ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”

“ብዅሉ ተጠንቀቕ: . . . ግብሪ ወንጌላዊ ግበር።” —2 ጢሞቴዎስ 4:5

1. የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ መዝነት እዩ ሂብዎም፧

 ስምን ዕላማን ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺእወጅ ጸኒሑ እዩ። ከምዚ ኺግበር እተኻእለ እቶም ውፉያት ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃቦም መዝነት ኣርዚኖም ስለ ዝረኣይዎ እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

2. እቲ ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ እንታይ መምርሒ እዩ እተቐበለ: ክርስትያን ሽማግለታት ኣገልግሎቶም ዝምልኡሉ ሓደ መገዲኸ እንታይ እዩ፧

2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ መዝነት እዚ ኣርዚኖም እዮም ርእዮምዎ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” ኢልዎ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:5) ሎሚ ሓደ ሽማግለ ቀናእ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ካብ ዚኽእለሉ መገድታት ሓደ: ናብ ግራት ኣገልግሎት ኣዘውቲሩ ብምኻድ እዩ። ንኣብነት: ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ንኻልኦት ኣብ ዕዮ ስብከት ንምምራሕን ንምስልጣንን ዜኽእሎ ዕግበት ዜምጽእ ኣጋጣሚ ኣለዎ። ጳውሎስ ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ዝነበሮ ብሕታዊ ሓላፍነት ፈጺሙ: ንኻልኦት ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ምስልጣን ድማ ሓጊዙ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20፣ 1 ቈረንቶስ 9:16, 17

ጥንቲ ዝነበሩ ቐናኣት ወንጌላውያን

3, 4. ፊልጶስ ከም ወንጌላዊ መጠን እንታይ ተመክሮታት እዩ ነይርዎ፧

3 ቀዳሞት ክርስትያናት ቀናኣት ወንጌላውያን ብምዃኖም እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። ንኣብነት: ንፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ እስከ ንውሰድ። ሓደ ኻብቶም ‘መንፈስ ጥበብ ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ’ ስለ ዝነበረ: ኣብ መንጎ እቶም ጽርኢ ዚዛረቡን እብራይስጢ ዚዛረቡን ክርስትያናት ብዘይ ኣድልዎ ዕለታዊ ምግቢ ኣብ ምምቃል ኪዓዪ ተመዘዘ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6) እዚ ፍሉይ ኣገልግሎት እዚ ምስ ኣብቅዐ እሞ መስጐጕቲ መጺኡ ብዘይካ ንሃዋርያት ንዅሎም ክርስትያናት ምስ በተኖም: ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ብስራት ሰበኸ: ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣጋንንቲ ኣውጽአ: ድኑሳትን ሓንካሳትን እውን ኣሕወየ። ብዙሓት ሳምራውያን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዖም ተጠምቁ። ኣብ የሩሳሌም ዚነበሩ ሃዋርያት ነዚ ምስ ሰምዑ: እቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ኣመንቲ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ሰማርያ ሰደዱሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:4-17

4 ድሕርዚ መንፈስ ኣምላኽ ንፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣብ መገዲ ጋዛ ንኺረኽቦ መርሖ። ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ትንቢት ኢሳይያስ ጽቡቕ ገይሩ ምስ ገለጸሉ: እቲ “ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ: ስልጡን” ዝነበረ ሰብኣይ ብየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ተጠምቀ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-38) ቀጺሉ ፊልጶስ ፈለማ ናብ ኣዛጦን (ኣሽዶድ): ካብኡ ድማ ናብ ቂሳርያ ኸደ: “ናብ ኵሉ ኸተማታት [ከኣ] እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:39, 40) ግብሪ ወንጌላዊ ብምግባር ዝመጸ ብርግጽ ሰናይ ኣብነት ኰይኑ እዩ!

5. እተን ኣርባዕተ ደቂ ፊልጶስ ብፍላይ ዚፍለጣ ዝነበራ ብምንታይ እየን፧

5 ፊልጶስ ካብቲ ግዜ እቲ ኣስታት 20 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እውን ኣብ ቂሳርያ ንጡፍ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። ጳውሎስን ሉቃስን ኣብ ቤቱ ኣብ ዚጸንሑሉ እዋን: ‘ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልድ’ ነበራኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:8-10) ብመንፈስ ጽቡቕ ስልጠና እተዋህበን: ነገልግሎት ቅንኣት ዘለወን: ካብዚ ሓሊፈን እውን ትንቢት ዚንበያ እየን ነይረን። ሎሚውን ወለዲ ነገልግሎት ዘለዎም ቅንኣት ንደቆም ምሉእ ዕድሜኦም ወንጌላውያን ኰይኖም ብቕንኣት ንኼገልግሉ ጽቡቕ ጽልዋ ኺገብረሎም ይኽእል እዩ።

ሎሚ ዘለዉ ቐናኣት ወንጌላውያን

6. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን እንታይ ፍረ እዮም ዝረኸቡ፧

6 የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ንግዜና ብዚምልከት እተነበዮ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘለዎ ትንቢት “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” በለ። (ማርቆስ 13:10) እቲ ብስራት “ኣብ ብዘላ ዓለም” ምስ ተሰብከ እዩ መወዳእታ ዚመጽእ። (ማቴዎስ 24:14) ጳውሎስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ወንጌላውያንን ነቲ ብስራት ምስ ሰበኹ: ብዙሓት ኣመኑ: ኣብ ብምሉኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኸኣ ፈቐዶኡ ጉባኤታት ቈማ። እቶም ኣብዘን ጉባኤታት እዚኣተን ኪዓዩ እተመዘዙ ሽማግለታት ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶም ኣብ ግብሪ ወንጌላዊ ብምስታፍ ነቲ ስብከት ዝያዳ ኸም ዚሰፍሕ ገበርዎ። ከምዚ ሕጂ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግብሪ ወንጌላዊ ብምግባሮም ቃል የሆዋ ዚዓቢ ዘሎ: ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ብሓይሊ ዓበየን በርትዐን። (ግብሪ ሃዋርያት 19:20) ንስኻኸ ሓደ ኻብቶም ሕጉሳት ወደስቲ የሆዋ ዲኻ፧

7. ኣብዚ ግዜና ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧

7 ሓያሎ ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ወንጌላዊ ዜበርክትዎ እጃም ንምዝያድ ነቲ ዝረኽብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ይጥቀሙሉ እዮም ዘለዉ። በሽሓት ዚቝጸሩ ሚስዮናውያን ኪዀኑ ኸለዉ: በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኸኣ ስርዓታውያንን ሓገዝትን ፓይነራት ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ኣለዉ። እቶም ብቕንኣት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ዜገልግሉ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እውን ዚነኣድ ተግባር እዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ። እወ: ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ኸም ክርስትያን ወንጌላውያን መጠን ሓቢሮም ኬገልግሉ ኸለዉ ብዙሕ በረኸት እዮም ዚዓጽዱ።—ጸፎንያስ 3:9

8. ኣብዚ ግዜና እንታይ ማሕተም ናይ ምግባር ዕዮ እዩ ዝካየድ ዘሎ: መንከ እዮም ነዚ ዚገብሩ ዘለዉ፧

8 ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብስራት ናይ ምእዋጅ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። እቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ክርስቶስ “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ኣብዚ ግብሪ ወንጌላዊ ይሳተፉ እዮም ዘለዉ። (ዮሃንስ 10:16) እዚ ህይወት ሰባት ዜድሕን ዕዮ እዚ ምስቲ ኣብ ህዝቅኤል ብትንቢት እተገልጸ ዕዮ ተተሓሒዙ ኣሎ። እቲ ትንቢት እቲ ኸኣ እቶም በቲ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን ኣብ ግንባሮም ማሕተም ከም እተገብረሎም እዩ ዚገልጽ። ድሕሪ ሓጺር እዋን እኩያት ኪጠፍኡ እዮም። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን እቲ ህይወት ዜድሕን ሓቂ ንተቐማጦ ምድሪ ምንጋር ብርግጽ ዓብዪ ኽብሪ እዩ!—ህዝቅኤል 9:4-6, 11

9. ሓደስቲ ኣብ ኣገልግሎት ኪሕገዙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

9 ኣብ ግብሪ ወንጌላውነት ንእተወሰነ ግዜ ኽንሳተፍ እንተ ጸኒሕና: ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ሓደስቲ ሰባት ክንሕግዞም ከም እንኽእል ፍሉጥ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ምሳታቶም ሓቢርና ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ንኽእል ኢና። እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ንክርስትያናት ብጾቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ንምህናጽ ዚከኣሎም ኵሉ እዮም ዚገብሩ። ትሑታት ሽማግለታት ዚገብርዎ ጽቡቕ ጻዕሪ ንኻልኦት ቀናኣትን ፍረ ዜፍርዩን ወንጌላውያን ንኪዀኑ ብዙሕ እዩ ዚሕግዞም።—2 ጴጥሮስ 1:5-8

ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር

10. ክርስቶስን ቀዳሞት ሰዓብቱን ኣብ ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ኣብነት እዮም ዝገደፉ፧

10 የሱስ ክርስቶስ ወንጌላዊ ብምዃን ዝመጸ ንሰዓብቱ ብሉጽ ኣብነት እዩ ገዲፉሎም። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎትን ብዛዕባ ሃዋርያቱን “ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ” ይብል። (ሉቃስ 8:1) ሃዋርያቱኸ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ገበሩ፧ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም: “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:42

11. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ እንታይ እዩ ዝገበረ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ብቕንኣት ግብሪ ወንጌላዊ ይገብር ብምንባሩ: ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታት “ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን” በሎም። ጳውሎስ “ኣብ ቤት” ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ኪምህር ከሎ: ናብ ኣባይቲ እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾቱ ብምኻድ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ድዩ ዚገብረሎም ነይሩ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ “ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ እናመስከርኩ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21) ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: እቶም ድሮ ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ “ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ” ኣየድልዮምን እዩ። ጳውሎስ ንዘይኣመንቲ ዘበሉ ብዛዕባ ንስሓን እምነትን ኪምህር ከሎ: ንክርስትያን ሽማግለታት ኤፌሶን ካብ ቤት ናብ ቤት ንኼገልግሉ እዩ ኣሰልጢንዎም። ከምዚ ኺገብር ከሎ: ነቲ የሱስ ዝመስረቶ ኣገባብ እዩ ስዒቡ።

12, 13. ምስ ፊልጲ 1:7 ብምስምማዕ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺሰብኩ ብዛዕባ ዘለዎም መሰል እንታይ እዮም ገይሮም፧

12 ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ገሊኣቶም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝና ናብ ቤቶም ክንከዶም ከለና ይበሳጨዉ እዮም። ንሰባት ከነበሳጩ ባህጊ ዘይብልና እኳ እንተዀንና: እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንፍጽሞ ኣገልግሎትና ግን ቅዱስ ጽሑፋዊ እዩ: ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ኸኣ በዚ መገዲ እዚ ንኽንምስክር ትድርኸና። (ማርቆስ 12:28-31) ካብ ቤት ናብ ቤት ንምምስካር ዘሎና መሰል ኣብ መጋባእያ ‘ንምምጽራይን ንምጽናዕን’ ወይ ብሕጊ ተቐባልነት ከም ዚህልዎ ንምግባር: ጕዳያትና ናብ ኣብያተ-ፍርዲ: እንተላይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቕሪብና ኢና። (ፊልጲ 1:7) ኣብ ቤት ፍርዲ ድማ ብተደጋጋሚ ተዓዊትና ኢና። ነዚ ኣብነት ዚዀነና ሓደ ብይን እንሆ:-

13 “ሃይማኖታዊ ትራክትታት እናዞርካ ናይ ምዕዳል ተግባር ሓደ ኻብቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ሚስዮናውያን ዚገብርዎ ግብሪ ወንጌላውነት እዩ። ሕትመት ካብ ዚመሃዝ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ድማ እዩ። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት እተፈላለያ ሃይማኖታት ዚጥቀማሉ ሓያል ምንቅስቓስ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ግዜና እተፈላለያ ጕጅለታት ሃይማኖት: ነዚ መዳይ ወንጌላውነት እዚ ይጥቀማሉ: በቶም ናብ ኣሽሓት ኣባይቲ ብምኻድን ብብሕቲ ንሰባት ብምብጻሕን ምእመናን ንኺውስኹ ኢሎም ሃይማኖታዊ ጽሑፋት እናዞሩ ዚሸጡ ኣቢለን ከኣ ይዕድላኦ። . . . እዚ መዳይ ሃይማኖታዊ ንጥፈት እዚ ኣብ ትሕቲ እቲ ቐዳማይ መአረምታ [ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ] ማዕረ እቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ዚግበር ኣምልኾን ኣብ መስበኽያ ዄንካ ዚወሃብ ስብከትን ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ።”—ሙርዶክ ኣንጻር ፐንሲልቫንያ: 1943

ስለምንታይ ኢና ስብከት ዘይነቋርጽ፧

14. ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ጻዕርታት ተደማሚሩ እዩ ፍረ ኽህልዎ ዚኽእል፧

14 ካብ ቤት ናብ ቤት እንምስክረሉ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎና። ንሓደ ብዓል ቤት ምብጻሕ ክንገብረሉ ኸለና: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኽንተኽለሉ ኢና እንጽዕር። ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ከኣ ማይ ከነስትዮ ንጽዕር። እዚ ዚግበር ጻዕርታት ተደማሚሩ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ከመይሲ: ጳውሎስ “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ” በለ። (1 ቈረንቶስ 3:6) ስለዚ: የሆዋ ‘ኸም ዘብቍሎ’ ብምትእምማን ‘ካብ ምትካል ኰነ ኻብ ምስታይ’ ዓዲ ኣይንውዓል።

15, 16. ናብ ኣባይቲ ሰባት ብተደጋጋሚ እንኸይድ ስለምንታይ ኢና፧

15 ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ ኢና ግብሪ ወንጌላዊ እንገብር ዘሎና። ብስብከት ኣቢልና ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ከነድሕን ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ህይወት ሓደ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ እንተ ንፈልጥ: ንኸነድሕኖ እንገብሮ ፈተነ ብፍርቂ ልብና ድዩ፧ ኣይፋልን! እዚ ዕዮና እውን ንድሕነት ዚምልከት ስለ ዝዀነ: ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ብተደጋጋሚ ኢና እንኸዶም። ኵነታት ሰባት ኪቀያየር ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ኣብ ሓደ እዋን ንኺሰምዑና ግዜ ዘይነበሮም: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ግን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሰምዑ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ዘይረኸብናዮ ኣባል እታ ስድራቤት የጓንፈና ይኸውን: እዚ ድማ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ንኽንገብር የኽእለና።

16 ኵነታት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣረኣእያ እውን ኪቕየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ዜፍቅሮ ሰብ ብሙማቱ ሓዘን ዘጋጠሞ ውልቀ-ሰብ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰምዕ ይድረኽ ይኸውን። ነቲ ሰብ ኸነጸናንዖን ‘ብመንፈስ ዘድልዮ ነገራት’ (NW) ከም ዘሎ ንኺግንዘብ ክንሕግዞን ነዚ ብኸመይ ኬማልኦ ኸም ዚኽእል ንኸነርእዮን እዩ ጻዕርና።—ማቴዎስ 5:3, 4

17. ኣብ ስብከት ንኽንሳተፍ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነና እንታይ እዩ፧

17 ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ንኽንምስክር ኰነ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መዳይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንኽንጽመድ ቀንዲ ምኽንያት ዚዀነና ግን ንስም የሆዋ ንኸነፍልጥ ዘሎና ባህጊ እዩ። (ዘጸኣት 9:16፣ መዝሙር 83:18 NW) እቲ እንፍጽሞ ግብሪ ወንጌላዊ ነቶም ንሓቅን ጽድቅን ዜፍቅሩ ዘበሉ ወደስቲ የሆዋ ምስ ዝገብሮምስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዓስቢ ዘለዎ ዀን እዩ! እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ: ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ንስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] የመስግንዎ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 148:12, 13

ወንጌላውነት ንዓናውን ብብሕቲ ይጠቕመና

18. ግብሪ ወንጌላዊ ኻብ ምግባር ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

18 ግብሪ ወንጌላዊ ምግባር ንዓናውን ብእተፈላለየ መገድታት ይጠቕመና እዩ። ብስራት ንኽንነግር ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ: ብፍላይ ብጽቡቕ ምስ ዘይቅበሉና: ትሕትና ንኸነማዕብል ይሕግዘና። ንፉዓት ወንጌላውያን ንኽንከውን ከምቲ ‘ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ: ንዅላቶም ኵሉ ዝዀነ’ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንከውን ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 9:19-23) ካብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ተመክሮ ኣብ ኣዘራርባና ሜላ ንኺህልወና የኽእለና። ኣብ የሆዋ ብምውካልን ቃላትና ተጠንቂቕና ብምምራጽን: ነቲ ጳውሎስ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንዕየየሉ።—ቈሎሴ 4:6

19. ወንጌላውያን ብመንፈስ ቅዱስ ዚሕገዙ ብኸመይ እዮም፧

19 ግብሪ ወንጌላዊ ኣብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኽንውከል እውን ይድርኸና እዩ። (ዘካርያስ 4:6) እዚውን ብግዲኡ ኸም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል [“ርእስኻ ምግታእ:” ትርጕም 1990]” ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ኣብ ኣገልግሎትና ንኸነንጸባርቕ የኽእለና። (ገላትያ 5:22, 23) ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና ፈቃራትን ሕጉሳትን ሰላማውያንን ዓቃላትን ሕያዎትን ስለ እንኸውን: ለውሃትን እምነትን ህድኣትን ርእስኻ ምግታእን ከኣ ስለ እነንጸባርቕ: ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ይጽሎ እዩ።

20, 21. ግብሪ ወንጌላዊ ኣብ ምግባር ዕዙዛት ብምዃን ካብ እንረኽቦ በረኸታትን ረብሓታትን ገለ እንታይ እዩ፧

20 ወንጌላውያን ብምዃንና እንረኽቦ ኻልእ በረኸት: ብዝያዳ ደንገጽቲ ምዃን እዩ። ሰባት ብምሕማሞም: ስራሕ ብምስኣኖም: ወይ ኣብ ቤቶም ሽግር ስለ ዘጋጠሞም ጸገማቶም ኪጠቕሱልና ኸለዉ: ከም ኣማኸርቲ ዄንና ዘይኰነስ: ዜተባብዕን ዜጸናንዕን ጥቕስታት ኢና እንነግሮም። ብዛዕባ እቶም ንጽድቂ ፍቕሪ ዘለዎም ዚመስሉ ግን ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝዓወሩ ንሓስብ ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:4) ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ምሃብከ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ በረኸት ኰን እዩ!

21 ኣዘውቲርካ ግብሪ ወንጌላዊ ምግባር ነእምሮና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜተኵር ንኽንገብሮ ይሕግዘና። (ሉቃስ 11:34) ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እንተ ዘየተኲርና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንቡር ኰይኑ ዘሎ ፍቕረ-ንዋይ ከነሕድር ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ብምባል ተማሕጸኖም። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ግብሪ ወንጌላዊ ኣብ ምግባር ዕዙዛት ምስ እንኸውን: ንዓለም ንኸይነፍቅር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58

ኣብ ሰማይ መዝገብ ኣንብር

22, 23. (ሀ) ወንጌላውያን ዚዀኑ ክርስትያናት እንታይ መዝገብ እዮም ዚገብሩ፧ (ለ) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብኸመይ ክትሕግዘና እያ፧

22 ብቕንኣት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ነባሪ ረብሓታት እዩ ዜምጽእ። የሱስ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ: ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ: ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር: ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ” ኺብል ከሎ ነዚ እዩ ገሊጹ።—ማቴዎስ 6:19-21

23 ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ኸም መሰኻኽሩ መጠን ተወከልቱ ኻብ ምዃን ዚዓቢ ኽብሪ ኸም ዘየለ ኸይረሳዕና: ኣብ ሰማይ መዝገብ ንግበር። (ኢሳይያስ 43:10-12) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን እተዋህበና መዝነት ክንፍጽም ከለና: ከምታ ኣብ 90ታት ዕድሜኣ እትርከብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ ንየሆዋ ዝፈጸመቶ ኣገልግሎት ኣመልኪታ “ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ጕድለት እናሃለወኒ የሆዋ ኣገልጋሊቱ ክዀኖ ስለ እተቐበለኒ አመስግኖ እየ: ንዘለኣለም ፈቃር ኣቦይ ኰይኑ ንኪቕጽል እውን ልባዊ ጸሎተይ እዩ” ዝበለት ሓብቲ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብተመሳሳሊ ኣኽቢርና እንተ ርኢናዮ: ምሉእ ብምሉእ ግብሪ ወንጌላዊ ኽንገብር ኢና። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣገልግሎትና ብኸመይ መሊእና ኽንፍጽም ከም እንኽእል ንኽንርዳእ ክትሕግዘና እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ግብሪ ወንጌላዊ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ጥንቲ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ወንጌላውያን ብዛዕባ ዝፈጸምዎ ነገራት እንታይ ክትብል ትኽእል፧

• ካብ ቤት ናብ ቤት እንምስክር ስለምንታይ ኢና፧

• ግብሪ ወንጌላዊ ብምግባር ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንፊልጶስን ኣዋልዱን ዚመስልዎም ሕጉሳት ወንጌላውያን ኣብዚ ግዜና እውን ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ብስራት ንኻልኦት ክትነግር ከለኻ ብብሕቲ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧