ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣገልግሎትካ መልእ”

“ኣገልግሎትካ መልእ”

“ኣገልግሎትካ መልእ”

“ኣገልግሎትካ መልእ።”—2 ጢሞቴዎስ 4:5

1, 2. ኵሎም ክርስትያናት ወንጌላውያን እኳ እንተዀኑ: ሽማግለታት ግን እንታይ ብቕዓት ንኼማልኡ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚሓትት፧

 ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧ እንተደኣ ዄንካ: የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ መሰል ኣገልግሎት ስለ ዝሃበካ ኣመስግኖ። ኣብ ጉባኤ ሽማግለ ዄንካ እተገልግል ዲኻ፧ እዚውን የሆዋ ዝሃበካ ተወሳኺ ሓላፍነት እዩ። ይኹን እምበር: ዓለማዊ ትምህርቲ ዀነ ኽእለት ኣዘራርባና ነገልግሎት ወይ ኣብ ጉባኤ ሽማግለ ንኽንከውን ከም ዘየኽእለና ግን ክንርስዕ የብልናን። የሆዋ ኣገልገልቲ ንኽንከውን ከኣልቲ ገበረና: ካባታትና ገሊኣቶም ሰብኡት ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መለክዒታት ስለ ዜማልኡ ኸኣ እዮም ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ዝኸኣሉ።—2 ቈረንቶስ 3:5, 6፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7

2 ኵሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ግብሪ ወንጌላዊ ይገብሩ እኳ እንተዀኑ: ምናዳ ተዓዘብቲ ወይ ሽማግለታት ግን ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። ኣምላኽን ክርስቶስን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ነቶም “ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ” ሽማግለታት የስተውዕሉሎም እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:17፣ ኤፌሶን 5:23፣ እብራውያን 6:10-12) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም . . . ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ: መከራ ጽገብ: ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” በሎ። ስለዚ: ሓደ ሽማግለ ዚምህሮ ትምህርቲ ብመንፈሳዊ ጥዑይ ኪኸውን ኣለዎ።—2 ጢሞቴዎስ 4:3-5

3. ናይ ሓሶት ትምህርትታት ንመንፈሳውነት ጉባኤና ምእንቲ ኸየበላሽዎ እንታይ እዩ ኺግበር ዜድሊ፧

3 ናይ ሓሶት ትምህርትታት ንመንፈሳውነት ሓንቲ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸየእትዎ: ሓደ ሽማግለ ነቲ ጳውሎስ “ብዅሉ ተጠንቀቕ: . . . ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኪቕበሎ ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 4:5) እወ: ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብእተማልአ መገዲ ኺፍጽም ኣለዎ። ከምዚ ዚገብር ሽማግለ ዕሽሽ ዚብሎ ወይ ሓዲግ መዲግ ገይሩ ዚገድፎ ነገር ስለ ዘይብሉ: ንዅሉ ሓላፍነታቱ ግቡእ ቈላሕታ እዩ ዚህብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ብሒደት እውን ከይተረፈ እሙን እዩ።—ሉቃስ 12:48፣ 16:10

4. ኣገልግሎትና ንኽንምልእ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

4 ኣገልግሎትና ንኽንምልእ ወይ ምሉእ ብምሉእ ንኽንፍጽም ወትሩ ብዙሕ ግዜ ኸነሕልፍ ኣሎና ማለት ዘይኰነስ: ንግዜና ብዚግባእ ክንጥቀመሉ እዩ ዜድልየና። ኵሎም ክርስትያናት ብሚዛናውን ስሩዕን መገዲ ምስ ዚስጕሙ: ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኪዓሙ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሽማግለ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኼሕልፍ: መደባቱ ሚዛናዊ ገይሩ ኪሕዝ ከምኡውን እንታይ ሓላፍነት ንኻልኦት ከም ዚህብን ብኸመይ ከም ዚህቦምን ኪፈልጥ ኣለዎ። (እብራውያን 13:17) ከምቲ ነህምያ ንመካበብያ የሩሳሌም ዳግም ኣብ ምህናጽ እተሳተፈ: መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዚኽበር ሽማግለ እውን ግዴኡ ይፍጽም እዩ። (ነህምያ 5:16) ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲሮም ኪሳተፉ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 9:16-18

5. ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

5 ከም ኣወጅቲ እታ ቘይማ ዘላ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠንሲ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ መዝነት ኰን እዩ ዘሎና! መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ብምስባኽ እነበርክቶ እጃም ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ኣየጠራጥርን እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና: በቲ ጳውሎስ “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ [ኣገልግሎት] እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ክንተባባዕ ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:7) እወ: ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ከነቕርብ ንኽእል ኢና: ነዚ ግን ብሓይልን ጥበብን ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል።—1 ቈረንቶስ 1:26-31

ክብሪ ኣምላኽ ምንጽብራቕ

6. ኣብ መንጎ እቶም ብስጋ እስራኤላውያንን ብመንፈስ እስራኤላውያንን እንታይ ፍልልይ እዩ እተፈጥረ፧

6 ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ኪዛረቦም ከሎ ኣምላኽ “ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና” በሎም። እቲ ሃዋርያ ነቲ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ዚኣትወሎም ሓድሽ ኪዳን: ምስቲ ብሙሴ ኣቢሉ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝኣተወሎም ብሉይ ኪዳን ኣወዳደሮ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዛ ኽልተ ጽላት ሒዙ ኻብ ከረን ሲና ምስ ወረደ: ገጹ የብርህ ብምንባሩ እስራኤላውያን ኪጥምትዎ ኸም ዘይከኣሉ ገለጸ። ድሕሪ ግዜ ግን ‘ሓሳቦም ስለ ዝደንዘዘን’ ንልቦም ዝሸፈነ መጋረጃ ስለ ዘይተቐልዐን ኣገዳሲ ስጕምቲ ተወስደ። ይኹን እምበር: ነቶም ብምሉእ ልቦም ንየሆዋ ውፉያት ኰይኖም ናብኡ እተመልሱ እቲ መጋረጃ ተቐንጠጠሎም። ጳውሎስ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ነቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዚዀኑ እተዋህቦም ኣገልግሎት: “ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና [“ነንጸባርቕ:” ትርጕም 1990]” በለ። (2 ቈረንቶስ 3:6-8, 14-18፣ ዘጸኣት 34:29-35) እተን ሎሚ ዘለዋ “ኻልኦት ኣባጊዕ” የሱስ እውን ክብሪ የሆዋ ንኼንጸባርቓ ኣጋጣሚ ተኸፊቱለን ኣሎ።—ዮሃንስ 10:16

7. ደቅሰብ ብኸመይ እዮም ክብሪ ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ፧

7 ዋላ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ርእዩ ብህይወት ዘይነብር እንተ ዀይኑ: ሓጥኣን ደቅሰብ ብኸመይ እዮም ክብሪ ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ፧ (ዘጸኣት 33:20) የሆዋ ኣብ ርእሲ እቲ ብሕታዊ ኽብሩ: እቲ ብመንግስቱ ኣቢሉ ሉዓላውነት ንምርግጋጽ መዲብዎ ዘሎ ዕላማ ኽቡር ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ: ክፍሊ እቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ዝሰበኽዎ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) ንሳቶም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነቲ እተዋህቦም ኣገልግሎት መሊኦም ፈጺሞምዎ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

8. ጳውሎስ ነገልግሎት ብዚምልከት እንታይ ኪገብር እዩ ቈሪጹ ዝነበረ፧

8 ጳውሎስ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምፍጻም ንኸይዓግቶ ቈሪጹ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ: ንነፍስና ነዕቊብ እምበር: ብተንኰል ከይተመላለስና: ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ: ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና: እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና: ኣይንሕለልን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 4:1, 2) በቲ ጳውሎስ “እዛ ኣገልግሎት እዚኣ” ኢልዋ ዘሎ ኣቢልካ እታ ሓቂ ትግለጽ: መንፈሳዊ ብርሃን ድማ ይዝርጋሕ ኣሎ።

9, 10. ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ጳውሎስ ብዛዕባ ምንጪ ተፈጥሮኣውን መንፈሳውን ብርሃን: “እቲ፤ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ: ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ: ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 4:6፣ ዘፍጥረት 1:2-5) እምበኣር: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃን መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብሪ ስለ እተዋህበና: ንሕናውን ከም ብመስትያት ክብሪ የሆዋ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ ርእስና ነንጽህ።

10 ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዚርከቡ ሰባት ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ወይ ነቲ ነጸብራቕ እቲ ኻብ ሙሴ ዝዓበየ የሱስ ክርስቶስ ኪርእዩ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና ግን ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ዜደንቕ ብርሃን ተቐቢልና ናብ ካልኦት ነንጸባርቖ ኢና። እቶም ሕጂ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ ኻብ ጥፍኣት ኬምልጡ እንተ ዀይኖም: ካብ ኣምላኽ ብርሃን ኪበርሃሎም ኣለዎ። እምበኣር: ነቲ ኽብሪ የሆዋ ኣብ መንጎ ጸልማት ንኸነብርህ እተዋህበና ትእዛዝ ብዓብዪ ሓጐስን ብብርቱዕ ቅንኣትን ኢና እንፍጽሞ።

ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ብርሃንካ ይብራህ

11. የሱስ ብዛዕባ ብርሃንና ምብራህ እንታይ እዩ ዝበለ: ነዚ ኣብ ኣገልግሎትና ኽንፍጽመሉ እንኽእል ሓደ መገዲኸ እንታይ እዩ፧

11 የሱስ ንሰዓብቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከአላን እዩ። መብራህቲ: ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ: ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር: ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴዎስ 5:14-16) ሰናይ ግብርና: ካልኦት ንኣምላኽ ክብሪ ኸም ዚህብዎ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:12) እቲ ግብሪ ወንጌላዊ እንገብረሉ እተፈላለየ መዳያት ከኣ ብርሃንና ንኺበርህ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ሸቶታትና ፍረ ዘለዎ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ: ካብ ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ብርሃን ምንጽብራቕ እዩ። እዚ ኣገልግሎትና መሊእና ኽንፍጽመሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ እዩ። ንኣልባብ ደለይቲ ሓቂ ኽትንክፍ ዚኽእል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንታይ ሓሳባት እዩ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል፧

12. ጸሎት ምስ ምምራሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዝተሓሓዝ፧

12 ኣብዚ መዳይ እዚ ናብ የሆዋ ምጽላይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሕ ብሓቂ ባህጊ ኸም ዘሎና እዩ ዘርኢ። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ንኼጥርዩ ምሕጋዞም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም እተገንዘብናዮ እውን የርኢ። (ህዝቅኤል 33:7-9) የሆዋ ድማ ብርግጽ ጸሎትና ኺምልሶን ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕሪ ኺባርኾን እዩ። (1 ዮሃንስ 5:14, 15) እንተዀነ ግን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ምእንቲ ኺንረክብ ጥራይ ኢልና ኣይኰንናን እንጽሊ። መጽናዕቲ ኽንመርሕ ምስ ጀመርና እውን: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ብፍላይ ብዛዕባ ዜድልዮ ነገራት እንገብሮ ጸሎትን ምስትንታንን ወትሩ ፍረ ብዘለዎ መገዲ መጽናዕቲ ንኽንመርሓሉ ይሕግዘና።—ሮሜ 12:12

13. ፍረ ዘለዎ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ፍረ ዘለዎ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ: ኵሉ ሳዕ ተዳሊና ኽንከይድ ኣሎና። ዘይብቑዓት ኴንና እንተ ተሰሚዑና: ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ኣብ ሰሰሙን ብኸመይ ከም ዚመርሕ ምዕዛብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ጽቡቕ ፍረ ምስ ዘለዎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምኻድ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ኣረኣእያን ንምምሃር እተጠቕመሉ ሜላታትን እውን ብፍላይ ከነተኵረሉ ይግባእ።

14. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ልቡ ኽንትንክፎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሱስ ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንምግባርን ብዛዕባ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምንጋርን ባህጊ ነበሮ። (መዝሙር 40:8) ለዋህ እዩ ነይሩ: ነቶም ዚሰምዕዎ ኣልባቦም ብምትንካፍ ዝመጸ ድማ ተዓዊቱ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30) እምበኣር: ኣልባብ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ንኽንትንክፍ ንጽዓር። ከምዚ ንምግባር ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ንዅነታት ተማሃራይና ኣብ ግምት ብምእታው ተዳሊና ኽንከይድ ኣሎና። ንኣብነት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይቅበሎ እንተደኣ ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ኸነእምኖ ኼድልየና ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ: ሓያሎ ጥቕስታት ከነንብበሉን ክንገልጸሉን ኣሎና።

ንተማሃሮኻ ነቲ መብርሂታት ኣረድኣዮም

15, 16. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብርሂ ንዘይተረድኦ ተማሃራይ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ (ለ) ሓንቲ ኻብ ጽሑፋትና ንሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ዜጸግም መብርሂ ምስ እትጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መብርሂ ኣይርድኦን ይኸውን። ንኣብነት: የሱስ መብራህቲ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ብዛዕባ ምንባር ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይተረድኦን ንበል። (ማርቆስ 4:21, 22) የሱስ ብዛዕባ እቲ ጥንቲ ዚርከብ ብዘይቲ ዚዓዪ ፈትሊ ዘለዎ መብራህቲ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መብራህቲ ንቤት ምእንቲ ኼብርህ ኣብ ፍሉይ ቦታ እዩ ዚስቀል ነይሩ። “መብራህቲ” (“Lamp”) ከምኡውን “ቀዋሚ ቐንዴል” (“Lampstand”) ብዚብል ቃላት ጌርካ ኣብ ከም ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) መጽናዕቲ ምግባር ነታ የሱስ እተጠቕመላ ምስላ ንጹር ንኽንገብረሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። a ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ተማሃራይ ብዚርድኦን ብዚፈትዎን መገዲ ተዳሊኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ብዙሕ ዓስቢ እዩ ዘለዎ።

16 መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትና: ንገሊኣቶም ተማሃሮ ኺርድእዎ ዜጸግሞም መብርሂ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ከምዚ ኼጋጥመካ ኸሎ ግዜ ወሲድካ ግለጸሉ: ወይ ከኣ ተመሳሳሊ ነጥቢ ዜጕልሕ ካልእ መብርሂ ተጠቐም። ንኣብነት: ሓንቲ ጽሕፍቲ ኣብ ሓዳር ስኒትን ምትሕብባርን ኣድላዪ ምዃኑ ተረድእ ኣላ ንበል። ነዚ ንምብራህ ተባሂሉ ሓደ ኣብ ገመድ ሰለል እናበለ ዚገላበጥ ሰብ ነቲ ገመድ ኪፍንዎ ኸሎ ብጻዩ ንኺሕዞ ትውክልቲ ኸም ዚገብረሉ ተጠቒሱ ንበል። ከም ኣማራጺ: ሰራሕተኛታት ጽዕነት ኬራግፉ ኸለዉ እናተቐባበሉ ኸም ዜራግፉ ብምጥቃስ ብዝያዳ ኸተብርሆ ትኽእል ኢኻ።

17. ንመብርሂታት ብዚምልከት ካብ የሱስ እንታይ ኢና እንመሃር፧

17 ኣማራጺ መብርሂ ንምጥቃም ኣቐዲምካ ተዳሊኻ ምኻድ ዜድሊ እኳ እንተዀነ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ብብሕቲ ተገዳስነትና ኻብ እነርእየሉ መገድታት ሓደ እዚ እዩ። የሱስ ከቢድ ነጥብታት ንምንጻር ቀሊል መብርሂታት ይጥቀም ነበረ። እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ነዚ ኣብነት እዩ ዝዀነና: ትምህርትታቱ ኣብ ሰማዕቱ ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዝገበረሎም እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና። (ማቴዎስ 5:1–7:29) ንሰባት ብሓቂ ይግደሰሎም ብምንባሩ ኸኣ ብዓቕሊ ይገልጸሎም ነበረ።—ማቴዎስ 16:5-12

18. ብዛዕባ እቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ እንታይ ከም ዚብል ዘይተገልጸ ጥቕስታት እንታይ ክንገብር እዩ ዚግብኣና፧

18 ንሰባት ዘሎና ተገዳስነት ‘ብጽሑፋት ጌርና ንኸነዘራርቦም’ ወይ ንኸነረድኦም ይድርኸና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3) ነዚ ንምፍጻም ብጸሎት እተሰነየ ናይ ሓቂ መጽናዕቲ ኽንገብርን በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ኣቢሉ ዚዳለወልና ጽሑፋት ብጥበብ ክንጥቀመሉን ኣሎና። (ሉቃስ 12:42-44) ንኣብነት: ኣብተን ከም ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝኣመሰላ መጻሕፍቲ: ሓያሎ ጥቕስታት እንታይ ከም ዚብል ተጠቒሱ ኣሎ። b እቲ ዘለወን ቦታ ውሱን ብምዃኑ ግን ገሊኡ ጥቕስታት እንታይ ከም ዝብል ኣይተጠቕሰን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበር ከሎ: እንተ ወሓደ ገለ ኻብቲ እንታይ ከም ዚብል ዘይተጠቕሰ ጽሑፋት ኪንበብን ኪግለጽን ኣለዎ። ከመይሲ: እንህቦ ትምህርቲ ኣብቲ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። (እብራውያን 4:12) መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ: ኣብቲ ጽሑፍ ዚርከብ ጥቕስታት ደጋጊምካ ብምጥቃም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቐስ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተወሰነ ጕዳይ ወይ ተግባር እንታይ ከም ዚብል ነቲ ተማሃራይ ኣረድኣዩ። ነቲ ኣምላኽ ዚብሎ ብምእዛዙ ብኸመይ ከም ዚጥቀም ከተረድኦ ጽዓር።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ዜመራምር ሕቶታት ሕተት

19, 20. (ሀ) ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ ኣረኣእያኦም ከም ዚገልጹ ዚገብር ሕቶታት ክትጥቀም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብ እተወሰነ ጕዳይ ተወሳኺ ምይይጥ እንተ ኣድልዩ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

19 የሱስ ብዚግባእ እተጠቕመሉ ሕቶታት ንሰባት ንኽመራመሩ ኣኽኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 17:24-27) ንሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሓፍር ከይገበርና ኣረኣእያኡ ኺገልጽ እንተ ሓቲትናዮ: እቲ ዚህቦ መልሲ ብዛዕባ እተወሰነ ጕዳያት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኺገልጸልና ይኽእል እዩ። ሕጂውን እንተዀነ ኻብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓራ ኸም ዘይኰነ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣብ ስላሴ ይኣምን ይኸውን። መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ምዕራፍ 3 “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይትርከብ ትሕብር። ብዘይካዚ እዛ መጽሓፍ እዚኣ የሆዋ ኻብ የሱስ እተፈልየ ምዃኑ: መንፈስ ቅዱስ ከኣ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ደኣ እምበር ኣካል ዘለዎ ዘይምዃኑ ዚገልጽ ጥቕስታት ሒዛ ኣላ። ነዚ ጥቕስታት እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡን ብዛዕባኡ ምምይያጥን ዜዕግብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝያዳ እንተ ኣድልዩ ግን እንታይ እዩ ዚግበር፧ ምናልባት ድሕሪ እቲ ኣብ ዚቕጽል እትገብርዎ መጽናዕቲ እተወሰነ ግዜ ብምምዳብ: በታ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ እትበሃል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለዉዋ ኻልእ ብሮሹር ጌርካ ጠቓሚ ምይይጥ ኪግበር ይከኣል እዩ። ድሕሪኡ: ብመጽሓፍ ፍልጠት ጌርና መጽናዕትና ንቕጽል።

20 ኣረኣእያ እቲ ተማሃራይ ንምፍላጥ ሕቶ ምስ ሓተትናዮ: ዜገርም ወይ እውን ዜጕሂ መልሲ ሂቡና ንበል። ብዛዕባ ሽጋራ ምትካኽ ወይ ብዛዕባ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ጕዳያት ንዘራረብ እንተሊና: ስቕ ኢልና መጽናዕትና ኽንቅጽል: ነቲ ጕዳይ ግን ካልእ ግዜ ኽንመያየጠሉ ምዃንና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። እቲ ተማሃራይ ሽጋራ የትክኽ ከም ዘሎ ምፍላጥና መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብር ዜኽእሎ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ሓበሬታ ንኽንረክብ ዕድል ይህበና። ልቡ ኽንትንክፎ ኽንጽዕር ከለና: ብመንፈስ ምእንቲ ኺዓቢ የሆዋ ንኺሕግዞ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።

21. ኣመሃህራና ነቲ ተመሃራይ ብዜድሊ መገዲ ምስ እነቕርበሉ እንታይ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል፧

21 ኣብ ርእሲ እቲ የሆዋ ዚህበና ሓገዝ ጽቡቕ ጌርና ምስ እንዳሎ: ነቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ልቡ ብዚትንክፎ መገዲ ኺንምህሮ ኸም እንኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ንኼማዕብል ክንሕግዞ ንኽእል ኢና። ንማሕበር የሆዋ እውን ኣኽብሮትን ሞሳን ከም ዚህልዎ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ኣሎ’ ብምባል ኣፍልጦ ኺህቡ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! (1 ቈረንቶስ 14:24, 25) እምበኣር: ፍረ ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምራሕ: ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኪዀኑ ምእንቲ ኽንሕግዞም ድማ ዚከኣለና ንግበር።

ኣኽቢርካ ኽርአ ዘለዎ መዝገብ

22, 23. ኣገልግሎትና መሊእና ንኽንፍጽም እንታይ እዩ ዜድልየና፧

22 ኣገልግሎትና መሊእና ንምፍጻም: ኣብቲ ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ ኽንምርኰስ ኣሎና። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት እዚ ኣመልኪቱ ንቕቡኣት ክርስትያናት ብጾቱ “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና” ኢሉ ጸሓፈሎም።—2 ቈረንቶስ 4:7

23 ካብቶም ቅቡኣት ንኹን ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ:” ድኹማት ኣቕሓ መሬት ኢና። (ዮሃንስ 10:16)እቲ ዚወርደና ጸቕጢ ብዘየገድስ የሆዋ ግን ዕዮና ንኽንፍጽም ዜኽእለና ሓይሊ ይህበና እዩ። (ዮሃንስ 16:13፣ ፊልጲ 4:13) እምበኣር: ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ንግበር: ኣገልግሎትና ኣኽቢርና ንርአ: መሊእና ኸኣ ንፈጽም።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ይምህሩ: ንክርስትያናት ብጾቶም ድማ ኣብ ኣገልግሎት ይሕግዝዎም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]

ፍረ ዘለዎ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ሓደ ኻብቲ ብርሃንና እነብርሃሉ መገዲ እዩ

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሽማግለታት ኣገልግሎቶም መሊኦም ንኺፍጽሙ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

• እንመርሖ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍረ ዘለዎ ንኪኸውን ብኸመይ ምምሕያሽ ክንገብር ንኽእል፧

• ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኡ መብርሂ እንተ ዘይተረዲእዎ ወይ ኣብ ሓደ ጕዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደልዩ ብኸመይ ምሓገዝካዮ፧