ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድራር ጐይታ ብኸመይ እዩ ዚበዓል፧

ድራር ጐይታ ብኸመይ እዩ ዚበዓል፧

ድራር ጐይታ ብኸመይ እዩ ዚበዓል፧

እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣበዓዕላ ድራር ጐይታ ኼብርህ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ: ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ: ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዐለ: ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ: ውሰዱ: ብልዑ: እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ: እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ: በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዐለ እሞ: እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ: በለ። ማለት: እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን: ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።”—1 ቈረንቶስ 11:23-26

ከምቲ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ: የሱስ ንድራር ጐይታ “በታ እተታሕዘላ ለይቲ:” ማለት በታ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ነቶም ንሮማውያን ንኺሰቕልዎ ጸቕጢ ዘውረዱሎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣሕሊፉ ዝሃበሉ ለይቲ እዩ ኣቚምዋ። ሓሙስ ምሸት 31 መጋቢት 33 ከ.ኣ.ዘ. እዩ እዚ ድራር እዚ እተደሩ። ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ 1 ሚያዝያ ኸኣ የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ሞተ። ኣይሁድ ካብ ምሸት ሓንቲ መዓልቲ ናብ ምሸት እታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ስለ ዚቘጽሩ: ድራር ጐይታን ሞት የሱስ ክርስቶስን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ማለት ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ተፈጺሙ።

ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ነዚ ወትሩ ንመዘከርታኡ ኺገብርዎ ነበሮም። ብመሰረት ሓደ ኻልእ ትርጕም: የሱስ “እዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” እዩ ዝበለ። (1 ቈረንቶስ 11:24 ዘ ጀሩሳሌም ባይብል) በዚ ምኽንያት እዚ: ድራር ጐይታ: በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ምግባር ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

ናይዚ መልሲ ንምርካብ ሞት የሱስ ዘለዎ ትርጕም ክርድኣና ኣለዎ። የሱስ ብቐዳምነት ንሉዓላውነት የሆዋ ብምድጋፉ እዩ ሞይቱ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ደቅሰብ ብስስዐ ተደሪኾም ጥራይ እዮም ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ኢሉ ዝኸሰሰ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋገጸ። (እዮብ 2:1-5፣ ምሳሌ 27:11) የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብሙማቱ እውን: ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኣሕሊፉ እዩ።’ (ማቴዎስ 20:28) ኣዳም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪሓጥእ ከሎ: ፍጹም ሰብኣዊ ህይወትን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዕድሉን ኣጥፍአ። እንተዀነ ግን: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም [ማለት ንደቅሰብ] ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) እወ: “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”—ሮሜ 6:23

ሞት የሱስ ክርስቶስ ምስተን ክልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ እተተሓሓዘ እዩ። እዚኣተን ከኣ እታ የሆዋ ንደቅሰብ ወዱ ብምሃብ ዘርኣያ ዓባይ ፍቕርን እታ የሱስ ሰብኣዊ ህይወቱ ብፍታው ኣሕሊፉ ብምሃብ ንደቅሰብ ዘርኣያ ጥቕሚ ርእስኻ ኸም እትስውእ እትገብር ፍቕርን እየን። በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ነዘን ክልተ መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዜጕልሕ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንዓና ተባሂላ እተራእየት ብምዃና: ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽዶ ኣይግባኣናን፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ ኣብቲ ድራር ጐይታ ዚበዓለሉ ብምእካብ እዩ።

እቲ ቕጫን ወይንን ዘለዎ ትርጕም

የሱስ ድራር ጐይታ ኺሰርዕ ከሎ: እንጌራን ጽዋእ ቀይሕ ወይንን ከም ምሳልያዊ ነገራት ተጠቒሙ እዩ። ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ “ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ: ውሰዱ: ብልዑ: እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:24) እቲ እንጌራ ኻብ ዘይበዅዐ ወይ ማይ ብሑቝ ኻብ ዘይኣተዎ ሓርጭን ማይን እተሰንከተ ዀይኑ ድርቕ ዝበለ ስለ ዝነበረ: ንኺዕደልን ንኺብላዕን ኪቈራረስ ነበሮ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ማይ ብሑቝ ወይ ዜብኵዕ ነገር ንሓጢኣት እዩ ዜመልክት። (ማቴዎስ 16:11, 12፣ 1 ቈረንቶስ 5:6, 7) የሱስ ሓጥእ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ እቲ ፍጹም ሰብኣዊ ስጋኡ ንደቅሰብ ብቑዕ በጅነታዊ መስዋእቲ ዀይኑ ኼገልግል ከኣለ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) እቲ ሓጢኣት ንዘይብሉ ስጋ ክርስቶስ ንምውካል ዜገልግል እንጌራስ ዘይበዅዐ ኪኸውን ክሳዕ ክንደይ ግቡእ ኰን እዩ!

የሱስ ቀጺሉ ነታ ሕዋስ ዘይብሉ ቐይሕ ወይኒ ዝመልአት ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስገነ እሞ “እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:25) እቲ ኣብታ ጽዋእ ዝነበረ ቐዪሕ ወይኒ ንደም የሱስ እዩ ዜመልክት። ከምቲ ደም እቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ ኣርሑን ኣጣልን ነቲ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መንጎ ኣምላኽን ህዝቢ እስራኤልን ዝቘመ ሕጊ ኺዳን ዜጽንዖ: የሱስ ኪመውት ከሎ ዝፈሰሰ ደሙ ኸኣ ሓድሽ ኪዳን ኣቘመ።

መን እዮም ዚወስዱ፧

ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን መን ኪወስዱ ኸም ዚግባእ ንምፍላጥ: እቲ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ እንታይ ምዃኑን ኣብቲ ኺዳን ዚኣተዉ መን ምዃኖምን ክንፈልጥ ኬድልየና እዩ። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “እንሆ: ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን: ይብል እግዚኣብሄር። . . . ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም: . . . ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ።”—ኤርምያስ 31:31-34

እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ ሰባት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ፍሉይ ዓይነት ርክብ ንኺህልዎም ኣኽኣሎም። በዚ ኺዳን እዚ ኣቢሎም እተወሰኑ ጕጅለ ውልቀ-ሰባት ንኣምላኽ ህዝቡ ዀኑ: ንሱውን ኣምላኾም ኰነ። ሕጊ የሆዋ ኣብ ውሽጦም ወይ ኣብ ልቦም እዩ ዚጸሓፍ: እተገዝሩ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት እውን እንተዀነ ምስ ኣምላኽ በዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 2:29) እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ: “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ: . . . ከመይ ከም ዝበጽሖም” ገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 2:10 እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ቀደም ህዝቢ ዘይነበሩ: ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ’ ዝዀኑ እዮም። ነዚኣቶም ቅዱሳት ጽሑፋት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል:” ማለት መንፈሳውያን እስራኤል ኢሉ ይጽውዖም። (ገላትያ 6:16፣ 2 ቈረንቶስ 1:21) እምበኣር: እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን መንፈሳውያን እስራኤልን ዝቘመ ኺዳን እዩ።

የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዜሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ: ንሱ ንባዕሉ ንዓታቶም እተፈልየ ኺዳን ኣትዩሎም ወይ መዲብሎም እዩ። ነዚ ብዚምልከት “ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። (ሉቃስ 22:29) እዚ ኺዳን መንግስቲ ኣምላኽ ይበሃል። እቶም ኣብዚ ኺዳን እዚ ዚኣተዉ ዘይፍጹማት ሰባት ቍጽሮም 144,000 ኪኸውን ከሎ: ተንሲኦም ናብ ሰማይ ምስ ከዱ: ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኪገዝኡ እዮም። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-4) ስለዚ: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዚኣተዉ: ምስ የሱስ ክርስቶስ እውን ኣብ ኪዳን መንግስቲ ኣምላኽ እቱዋት እዮም። እዚኣቶም ጥራይ ከኣ እዮም ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዚግብኦም።

እቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ከም ዘለዎምን ንክርስቶስ መዋርስቱ ኸም ዚዀኑን ብኸመይ እዮም ኪፈልጡ ዚኽእሉ፧ ጳውሎስ “ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና [ዝንባለና] ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ: ምስኡውን ክንከብር ኢና” ብምባል ገለጸ።—ሮሜ 8:16, 17

ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ወይ በቲ መስለጢ ሓይሉ ገይሩ እዩ ነቶም ንክርስቶስ መዋርስቱ ዘበሉ ዚቐብኦም። እዚ ኸኣ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ርግጸኛታት ከም ዚዀኑ ይገብሮም። ኣብ ውሽጢ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዚፍጠር እዩ ዚገብር። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ህይወት ዚብሎ ዅሉ ንዓታቶም ከም ዚምልከት እዩ ዚስምዖም። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ ኣብ ምድሪ ምንባር ኰነ ሰብኣዊ ርክባቶም: ኰታስ እቲ ምስ ምድራዊ ህይወቶም ዚተሓሓዝ ነገራት ብምሉኡ ንኺስውኡ ፍቓደኛታት እዮም። ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብ ምድራዊት ገነት ምንባር ዜደንቕ ምዃኑ እኳ እንተ ፈለጡ: ተስፋኦም ግን እዚ ኣይኰነን። (መዝሙር 37:11) ብሰንኪ ግጉይ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዘይኰነስ: መንፈስ ኣምላኽ ኣባታቶም ብዚዓዮ ነገራት እዮም ዘይልወጥ ሰማያዊ ተስፋ ዚህልዎም: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ይኽእሉ።

ሓደ ሰብ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ከምኡውን ኣብቲ ኺዳን መንግስቲ ኣምላኽን እቱው ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኣይኰነን ንበል። መዋርስቲ ክርስቶስ ምዃኑ መንፈስ ኣምላኽ ዘይመስከረሉ እንተ ዀይኑ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ከምዚ እንተ ዀይኑ: ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስድ የብሉን። ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘይብሉ እናፈለጠ ኽነሱ ንጉስን ካህንን ንኪኸውን ከም እተጸውዐ ገይሩ ምስ ዚቐርብ: ንኣምላኽ ከም ዜጕህዮ ኣየጠራጥርን እዩ።—ሮሜ 9:16፣ ራእይ 22:5

ኣብ ከክንደይ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧

ሞት የሱስ ኣብ ሰሰሙን ወይ ኣብ መመዓልቲ ድዩ ኺበዓል ዘለዎ፧ ክርስቶስ ድራር ጐይታ ምስ ሰርዐ: ብመዓልቲ ፋስጋ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተቐትለ። እዚ በዓል እዚ በታ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዚወጹላ 14 ኒሳን ሓንሳእ ኣብ ዓመት ጥራይ እዩ ዚበዓል ነይሩ። (ዘጸኣት 12:6, 14፣ ዘሌዋውያን 23:5) ስለዚ: ሞት እቲ “ገንሸል ፋስጋና: ማለት ክርስቶስ” ኣብ ሰሰሙን ወይ ኣብ መመዓልቲ ዘይኰነስ: ሓንሳእ ኣብ ዓመት እዩ ኺበዓል ዘለዎ። (1 ቈረንቶስ 5:7) ክርስትያናት ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ኸለዉ: ነቲ የሱስ ነዚ በዓል እዚ ኺሰርዕ ከሎ እተጠቕመሉ ኣገባብ እዮም ዚስዕቡ።

ጳውሎስ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን: ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” ኪብል ከሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ቈረንቶስ 11:26) ቅቡኣት ክርስትያናት ካብዚ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ክሳዕ ዚወሰዱ: ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎም እምነት ኪእውጁ ኣለዎም እዩ ዚብል ነይሩ።

ቅቡኣት ክርስትያናት “ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ” ሞት ክርስቶስ ኬብዕሉ ኣለዎም። እዚ በዓል እዚ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ብምትንሳእ ናብ ሰማይ ንኺኣትዉ ኪቕበሎም ክሳዕ ዚመጽኣሉ እዋን ኪበዓል ነበሮ። (1 ተሰሎንቄ 4:14-17) እዚ ኸኣ ምስቲ ክርስቶስ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ “ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” ብምባል እተዛረቦም ቃላት ዝሰማማዕ እዩ።—ዮሃንስ 14:3

ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ካብ መስዋእቲ የሱስ ንምጥቃምን ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብን ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ክትወስድ ኣሎካዶ፧ ኣይፋልን። ከም እኒ ኖህ: ኣብርሃም: ሳራ: ይስሃቅ: ርብቃ: ዮሴፍ: ሙሴ: ዳዊት ዝኣመሰሉ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ኣብ ምድሪ ድሕሪ ምትንሳኦም ካብዚ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ምዃኖም ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን። ይኹን እምበር: ንሳቶም ኰኑ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ ዚደልዩ ኻልኦት ሰባት ብምሉኦም ኣብ ኣምላኽ: ኣብ ክርስቶስ: ከምኡውን ኣብቲ የሆዋ ዘዳለዎ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ኪህልዎም ኣለዎ። (ዮሃንስ 3:36፣ 14:1) ንስኻውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እንተ ደሊኻ: እምነት ከተርኢ ኣሎካ። ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምእካብካ: ነቲ ዓብዪ መስዋእቲ የዘኻኽረካ: ንዕኡ ዘሎካ ሞሳ ድማ ይውስኽ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ንብጾቱ ቕቡኣት ክርስትያናት “ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ: እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን” ኪብሎም ከሎ ንኣገዳስነት መስዋእቲ የሱስ እዩ ኣጕሊሑ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ቅቡኣት ክርስትያናት እዚ መስዋእቲ እዚ ንሓጢኣቶም መተዓረቒ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኪጠቕስዎ ይኽእሉ እዮም። ንዓታቶም ጥራይ ዘይኰነ ግን ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ብምኽፋት: ንሓጢኣት ምልእቲ ዓለም እውን ብተመሳሳሊ የተዓርቕ እዩ!

እሞ ደኣ ብ4 ሚያዝያ 2004 ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል ክትእከብ ዲኻ፧ ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእከቡሉ ቦታታት እዚ በዓል እዚ ኺበዓል እዩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ እንተ ተኣኪብካ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝርርብ ብምስማዕ ክትጥቀም ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንዓና ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ነገር ከም ዝገበሩልና ኽትዘኻኸር ኢኻ። ምስቶም ንኣምላኽን ንክርስቶስን ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስን ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ብምእካብካ እውን ብመንፈስ ክትጥቀም ኢኻ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ንኽትጥቀመሉ ዘሎካ ባህጊ ኸየለዓዓሎ ኣይተርፍን እዩ። ብዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ካብዚ ኽትዕገት የብልካን። እምበኣር: ኣብቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዜኽብሮን ዜሐጕሶን ልቢ ዚትንክፍ በዓል ተኣከብ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሞት የሱስ ምስ ክልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዚተኣሳሰር

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዘይበዅዐ ቕጫን እቲ ወይንን ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋ የሱስን ነቲ ዚፈሰሰ ደሙን ዚበቅዕ ተምሳል እዩ