት ኰነት: ኣብ እስራኤል ዝነበረ ጥሜት ምስ ኣብቅዐ ኸኣ ምስ ናእሚ ሓማታ ተመልሰት። መሰረታዊ ዘድልያ ነገራት ዘማልኣላ ሰብኣይ እኳ እንተ ዘይነበራ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዛ ነበረት። ንዓኣን ንሓማታን ዘድሊ ምግቢ ንምምእራር ተሓጒሳ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኽትቅርም ከደት። እቲ ብርቱዕ ዕዮ ተስፋ ኣየቝረጻን። ሰብኣያ ስለ ዝሞታን ካብ ስድራቤታን ፈተውታን ርሒቓ ትነብር ብምንባራን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይሓዘትን። ከምቲ እቲ ጸብጻብ ዝገልጾ ኸኣ ስለቲ ሰናይ ግብራ የሆዋ ኣብዚሑ ባረኻ።—ሩት 4:13-17

ብኸመይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም እትሕዝ

ንገሊኣቶም ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣጸጋሚ እዩ። ብፍላይ ኣብዛ ሕጂ እንነብረላ ዘለና ሽግር ዝመልኣ ዓለም: ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ዘጨንቕ ነገራት ሓጐስና ኸጥፍኣልና ይኽእል እዩ። ብሕልፊ እኳ እቲ ጸገም ዘየቋርጽ ምስ ዝኸውን ሓጐስና ኢና እነጥፍእ። ኰይኑ ግን: ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት ነዚ ኽገብሩ ኽኢሎም እዮም። ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ኸምቲ ናታቶም ክንገብር እንኽእል፧

ኣብ ኣሉታዊ ነገራት ኣይነተኵር። ከበድቲ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ እውን ኣብ ኣወንታዊ መዳያት ከነተኵር ንኽእል ኢና። ሃዋርያት ብተደጋጋሚ ይስጐጉ ወይ ይእሰሩ እኳ እንተ ነበሩ: ንየሆዋ ኽውድሱ ብምኽኣሎም ግን ሕጉሳት እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:50-52፣ 14:19-22፣ 16:22-25) ነቲ ኻልኦት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ፈተና ዝገበርዎ ነገራት ከነስተንትነሉን ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ ኽንረክብን ንኽእል ኢና። ሕጉሳትን ኣወንታውያንን ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልትን ምትእምማንን ስለ ዝነበሮም እዩ። ካብ ሞት ኣተንሲኡ ዓስቦም ክህቦም ክእለት ከም ዘለዎ ይተኣማመኑ ነበሩ። (ራእይ 2:10) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ድልዱል ተስፋ ይሃልወና።—ምስ እብራውያን 12:2 ኣረኣእዮ

ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ናብ ውሽጥና ኣትዩ ኣብ ልብና ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ ወትሩ ንርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ተስፋ እንተ ቘሪጽና: ናብ የሆዋ ምቕራብን ሓገዝ ንኽህበና ምጽላይን ብዙሕ እዩ ዝጠቕመና። (መዝሙር 62:8) ሽማግለታት እውን ሃናጺ ሓገዝ ክህቡና ይኽእሉ እዮም። ትሕትናን ተኣዛዝነትን ነማዕብል። (መዝሙር 119:69, 70) ኣብ ህይወትና ኽንበጽሖ እንኽእል ጥዑይ ሸቶታት ነውጽእ። እዚ ዅሉ ኣብ ላዕሊ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንሕዝን ‘ንልብናን ሓሳብናን ዝሕሉ’ “ሰላም ኣምላኽ” ንኽንረክብን ክሕግዘና እዩ።—ፊልጲ 4:6, 7

ሓቂ እዩ: ወትሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ተጊህና ብምጽዓርን ድልዱል እምነት ብምሓዝን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ስለዚ: ኵነታትና ብዘየገድስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ ቈራጽነት ንግበር። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ብምሓዝና ዝጐድለና ነገር ኣይክህሉን እዩ: የግዳስ ሕጅን ኣብ መጻእን ብዙሕ ባህ ዘብል ዓስቢ ኽንረክብ ኢና።