ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውዕል ሰላም ዌስትፌልያ መቐይሮ ኣብ ኣውሮጳ

ውዕል ሰላም ዌስትፌልያ መቐይሮ ኣብ ኣውሮጳ

ውዕል ሰላም ዌስትፌልያ መቐይሮ ኣብ ኣውሮጳ

ኣብ ጥቅምቲ 1998 ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ነበር ሮማን ሄርዞግ “ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኸምዚ ሎሚ ተኣኪቦምሉ ዘለዉ ብሓንሳእ ኣይእከቡን እዮም” በለ። ነዚ ዘረባ እዚ ኺዛረብ ከሎ: ካብቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ኣርባዕተ ነገስታት: ኣርባዕተ እተጌታት: ክልተ መሳፍንቲ: ሓደ ጕልተኛ: ከምኡውን እተወሰኑ ፕረዚደንትታት ይርከብዎም። እዚ ብዋዕላ ኣውሮጳ እተዳለወ ኣኼባ: ኣብቲ ናይ 50 ዓመት ታሪኽ ዘመናዊት መንግስቲ ጀርመን ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ እዮም ተኣኪቦም፧

ኣብ ጥቅምቲ 1998 መበል 350 ዓመት ውዕል ሰላም ዌስትፌልያ እዩ ዚኽበር ነይሩ። ውዕላት ሰላም ኣብ ታሪኽ ኣገዳሲ ለውጢ ዚግበረሉ እዋን መቐይሮ እዩ: ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ውዕል ዌስትፌልያ ሓለፍ ዝበለ እዩ ነይሩ። እዚ ውዕል እዚ ብ1648 ምስ ተፈረመ: እቲ ንሰላሳ ዓመት እተኻየደ ውግእ ኣብቅዐ: እታ ሉዓላውያን ሃገራት ዘለውኣ ዘመናዊት ክፍለ-ዓለም ኣውሮጳ ድማ ተወልደት።

ጥንቲ ዝነበረ ስርዓት ተናወጸ

ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ኣውሮጳ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ቅዱስ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮማን እየን ልዕሊ ዅሉ ዝሓየላ ነይረን። እታ ሃጸያዊት ግዝኣት በማእታት ዝቝጸር ጕልትታት እተጠቓልል ኰይና: ነተን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዋ ብኣውስትርያ: ቸክ ሪፓብሊክ: ምብራቓዊ ፈረንሳ: ጀርመን: ስዊዘርላንድ: በልጅዩም: ላክሰምበርግ: ነዘርላንድስ: ከምኡውን እተወሰነ ኽፋል ኢጣልያ ዝሓቘፈት እያ ነይራ። ጀርመን እቲ ዝበዝሐ ጕልትታት ዝሓዘት ስለ ዝነበረት: እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት “ናይ ጀርመን ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ኵለን እተን ጕልትታት በቶም ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያቶም ንምውሳን ስልጣን ዝነበሮም መሳፍንቲ ይመሓደራ ነበራ። እቲ ሃጸይ ንባዕሉ ናይ ሮማ ካቶሊክ ሰዓቢ ኪኸውን ከሎ: ካብ እንዳ ሃፕስበርግ ዚበሃሉ ኣውስትራውያን እተወልደ እዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ጳጳስን እቲ ሃጸይን ዝለዓለ ስልጣን ስለ ዝነበሮም: ኣውሮጳ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናይ ሮማ ካቶሊክ እያ ነይራ።

ኣብ መበል 16ን 17ን ዘመን ግን እዚ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ስርዓት ተናወጸ። ኣብ ብምሉኡ ኣውሮጳ በቲ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ዝነበረት ቀይዲ በተኽ ተግባር ቅር ዚብሎም እናበዝሑ ኸዱ። ከም እኒ ማርቲን ሉተርን ጆን ካልቪንን ዝኣመሰሉ ተሓድሶ ዜምጽኡ ሰባት ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ኪምለሱ ኸም ዚግባእ ሞገቱ። ሉተርን ካልቪንን ብዙሕ ደገፍ ረኸቡ: እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኸኣ ተሓድሶን ሃይማኖታት ፕሮተስታንትን ኣስዓበ። እቲ ተሓድሶ ነታ ሃጸያዊት ግዝኣት: ሰዓብቲ ካቶሊክ: ሰዓብቲ ሉተር: ከምኡውን ሰዓብቲ ካልቪን ብምባል ኣብ ሰለስተ ከፋፈላ።

ካቶሊክ ንፕሮተስታንት ብዓይኒ ጥርጣረ ኺርእይዎም ከለዉ: ፕሮተስታንትን ከኣ ነቶም መነሓንሕቶም ዚዀኑ ካቶሊክ ይንዕቅዎም ነበሩ። እዚ ሃዋሁ እዚ ኣብ መጀመርታ 17 ዘመን ሕብረት ፕሮተስታንትን ማሕበር ካቶሊክን ናብ ምቛም መርሐ። ገሊኣቶም መሳፍንቲ ኽፋል እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣብቲ ሕብረት ፕሮተስታንት ኪኣትዉ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ኣብቲ ማሕበር ካቶሊክ ኣተዉ። ኣውሮጳ ብሓፈሻ: ምናዳ ኸኣ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት: ብንእሽቶ ነገር ናብ ግጭት እተምርሕ ተኣፋፊት ኰይና ነበረት። ኣብ መወዳእታ ነቲ ግጭት እተባርዕ ነገር ምስ ተረኽበት: ን30 ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ጀመረ።

ብንእሽቶ ነገር ኣብ ኣውሮጳ ውግእ ተባርዐ

ፕሮተስታንት ገዛእቲ ነቶም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝነበሩ ስድራቤት ሃፕስበርግ ዝያዳ ኣምልኾ ሓርነት ኬፍቅዱ ጽልዋ ኺገብሩሎም ፈተኑ። እንተዀነ ግን: እቲ ሕድገታት ከይፈተኻ እዩ ዚግበር ነይሩ: ብ1617-18 ከኣ ኣብ ቦሂምያ (ሪፓብሊክ ቸክ) ዚርከባ ኽልተ ኣብያተ-ክርስትያን ሉተራውያን ብሓይሊ ተዓጽዋ። እዚ ነቶም ፕሮተስታንት መኳንንቲ ስለ ዘቘጥዖም: ናብቲ ኣብ ፕራግ ዚርከብ ቤተ-መንግስቲ ብምኻድ ነቶም ሰለስተ ሰበ-ስልጣን ካቶሊክ ሒዞም ካብ ደርቢ ብመስኮት ደርበይዎም። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ኣውሮጳ ውግእ ኣባርዐ።

እቶም ኣባላት ተጻባእቲ ሃይማኖታት ነቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንስዕብ ኢና ዚብሉ እኳ እንተ ነበሩ: ድሕርዚ ግን ንሓድሕዶም ኪዋግኡ ጀመሩ። (ኢሳይያስ 9:6) ኲናት ጻዕዳ ኸረን ተባሂሉ ኣብ እተጸውዐ ውግእ: እቶም ማሕበር ካቶሊክ ንሕብረት ፕሮተስታንት ከቢድ ስዕረት ኣውረድሎም: እቲ ሕብረት ከኣ ተበታተነ። ልዑላን ፕሮተስታንት ኣብ ዕዳጋ ፕራግ ተቐትሉ። ኣብ ምሉእ ቦሂምያ ንብረት እቶም እምነቶም ምኽሓድ ዝኣበዩ ፕሮተስታንት ተገቢቱ ንካቶሊካውያን ተኸፋፈለ። እታ 1648—ክሪክ ኡንት ፍሪደን ኢን ኦይሮፓ (1648—ውግእን ሰላምን ኣብ ኣውሮጳ) ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ሽዑ እተፈጸመ ምግባት ንብረት: “ሓደ ኻብቲ ኣብ ማእከላይ ኣውሮጳ እተፈጸመ ዝዓበየ ምልዋጥ ዋንነት” ኢላቶ ኣላ።

ኣብ ቦሂምያ ሃይማኖታዊ ግጭት ኰይኑ ዝጀመረ ነገር ስልጣን ንምሓዝ ናብ ዚግበር ኣህጉራዊ ግጭት ተቐየረ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 30 ዓመት ደንማርክ: ፈረንሳ: ነዘርላንድስ: ስጳኛ: ከምኡውን ሽወደን ናብቲ ውግእ ኣተዋ። መብዛሕትኡ ግዜ ብስስዐን ብህርፋን ስልጣንን ዚንቀሳቐሱ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዚዀኑ ገዛእቲ: በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ፖለቲካዊ ጸብለልትነትን ንግዳዊ ረብሓን ኪረኽቡ ጸዓሩ። እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ በቲ ቐንዲ ተጻባእቲ እቲ ሃጸይ ኣብ እተሰየመ እተፈላለየ ደረጃታት እተኸፋፈለ እዩ። እተፈላለየ መወከሲ ጽሑፋት ኣርባዕተ ደረጃታት እዩ ዚጠቅስ። እዚ ኸኣ ውግእ ቦሂምያን ፓላታይን: ውግእ ታሕተዋይ ደንማርክን ሳክሶኒን: ውግእ ሽወደን: ውግእ ፈረንሳን ሽወደንን እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ዂናት ኣብ ውሽጢ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት እዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣጽዋር ሽጉጥ: ማስኬት ዝበሃል ናይ ቀደም ዓይነት ብረት: ሞርታር: ከምኡውን መድፍዕ ዘጠቓለለ ዀይኑ: ዚበዝሕ እዚ ኣጽዋር ካብ ሽወደን ይመጽእ ነበረ። በዚ ኸምዚ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኣብ ዘይወጹሉ ውግእ ኣተዉ። ወተሃደራት: “ሳንታ ማሪያ” ወይ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ኢሎም እናጨርሑ ናብ ዓውዲ ዂናት ይኸዱ ነበሩ። ብጕልትታት ጀርመን ኪሓልፉ ኸለዉ ኸኣ ንተጻረርቶምን ሰላማውያን ሰባትን ልክዕ ከም እንስሳታት የጋፍዕዎም: ይዘምትዎም: ከምኡውን ይዘርፉዎም ነበሩ። እቲ ውግእ ባርባራዊ እናዀነ ኸደ። እዝስ ምስቲ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ” ዚብል ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ዚጻረር ኰን እዩ!—ሚክያስ 4:3

ሓደ ወለዶ ጀርመን ብጀካ ውግእ: ሰላም ዚበሃል ከይረኣየ ዓበየ: እቶም በቲ ውግእ ላሕ ዝበሉ ነበርቲ ኸኣ ንሰላም ናፈቕዋ። እቶም ገዛእቲ ፖለቲካዊ ምግርጫው እንተ ዘይህልዎም ነይሩ ሰላም ምምጻእ ምተኻእለ። እቲ ውግእ ሃይማኖታዊ ባህሪኡ እናኣጥፍአ ብዝያዳ ዓለማዊ እናዀነ ምስ ከደ: ፖለቲካ ቐንዲ ጕዳይ ኰነ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ላዕለዋይ ስልጣን ዝነበሮ ሰብኣይ እዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ዘምጽአ።

ካርዲናል ሪሸሉ ንስልጣኑ ተጠቕመሉ

ኣርማንድ-ዣን ዱ ፕለሲስ: ካርዲናል ደ ሪሸሉ ዚብል ወግዓዊ መዓርግ እዩ ነይርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ 1624 ክሳዕ 1642 ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ እዩ ነይሩ። ሪሸሉ ንፈረንሳ ኣብ ኣውሮጳ ዝሓየለት ሃገር ኪገብራ ሸቶ ኣውጽአ። ነዚ ንምፍጻም: ነቲ እቶም ከምኡ ካቶሊክ ዝነበሩ ስድራቤት ሃፕስበርግ ዝነበሮም ስልጣን ኬዳኽሞ ፈተነ። ነዚ ብኸመይ እዩ ዝገበሮ፧ ነቶም ኣብ ጕልትታት ጀርመን: ደንማርክ: ነዘርላንድስ: ከምኡውን ሽወደን ዝነበሩ ምስ ስድራቤት ሃፕስበርግ ዚቃለሱ ዝነበሩ ሰራዊት ፕሮተስታንት ብገንዘብ ብምድጋፍ እዩ ገይርዎ።

ብ1635 ሪሸሉ ንሰራዊት ፈረንሳ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ውግእ ሰደዶም። እታ ቪቨት ፓክስ—ኢስ ሌበ ፍሪደ! (ሰላም ንዘለኣለም ትንበር!) ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ “እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ ኣብ መንጎ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ዚግበር ውግእ ምዃን ኣቋረጸ። . . . ኣብ ኣውሮጳ ፖለቲካዊ ጸብለልትነት ንምርካብ ዚግበር ውግእ ድማ ኰነ” በለት። እቲ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዝጀመረ ሃይማኖታዊ ውግእ: ኣብ መወዳእታኡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ጐድኒ ፕሮተስታንት ኰይኖም ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዚዋግኡሉ እዩ ዀይኑ። እቲ ኣብ መጀመርታ 1630ታት ተዳኺሙ ዝነበረ ማሕበር ካቶሊክ: ኣብ 1635 ተበታተነ።

ኣብ ዌስትፌልያ እተገብረ ዘተ ሰላም

ኣውሮጳ ብዘረፋ: ብቕትለት: ብምግሳስ: ከምኡውን ብእተፈላለየ ሕማም ዓንያ እያ ነይራ። በብቝሩብ እዚ ውግእ እዚ ዋላ ሓደ ኺዕወተሉ ዘይክእል ምዃኑ ስለ እተረድኦም ንሰላም ዝነበሮም ሃረርታ እናወሰኸ ኸደ። እታ ቪቨት ፓክስ—ኢስ ሌበኽ ፍሪደ! ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣብ መወዳእታ 1630ታት እቶም መሳፍንቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ሸቶኦም ኪበጽሕዎ ኸም ዘይክእሉ ኣስተውዓሉ” በለት። እንተዀነ ግን: ኵሉ ሰብ ንሰላም ዚደልያ እንተ ነይሩ: ብኸመይ እያ ኽትርከብ እትኽእል፧

ብምሉኦም እቶም ኣብቲ ውግእ ዚሳተፉ ተኣኪቦም ብዛዕባ ሰላም ዚዘራረቡሉ ዘተ ንኺግበር እቲ ሃጸይ ቅዱስ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮማ ዝነበረ ፈርዲናንድ ሳልሳይ: ንጉስ ፈረንሳ ዝነበረ ሉዊስ መበል ዓሰርተው ሰለስተ: ከምኡውን እታ ናይ ሽወደን ንግስቲ ክሪስቲና ተሰማምዑ። ነዚ ዘተ እዚ ኽልተ ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ኣውራጃ ዌስትፌልያ ዚርከባ ኦዝናብሩክን ሙንስተር ዚበሃላ ኸተማታት ተመርጻ። እዚኣተን ካብ ርእሲ ኸተማታት ሽወደንን ፈረንሳን ኣብ ማእከላይ ርሕቐት ይርከባ ብምንባረን እየን ተመሪጸን። ካብ 1643 ኣትሒዞም 150 ዝዀኑ ገሊኣቶም ብዙሓት ኣማኸርቲ ዚርከብዎም ተወከልቲ ናብዘን ክልተ ኸተማታት ወረዱ: እቶም ልኡኻት ካቶሊክ ኣብ ሙንስተር ኪእከቡ ኸለዉ: እቶም ተወከልቲ ፕሮተስታንት ከኣ ኣብ ኦዝናብሩክ ነበሩ።

ፈለማ: መዓርግን ደረጃን እቶም ልኡኻት: ኣቀማምጣኦም: ከምኡውን ኣገባብ እቲ ዘተ ንምምስራት ሓደ ስርዓት ወጸ። ድሕሪኡ እቲ ዘተ ሰላም ተጀመረ: እቶም ሓደ ተወከልቲ ነቶም ካልኦት ብማእከላይ ኰይኖም ዜገልግሉ ሰባት ገይሮም እማመ ኬቕርቡሎም ጀመሩ። እቲ ውግእ እናቐጸለ ንሓሙሽተ ዓመት ዚኸውን ዘተ ምስ ተገብረ: ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውዕል ሰላም ተሰማምዑሉ። ውዕል ዌስትፌልያ ኣብ ሓደ ሰነድ እተጠቓለለ ኣይኰነን። ሓደ ስምምዕ ኣብ መንጎ ሃጸይ ፈርዲናንድ ሳልሳይን ሽወደንን ኪፍረም ከሎ: ካልኣይ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ሃጸይን ፈረንሳን ተፈረመ።

እቲ ውዕል ከም እተፈረመ ወረኡ ምስ ተዘርግሐ: ብዙሓት ሓጐሶም ኪገልጹ ጀመሩ። ኣብ እተፈላለየ ኸተማታት ናብ ላዕሊ እተተኰሰ ርችት ወይ ገምበል ንሰማይ ድምቀት ሃቦ። ደወላት ኣብያተ-ክርስትያን ተደወለ: መዳፍዕ ንሰላም ብዚምልከት ተተኰሰ: ሰባት ድማ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ደረፉ። ድሕርዚ ኣውሮጳ ነባሪ ሰላም ክትረክብ ትጽቢት ክትገብር ነይርዋ ድዩ፧

ነባሪ ሰላም ኪርከብ ዚከኣል ድዩ፧

ውዕል ዌስትፌልያ ሉዓላውነት ሃገራት ኪኽበር ከም ዘለዎ እዩ ኣፍልጦ ሂቡ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ነቲ ውዕል እተሰማምዓሉ ነፍሲ ወከፍ ወገን ነቲ ኻልኦት ወገናት ኣብ ግዝኣተን ዝደለያኦ ናይ ምግባር መሰላት የኽብሮን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያተን ጣልቃ ኣይኣቱን ማለት እዩ። ሉዓላውነት ዘለወን ሃገራት ዝሓዘት ዘመናዊት ክፍለ-ዓለም ኣውሮጳ ኸኣ ተወልደት። ገለ ኻብተን መንግስትታት እቲኣተን: ካብተን ካልኦት ብዝያዳ በቲ ውዕል ተጠቒመን እየን።

ፈረንሳ ኻብ ካልኦት ዝሓየለት ሃገር ኰነት: ነዘርላንድስን ስዊዘርላንድን ከኣ ነፍሲ ወከፈን ናጽነተን ረኸባ። እተን መብዛሕትአን በቲ ውግእ ዝዓነዋ ጕልትታት ጀርመን ግን በቲ ውዕል ተጐዲአን እየን። እቲ ናይ መወዳእታ ዅነታት ጀርመን ብእተወሰነ ደረጃ ብኻልኦት ሃገራት እዩ ተወሲኑ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “እቶም መሳፍንቲ ጀርመን ዚረኸብዎ ረብሓ ዀነ ጕድኣት በቲ ነተን ሓያላት ዝነበራ ፈረንሳን ሽወደንን ኣውስትርያን ዚጥዕመን ኵነታት እዩ ዚውሰን ነይሩ” በለት። እተን ጕልትታት ጀርመን ተቐራሪበን ኣብ ሓደ ኣብ ክንዲ ዚሰምራ: ከም ቀደመን ተመቓቐላ። ኣብ ርእሲ እዚውን ከም እኒ ፈለግ ራይን: ፈለግ ኤልበ: ከምኡውን ፈለግ ኦደር ዚበሃል ዓበይቲ ኣፍላግ ጀርመን ዚርከቦ ኸባቢ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ተዋህበ።

ካቶሊካውያን: ሉተራውያን: ከምኡውን ካልቪናውያን ማዕረ ተፈላጥነት ረኸቡ። እዚ ንዅላቶም ኣይኰነን ኣሐጒሱ። ጳጳስ ኢኖሰንት ዓስራይ ነቲ ውዕል ፍሩስን ከንቱን ኢሉ ብምእዋጅ ኣበርቲዑ እዩ ተጻሪርዎ። ይኹን እምበር: እቲ ሽዑ እተሓንጸጸ ሃይማኖታዊ ዶባት ከይተተንከፈ ንሰለስተ ዘመን ጸንሐ። ንውልቀ-ሰባት ሃይማኖታዊ ሓርነት እኳ እንተ ዘይተዋህቦም: ናብቲ ደረጃ እቲ ንምብጻሕ ግን ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ተሰጒሙ ኺበሃል ይከኣል እዩ።

እቲ ውዕል ነቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ መወዳእታ ገበረሉ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ መብዛሕትኡ ግጭት ኣብቅዐ። እዚ ኣብ ኣውሮጳ እተገብረ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ውግእ እዩ ነይሩ። ውግእ እኳ እንተ ዘየቋረጸ: እቲ ቐንዲ ጠንቁ ግን ካብ ሃይማኖት ናብ ፖለቲካ ወይ ናብ ንግዲ ተቐየረ። ኰይኑ ግን: ሃይማኖት ኣብ ግጭታት ኣውሮጳ ዘለዎ ጽልዋ ኣጥፊኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ወተሃደራት ጀርመን ኣብ ቍልፎም “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዚብል ጽሕፈት ዘለዋ ቀለቤት ነበረቶም። ኣብዚ ዜስካሕክሕ ውግኣት እዚ እውን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ብሓደ ወገን ኰይኖም ምስቶም በንጻሮም ዚርከቡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ተዋጊኦም እዮም።

እምበኣር: ውዕል ዌስትፌልያ ነባሪ ሰላም ከም ዘየምጽአ ንጹር እዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር እዋን እዙዛት ደቅሰብ ነባሪ ሰላም ኪረኽቡ እዮም። የሆዋ ኣምላኽ በታ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝንጕሳ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ንደቅሰብ ዘለኣለማዊ ሰላም ኬምጽኣሎም እዩ። ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ እቲኣ እትህሉ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እትኸፋፍል ዘይኰነትስ ሓድነት እተምጽእ እያ ኽትከውን። ዋላ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሃይማኖት ኰነ ብኻልእ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ናብ ውግእ ኣይኪኸይድን እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንብምልእታ ምድሪ ምስ ተቘጻጸረታን ‘ሰላም መወዳእታ ዘይብላ’ ምስ ኰነትን ኣየ ኸመይ ዝበለ ራህዋ ዀን እዩ ኪኸውን!—ኢሳይያስ 9:6, 7

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዝጀመረ ውግእ: ኣብ መወዳእታኡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ጐድኒ ፕሮተስታንት ኰይኖም ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዚዋግኡሉ እዩ ዀይኑ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ወተሃደራት: “ሳንታ ማሪያ” ወይ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ኢሎም እናጨርሑ ናብ ዓውዲ ዂናት ይኸዱ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ካርዲናል ሪሸሉ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መበል ዓሰርተው ሽዱሽተ ዘመን እተሳእለ ኣብ መንጎ ሉተርን ካልቪንን እቲ ጳጳስን እተገብረ ቓልሲ ዜርኢ ስእሊ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book Spamers Illustrierte Weltgeschichte VI

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Religious leaders struggling: From the book Wider die Pfaffenherrschaft; map: The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck