ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤሁድ ነርዑት እቲ ጨቋኒ ሰበሮ

ኤሁድ ነርዑት እቲ ጨቋኒ ሰበሮ

ኤሁድ ነርዑት እቲ ጨቋኒ ሰበሮ

እዚ ታሪኽ እዚ ትብዓትን ብልሓትን ዜርኢ ናይ ሓቂ ዛንታ እዩ። ኣስታት 3,000 ዓመት ኣቢሉ እተፈጸመ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸኣ: እግዚኣብሄር ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ። ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም ከይዱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ሰዐሮም: ንኸተማ ተምሪውን ሐዝዋ። ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።”—መሳፍንቲ 3:12-14

ሞኣባውያን ምብራቕ ካብ ርባ ዮርዳኖስን ምዉት ባሕርን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ርባ ተሳጊሮም ኣብ ከባቢ እታ “ኸተማ ተምሪ” እትበሃል ያሪኮ ዘሎ ቦታ ብምቍጽጻር ንእስራኤላውያን ኪገዝእዎም ጀመሩ። (ዘዳግም 34:3) ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ “ኣዝዩ ኸሪሹ” እዩ ነይሩ: ንኽልተ ዓመት ዚኸውን ከኣ ንእስራኤላውያን ኣመና ኸቢድ ግብሪ ብምጽዓን ኣዋሪድዎም ነበረ። (መሳፍንቲ 3:17) እንተዀነ ግን: እቲ ግብሪ ንኺግብሩ ዚሃቦም ትእዛዝ: ነቲ ጭቈና ንኺውገድ ኣጋጣሚ ኸፈተ።

ብዛዕባ እዚ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ: እግዚኣብሄር ድማ ኤሁድ ወዲ ጌራ: ብንያማዊ: ዓኼላይ ሰብኣይ: መድሓኒ ኣተንስኣሎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ብኢዱ ገጽ በረኸት ሰደዱ።” (መሳፍንቲ 3:15) የሆዋ ነቲ ግብሪ ወይ ገጽ በረኸት ኤሁድ ከም ዜብጽሖ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ቅድሚኡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ፈጺሙ እንተ ዀይኑ እተጠቕሰ ነገር የልቦን። ይኹን እምበር: ኤሁድ ምስ ዔግሎን እተራኸበሉ መገድን እተጠቕመሉ ሜላን: ነቲ ቤተ-መንግስቲ ዔግሎንን ኣብኡ እንታይ ኪጽበ ኸም ዚኽእልን ይፈልጥ ምንባሩ እዩ ዜርኢ። ኣብዚ ዅሉ ውጥን ዓኼላይ ምዃኑ ዓብዪ ኣገዳስነት ነበሮ።

ስንኩልዶ ወይስ ተዋጋኢ፧

እታ “ዓኼላይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ‘የማናይ ኢዱ ዕጹው: ቈራይ: ወይ እሱር’ ማለት እያ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኤሁድ ስንኩል ወይ የማነይቲ ኢዱ ዝመጽጕዐት እዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ካብ ነገድ ብንያም ዓኼላይ ዚዀኑ “ሾብዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰብ” ዚብሎ እስከ ንርአ። ኣብ መሳፍንቲ 20:16 “ብጸጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጕሪ ዘይስሕቱ” ኢሉ ኣሎ። ኣብ ውግእ ክኢላታት ብምዃኖም እዮም ተመሪጾም ኪዀኑ ዘለዎም። ብመሰረት ገሊኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት “ዓኼላይ” ኪበሃል ከሎ ጸጋመይቶምን የማነይቶምን ንዚጥቀሙ ሰባት እዩ ዜመልክት።

ነገድ ብንያም ዓኼላይ ሰብኡት ብምፍራይ እተፈልጠት እያ ነይራ። ኣብ 1 ዜና መዋእል 12:1, 2 ብዛዕባ ብንያማውያን “እቶም ኣብ ውግእ ዝሐገዝዎ ጀጋኑ ነበሩ። ንሳቶም ብየማነ ጸጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዚኽእሉ: ብቐስቲውን ፍላጻ ዚውርውሩ ቐስተኛታት ነበሩ” ዚብል ንረክብ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እዚ ኽእለት እዚ “የማነይቲ ኢድ ቈልዑ ብምእሳርን—በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ‘የማነይቶም እተኣስሩ’ ይበሃሉ—ንጸጋመይቲ ኢዶም ብምዕላምን” እዩ ዚጥረ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጸላእቲ እስራኤል ብየማናይ ኢዱ ምስ ዚቃለስ ተዋጋኢ ኺጋጠሙ እዮም ዚጽበዩ። ስለዚ: ጸላኢ ኸይተጸበዮ ምስ ዓኼላይ ወተሃደር እንተ ገጢሙ: መብዛሕትኡ ስልጠናኡ ኸንቱ እዩ ዚኸውን።

ንንጉስ ዚንገር “ሕቡእ ነገር”

ኤሁድ ፈለማ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኽልተ ዝኣፋ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ንኺዕጠቓ ዘይተሸግር ሴፍ ምሓዝ እዩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ኪፍትሽዎ ተጸብዩ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ብየማናይ ኢዶም ዚቃለሱ ሰባት ቀልጢፎም ሰይፎም ምእንቲ ኺምስቱ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣጽዋር ብጸጋማይ ሸነኽ እዩ ዚዕጠቕ ነይሩ። ኤሁድ ዓኼላይ ብምዃኑ ግን ኣብቲ እቶም ሓለውቲ እቲ ንጉስ ኣብ ፈተሻ ዘየተኵሩሉ “ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሕቜኡ ዐጠቓ።” ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ከኣ “እቲ ገጽ በረኸት ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ።”—መሳፍንቲ 3:16, 17

እቲ መጀመርታ ምስ ዔግሎን ዝገበሮ ነገር ብዝርዝር ኣይተገልጸን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕጽር ኣቢሉ “ነቲ ገጽ በረኸት ኣቕሪቡ ምስ ፈጸመ: ነቶም ነቲ ገጽ በረኸት ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም” ጥራይ እዩ ዚብል። (መሳፍንቲ 3:18) ኤሁድ ነቲ ገጽ በረኸት ምስ ኣቕረበ: ነቶም ጾይሮም ዝመጹ ሰባት ካብቲ ዔግሎን ዚነብረሉ ዝነበረ ቦታ ኣርሒቑ ኣፋነዎም: ድሕሪኡ ኸኣ ተመሊሱ መጸ። ስለምንታይ፧ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንኺከላኸሉሉ ድዩ ኣምጺእዎም: ንዲፕሎማስያዊ ስርዓት ጥራይ ድዩ ኣምጺእዎም: ወይስ ነቲ ገጽ በረኸት ኪስከሙሉ ኢሉ እዩ፧ እቲ ዝወጠኖ ምእንቲ ኺፍጽም ናብ ደሓን ቦታ ንኪኸዱ ድዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ሓሲብዎ ዝነበረ ብዘየገድስ: ኤሁድ ብትብዓት ንበይኑ ተመልሰ።

“ካብታ ኣብ ጊልጋል ዘላ ስፍራ ምስልታት ተመሊሱ፤ ዎ ንጉስ: ሕቡእ ነገር ዝነግረካ አሎኒ: በሎ።” ናብ ዔግሎን ብኸመይ ኪቐርብ ከም ዝኸኣለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተገልጸን። እቶም ሓለውቲ ጥርጣረ ኼሕድሩዶ ኣይነበሮምን፧ ሓደ እስራኤላዊ ንበይኑ ንጐይታኦም ዋላ ሓንቲ ዘይገብሮዶ መሲልዎም ይኸውን፧ ኤሁድ በይኑ ምምጻኡ ንደቂ ዓዱ ኸም ዝኸድዐዶ መሲልዎም ይኸውን፧ በዚ ዀነ በቲ: ኤሁድ ምስቲ ንጉስ በይኑ ኺዘራረብ ደለየ: ተፈቕደሉውን።—መሳፍንቲ 3:19

እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኤሁድ ድማ ናብኡ አተወ: ንሱ ኸኣ ኣብታ ንእኡ ንበይኑ ጥራይ ዝነበረት ላዕለይቲ ቤት ሓጋይ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኤሁድ ድማ፤ ንኣኻ ዝነግረካ ቓል ኣምላኽ አሎኒ በሎ” ይብል። ኤሁድ ካብ ኣምላኽ ሒዝዎ ብዛዕባ ዝመጸ ብኣፍ ዚንገር መልእኽቲ ኣይኰነን ኪዛረብ ሓሲቡ። የግዳስ: ነታ ሰይፉ እዩ ኺጥቀመላ ዚዳሎ ነይሩ። እቲ ንጉስ ምናልባት ካብ ከሞሽ ኣምላኹ ገለ መልእኽቲ ዝመጸ መሲልዎ: “ካብ መንበሩ ተንስኤ።” ኤሁድ ከኣ ብቕጽበት ሰይፉ መሲቱ ንዔግሎን ኣብ ከብዱ ሸኸተሉ። እታ ሰይፊ ንኻራ እትመስል ክትከውን ኣለዋ። ስለዚ: “ድሕሪ እታ ሴፍ ድማ ጋይማ [“ለዓታ:” ትርጕም 1990] አተወ።” ድሕርዚ “ቀልቀል ኪወጽእ ጀመረ።” (NW) እዚ ድማ ሓደው በቲ ዚሸኸተሉ ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል: ወይ ዔግሎን ርእሱ ምቍጽጻር ምስ ሰኣነ ዝመለቖ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መሳፍንቲ 3:20-22

ከይተፈልጠ ኣምለጠ

ኤሁድ ነታ ሰይፉ ንኼውጽእ ግዜ ኸየጥፍአ: “ናብቲ ደገ ቤት ወጸ: ብድሕሪኡ ድማ ነቲ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ዐጽዩ ሸጐሮ። ንሱ ምስ ወጸ: እቶም [ናይ ዔግሎን] ገላዉ መጺኦም ረአዩ: እንሆ ኸኣ: መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ተሸጒሩ ነበረ እሞ፤ ርግጽ ኣብ ሕልፍኚ ቤት ሓጋይ ኰይኑ ጕዳዩ ይገብር አሎ: ከኣ በሉ።”—መሳፍንቲ 3:23, 24

እቲ ኤሁድ ዘምለጠሉ “ደገ ቤት” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እቲ “ትኽክል ትርጕም [እዛ ናይ እብራይስጢ ቓል] ኣይፍለጥን እዩ” ድሕሪ ምባል: “‘ዓንድታት:’ ‘ገበላ:’ ዚብላ ግን ኪዀና ይኽእላ እየን” በለ። ኤሁድ ብውሽጢ ነቲ መዓጹ ሸጒሩ ብኻልእ መገዲ ድዩ ኸይዱ፧ ወይስ ካብቲ ዝሞተ ንጉስ መፍትሕ ብምውሳድ እዩ ሸጒርዎ፧ ድሕሪኡ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይገበረ መሲሉ ብመንጎ እቶም ሓለውቲ ድዩ ሓሊፉ ኸይዱ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። ኤሁድ እተጠቕመሉ ሜላ ብዘየገድስ ግን ገላው ዔግሎን እቲ መዓጹ ተሸጒሩ ብምጽናሑ ብኡንብኡ ኣይተጠራጠሩን። እቲ ንጉስ “ጕዳዩ ይገብር” ወይ “ኣብ ዓይኒ ምድሪ ኣትዩ ኣሎ” (ትርጕም 1990) ኢሎም ሓሰቡ።

እቶም ገላው እቲ ንጉስ ብምድንጓዮም: ኤሁድ ኣምለጠ። ድሕሪኡ ደቂ ዓዱ ኣኪቡ “እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን: ጸላእትኹም: ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ: ስዐቡኒ” በሎም። ሽዑ ነቲ ስትራተጂያዊ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ብምቍጽጻር ነቶም መራሒ ዘይብሎም ሞኣባውያን ናብ ዓዶም ዚሃድሙሉ መገዲ በተኽዎ። በዚ ኸምዚ “በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሞኣብ ዓሰርተ ሽሕ ዚአኽሉ ሰብ ቀተሉ: ኵሎም ድልዱላት: ኵሎምውን ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን። ሞኣብ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደ። እታ ሃገር ከኣ ሰማንያ ዓመት ዐረፈት።”—መሳፍንቲ 3:25-30

ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ

እቲ ብግዜ ኤሁድ ዘጋጠመ ነገራት: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፉእ ነገራት እንተ ጌርና ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ይምህረና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ የሆዋ ነቶም ተነሲሖም ናብኡ ዚምለሱ ኸም ዚሕግዞም ክንመሃር ንኽእል።

ውጥን ኤሁድ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለ ብብልሑ ወይ ጸላኢ ኸይተዳለወ ብምጽናሑ ኣይኰነን። ፍጻመ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ሰብኣዊ ረቛሒታት ኣይኰነን ዚምርኰስ። ኤሁድ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለሉ ቐንዲ ምኽንያት: ምስቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ሓራ ንምግባር ዝነበሮ ዘይፈርስ ዕላማ ብምስምማዕ ስለ ዝዓየየ እዩ። ኣምላኽ እዩ ንኤሁድ ኣተንሲእዎ: የሆዋ “መሳፍንቲ ምስ ኣተንስኣሎም [ከኣ]: ብዅሉ ዘበን እቲ መስፍን: እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኰይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።”—መሳፍንቲ 2:18፣ 3:15