ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ”

እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ”

እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ”

“እቲ ጐይታኡ . . . ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧” —ማቴዎስ 24:45

1, 2. ሎሚ ስሩዕ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንቅበል ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

 ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ: 11 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ንዓና ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ሕቶ ኣልዓሉ። “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ ትእምርቲ ወይ ምልክት ዝኸውን ሓደ ዓብዪ ትንቢት ነገሮም። ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ሕማም ክኸውን ምዃኑ ገለጸ። እዚ ግን “መጀመርታ ቕልውላው” ጥራይ እዩ ነይሩ። ስዒቡ እውን ዝኸፍአ ኽፍጸም ነበሮ። ኣየ እዝስ ክንደይ ዘፍርህ ኰን እዩ።—ማቴዎስ 24:3, 7, 8, 15-22፣ ሉቃስ 21:10, 11

2 መብዛሕትኡ ኻብቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ካብ 1914 ጀሚሩ ኽፍጸም ጸኒሑ እዩ። ስለዚ እቲ “ቕልውላው” ኣብ ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ተራእዩ ኽበሃል ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ብምድላው ክምግቦም ምዃኑ ስለ እተመባጽዐ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክፈርሁ የብሎምን። እንተዀነ ግን: ሕጂ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ነዞም ኣብ ምድሪ ዘሎና መንፈሳዊ ምግቢ ኽንረክብ ዝሕግዘና ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

3. የሱስ “በብጊዜኡ ምግቢ” ንኽንረክብ እንታይ ምድላው እዩ ገይሩልና፧

3 የሱስ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ሂቡና ኣሎ። ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትንቢት ክንበ ኸሎ “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ: “ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ: ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 24:45-47) እወ: መንፈሳዊ ምግቢ ንኸዳሉ እተመደበ እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ” ኽህሉ ምዃኑ እዩ ሓቢሩ። እቲ ባርያ እቲ ንመን እዩ ዘመልክት፧ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ድዩ: በብግዜኡ እናተተኻኽኡ ንዝሓልፉ ውልቀ-ሰባት ድዩ: ወይስ ንኻልእ እዩ ዘመልክት፧ እቲ እሙን ባርያ ኣኺሉ ዝተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ስለ ዘዳሉ: መን ምዃኑ ኽንፈልጦ ኸድልየና እዩ።

ውልቀ-ሰብ ድዩ ወይስ ጕጅለ፧

4. እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሓደ ሰብ ክኸውን ከም ዘይክእል ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

4 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሓደ ሰብ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ: እቲ ባርያ ምግቢ ምድላው ዝጀመረ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እዩ: ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ ኸኣ ብ1914 እቲ ጐይታ ኽመጽእ ከሎ ምግቢ እናሃበ ኽጸንሕ ነበሮ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ን1,900 ዓመታት ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ። ማቱሳላ እኳ ኽንድኡ ዝኣክል ኣይጸንሐን።—ዘፍጥረት 5:27

5. ክርስትያናት ነፍሲ ወከፎም በብብሕቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ክዀኑ ዘይክእሉ ስለምንታይ እዮም፧

5 እታ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እትብል ስያመ ደኣ እሞ ብሓፈሻ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ድያ እተመልክት፧ ኵሎም ክርስትያናት እሙናትን ኣስተውዓልትን ክዀኑ ኸም ዘለዎም ፍሉጥ እኳ እንተዀነ: የሱስ ብዛዕባ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኽዛረብ ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ዝሓዞ ኻልእ ነገር ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ብኸመይ ንፈልጥ፧ ምኽንያቱ የሱስ ባዕሉ “ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ” ነቲ ባርያ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ኸም ዚሸሞ ገለጸ። ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ “ዅሉ” ጥሪት ጐይታ ኽሽየም ዝኽእል፧ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ!

6. ህዝቢ እስራኤል ከም ባርያ ኣምላኽ ኰይኖም ክዓዩ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧

6 እምበኣር: የሱስ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኢሉ ኽዛረብ ከሎ ንጕጅለ ክርስትያናት እዩ ዝብል ሓሳባት ጥራይ እዩ ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል። እዝስ ብሓቂ ንሓደ ጕጅለ ባርያ ኸመልክት ይኽእል ድዩ፧ እወ: ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ሸውዓተ ሚእቲ ዓመት ይገብር: የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም “ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን” ኢሉ ጸዊዕዎም ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 43:10) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ህዝቢ እስራኤል ካብቲ ሕጊ ሙሴ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. እተዋህበሉ እዋን ኣትሒዙ ኽሳዕ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኽፍሊ እዚ ባርያ እዚ እዩ ነይሩ። ዝበዝሑ እስራኤላውያን ኣብ ምምሕዳር እቲ ህዝቢ ዀነ ዘድሊ መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው ብቐጥታ ኣይካፈሉን እዮም ነይሮም። የሆዋ ነዚ ዕዮታት እዚ ዝዓዩ ነገስታት: መሳፍንቲ: ነብያት: ካህናት: ሌዋውያን እዩ ተጠቒሙ። ይኹን ደኣ እምበር: እስራኤል ብደረጃ ህዝቢ ንሉዓላውነት የሆዋ ብምውካል ውዳሴኡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክትነግር ነበራ። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ።—ዘዳግም 26:19፣ ኢሳይያስ 43:21፣ ሚልክያስ 2:7፣ ሮሜ 3:1, 2

ሓደ “ባርያ” ተሰጐ

7. ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል “ባርያ” ኣምላኽ ኰይኖም ዘይቀጸሉ ስለምንታይ እዮም፧

7 ህዝቢ እስራኤል ዘመናት ይገብር “ባርያ” ኣምላኽ ካብ ነበሩ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ባርያ ንሳቶም ክዀኑ ይኽእሉዶ፧ ኣይፋልን። ከመይሲ: ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል እሙናትን መስተውዓልትን ኰይኖም ኣይቀጸሉን። ጳውሎስ ነቲ የሆዋ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ” ብምባል ንህዝቡ እተዛረቦም ቃላት ብምጥቃስ ነቲ ዅነታት ኣብሪህዎ ኣሎ። (ሮሜ 2:24) እስራኤላውያን ካብ ዕልወቶም እተላዕለ ንየሱስ ነጺጎምዎ እዮም: ኣብ መወዳእታ ድማ የሆዋ እውን ነጸጎም።—ማቴዎስ 21:42, 43

8. ንእስራኤላውያን ዝትክእ “ባርያ” እተሸመ መዓስ እዩ: ብኸመይከ፧

8 እቶም ከም “ባርያ” እተቘጽሩ እስራኤላውያን ዘይእሙናት ኰይኖም ምርካቦም: እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም መንፈሳዊ ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም ማለት ኣይኰነን። ብጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ሞት የሱስ 50 መዓልቲ ጸኒሑ: 120 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሓንቲ ደርቢ ተቐሚጦም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወረዶም። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድሽ ህዝቢ ተወልደ። ኣባላት እቶም ህዝቢ ንተቐማጦ የሩሳሌም “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ብትብዓት ክዛረቡ ምስ ጀመሩ ምውላድ እቲ ሓድሽ ህዝቢ ተበሰረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ነቲ ነህዛብ ክብሪ የሆዋ ዝነግር: ብብግዜኡ ኸኣ ምግቢ ዝህብ “ባርያ” ዀነ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ጸኒሑ ኸኣ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባህለ።—ገላትያ 6:16

9. (ሀ) ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘቝሙ መን እዮም፧ (ለ) እቶም ‘ስድራቤት’ ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧

9 ነፍሲ ወከፍ ኣባል “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ህይወቱ ወፍዩ እተጠምቀን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብአን ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎን እዩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝብል ስያመ ንዅሎም ኣባላት እቶም ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ክሳዕ እዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት መንፈሳውያን ህዝቢ ብደረጃ ጕጅለ ዘመልክት እዩ። ከመይሲ: እቶም ካብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ክሳዕ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ኣባላት ናይቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ እዮም ነይሮም። ካብቲ ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ ዝረኽቡ “ስድራቤት” ደኣ እሞ መን እዮም፧ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኵሎም ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ስለ ዝነበሮም: እቶም ስድራቤት እውን እቶም ቅቡኣት እዮም ነይሮም። ከም ስድራቤት ክዀኑ ኸለዉ ግን ብደረጃ ጕጅለ ዘይኰነስ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እዮም። ኵሎም ቅቡኣት እንተላይ እቶም ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበሮም: ካብቲ ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ የድልዮም ነይሩ እዩ።—1 ቈረንቶስ 12:12, 19-27፣ እብራውያን 5:11-13፣ 2 ጴጥሮስ 3:15, 16

“ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ”

10, 11. ኵሎም ኣባላት ናይቲ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ ሓደ ዓይነት ዕዮ ኣለዎም ማለት ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

10 እቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሉ ዘሎ ነቲ መዝነት እተዋህቦ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘመልክት እኳ እንተዀነ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ የሱስ ኣብ ማርቆስ 13:34 እተዛረቦ ቓላት ነዚ ኣነጺርዎ ኣሎ። ኸምዚ ኸኣ ይብል:- “ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፤ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ: ንባሮቱ ስልጣን ሀቦም: ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ: ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ አዘዞ።” ስለዚ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ጕጅለ ባርያ ንምድራዊ ጥሪት ክርስቶስ ንኸዕቢ ሓላፍነት ተቐቢሉ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ከከም ክእለቱን ኣጋጣሚታቱን ነዚ ዕዮ እዚ ይፍጽም።—ማቴዎስ 25:14, 15

11 ብተወሳኺ እውን ሃዋርያ ጴጥሮስ ብግዜኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ: ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” በሎም። (1 ጴጥሮስ 4:10) ስለዚ እምበኣር: እቶም ቅቡኣት በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ውህበት ተጠቒሞም ንሓድሕዶም ከገልግሉ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ቃላት ጴጥሮስ ሓደ ዓይነት ክእለትን ሓላፍነትን ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣምን ዘለዎም ክርስትያናት ኵሎም ከም ዘይኰኑ እዩ ዘመልክት። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ ንዕቤት እቲ መንፈሳዊ ህዝቢ ገለ እጃም ከበርክት ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

12. ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ: ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ: ንዕቤት እቲ ባርያ ኣበርክቶ ኽገብር ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ቀዳማይ: ነፍሲ ወከፎም ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ሓላፍነት ኣለዎ። (ኢሳይያስ 43:10-12፣ ማቴዎስ 24:14) የሱስ ንሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ: ንዅሎም እሙናት ደቀ-መዛሙርቱ: ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ: መምህራን ክዀኑ ኸምዚ ብምባል ኣዚዝዎም እዩ:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”—ማቴዎስ 28:19, 20

13. ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል እዩ ዘለዎም፧

13 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተረኽቡ: ንዅሉ እቲ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝኣዘዞም ትእዛዛት ንኽሕልዉ ብጥንቃቐ እዮም ዝመሃሩ። እቶም እተቐበልዎ ኸኣ ንኻልኦት ንምምሃር ብቕዓት ረኸቡ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝነበሩ ጸኒሖም ኣባላት እቲ ባርያ ክዀኑ ዝነበሮም ሰባት ዘዐንግል መንፈሳዊ ምግቢ ይዳለወሎም ነበረ። ካብቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክርስትያናት ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ተኻፊሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:17, 18) ካብቲ እቲ ባርያ ዕዮኡ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኸኣ ዝቕጽል እዩ።

14. ኣብ ጕባኤ ናይ ምምሃር መሰል ንመን ጥራይ እዩ ተዋሂቡ: እሙናት ክርስትያን ኣሓትከ ብዛዕባ እዚ ኸመይ እዩ ዝስምዐን፧

14 እቶም ካብ ዝጥመቑ ነዊሕ ዘይገበሩ ቕቡኣት ክፍሊ እቲ ባርያ ብመጀመርታ ሓቂ ዝነገሮም መን ምዃኑ ብዘየገድስ: ካብቶም ከም ሽማግለታት ኰይኖም ንኸገልግሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ዘማልኡ ኣባላት እታ ጉባኤ ትምህርቲ ይወሃቦም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:6-9) ስለዚ: እቶም ሓላፍነት እተዋህቦም ኣሕዋት በዚ ፍሉይ መገዲ እዚ ገይሮም ነቲ ጕጅለ ንኸዕብይዎ ፍሉይ መሰል ተዋህቦም። እሙናት ክርስትያን ኣሓት ኣብ ጉባኤ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ንክርስትያን ሰብኡት ጥራይ ምምዳቡ ቅር ኣይብለንን እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:34, 35) ኣብ ክንድኡስ: እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት እታ ጉባኤ ብትግሃት ብዝፍጽምዎ ዕዮ ንኽጥቀማ ሕጕሳት እየን: ነቲ ንኻልኦት ዘሐጕስ ብስራት ምንጋር ዘጠቓልል ረኺበናኦ ዘለዋ ፍሉይ መሰል ከኣ የማስዋሉ እየን። ሎሚ ዘለዋ ቐናኣት ክርስትያን ኣሓት እውን እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ንኸገልግሉ እተመዘዙ ኣሕዋት ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ከምኡ ዝኣመሰለ ትሕትና የንጸባርቓ እየን።

15. ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ምንጪ መንፈሳዊ ምግቢ እንታይ እዩ ነይሩ: ነዚ ምግቢ እዚ ንምስሳይ ሓላፍነት ዝወስድ ዝነበረኸ መን እዩ፧

15 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝወሃብ ዝነበረ መሰረታዊ መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጥታ ኻብቲ እቶም ሃዋርያትን ብመሪሕነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ መልእኽትታት እዩ ዝመጾም ነይሩ። እተን ዝጸሓፍወን መልእኽትታት—ብፍላይ ከኣ እተን ኣብተን 27 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝበሃላ መንፈስ ዝነፈሰን መጻሕፍቲ ዝርከባ መልእኽትታት—ኣብተን ጉባኤታት ከም ዝበጽሕ ይግበር ነበረ: ኣብ ገጉባኤኡ ንዘለዉ ሽማግለታት ከኣ ብእአን ገይሮም ይምህሩ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ወከልቲ እቲ ባርያ: ንቕኑዓት ክርስትያናት ኣኽል-ታርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይዝርግሑ ነበሩ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ባርያ: ንእተቐበሎ መዝነት ብምፍጻም እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።

ሎሚ ዘሎ “ባርያ”

16, 17. እዚ ሎሚ ዘሎ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ ኽሳዕ 1914 ኣብ ዘሎ ዓመታት ዕዮኡ ብምፍጻም እሙን ኰይኑ እተረኽበ ብኸመይ እዩ፧

16 ሎሚ ዘሎ ዅነታትከ ኸመይ እዩ፧ ምጽኣት የሱስ ብ1914 ምስ ጀመረ: እሙን ኰይኑ በብግዜኡ ምግቢ ዝህብ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ጕጅለ ረኺቡዶ እዩ፧ እወ: ረኺቡ እዩ። እዚ ጕጅለ እዚ በቲ ዘፍርዮ ዘሎ ጽቡቕ ፍረ ብንጹር ክልለ ኽኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:20) ኻብ ሽዑ ጀሚሩ እተራእየ ታሪኽ እዚ ሓቂ ምዃኑ ኽምስክር ጸኒሑ እዩ።

17 ኣብቲ የሱስ ዝመጸሉ እዋን ገለ 5,000 ኣባላት ስድራቤት እቲ ባርያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ምዝርጋሕ ተጸሚዶም ነበሩ። እቶም ዓየይቲ ሒደት እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ባርያ ግን ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ እተፈላለየ ሜላታት ይጥቀም ነበረ። (ማቴዎስ 9:38) ንኣብነት: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ኣብ 2,000 ዝኸውን ጋዜጣታት ተሓቲሙ ዝዝርግሓሉ ምድላዋት ተገይሩ ነበረ። በዚ መገዲ እዚ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ዝቝጸሩ ሰባት በጽሐ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሸሞንተ ሰዓታት ዝወስድ ሕብራዊ ስላይድ ፊልምን ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ተዳለወ። ሳላ እዚ ውሕሉል ምድላዋት እዚ ኸኣ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዝሓዘ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰለስተ ኽፍላተ-ዓለም ንዝነብሩ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ተገልጸሎም። ካልእ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ ከኣ ጽሑፋት ብምሕታም እዩ። ንኣብነት: ብ1914 ገለ 50,000 ዝኸውን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ተዘርግሐ።

18. የሱስ ነቲ ባርያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘቡ ዝሸሞ መዓስ እዩ: ስለምንታይከ፧

18 እወ: እቲ ጐይታ ምስ መጸ: እቲ ባርያ ብተኣማንነት ንስድራቤቱ ኽምግብን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክዝርግሕን ጸኒሕዎ እዩ። ድሕርዚ: እዚ ባርያ እዚ ዝዓበየ ሓላፍነት ተዋህቦ። የሱስ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 24:47) እቲ ባርያ ተፈቲኑ ምስ ሓለፈ: የሱስ ብ1919 ከምቲ ዝበሎ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝዓበየ ሓላፍነት እተዋህቦ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንገንዘብ እቲ ጐይታ ስለ ዘኻዕበቶ እዩ። እቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ብ1914 ንግስነት ከም እተቐበለ ንዘክር።

19. እቶም “ብዙሓት ሰብ” ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ብኸመይ ክረኽቡ ኸም ዝጸንሑ ግለጽ።

19 እቲ ዘውዲ ዝደፍአ ንጉስ ነቲ ባርያ ኣብ ልዕሊ እንታይ ዓይነት ገንዘብ እዩ ሸይምዎ፧ እዚ ገንዘብ እዚ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘሎ ገንዘብ እቲ ጐይታ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት እዩ ዘመልክት። ንኣብነት: ክርስቶስ ብ1914 ንግስነት ምስ ተቐበለ 20 ዓመት ኣቢሉ ጸኒሑ ኽፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ምህላዎም ተፈልጠ። (ራእይ 7:9፣ ዮሃንስ 10:16) እዞም “ብዙሓት ሰብ” እዚኣቶም: ቅቡኣት ኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣይኰኑን: የግዳስ ንየሆዋ ዘፍቅሩን ነቶም ቅቡኣት ብምምሳል ከኣ ከገልግልዎ ዝደልዩ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ቅኑዓት ሰብኡትን ኣንስትን እዮም። በዚ ኸምዚ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ብምባል ይሓብርዎ ኣለዉ። (ዘካርያስ 8:23) እዞም ጸኒሖም ዝመጹ ተጠሚቖም ክርስትያናት ዝዀኑ ሰባት ካብቲ እቶም ቅቡኣት ስድራቤት እቲ ባርያ ዝምገብዎ መንፈሳዊ ምግቢ እዮም ዝምገቡ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሮም ከኣ እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኣቶም ካብ ሓደ መንፈሳዊ መኣዲ ሓቢሮም ይምገቡ ኣለዉ። እዞም ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ”ሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ዝረኽቡ ዘለዉ!

20. እቶም “ብዙሓት ሰብ” ንገንዘብ እቲ ጐይታ ኣብ ምኽዕባት እንታይ እጃም እዮም ከበርክቱ ጸኒሖም፧

20 ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” ምስቲ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ባርያ ሓቢሮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ጸኒሖም እዮም። ብስብከቶም ከኣ ንምድራዊ ገንዘብ እቲ ባርያ ስለ ዘኻዕበትዎ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሓላፍነት ወሲኾምሉ እዮም። ደለይቲ ሓቂ እናበዝሑ ምስ መጹ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ከም ድላዮም ምእንቲ ኽረኽቡ ኣብያተ-ማሕተም ክዝርጋሕ ኣድለየ። ጨንፈራት ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓያሎ ሃገራት ተመስረተ። ሚስዮናውያን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ተላእኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ብ1914 ሓሙሽተ ሽሕ ኣቢሎም ዝዀኑ ቕቡኣት ጥራይ እዮም ነይሮም። ሕጂ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ንኣምላኽ ይውድሱ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከኣ ክፍሊ እቶም “ብዙሓት ሰብ” እዮም። እወ: ገንዘብ እቲ ንጉስ ካብቲ ዝነገሰሉ ዓመት ንነጀው ብተዓጻጻፊ ወሲኹ እዩ።

21. ኣብ እትቕጽል ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ እንታይ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት ኢና ኽንርኢ፧

21 እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ነገራት እቲ ባርያ ‘እሙንን ኣስተውዓልን’ ዀይኑ የገልግል ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር። የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ነዘን ክልተ ባህርያት ማለት ተኣማንነቱን ምስትውዓሉን ዘጕልሕ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት ነገረ። እታ ሓንቲ ብዛዕባ እተን ለባማትን ዓያሱን ደናግል ክትከውን ከላ: እታ ኻልአይቲ ኸኣ ብዛዕባ መክሊት እያ። (ማቴዎስ 25:1-30) እንታይ ኰን እዩ ኽብል፧ እዘን ምሳልያዊ ዛንታታት እዚኣተን ኣብዚ ግዜና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

እንታይ ምበልካ፧

• ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘቝሙ መን እዮም፧

• እቶም “ስድራቤት” መን እዮም፧

• እቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘቡ እተሸመ መዓስ እዩ: ስለምንታይከ ኢና ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ እንብል፧

• ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ገንዘብ እቲ ጐይታ ኸም ዝኽዕብት ዝገበረ መን እዩ: ብኸመይከ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ባርያ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ብምፍጻም እሙን ምዃኑ ኣርኣየ