ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ላይበርያ ውግእ እናሃለወ ኽነሱ እተራእየ መንፈሳዊ ዕቤት

ላይበርያ ውግእ እናሃለወ ኽነሱ እተራእየ መንፈሳዊ ዕቤት

ላይበርያ ውግእ እናሃለወ ኽነሱ እተራእየ መንፈሳዊ ዕቤት

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ውግእ ሓድሕድ ንላይበርያ ሓሚስዋ እዩ። ኣብ ክፍላ 2003 እቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ናብ ሞንሮቭያ እታ ርእሲ ኸተማ ኣተዉ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣባይቶም ንኺሃድሙ ተገደዱ። ገሊኣቶም እውን ብተደጋጋሚ ኺሃድሙ ነበሮም። ጥሪት እውን ተዘርፈ።

እቲ ዜሕዝን ከኣ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኣብ እተገብረ ውግእ: በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ተቐትሉ። ካብዚኣቶም ሓደ ሓውን ሓንቲ ሓብትን ይርከብዎም። ካልኦት ኣሕዋት ነቲ ጸገም ብኸመይ ሰገርዎ: ንምሕጋዞምከ እንታይ ተገይሩ፧

ነቶም እተሸገሩ ዚኸውን ሓገዝ

እቲ ዕግርግር ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እቲ ኣብ ላይበርያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም እተሸገሩ ዚኸውን ረዲኤት ይውድብ ነበረ። ምግቢ: ኣድላዪ ኣቝሑ ገዛ: ከምኡውን ንሕክምና ዜድሊ ነገራት ዓዲሉ እዩ። እቶም ተቓወምቲ ነቲ ወደብ ኣብ እተቘጻጸሩሉ እዋን ሕጽረት ምግቢ ኣጋጢሙ ነይሩ። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እዚ ኺመጽእ ከም ዚኽእል ኣቐዲሙ ብምሕሳብ ነቶም ሃዲሞም ኣብታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኽልተ ሽሕ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜደሊ ነገራት ሒዙ ነበረ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ምግቢ ብጥንቃቐ ስለ እተጠቕሙሉ: ክሳዕ እቲ ወደብ እንደገና ዚኽፈት ኣጻኒሕዎም እዩ። ኣብ በልጅዩምን ሰራ ልዮንን ዚርከብ ጨንፈራት ንሕክምና ዜድሊ ነገራት ለኣኸ: ኣብ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዚርከብ ጨንፈራት ከኣ ክዳውንቲ ሰደደ።

እቲ ዅነታት ተስፋ ዘይብሉ እኳ እንተ ነበረ: ኣሕዋትና ግን ትስፉዋትን ሕጉሳትን ነበሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደ ኻብ ቤቱ ሰለስተ ሳዕ ንኺሃድም እተገደደ እሞ “ብዛዕባ እዚ ዅነታት እዚ ኢና እንሰብኽ: ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኢና ዘሎና” ኢሉ እተዛረበ ሓው: ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል ኢና።

እቲ ብስራት ዘለዎ ተቐባልነት

ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ናዕቢ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ፍረ ይረኽቡ ነበሩ። ኣብ ጥሪ 2003: 3,879 ዚኣክል ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ነይሩ: እዚኣቶም ከኣ ኣብ ለካቲት 15,227 ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሑ።

ሰባት ነቲ ብስራት ቀልጢፎም እዮም ዚቕበልዎ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር እትርከብ ቍሸት ነዚ ኣብነት ዚዀነና ነገር ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ጉባኤ ነቲ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ካብቲ ኣዘውቲራ እትእከበሉ ብእግሪ ሓሙሽተ ሰዓት ዚኸውን ኬድካ ኣብ እትርከብ ብዋን እትበሃል ቍሸት ከተብዕል ወሰነት። እቶም ኣሕዋት ነቶም ኣብታ ቝሸት ዚነብሩ ናብቲ በዓል ዝኽሪ ቕድሚ ምዕዳሞም: ንኸንቲባ ብዋን ወረቐት ዕድመ ሃብዎ። ንሱ ድማ ምስ ተቐበለ: ናብቶም ተቐማጦ እቶም ቍሸት ከይዱ ኣብቲ ወረቐት ዕድመ ዚርከብ ጥቕሲ ኣንበበሎም: ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ድማ ኣተባብዖም። ስለዚ: እቶም ኣስፋሕቲ ኺዕድሙ ምስ ከዱ: ክዓይዎ ዚሓሰቡ ዕዮ ተወዲኡ ረኸብዎ! እቲ ኸንቲባ ኸኣ ደቁን ክልተ ኣንስቱን ሒዙ ናብቲ በዓል ዝኽሪ መጸ። ኵልምሎም 27 ሰባት ተኣከቡ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: እቲ ኸንቲባ ካብ ቤተ-ክርስትያን ሜቶዲስት ተሰናቢቱ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዕ ጀመረ: ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰርሑ ድማ መሬት ሃቦም።

ልቡ ተቐየረ

ኣሕዋትና ዜርእይዎ ኣካይዳ እውን ነቲ ገሊኣቶም ተጻረርቲ ብዛዕባ ሓቂ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸም ዚቕየር ገይሩ እዩ። ንኣብነት: ንሓደ ኦፖኩ ዚበሃል ሰብኣይ ዘጋጠሞ ንርአ። ሓደ ፍሉይ ፓይነር ኣብ ኣገልግሎት ረኺቡ: መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣርኣዮ። ኦፖኩ ትሕዝቶ እታ መጽሔት ተገዳስነት እኳ እንተ ኣሕደረሉ: ገንዘብ ግን ኣይነበሮን። እቲ ፓይነር ጽሑፋትና ብዘይ ክፍሊት ከም ዚዕደል ድሕሪ ምግላጽ: ነታ መጽሔት ሃቦ: ካልእ ግዜ ንኺበጽሖ ድማ ተቛጸሩ። ተመሊሱ ኺበጽሖ ምስ መጸ: ኦፖኩ ነቲ ፓይነር “ንዓይ ትፈልጠኒዶ፧ መብዛሕትኦም ኣብ ከተማ ሃርፐር ዚርከቡ ደቂ ማሕበርኩም ይፈልጡኒ እዮም። ንደቅኹም ካብ ቤት ትምህርቲ እሰጎም ነይረ!” በሎ። ኣብታ ኸተማ ናይ ሓንቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ርእሰ-መምህራን ምንባሩን ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባንዴራ ሰላምታ ብዘይምሃቦም ይሰጎም ከም ዝነበረን ገለጸ።

ይኹን እምበር: ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናዊ ፍቕሪ ዝረኣየሉ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ንኦፖኩ ኣረኣእያኡ ኸም ዚምርምር ገበሮ። ፈለማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ኸቢድ ሕማም ዝሓመመ መንፈሳዊ ሓው ኪከናኸንዎ ረኣየ። ኣብ ጐረቤት ሃገር ከይዱ ሕክምና ኺገብር እውን ምድላዋት ገበሩሉ። ኦፖኩ: እቲ ዝሓመመ ሓው ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ምርኡይ” ከም ዝዀነ መሲልዎ እኳ እንተ ነበረ: ደሓር ግን ተራ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ፈለጠ። ካልኣይ: ኣብ 1990ታት ኦፖኩ ኣብ ኮት ዲቭዋር ስደተኛ ዀይኑ ኸደ። ሓደ መዓልቲ ምስ ጸምአ: ካብ ሓደ መንእሰይ ማይ ኪዕድግ ደለየ። ኦፖኩ ሽሩፍ ኣይነበሮን: እቲ መንእሰይ እውን ማልስ ኣይነበሮን። ስለዚ: ንኦፖኩ ብዘይ ክፍሊት ማይ ሃቦ። ነቲ ማይ ኪህቦ ኸሎ: “ከምዚ ኸማይን ከማኻን ዝኣመሰሉ ሰባት ብዘይ ክፍሊት እተፈላለየ ነገራት ዚወሃሃቡሉ እዋን ንርኢዶ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኦፖኩ ነቲ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይኑ ሓተቶ: እቲ መንእሰይ ከኣ ከም ዘይተጋገየ ኣረጋገጸሉ። ናይቲ ሓው ልግስን ሕያውነትን ልቡ ተንከፎ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ፍሉይ ፓይነር ብዘይ ክፍሊት መጽሔት ኪህቦ ፍቓደኛ ምዃኑ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ ኣረኣእያ ጌጋ ምዃኑን ኪቕይሮ ኸም ዘለዎን ኣመነ። ስለዚ: መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ሕጂ ኸኣ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኣሎ።

ኣብ ላይበርያ ዚርከቡ ኣሕዋት ከቢድ ጸገማት የጋጥሞም እኳ እንተሎ: ኣብ ኣምላኽ ይውከሉ: ኣብ ትሕቲ እቲ ጽድቃዊ መግዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓሸ እዋን ከም ዚመጽእ ከኣ ብተኣማንነት ብስራት ይእውጁ ኣለዉ። የሆዋ ነቲ ግብሮምን ንስሙ ዝገብርዎ ፍቕርን ፈጺሙ ኣይክርስዖን እዩ።—እብራውያን 6:10

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ሞንሮቭያ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ እዋን ጸበባ ህዝቢ የሆዋ ነቶም እተሸገሩ መንፈሳውን ስጋውን ረድኤት ሃቡ