ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንስኻ ኻብ ኣኽራን ዚበልጽ ክቡር ኢኻ’

‘ንስኻ ኻብ ኣኽራን ዚበልጽ ክቡር ኢኻ’

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ

‘ንስኻ ኻብ ኣኽራን ዚበልጽ ክቡር ኢኻ’

ጸሓይ ኣብ ከረን ፉጂ ኽትበርቕ ምርኣይ ዘይርሳዕ ጦብላሕታ እዩ ዚገድፈልካ። ጓህሪ እትመስል ጸሓይ ብማዕዶ ተቐልቂላ: ነቲ ጻዕዳ በረድን ነቲ ግራጫ ኣኻውሕ እሳተ-ጎመራን ኣብርሀትሉ። ምድሪ ኺወግሕ ከሎ: እቲ ጽላሎት ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታትን ስንጭሮታትን ብቕልጡፍ ተዘርግሐ።

ከምቲ “መዳርግቲ ዘይብሉ” ዚብል ትርጕም ብዘለዎ ፊደላት ዚፍለጥ ዝነበረ ኸረን ፉጂ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዝዓሰሎ ኣኽራን ወትሩ እዩ ዜስደምመና። አረ በቲ ግዝፉ ጥራይ እኳ ደቀቕቲ ኸም ዝዀንና ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና! ግርማ ወይ ክብሪ ኣኽራን ኣዝዩ ዜደንቕ ብምዃኑ ብዙሓት ሰባት እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብግመን ደበናን ዚሽፈን ዝበረኸ ጫፋ ኣኽራን: መንበሪ ኣማልኽቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ።

በዚ ጫፋት ኣኽራን እዚ ብሓቂ ውዳሰ ዚግብኦ ግን እቲ ኽኢላ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ “ኣኽራን ዚሰርሕ።” (ኣሞጽ 4:13) ሓደ ርብዒ ኽፋል ምድሪ ኣኽራን እዩ። ኣምላኽ ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ: ክብ ዝበለ ብራኸ ዘለዎ ሰንሰለት ኣኽራን ኬምጽእ ዚኽእል ዜደንቕ ሓይሊ ኣብ ውሽጣ ኣንቢሩ እዩ። (መዝሙር 95:4) ንኣብነት: ሰንሰለት ኣኽራን ሂማላያን ኣንደስን ኪቐውም ዝኸኣለ: ኣብ ውሽጢ ምድሪ ዚርከብ ሓይሊ ብዝገበሮ ብርቱዕ ነውጽን እተወሰነ ላዕለዋይ ክፋል ምድሪ ብምንቅስቓሱን እዩ።

ኣኽራን ብኸመይን ስለምንታይን ከም እተፈጥረ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን እዩ። እወ: ነተን “ኣነ [የሆዋ] ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ፧ . . . መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧” ዚብላ ነቲ ጻድቕ እዮብ ዝቐረባሉ ሕቶታት ክንምልሰን ኣይንኽእልን ኢና።—እዮብ 38:4-6

እንተዀነ ግን: ህይወትና ኣብ ኣኽራን ከም ዚምርኰስ ንፈልጥ ኢና። ኵሉ ዓበይቲ ኣፍላግ ካብ ኣኽራን ስለ ዚምንጭ: ፍርቂ ዚኸውን ህዝቢ ዓለም ከኣ በቲ ኻብኡ ዚምንጭ ማያት ስለ ዚናበር: ተፈጥሮኣዊ ምንጪ ማያት ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። (መዝሙር 104:13) ብመሰረት መጽሔት ኒው ሳይንቲስት “ካብቲ 20 ንምግቢ ዚኸውን ቀንዲ ኣትክልቲ: እቲ ሽዱሽተ ኣብ ኣኽራን እዩ ዚበቍል” በለ። ኣብ ትሕቲ እታ ጽቡቕ ሃዋሁ ዝህልወላ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” እዩ።—መዝሙር 72:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

ብዙሓት ሰባት ኣኽራን ኪጥቀስ ከሎ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከብ ኣኽራን ኣልፕስ እዩ ኣብ ኣእምሮኦም ዚመጾም። እቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ ጫፋት ኸረን ሲቨታ: ንፈጣሪኡ ባህ ዜብል ምስክርነት እዩ ዚህብ። (መዝሙር 98:8) ነቲ ‘ብሓይሉ ነኽራን ዘጽንዐ’ የሆዋ ድማ ይውድሶ።—መዝሙር 65:6 a

ነቲ ብበረድ እተሸፈነ ጠርዝታቱን ጫፋቱን: ነቲ ብውርጪ እተሸፈነ ዓቐበቱን ቍልቍለቱን: ነቲ ስንጭሮታቱን ቀላያቱን: ከምኡውን ነቲ ሸኻታቱ ኽትርኢ ኸለኻ ግርማ ኣኽራን ኣልፕስ ብሓቂ መስተንክር እዩ። ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ “ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቍል” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።—መዝሙር 147:8

ከምቲ ኣብ ቻይና ዚርከብ ጒሊን ዝኣመሰለ ዅድዅዶታት ካብ ኣልፕስ ዝወሓደ ግርማ ዘለዎ ዚመስለና እኳ እንተዀነ: ጽባቔኡ ግን ንበይኑ እዩ። ኣብ ጐድኒ ፈለግ ሊ ዚርከብ ኰይኑ: እቲ ብእምኒ ኖራ መስርዕ ኰይኑ ዝቘመ ስልማት ንበጻሕቲ ይምስጦም እዩ። እቲ ብማእከል እዚ ግመ ዘይፍለዮ ዅድዅዶታት ዚውሕዝ ሓቂቕ ዚመስል ማያት: ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ “ኣብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ: ኣብ መንጎ ኣኽራን ይውሕዛ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እዩ ዜዘኻኽረና።—መዝሙር 104:10

ኣኽራን ንድሕንነትን ሓጐስን ደቅሰብ ተባሂሉ ፈጣሪና ኻብ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ሓደ ብምዃኑ ይምስጠና እዩ። ኰይኑ ግን: ዜስደምም እኳ እንተዀነ: ምስ ክብሪ የሆዋ ግን ዚወዳደር ኣይኰነን። የሆዋ ብርግጽ ‘ካብ ኣኽራን ዚበልጽ ክቡር’ እዩ።—መዝሙር 76:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጋቢት/ሚያዝያ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዓሰርተ ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ኣብ ኣኽራን እዩ ዚነብር። እዚ ግን ነቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ዘይስገር ዕንቅፋት ኣይኰነን። እዞም ክርስትያን ኣገልገልቲ እዚኣቶም ኣብ መብዛሕትኡ በረኽቲ ቦታታት ተጊሆም የገልግሉ ኣለዉ። እወ: “እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ: . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።”—ኢሳይያስ 52:7

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ . . . እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 104:18) እታ ምስ ሰስሓ እትዛመድ ዜደንቕ ቀርኒ ዘለዋ ናይ ኑብያ ዋልያ እውን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ኣኽራን ዚቕመጣ ኣብ ኣጸጋሚ ቦታ ዚነብራ እንስሳታት እያ። ኣብ ጸድፊ ኣብ ዚርከብ ኣመና ኻብ ምጽባቡ እተላዕለ ዘየሕልፍ ብዚመስል መገዲ ኽትንቀሳቐስ ትኽእል እያ። ዋልያ ኣብቲ ብቐሊሉ ዘይብጻሕ ቦታታት ብዘይ ገለ ሽግር እያ እትነብር። ሓደ ኻብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ እትነብረሉ ምኽንያት ሸዀናኣ እተሰርሓሉ መገዲ እዩ። እቲ ጽፍራ ምሉእ ብምሉእ ምስ ረገጸትሉ ኺሰፍሕ ይኽእል እዩ: እዚ ድማ ነታ እንስሳ ደው ክትብል ከላ ወይ ኣብ ጸቢብ መገዲ ኽትከይድ ከላ ሸታሕ ንኸይትብል የኽእላ። ብሓቂ እምበኣር ዋልያ መስተንክር ፍጥረት እያ!

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሆንሹ: ጃፓን: ዚርከብ ከረን ፉጂ