ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ኣእዋም ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ኣእዋም ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ኣእዋም ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ዝዓየሉ ሰብ ዝረኽቦ ሓጐስ ክዛረብ ከሎ: “ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” በለ። (መዝሙር 1:1-3) እዚ ምምስሳል እዚ ብቑዕ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ።

ኣእዋም ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ብህይወት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዝርከብ ገሊኡ ኦም ኣውሊዕ ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝጸንሐ እዩ ዝበሃል። ብተመሳሳሊ እውን እቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከብ ድማ ዝበሃል ኦም ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሕ ከሎ: ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ብሪስትልኮን ዝበሃል ዓይነት ጽሕዲ 4,600 ዓመት ከም ዝገበረ እዩ ዝእመነሉ። ኣብ ሓደ ዱር እቲ ዓበይቲ ኣእዋም መብዛሕትኡ ግዜ ንኸባቢኡ ብዙሕ እዩ ዝጠቅም። ንኣብነት: ነዋሕቲ ኣእዋም ነቲ ውልዶ ጽላል ይዀኖ: እቲ ኻብኡ ዝረግፍ ኣቝጽልቲ ድማ ነቲ ሓመድ ድዅዒ ይዀኖ።

እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝነውሐ ኣእዋም መብዛሕትኡ ግዜ ብጕጅለ ዀይኑ ንሓድሕዱ እናተደጋገፈ ኣብ ሓደ ዱር እዩ ዝዓቢ። ናይዚ ኣእዋም ሰራውር ንሓድሕዱ ኽጠናነግ ስለ ዝኽእል: ካብ ሓንቲ ኣብ ሸኻ ንበይና እትርከብ ኦም ንላዕሊ ብሓደ ተኣኪቡ ዘሎ ኣእዋም ብዝያዳ ብርቱዕ ህቦብላ ኽጻወር ይኽእል። ሓደ ኦም ዘለዎ ዓበይቲ ሰራውር እውን ካብቲ ሓመድ እኹል ማይን ምግብን ንኽረክብ የኽእሎ። ኣብ ገሊኡ መዳይ እቲ ሰራውር ካብ ቍመት እታ ኦም ዝነውሐ ክኸውን ይኽእል እዩ: ወይ ከኣ ካብቲ ጨናፍር እታ ኦም እተዘርግሓሉ ስፍሓት ብዝያዳ ኽዝርጋሕ ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ከምኡ ኢልኩም ብእኡ [ብክርስቶስ] ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም: ከምቲ እተመሀርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ” ኽብል ከሎ ነእዋም ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ክኸውን ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 2:6, 7) እወ: ክርስትያናት ኣብ ክርስቶስ እንተ ተሰሪቶም ወይ ሱር እንተ ሰዲዶም ጥራይ እዮም ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ዝኽእሉ።—1 ጴጥሮስ 2:21

ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ኣእዋም ዝመሳሰሉሉ ኻልእ መገድታት እንታይ እዩ፧ ከምቲ ብጕጅለ ዘለዉ ኣእዋም ካብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ደገፍ ዝረኽቡ: እቶም ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠቢቖም ዝመላለሱ ዘበሉ ዅላቶም እውን ካብ ክርስትያናት ብጾቶም ደገፍ ይረኽቡ እዮም። (ገላትያ 6:2) ብመንፈሳዊ መዳይ ዓሚቝ ሰራውር ዘለዎም ብሱላትን እሙናትን ክርስትያናት ንሓደስቲ ኣመንቲ ኸም ህቦብላ ኣብ ዝኣመሰለ ምጽራር እውን እንተዀነ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንክቕጽሉ ይሕግዝዎም እዮም። (ሮሜ 1:11, 12) ሓደስቲ ክርስትያናት ከኣ ኣብ ትሕቲ “ጽላል” እቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይዓብዩ። (ሮሜ 15:1) ኵሎም ኣባላት ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ድማ ካብቲ እቶም “ኣእዋም ጽድቂ” እተባህሉ ቕቡኣት ተረፍ ዘዳልዉዎ ንኽጸንዑ ዝሕግዞም መንፈሳዊ ምግቢ ይጥቀሙ።—ኢሳይያስ 61:3

ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:22 ዝርከብ “ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን [እዩ]” ዝብል መብጽዓ ኽፍጸም ከሎ ኽርእይዎ ተስፋ ዘለዎም ምዃኖምሲ: ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

Godo-Foto