ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት

እቶም ‘ብጭከና ኸም ዚዓዩ’ ዚግደዱ ዝነበሩ ህዝቢ ሓራ ኸም ዚወጹ እትገልጽ ናይ ሓቂ ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። (ዘጸኣት 1:13) ብዛዕባ ምቛም ሓደ ህዝቢ ዚገልጽ ዜደንቕ ጸብጻብ እውን ኣለዋ። ዜስደምም ተኣምራት: ብሉጽ ሕግታት: ከምኡውን እቲ ማሕደር እተሰርሓሉ መገዲ ሓደ ኻብቲ ዚምስጥ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ እዩ። ኦሪት ዘጸኣት ብመሰረቱ ነዚ ነገራት እዚ እያ ሒዛ ዘላ።

ዘጸኣት በቲ እብራዊ ነብዪ ሙሴ እተጻሕፈት ኰይና: ነቲ እስራኤላውያን ኣብ 145 ዓመት ዘሕለፍዎ ነገራት እያ እትገልጽ። እዚ ድማ ካብቲ ዮሴፍ ዚሞተሉ 1657 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ እቲ ማሕደር እተዛዘመሉ 1512 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ እዋን እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ጸብጻብ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። ሓደ ኽፋል እቲ ንደቅሰብ እተላእከ ቓል ኣምላኽ: ወይ መልእኽቲ እዩ። ስለዚ ኸኣ “ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብራውያን 4:12) እምበኣር: ኦሪት ዘጸኣት ንዓና ኣገዳሲት እያ።

“ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔ”

(ዘጸኣት 1:1–4:31)

ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ደቂ ያእቆብ ኣዝዮም ስለ ዝሰሰኑ: ባሮት ንኪዀኑ ፈርኦን ትእዛዝ ኣውጽአ። ሕሉፍ ሓሊፉውን ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ሕጻናት ኪቕተሉ ኣወጀ። ሙሴ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ ጓል ፈርኦን ከም ወዳ ገይራ ኸተዕብዮ ስለ ዝወሰነት: ካብ ሞት ኣምለጠ። ኣብ እንዳ ንጉስ እኳ እንተ ዓበየ: ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ ግን ምስ ህዝቡ ወጊኑ ንሓደ ግብጻዊ ቐተለ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:23, 24) በዚ ምኽንያት እዚ ናብ ሚድያን ኪሃድም ተገደደ። ኣብኡ ኸኣ ሓዳር ብምግባር ጓሳ ዀይኑ ይነብር ነበረ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ብእትነድድ ቝጥቋጥ ገይሩ ንሙሴ ናብ ግብጺ ተመሊሱ ንእስራኤላውያን መሪሑ ኻብ ባርነት ሓራ ኼውጽኦም መዘዞ። ኣሮን ሓዉ ድማ ኣፈኛ ክዀኖ ተመዘዘሉ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:1—የትሮ እንታይ ዓይነት ካህን እዩ ነይሩ፧ ብዘመነ ኣበው እቲ ርእሲ ስድራቤት ነታ ስድራቤቱ ኸም ካህን ኰይኑ የገልግል ነበረ። የትሮ ብርግጽ ርእሲ ሓንቲ ነገድ ሚድያናውያን እዩ ነይሩ። ሚድያናውያን ከኣ ኣብርሃም ካብ ቄጡራ ዝወለዶም ብምንባሮም: ብዛዕባ ኣምልኾ የሆዋ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዘፍጥረት 25:1, 2

4:11—የሆዋ ‘ዓባስ: ጸማም: ዕዉር ዚገብር’ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ኣብ እተወሰነ ኣጋጣሚታት ንገለ ሰባት ዕዉርን ዓባስን እኳ እንተ ገበረ: ብዅሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስንክልና ተሓታቲ እዩ ማለት ግን ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 19:11፣ ሉቃስ 1:20-22, 62-64) እዚ ብሰንኪ ዚውረስ ሓጢኣት እዩ ዚመጽእ። (እዮብ 14:4፣ ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነዚ ዅነታት እዚ ኺህሉ ስለ ዘፍቀደ: ዓባስ: ጸማም: ከምኡውን ዕዉር ከም ‘ዚገብር’ ገይሩ ኺዛረብ ይኽእል እዩ።

4:16—ሙሴ ንኣሮን “ኣምላኽ” ዚዀኖ ብኸመይ እዩ፧ ሙሴ ተወካሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ሙሴ ነቲ ተወካሊኡ ዀይኑ ዚዛረብ ዝነበረ ኣሮን ከም “ኣምላኽ” ኰኖ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:7, 14 እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ምስ ተጨቈኑ የሆዋ ንህዝቡ ደገፎም። ነቶም ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ መሰኻኽሩ እውን ከቢድ መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎ ብተመሳሳሊ ይድግፎም እዩ።

1:17-21 የሆዋ ‘ንጽቡቕና’ ይሓስበልና እዩ።—ነህምያ 13:31

3:7-10 የሆዋ ኣውያት ህዝቡ ይሰምዕ እዩ።

3:14 የሆዋ ብዘይ ጥርጥር ዕላማኡ ይፍጽም እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋና ኸም ዚፍጽሞ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። a

4:10, 13 ሙሴ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ከም ዚወሃቦ ምስ ተረጋገጸሉ እውን ከይተረፈ: ኪዛረብ ከም ዘይክእል ብምግላጽን ካልእ ሰብ ናብ ፈርኦን ኪለኣኽ ብምልማንን ኣብ ርእሱ ምትእምማን ከም ዚጐድሎ ኣርኣየ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ንሙሴ ተጠቕመሉ: እተዋህቦ መዝነት ንኺፍጽም ዜኽእሎ ጥበብን ሓይልን ድማ ሃቦ። ንሕናውን ኣብ ጕድለትና ኣብ ክንዲ እነተኵር: ኣብ የሆዋ ተወኪልና ንኽንሰብኽን ንኽንምህርን እተዋህበና መዝነት ብተኣማንነት ንፈጽም።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

ዜስደምም ተኣምራት ሓርነት ኣምጽአ

(ዘጸኣት 5:1–15:21)

ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀረቡ እሞ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸይዶም ንየሆዋ በዓል ንኺገብሩሉ ኺፍቀደሎም ሓተትዎ። እቲ ግብጻዊ ገዛኢ ግን ኣበየ። የሆዋ ብሙሴ ገይሩ በብተራ መዓት ኣውረደሉ። ፈርኦን ድሕሪ እታ ዓስረይቲ መዓት እዩ ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ዝሓደጎም። ይኹን እምበር: ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ንሱን ሰራዊቱን ተቐላጢፎም ሰዓብዎም። የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ መቒሉ ብምሕላፍ ንህዝቡ ኼድሕኖም ከሎ: እቶም ደድሕሪኦም ዚሰዓቡ ግብጻውያን ግን እቲ ባሕሪ ናብ ዝነበሮ ምስ ተመልሰ ሰጢሞም ተረፉ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

6:3—ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ስም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እዞም ኣበዋት እዚኣቶም ስም ኣምላኽ ይጥቀሙሉ ነበሩ: የሆዋ ድማ መብጽዓታት ኣትዩሎም ነበረ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ መብጽዓታት እዚ ዚፍጽም ከም ዝዀነ ኣይፈልጡን ወይ ኣይረኣዩን ነይሮም።—ዘፍጥረት 12:1, 2፣ 15:7, 13-16፣ 26:24፣ 28:10-15

7:1—ሙሴ “ንፈርኦን ኣምላኽ” ዚዀኖ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ንሙሴ ኣብ ልዕሊ ፈርኦን ሓይልን ስልጣንን ሂብዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ: ሙሴ ነቲ ንጉስ ዚፈርሃሉ ምኽንያት ኣይነበሮን።

7:22እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ ናብ ደም ዘይተቐየረ ማይ ካበይ እዮም ረኺቦም፧ እቲ መዓት ቅድሚ ምምጻኡ ኻብ ፈለግ ኒል ብእተቐድሐ ማይ ተጠቒሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኣብ ከባቢ ፈለግ ኒል ዚርከብ ራሕሲ ዘለዎ ቦታ ብምዅዓት እውን ማይ ኪርከብ ይከኣል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘጸኣት 7:24

8:26, 27—ሙሴ እቲ እስራኤላውያን ዚስውእዎ “ርኽሰት: ግብጻውያን” ምዃኑ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ግብጺ ሓያሎ እንስሳታት ይምለኹ ነይሮም እዮም። እምበኣር: ሙሴ ብዛዕባ መስዋእትታት ምጥቃሱ እስራኤላውያን ንየሆዋ ንምስዋእ ሓራ ንኺወጹ ድፍኢት ይውስኸሉ ነበረ: ብዝያዳ ኼእምኖም ዚኽእል ነጥቢ ድማ እዩ።

12:29—እቶም በዅሪ ተባሂሎም እተቘጽሩ ኣየኖት እዮም፧ እቶም በዅሪ ተባሂሎም እተቘጽሩ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዮም ነይሮም። (ዘሁልቍ 3:40-51) ፈርኦን ንገዛእ ርእሱ በዅሪ እኳ እንተ ነበረ: ኣይተቐትለን። ናይ ገዛእ ርእሱ ስድራቤት ነይርዎ እዩ። ኣብታ ዓስረይቲ መዓት ካብ ስድራቤት እቲ በዅሪ ወዲ ደኣ እምበር: እቲ ርእሲ ስድራቤት ኣይኰነን ሞይቱ።

12:40—እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ግብጺ ንኽንደይ ዚኣክል እዋን እዮም ጸኒሖም፧ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ 430 ዓመት ነቲ ደቂ እስራኤል ኣብ “ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን” ዘሕለፍዎ ግዜ እዩ ዜመልክት። (ኣብ እግረ ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ መወከሲኡ ርአ።) ኣብርሃም ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ከነኣን ኣብ እተጓዕዘሉ እዋን ንፈለግ ኤፍራጥስ ኪሰግር ከሎ: ወዲ 75 ዓመት እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 12:4) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ወዲ 130 ዓመት ያእቆብ ናብ ግብጺ ኽሳዕ ዝኣተወላ እዋን 215 ዓመት እዩ ሓሊፉ። (ዘፍጥረት 21:5፣ 25:26፣ 47:9) እምበኣር: እስራኤላውያን ማዕረ እዚ ግዜ እዚ: ማለት 215 ዓመት እዮም ኣብ ግብጺ ጸኒሖም።

15:8—ማያት ቀይሕ ባሕሪ “ረግኡ” ኺበሃል ከሎ: በረድ ኰይኑ ማለት ድዩ፧ እታ “ረግኡ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ተኣከበ ወይ ሓፈሰ ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ኣብ እዮብ 10:10 ንምርጋእ ጸባ ብዚምልከት እዛ ቓል እዚኣ ተጠቒሳ ኣላ። ስለዚ: እቲ ማይ ረጊኡ ኽበሃል ከሎ ናይ ግድን በረድ ኰይኑ ዚብል ትርጕም ኣይኰነን ዘለዎ። እቲ ኣብ ዘጸኣት 14:21 ተጠቒሱ ዘሎ “ብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ” ነቲ ማያት ናብ በረድ ንምቕያር ሓይሊ ዝነበሮ እንተደኣ ዀይኑ: ብዘይ ጥርጥር ነቲ ኽቱር ቍሪ ብዚምልከት እተወሰነ ነገር ምተጠቕሰ ነይሩ። ነቲ ማያት ብዓይኒ ዚርአ ነገር ስለ ዘይሓዞ: ዝረግአ: ዝተረረ: ወይ ዝሓፈሰ እዩ ዚመስል ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

7:1412:30 እቲ ዓሰርተ መዓት በጋጣሚ ዝመጸ ኣይነበረን። ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ እዩ ነይሩ: ከምቲ እተባህለ ኸኣ ኰነ። እዚ መዓት እዚ ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ ማያት: ናይ ጸሓይ ብርሃን: ሓሸራታት: እንስሳታት: ከምኡውን ኣብ ሰባት ዘለዎ ሓይሊ እዩ ኣጸቢቑ ዜርኢ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣምላኽ ንኣምለኽቱ እናኣዕቈበ: ንጸላእቱ ግን ፈልዩ መዓት ኬውርደሎም ከም ዚኽእል እዩ ዚሕብር።

11:2 12:36 የሆዋ ንህዝቡ ይባርኾም እዩ። እስራኤላውያን ነቲ ኣብ ግብጺ ዝሸቀልዎ ሸቕሊ ዓስቦም ከም ዚኽፈሉ እዩ ዚገብር ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ናብታ ሃገር እቲኣ ኺኣትዉ ኸለዉ ኻብ ውግእ ተማሪኾም ዝመጹ ባሮት ኣይኰኑን ነይሮም: የግዳስ ሓራ ሰባት እዮም ነይሮም።

14:30 የሆዋ ንኣምለኽቱ ኻብቲ ዚመጽእ ዘሎ ዓብዪ “መከራ” ወይ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዜድሕኖም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 24:20-22፣ ራእይ 7:9, 14

የሆዋ ቲኦክራሲያዊ ህዝቢ ኣቘመ

(ዘጸኣት 15:22–40:38)

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ: ኣብ እግሪ ከረን ሲና ሰፈሩ። ኣብኡ ኸኣ እተን ዓሰርተ ትእዛዛትን ካልእ ሕግታትን ተዋህቦም: ምስ የሆዋ ኺዳን ተኣታተዉ: ቲኦክራሲያዊ ህዝቢ ማለት ብየሆዋ ዚመሓደሩ ህዝቢ ድማ ኰኑ። ሙሴ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐስ ቤተ መቕደስ ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ማሕደር የሆዋ ዚስርሓሉ መገድን ብዚምልከት መምርሒ ንኪቕበል ኣብቲ ኸረን እቲ 40 መዓልቲ ጸንሐ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን እስራኤላውያን ወርቂ ምራኽ ሰሪሖም ኬምልኽዎ ጀመሩ። ሙሴ ኻብቲ ኸረን ኪወርድ ከሎ ነዚ ምስ ረኣየ: ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኽልተ ጽላት እምኒ ሰበሮ። እቶም ኣበሰኛታት ዚግብኦም መቕጻዕቲ ምስ ተቐበሉ: ከም ብሓድሽ ናብቲ ኸረን ደየበ: ካልእ ጽላት እምኒ እውን ተቐበለ። ሙሴ ምስ ተመልሰ: እቲ ማሕደር ኪስራሕ ተጀመረ። እስራኤላውያን ናይ መጀመርታ ዓመት ሓርነቶም ኣብ ዚዛዘሙላ እዋን: እቲ ዜደንቕ ማሕደርን ኵሉ እቲ ኣቓሑኡን ተዛዚሙ ተተኽለ። ድሕሪኡ የሆዋ ነቲ ማሕደር ብኽብሩ መልኦ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

20:5—የሆዋ “ሓጢኣት ኣቦታት” ንመጻኢ ወለዶ ዚቐጽዕ ብኸመይ እዩ፧ ነፍሲ ወከፍ ወልቀ-ሰብ ተሓታቲ ኪዀነሉ ኣብ ዚኽእል ደረጃ ምስ በጽሐ: በካይዳኡን በረኣእያኡን እዩ ዚፍረድ። ህዝቢ እስራኤል ንጣኦት ምስ ኣምለኹ ግን እቲ ብድሕሪኦም ዚመጸ ወለዶ እውን ናይዚ ሳዕቤን ዓጺዱ እዩ። እቶም እሙናት እስራኤላውያን እኳ ኸይተረፉ እቲ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ሕጊ ብምጥሓሱ: ንጽህናኦም ሓልዮም ንኺመላለሱ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ሳዕቤኑ ጸልይዎም እዩ።

23:19 34:26—ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ንኸይበስል እተዋህበ ትእዛዝ እንታይ ኣገዳስነት ነይርዎ፧ ንማሕስእ (ወይ ካልእ ውላድ እንስሳ) ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል: ዝናም ንምምጻእ ተባሂሉ ዚግበር ዝነበረ ኣረማዊ ልምዲ እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እዚውን ጸባ ኣደ ነቲ ውላዳ ንምምጋብ ተባሂሉ ስለ ዚዳሎ: ብእኡ ጌርካ ነቲ ዘርኣ ምብሳሉ ጭከና እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ደንገጽቲ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ሓበሮም።

23:20-23—እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ መልኣኽ መን እዩ: ስም የሆዋ “ኣብኡ” ዚነበረኸ ብኸመይ እዩ፧ እዚ መልኣኽ እዚ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ዚመርሖም ንሱ እዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 10:1-4) ስም የሆዋ “ኣብኡ” ኣሎ ኺበሃል ከሎ ኸኣ የሱስ ንስም ኣቦኡ ብምድጋፍን ብምቕዳስን ዝመጸ ቐንዲ ምዃኑ እዩ ዜመልክት።

32:1-8, 25-35—ኣሮን ወርቂ ምራኽ ብምስራሑ ዘይተቐጽዐ ስለምንታይ እዩ፧ ኣሮን ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ብምሉእ ልቡ ኣይተሰማምዓሉን። ጸኒሑ ምስቶም ብጾቱ ሌዋውያን ሓቢሩ ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ቈይሙ ኸምኡውን ነቶም ንሙሴ እተቓወምዎ ዘበሉ ተጻሪርዎም ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ገበነኛታት ምስ ተቐትሉ: ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ዓብዪ ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ነጊርዎም እዩ። እዚ ድማ ኣሮን ጥራይ ዘይኰነስ ካልኦት እውን ምሕረት የሆዋ ኸም ዚረኸቡ እዩ ዜርኢ።

33:11, 20—ኣምላኽ ንሙሴ “ገጽ ንገጽ” እተዛረቦ ብኸመይ እዩ፧ እዛ መግለጺት እዚኣ ንናይ ማሕርሮ ኽልተኣዊ ዝርርብ እያ እተመልክት። ሙሴ ምስቲ ንኣምላኽ ወኪሉ ዝመጸ ተዘራረበ: ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ካብ የሆዋ ብቓል መምርሒ ተቐበለ። ይኹን እምበር: ‘ሰብ ንኣምላኽ ርእዩ ብህይወት ኪነብር ስለ ዘይክእል:’ ሙሴ ንየሆዋ ኣይረኣዮን። አረ የሆዋ እውን ንሙሴ ብኣካል ቀሪቡ ኣይተዛረቦን። ገላትያ 3:19 እቲ ሕጊ “ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ” እያ እትብል።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

15:25 16:12 የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም የማልኣሎም።

18:21 እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ኪወሃቦም ዚምዘዙ ዘበሉ ሰብኡት: ከኣልቲ: ንኣምላኽ ዚፈርሁ: እሙናት: ከምኡውን ዘይስሱዓት ኪዀኑ ኣለዎም።

20:123:33 የሆዋ ዝለዓለ ሓጋግ ሕጊ እዩ። እስራኤላውያን ንሕግታቱ ኺሕልዉ ኸለዉ: ብስርዓትን ብሓጐስን ኼገልግልዎ የኽእሎም ነበረ። የሆዋ ኣብዚ ግዜና ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ኣላቶ። ምስኣ ምትሕብባር ድማ ናብ ሓጐስን ደሓንን ይመርሓና።

ንዓና ዘለዎ ናይ ሓቂ ትርጕም

መጽሓፍ ዘጸኣት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እያ እትገልጽ፧ ዜድሊ ዘበለ ዜማላእ ፈቃር ኣምላኽ: ሓራ ብምውጻእ ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ: ከምኡውን ዕላማታቱ ዚፍጽም ከም ዝዀነ ገይራ እያ እትገልጾ። ብዘይካዚውን ንሱ ናይታ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ኣምላኽ እዩ።

ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ሰሙናዊ ንባብ ከተንብብ ከለኻ: ካብ ዘጸኣት እትመሃሮ ነገራት ልብኻ ኸም ዚትንክፈካ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ኣብ ትሕቲ “ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳባት ምስ እትምርምሮ: ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕስታት ዝያዳ ምስትውዓል ኪህልወካ እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ “ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳባት ከኣ ካብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ኪሕብረካ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ትሑት ዝነበረ ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት መሪሑ ንኼውጽኦም መዘዞ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እተን ዓሰርተ መዓት ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ ማያት: ናይ ጸሓይ ብርሃን: ሓሸራታት: እንስሳታት: ከምኡውን ኣብ ሰባት ዘለዎ ሓይሊ እዩ ኣጸቢቑ ዜርኢ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ቲኦክራሲያዊ ህዝቢ ንኪዀኑ ኣመሓደሮም