ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እቲ እሙን ባርያ’ ብፈተና ይሓልፍ!

‘እቲ እሙን ባርያ’ ብፈተና ይሓልፍ!

‘እቲ እሙን ባርያ’ ብፈተና ይሓልፍ!

“እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ።” —1 ጴጥሮስ 4:17

1. የሱስ ነቲ “ባርያ” ኽምርምሮ ምስ መጸ እንታይ ኣጋጠሞ፧

 የሱስ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. “ንስድራቤቱ” በብግዜኡ ምግቦም ዝህቦም “እሙን” ባርያ ሸይሙ እዩ። ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ ኸኣ ብኡንብኡ ነቲ “ባርያ” ኽምርምሮ ጀመረ። መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ባርያ ‘እሙንን ኣስተውዓልን’ ኰይኖም ስለ እተረኽቡ: “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ሸሞም። (ማቴዎስ 24:45-47) ይኹን እምበር: እሙንን ኣስተውዓልን ኰይኑ ኸገልግል ዘይጸንሐ ኽፉእ ባርያ እውን ተረኺቡ እዩ።

“እቲ ኽፉእ ባርያ”

2, 3. “እቲ ኽፉእ ባርያ” ኻበይ እዩ መጺኡ: ብኸመይከ እዩ ኣስፋሕፊሑ፧

2 የሱስ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገሊጹ ምስ ወድአ ብኡንብኡ ናብቲ ኽፉእ ባርያ ሰገረ። “እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ: ጐይታይ ይድንጒ እዩ: እንተ በለ: ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር: ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ: ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ: ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ: ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:48-51) የሱስ ብዛዕባ “እቲ ኽፉእ ባርያ” ኽዛረብ ከሎ “እቲ” ኢሉ ምጥቃሱ ኣቐዲሙ ንእተዛረበሉ ነገር ስለ ዘመልክት: ናብቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸም እነቕልብ እዩ ዝገብረና። እወ: “እቲ ኽፉእ ባርያ” ኽፍሊ እቲ እሙን ባርያ እዩ ነይሩ። a እዚ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧

3 ቅድሚ 1914: ሓያሎ ኣባላት እቲ ብእሙናት ሰባት ዝቘመ ባርያ ኣብታ ዓመት እቲኣ ምስቲ መርዓዊ ኣብ ሰማይ ክራኸቡ ብዙሕ ተስፋ ገይሮም ነበሩ: ተስፋኦም ግን ቅሂሙ ተረፈ። በዝን ወድዝን ከኣ ሓያሎ ተስፋ ቘረጹ: ገሊኦም ከኣ ተመረሩ። ገለ ኻብዚኣቶም ነቶም ኣሕዋቶም ዝነበሩ ብቓላቶም ‘ክወቕዕዎም’ ጀመሩ: ምስቶም “ሰኸርቲ” ተባሂሎም ዘለዉ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ህዝበ-ክርስትያን ከኣ ሓበሩ።—ኢሳይያስ 28:1-3፣ 32:6

4. የሱስ ነቲ “ኽፉእ ባርያ” ዀነ ንዅሎም እቶም ከምቲ ናይቲ ኽፉእ ባርያ ዓይነት መንፈስ ዘርኣዩ ሰባት እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱሎም፧

4 እዞም ክርስትያናት ዝነበሩ ሰባት እዚኣቶም “እቲ ኽፉእ ባርያ” ምዃኖም ምስ ተፈልጠ: የሱስ ‘ኣብ ክልተ ብምጭንዳሕ’ ቀጽዖም። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ስለ ዝነጸጎም ሰማያዊ ተስፋኦም ኣጥፊኦም ማለት እዩ። ብኡንብኡ ግን ኣይጠፍኡን። ብመጀመርታ “ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት” ማለት ካብታ ክርስትያን ጉባኤ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ጸልማት ኰይኖም ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ከሕልፉ ነበሮም። (ማቴዎስ 8:12) ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሩ ኸኣ ካብቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ሒደት ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ሕማቕ መንፈስ ብምርኣይ: ንገዛእ ርእሶም ምስቲ “ኽፉእ ባርያ” ወጊኖም እዮም። ገለ ኻብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ነዞም ዘይእሙናት ባሮት ስዒቦምዎም እዮም። (ዮሃንስ 10:16) ኵሎም እዞም ጸላእቲ ክርስቶስ እዚኣቶም ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ “ናይ ወጻኢ ጸልማት” እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

5. እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዝወሰዶ ኣቕዋም ካብቲ ናይቲ “ኽፉእ ባርያ” ዝፍለ ብኸመይ እዩ፧

5 እንተዀነ ግን: እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ከምቲ ናይቲ “ኽፉእ ባርያ” ዝኣመሰለ ፈተና ኣሕሊፉ እዩ። ይኹን እምበር: እቶም ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘቘሙ ኣባላት: ነቲ ዝነበሮም ግጉይ ኣተሓሳስባ ብምዕራይ ምሉኣት ኰይኖም ደኣ ተረኽቡ እምበር ኣይተመረሩን። (2 ቈረንቶስ 13:11) ንየሆዋን ነሕዋቶምን ዘለዎም ፍቕሪ ደልዲሉ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ኰይኖም ተረኺቦም እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 3:15፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1

ለባማትን ዓያሱን ደናግል

6. (ሀ) የሱስ ነቲ እሙን ባርያኡ ዘለዎ ምስትውዓል ብምስላ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓያሎ ቕቡኣት ክርስትያናት ቅድሚ 1914 እንታይ ዝብል መልእኽቲ እዮም ዝእውጁ ነይሮም፧

6 የሱስ ብዛዕባ እቲ “ኽፉእ ባርያ” ድሕሪ ምዝራቡ: ገሊኦም ቅቡኣት እሙናትን መስተውዓልትን ክዀኑ ኸለዉ: ገሊኦም ግን ዘይኰኑሉ ምኽንያት ዝገልጽ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት ሃበ። b ምስትውዓል እንታይ ምዃኑ ብምስላ ኽገልጾ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ሽዑ መንግስተ ሰማያት: ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ: እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱ: ቀቀንዴለን ወሲደን: ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ጢናኤን ተማልኣ።” (ማቴዎስ 25:1-4) እተን ዓሰርተ ደናግል: ብዛዕባ እቶም ቅድሚ 1914 ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እየን ዘዘኻኽራና። እቲ መርዓዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኽመጽእ ይጽበይዎ ነበሩ። ስለዚ: “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ክውዳእ ምዃኑ ብትብዓት ብምስባኽ: ክረኽብዎ “ወጹ።”—ሉቃስ 21:24

7. ቅቡኣት ክርስትያናት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዝደቀሱ መዓስን ስለምንታይን እዮም፧

7 ሓቆም ከኣ እዮም ነይሮም። ከመይሲ: ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 እዩ ተወዲኡ: እታ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ዘይርአ ሰማያት ግዝኣታ ጀሚራ እያ። ኣብ ምድሪ ግን ወድሰብ በቲ ኣቐዲሙ እተነግረ እዚ ዘይብሃል ‘ወዮ’ ኽሳቐ ጀመረ። (ራእይ 12:10, 12) እዋን ፈተና ኸኣ መጸ። ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንጹር ምርዳእ ስለ ዘይነበሮም: ‘መርዓዊ ደንጕዩ’ ኢሎም ሓሰቡ። በዚ ተደናጊሮም ስለ ዝነበሩ: ካብ ዓለም ከኣ ምጽራር ይወርዶም ስለ ዝነበረ: እናዘሓሉ ኸዱ እሞ ደሓር ነቲ ተመሓዲሮም ዝዓይዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት ኣቋረጽዎ። ልክዕ ከምተን ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ እተገልጻ ደናግል ዝገበራኦ: ንሳቶም እውን ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ‘ትኽስ በሉ ደቀሱውን።’ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ዘይእሙናት ሰባት መሰልዎም።—ማቴዎስ 25:5፣ ራእይ 11:7, 8፣ 12:17

8. “እንሆ መርዓዊ” ዝብል ጻውዒት ክቐርብ ዝኸኣለ ብምንታይ ምኽንያት እዩ: ቅቡኣት ክርስትያናትከ እንታይ ዝገብሩሉ እዋን እዩ ነይሩ፧

8 ብ1919 ከኣ ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጠሞም። እቲ ዛንታ ቐጺሉ “ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ: እንሆ: መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤን: ቀቀንዴለን ኣዳለዋ” ይብለና። (ማቴዎስ 25:6, 7) ኵነታት እናጸልመተ ምስ ከደ: ክነቕሑ ጻውዒት ቀረበሎም። ብ1918 እቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ንማሕበር ኣምላኽ ክምርምራን ከጽርያን ናብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ መጸ። (ሚልክያስ 3:1) ኣብዚ እዋን እዚ ቕቡኣት ክርስትያናት ካብ ምድራዊ ቤተ መቕደስ ወጺኦም ክረኽብዎ ኣድለዮም። ሽዑ ‘ዝበርሁሉ’ ግዜ እዩ ነይሩ።—ኢሳይያስ 60:1፣ ፊልጲ 2:14, 15

9, 10. ብ1919 ገሊኣቶም ክርስትያናት “ለባማት:” ገሊኣቶም “ዓያሱ” ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

9 እንተዀነ ግን: ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኸም እተገልጸ ገለ ኻብተን ደናግል ሽግር ነበረን። የሱስ ቀጺሉ “እተን ዓያሱ ነተን ለባማት: ቀነዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ: ካብ ዘይትኽን ሀባና: በላኤን” ኢሉ ገለጸ። (ማቴዎስ 25:8) እቲ ቐንዴል ዘይቲ እንተ ዘይብሉ ይጠፍእ እዩ። እምበኣር: እቲ ዘይቲ ቐንዴል ነቲ ንሓቀኛታት ኣምላኽቲ የሆዋ ጸወርቲ ብርሃን ንክዀኑ ዘኽእሎም ሓቂ ዝሓዘ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱሱን እዩ ዘዘኻኽረና። (መዝሙር 119:130፣ ዳንኤል 5:14) ቅድሚ 1919 እቶም መስተውዓልቲ ወይ ለባማት ቅቡኣት ክርስትያናት ንግዜኡ ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ ብትግሃት ይጽዕሩ ነበሩ። ስለዚ: ብርሃን ከብርሁ ጻውዒት ምስ ቀረበሎም: ድሉዋት እዮም ነይሮም።—2 ጢሞቴዎስ 4:2፣ እብራውያን 10:24, 25

10 ይኹን እምበር: ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ምስቲ መርዓዊ ኽሓብሩ ሃረር ዝብሉ እኳ እንተ ነበሩ: መስዋእትነት ክገብሩ ወይ ከኣ ክጋደሉ ግን ኣይተቐረቡን ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ንቑሓት ኰይኖም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩሉ ዘድልዮም ግዜ ምስ መጸ ድሉዋት ኣይነበሩን። (ማቴዎስ 24:14) አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ነቶም ቀናኣት ብጾቶም ንኸዳኽምዎም ጽዒሮም እዮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዘይቲ ኸም ዝሓተትዎም እዩ ዝቝጸር። ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ለባማት ደናግል እንታይ ምላሽ እየን ሂበን፧ “ኣይፋልናን: ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይአኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ: ኢለን መለሳለን።” (ማቴዎስ 25:9) ብተመሳሳሊ: እቶም ብ1919 ዝነበሩ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ነቲ ብርሃን ንኸብርሁ ዝነበሮም ተኽእሎ ኸዳኽመሎም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከይገብሩ ቘሪጾም ነበሩ። በዚ ኸምዚ ነቲ መርመራ ሓለፍዎ።

11. ነተን ዓያሱ ደናግል እንታይ ኣጋጠመን፧

11 የሱስ ከምዚ ብምባል ደምደመ:- “ኪዕድጋ ምስ ከዳ: እቲ መርዓዊ መጸ: እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ አተዋ: ማዕጾ ድማ ተዐጽወ። ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን: ጐይታይ: ጐይታይ: ክፈተልና ዀታ: በላ። ንሱ ግና መሊሱ: ብሓቂ እብለክን አሎኹ: ኣይፈልጠክንን እየ: በለን።” (ማቴዎስ 25:10-12) እወ: ገሊኣቶም እቲ መርዓዊ ኽመጽእ ከሎ ኸይተዳለዉ ስለ ዝጸንሑ ኣብቲ መርመራ ኣይሓለፉን: ኣብቲ ሰማያዊ ውራይ መርዓ ንምክፋል ዝነበሮም ኣጋጣሚ ኸኣ ኣጥፍኡ። እዝስ ኣየ ኽንደይ ዘሕዝን ኰን እዩ!

ብዛዕባ እቲ መክሊት እተዋህበ ምሳልያዊ ዛንታ

12. (ሀ) የሱስ ተኣማንነት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግላጽ እንታይ ምስላ እዩ እተጠቕመ፧ (ለ) እቲ ‘ዝገሸ’ ሰብኣይ መን እዩ፧

12 የሱስ ምስትውዓል እንታይ ማለት ምዃኑ ብምስላ ምስ ገለጸ: ተኣማንነት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግላጽ እውን ከምዚ ዝብል ካልእ ምስላ ተጠቕመ:- “መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ: ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም: ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት: ንኻልኣይ ክልተ: ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ።” (ማቴዎስ 25:14, 15) ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ ሰብኣይ የሱስ እዩ። የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ንሰማይ ብምዕራጉ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ገሸ።” ይኹን እምበር: ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ “ገንዘቡ” ንእሙናት ደቀ መዛሙርቱ ብሕድሪ ሂብዎም ነበረ። ነዚ ብኸመይ እዩ ገይርዎ፧

13. የሱስ ሰፊሕ ዕዮ ኣዳልዩ: “ንገላዉኡ” ክነግዱ ስልጣን ዝሃቦም በየናይ መገዲ እዩ፧

13 የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ሰፊሕ ዕዮ ኣገልግሎት ከዳሉ ጀመረ። (ማቴዎስ 9:35-38) መገሻ ቕድሚ ምጅማሩ ግን ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ሕድሪ ሃቦም። (ማቴዎስ 28:18-20) በዚ ኸምዚ የሱስ “ንገላዉኡ” ኽሳዕ ዝምለስ “ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም” እናነገዱ ኽጸንሕዎ ስልጣን ሃቦም።

14. ኵሎም ሓደ ዓይነት ንግዲ ኸካይዱ ትጽቢት ዘይተገብረሎም ስለምንታይ እዩ፧

14 እዘን “ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም” ዝብላ ቓላት: ኵሎም እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ሓደ ዓይነት ኵነታት ወይ ክእለት ከም ዘይነበሮም እየን ዝሕብራ። ከም እኒ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ንኽካፈሉ ናጻ እዮም ነይሮም። ገሊኣቶም ግን ብምኽንያት እቲ ዝነበሮም ኵነታት ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ እዮም ከገልግሉ ዝኽእሉ ነይሮም። ንኣብነት: ገሊኣቶም ክርስትያናት ባሮት ክዀኑ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ሕሙማት: ብዕድመ ዝደፍኡ: ወይ ከኣ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዝነበሮም እዮም ነይሮም። ገሊኡ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዘይተዋህቦም ፍሉጥ እዩ። ቅቡኣት ኣሓትን ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ሰብኡትን ኣብ ጉባኤ ኣይምህሩን እዮም ነይሮም። (1 ቈረንቶስ 14:34፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ያእቆብ 3:1) ይኹን እምበር: ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብሕታዊ ዅነታቶም ብዘየገድስ: ንዘለዎም ኣጋጣምን ኵነታትን ተጠቒሞም ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ክነግዱ ተመዲቦም እዮም። እዚ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ዝውዕል እዩ።

እዋን መርመራ ይጅምር!

15, 16. (ሀ) እዋን ጸብጻብ መዓስ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እቶም እሙናት ዘበሉ ኸመይ ዝበለ ‘ኽነግዱሉ’ ዝኽእሉ ሓድሽ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም ነይሩ፧

15 እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ቐጺሉ “ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ: ምሳታቶምውን ተጻባጸበ” ይብለና። (ማቴዎስ 25:19) የሱስ ድሕሪ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ግዜ ጸኒሑ ብ1914 ንግስነቱ ጀመረ። ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሑ ኸኣ ብ1918 ናብ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ እሞ ነቲ ጴጥሮስ “እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ፈጸሞ። (1 ጴጥሮስ 4:17፣ ሚልክያስ 3:1) ሽዑ ዝጸባጸበሉ ግዜ እዩ ነይሩ።

16 እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ዝነበሩ ባሮት ‘ብመክሊት’ እቲ ንጉስ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው: እንተላይ ኣብተን ቀቅድሚ 1914 ዝነበራ ዓመታት: ሓያሎ ኻብቶም ቅቡኣት ነቲ የሱስ ዝሃቦም መዝነት ብምፍጻም ብጻዕሪ ‘ኽነግዱሉ’ ጸኒሖም እዮም። (ማቴዎስ 25:16) ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም እውን ከይተረፈ: ነቲ ጐይታ ንምግልጋል ብዙሕ ሃረር ይብሉ ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ነቶም እሙናት ዘበሉ ‘ዝነግዱሉ’ ሓድሽ ኣጋጣሚ ኽወሃቦም ምሹእ እዩ ነይሩ። መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ስለ ዝቐረበ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ክስበኽ: “ፍረ ምድሪ” ኸኣ ክዕጸድ ነይርዎ። (ራእይ 14:6, 7, 14-16) እቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ኽርከቡን ክፍሊ እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ከኣ ኽእከቡን ነበሮም።—ራእይ 7:9፣ ማቴዎስ 13:24-30

17. እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ኣብ ሓጐስ ጐይታኦም ዝኣተዉ’ ብኸመይ እዮም፧

17 እዋን ዓጺድ ዘሕጕስ እዋን እዩ። (መዝሙር 126:6) የሱስ ብ1919 ነቶም እሙናት ቅቡኣት ኣሕዋቱ ተወሳኺ ሓላፍነት ክህቦም ከሎ: “ብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ: ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ: ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” ክብሎም ሓቁ እዩ። (ማቴዎስ 25:21, 23) ኣብ ርእሲ እዚውን: እቲ ጐይታ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኽገዝእ ብምጅማሩ ዝረኸቦ ሓጐስ ኣሎ። (መዝሙር 45:1, 2, 6, 7) እቲ እሙን ባርያ ነቲ ንጉስ ብምውካልን ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ገንዘቡ ኸም ዝኽዕብት ብምግባርን እዚ ሓጐስ እዚ ኽረክብ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:20) ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ ኣብቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:10 ዝርከብ “እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ: . . . እዩ እሞ: ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ: ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ” ዝብል ትንቢታዊ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ።

18. ገሊኣቶም ኣብቲ መርመራ ዘይሓለፉ ስለምንታይ እዮም: እንታይከ ኣስዓበሎም፧

18 እቲ ዘሕዝን ግን ገሊኣቶም ኣብቲ መርመራ ኣይሓለፉን። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል:- “እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ: ጐይታይ: ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ: ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ: ፈሪሄ ኸድኩ: ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ: እንሆ ገንዘብካ: በሎ።” (ማቴዎስ 25:24, 25) እወ: ኣብቲ ‘ንግዲ’ ዘይተኻፈሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ነይሮም እዮም። እዚኣቶም ቅድሚ 1914 ንሰባት ብሕጉስ መንፈስ ተለዓዒሎም ኣይነግርዎምን እዮም ነይሮም: ብ1919 እውን ክጅምሩ ኣይደለዩን። የሱስከ ብዘርኣይዎ ድርቅና እንታይ በለ፧ ንዅሉ መሰላቶም ኣሕደጎም። ‘ኣብቲ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጸልማት ከም ዝድርበዩ’ ድማ ገበረ።—ማቴዎስ 25:28, 30

እቲ መርመራ ይቕጽል

19. እቲ መርመራ ብኸመይ እዩ ቐጺሉ: ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናትከ እንታይ ንምግባር እዮም ዝቘረጹ፧

19 መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ቕቡኣት ባሮት ክርስቶስ ዝዀኑ ሰባት: የሱስ ብ1918 መርመራኡ ኽጅምር ከሎ ንየሆዋ ኣየገልግልዎን እዮም ነይሮም። ስለዚ: እቲ መርመራ ኣምሊጥዎም ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየምለጦምን። ብ1918/19 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸም ጕጅለ መጠን ፈተና ኸሕልፍ ከሎ: እቲ መርመራ ጀሚሩ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር ኣየብቅዐን። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ምሕታሞም ነባሪ ኽሳዕ ዝኸውን ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኣብ መርመራ እዮም ዘለዉ። (ራእይ 7:1-3) እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ነዚ ብምፍላጦም ብተኣማንነት ነቲ እተዋህቦም ‘ንግዲ’ ንኸካይዱ ቘሪጾም እዮም። መስተውዓልቲ ወይ ለባማት ክዀኑ ስለ ዝቘረጹ እቲ ብርሃን ደሚቑ ምእንቲ ኽበርህ ዝኣክል ዘይቲ ሒዞም እዮም ዝመላለሱ። ነፍሲ ወከፎም ምድራዊ ህይወቶም ብተኣማንነት ምስ ወድኡ: የሱስ ኣብ ሰማያዊ ስፍራ ኸም ዝቕበሎም ይፈልጡ እዮም።—ማቴዎስ 24:13፣ ዮሃንስ 14:2-4፣ 1 ቈረንቶስ 15:50, 51

20. (ሀ) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ንምግባር እዮም ቈሪጾም ዘለዉ፧ (ለ) ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ እዮም ዝግንዘቡ፧

20 እቶም ክፍሊ እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም መሲሎምዎም እዮም። ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት ዓብዪ ሓላፍነት ከም ዘሰክሞም ይግንዘቡ እዮም። (ህዝቅኤል 3:17-21) ስለዚ: ኣብቲ ኻብ ቃል የሆዋን መንፈስ ቅዱሱን ዝረኽብዎ ሓገዝ ተመርኲሶም ብመጽናዕትን ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ብምሕባርን ንዘይቶም ከም ዘይጐድል እዮም ዝገብርዎ። ኣብቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብምክፋል ብርሃኖም እናብርሁ ምስቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ኰይኖም ‘ይነግዱ።’ ይኹን እምበር: ቅቡኣት ክርስትያናት እቲ መክሊት ኣብ ኣእዳዎም ምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ገንዘብ እቲ ጐይታ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዝወዓለ ጸብጻብ ክህብሉ ኣለዎም። ብቝጽሪ ሒደት እኳ እንተዀኑ: ሓላፍነቶም ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ኸረክቡ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ: እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” እናተደገፈ ንዕዮ እቲ ንጉስ ግምባር ቀደም ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ። እቶም “ብዙሓት ሰብ” ከኣ ነቲ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ዘለዎም ሓላፍነት ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቶም ኰይኖም ንምዕያይ ክብሪ እዩ ዝስምዖም።

21. እንታይ ማዕዳ እዩ ንዅሎም እቶም ካብ ቅድሚ 1919 ኣትሒዞም ክሳዕ እዚ ግዜና ንዘለዉ ክርስትያናት ዝዓዪ፧

21 እምበኣርከስ: እዘን ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት: ነቲ ኣብ 1919 ወይ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እተፈጸመ ነገራት ዘብርሃልና እኳ እንተዀና: መሰረታዊ ስርዓቱ ግን ኣብ ኵሎም እቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝውዕል እዩ። እቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይተን ዓሰርተ ደናግል ምሳልያዊ ዛንታ ዝሃቦ ማዕዳ እውን ብቐዳምነት ኣብቶም ቅድሚ 1919 ዝነበሩ ቕቡኣት ዝውዕል እኳ እንተዀነ: መሰረታዊ ስርዓቱ ግን ኣብ ኵሎም ክርስትያናት ዝውዕል እዩ። ስለዚ እምበኣር: ኵላትና ነቲ የሱስ “እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ነቕልበሉ።—ማቴዎስ 25:13

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብተመሳሳሊውን ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያን ሽማግለታት “እኩያት ተዃሉ” ወጺኦም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30

b ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዓለምለኻዊ ሰላም ኣብ ትሕቲ እቲ መስፍን ሰላም ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕራፍ 5ን 6ን ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ ንሰዓብቱ መዓስ እዩ ኽምርምሮም ዝጀመረ: እንታይከ ረኸበ፧

• ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ከምቲ ናይቲ “ኽፉእ ባርያ” መንፈስ ዘማዕበሉ ስለምንታይ እዮም፧

• ብመንፈሳዊ መገዲ መስተውዓልቲ ወይ ለባማት ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

• ነቶም እሙናት ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ብምምሳል: በየናይ መገዲ ኢና ‘ኽንነግድ’ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]

የሱስ መዓስ እዩ መጺኡ፧

ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን የሱስ ብእተፈላለየ መገዲ ኸም “ዝመጽእ” ተገሊጹ ኣሎ። “ክመጽእ” ክበሃል ከሎ ግን ብኣካል እዩ ዝመጽእ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣቓልቦኡ ናብ ደቅሰብ ወይ ናብ ሰዓብቱ ይገብር ማለት እዩ። የሱስ በዚ መገዲ እዚ “ዝመጽእ” ዝበዝሕ ግዜ ምእንቲ ኽፈርድ እዩ። ስለዚ ብ1914 ከም ንጉስ መጠን ኣብ ዝፋን ብምድያብ ንግስነቱ ንኽጅምር “መጸ።” (ማቴዎስ 16:28፣ 17:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:11) ብ1918 ከም መልኣኽ ቃል ኪዳን ኰይኑ ‘ብምምጻእ’ ነቶም ንየሆዋ ነገልግል ኢና ዝብሉ ኽፈርድ ጀመረ። (ሚልክያስ 3:1-3፣ 1 ጴጥሮስ 4:17) ኣብ ኣርማጌዶን ከኣ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ የሆዋ ንኽፈርድ ‘ክመጽእ’ እዩ።—ራእይ 19:11-16

እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29-44 ከምኡውን 25:31-46 ብዛዕባ ምምጻእ ዝገልጽ ሓሳባት ነቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እዩ ዘመልክት። (ራእይ 7:14) እቲ ኻብ ማቴዎስ 24:45 ጀሚሩ ኽሳዕ 25:30 ተጠቒሱ ዘሎ “ምምጻእ” ግን የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርትኻ ኢና ዝብልዎ ኻብ 1918 ንነጀው ንኽፈርዶም ዝወሰዶ ስጕምቲ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ እሙን ባርያ ዓስቡ ዝረኽበሉ: እተን ዓያሱ ደናግል ዝፍረዳሉ: ከምኡውን እቲ ንመክሊት ጐይታኡ ዝሓብአ ሃካይ ባርያ ዝፍረደሉ ግዜ: የሱስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ “መጸ” እዩ ዝፍጸም ምባል ርትዓዊ ኣይኰነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ መብዛሕትኦም ቅቡኣት ዘይእሙናት ኰይኖም ስለ ዝጸንሑ ብኻልእ ክትክኡ እዮም ማለት እዩ። ይኹን እምበር: ራእይ 7:3 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እቶም ብባርያ እተመሰሉ ዅሎም ናይ ክርስቶስ ቅቡኣት ዛጊት ንሓዋሩ ‘ተሓቲሞም’ ከም ዝጸንሑ እያ እትሕብር።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

እቲ “ኽፉእ ባርያ” ብ1919 ዋላ ሓንቲ በረኸት ኣይተቐበለን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እተን ለባማት ደናግል መርዓዊ ኽመጽእ ከሎ ድሉዋት ነበራ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቶም እሙናት ባሮት ‘ነገዱ’

እቲ ሃካይ ባርያ ግን ኣይነገደን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቅቡኣት ምስቶም “ብዙሓት ሰብ” ኰይኖም ብርሃኖም የብርሁ ኣለዉ