ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንፈስ እዛ እትቀያየር ዘላ ዓለም ተጻረሮ

ንመንፈስ እዛ እትቀያየር ዘላ ዓለም ተጻረሮ

ንመንፈስ እዛ እትቀያየር ዘላ ዓለም ተጻረሮ

“ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” —1 ቈረንቶስ 2:12

1. ሄዋን ብኸመይ እያ እተሓብለት፧

 “ተመን ኣስሒቱኒ።” (ዘፍጥረት 3:13) በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢላ እታ ሄዋን ዝስማ ቀዳመይቲ ሰበይቲ: ስለምንታይ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዓለወት ገለጸት። እቲ ዝበለቶ ንጌጋኣ ብቑዕ መመኽነይታ እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓቅነት ግን ኣለዎ። ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ “ሰበይቲ ግና ተሐቢላ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 2:14) ትእዛዝ ብምፍራስ ነታ እተኸልከለት ፍረ ምስ እትበልዕ: ከም ኣምላኽ ብምዃን ጥቕሚ እትረክብ ስለ ዝመሰላ ስሒታ ወይ ተሓቢላ እያ። መንነት እቲ ዘታለላ ብዘይምፍላጣ እውን ተሓቢላ እያ። ሰይጣን ድያብሎስ ነቲ ተመን ከም መዛረቢ ጥራይ ገይሩ ኸም እተጠቕመሉ ኣይፈለጠትን ነይራ።—ዘፍጥረት 3:1-6

2. (ሀ) ሎሚ ሰይጣን ንሰባት ብኸመይ እዩ ዜታልሎም ዘሎ፧ (ለ) “መንፈስ ዓለም” እንታይ እዩ: እንታይ ንዚብል ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

2 ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዓለዉሉ እዋን ኣትሒዙ: ሰይጣን ንሰባት ካብ ምስሓት ዓዲ ኣይወዓለን። አረ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” እዩ ተባሂሉ። (ራእይ 12:9) ሜላታቱ ሕጂውን ኣይተቐየረን። ቃል ብቓሉ ብተመን ይጥቀም እኳ እንተ ዘይሃለወ: መንነቱ ኻብ ምሕባእ ግን ኣየቋረጸን። ብመዘናግዒ: ብመራኸቢ ብዙሓን: ከምኡውን ብኻልእ መገድታት ገይሩ: ሰባት እቲ ፍቕራዊ መሪሕነት ኣምላኽ ከም ዘየድልዮምን ጥቕሚ ኸም ዘይረኽቡሉን ገይሮም ከም ዚኣምኑ ብምግባር የስሕቶም ኣሎ። እቲ ድያብሎስ ንኼስሕት ዚገብሮ ወፈራ: ኣብ ፍቐዶኡ ኣብ ዚርከቡ ሰባት ንሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር መንፈስ እዩ ኣፍርዩ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ዓለም” ብምባል ይጽውዖ። (1 ቈረንቶስ 2:12) እዚ መንፈስ እዚ ንእምነታትን ኣረኣእያታትን ጠባያትን እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ሰባት ይጸልዎ እዩ። እቲ መንፈስ ብኸመይ እዩ ዚንጸባረቕ: ንኸይብክለናኸ ብኸመይ ኢና ኽንጻረሮ እንኽእል፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የንቈልቍል ኣሎ

3. ኣብዚ ግዜና “መንፈስ ዓለም” ብዝያዳ ዚገሃድ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

3 ኣብዚ ግዜና “መንፈስ ዓለም” ብዝያዳ እዩ ዚገሃድ ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የንቈልቍል ከም ዘሎ ኣስተውዒልካ ትኸውን። ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ስለምንታይ ምዃኑ ይገልጸልና እዩ። ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቈመት: ኣብ ሰማይ ውግእ ኰነ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ተሳዕሩ: ናብ ከባቢ ምድሪ ድማ ተደርበዩ። ሰይጣን በዚ ስለ እተቘጥዐ: ንብዘላ ዓለም ንኼስሕት ወፈራ ጀመረ። (ራእይ 12:1-9, 12, 17) ብእተኻእሎ መጠን ‘ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕት’ ይጽዕር ኣሎ። (ማቴዎስ 24:24) ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቱ እዮም። ሞገስ የሆዋን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋን ምእንቲ ኽንስእን ንመንፈሳውነትና ኼጥፍእ እዩ ዚጽዕር።

4. ኣገልገልቲ የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ: ዓለም ግን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ፧

4 ሰይጣን ነቲ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ዚምህረና ኽቡር መጽሓፍ: ዋጋ ኸም ዘይብሉ ገይሩ እዩ ኼርእየና ዚጽዕር። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ንመጽሓፍ ቅዱስ ነፍቅሮን ነኽብሮን ኢና። እዚ መጽሓፍ እዚ ቓል ሰብ ዘይኰነስ መንፈስ ዚነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (1 ተሰሎንቄ 2:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ናይ ሰይጣን ዓለም ግን ምስዚ ዚጻረር ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና እያ እትደሊ። ንኣብነት: ሓንቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እትነቅፍ መጽሓፍ ኣብ መቕድማ “መጽሓፍ ቅዱስ ‘ቅዱስ’ ኣይኰነን: ‘ቃል ኣምላኽ’ እውን ኣይኰነን። ኣምላኽ ብመንፈሱ ብዚመርሖም ቅዱሳን ዘይኰነስ: ህርፋን ስልጣን ብዘለዎም ካህናት እዩ ተጻሒፉ” በለት። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ዚቕበሉ: ንኣምላኽ ብቓሕ ዝበሎም መገዲ ኼምልኽዎ ወይውን ከቶ ኸየምለኽዎ ኺነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 14:12

5. (ሀ) ሓደ ደራሲ ብዛዕባ እተን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀማ ሃይማኖታት እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ለ) ገሊኡ ኣብ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ኣረኣእያ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧ (ኣብ እትቕጽል ገጽ እትርከብ ሳጹን ተወከስ።)

5 ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዚወርድ መጥቃዕቲ ምስቲ እተን ንድግፎ ኢና ዚብላ ሃይማኖታት ዜርእያኦ ግብዝና ተደሚሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀማ ሃይማኖታት ኰነ ኻልኦት ሃይማኖታት ተቐባልነት ከም ዚስእና ገይሩ ኣሎ። መራኸቢ ብዙሓን ኰነ ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ንሃይማኖት ይነቕፍዎ ኣለዉ። ንኣብነት: ሓደ ደራሲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዛዕባ ኣይሁድነትን ክርስትናን ሰፊኑ ዘሎ ኣረኣእያ ኣሉታዊ እዩ። ጸበቐ እኳ እንተ ተባህለ ከም ሓደ ጥንታዊ ነገር፣ ካብኡ እንተ ሓመቐ ኸኣ በእምሮ ኸም ዘይትበስል ዚገብርን ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ ዚዓግትን ግዜኡ ዝሓለፎ ኣረኣእያ ጌርካ እዩ ዚርአ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እቲ ዝነበረ ንዕቀት ተጋዲዱስ ናብ ላግጽን ናብ ቅሉዕ ምጽራርን ተቐዪሩ ኣሎ።” እዚ ምጽራር እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቶም ህላወ ኣምላኽ ዝኸሓዱን ካብቶም “ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ” ተባሂሊሎም ዘሎን እዩ ዚምንጭ።—ሮሜ 1:20-22

6. ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚዅንኖ ጾታዊ ርኽሰት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ፧

6 እምበኣር: ሰባት ካብ ስርዓታት ኣምላኽ እናረሓቑ እንተ ኸዱ ዜገርም ኣይኰነን። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ-ሶዶም “ነውሪ” እዩ ዚብሎ። (ሮሜ 1:26, 27) ብተወሳኺውን እቶም ምንዝርን ዝሙትን ዚፍጽሙ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9) ይኹን እምበር: ኣብ ሓያሎ ሃገራት እዚ ጾታዊ ርኽሰት እዚ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ደርፍታት: ፊልምታት: ከምኡውን ኣብ መደባት ተለቪዥን ከም ዚበሃግ ጌርካ ይቐርብ እዩ። እቶም ነዚ ተግባራት እዚ ዚጻረሩ ኸም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም: ፈረድቲ: ከምኡውን ምስ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዘይስጕሙ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። ዓለም ንስርዓታት ኣምላኽ ከም መግለጺ ፍቕሪ ገይራ ኣብ ክንዲ እትርእዮ: ናይ ውልቀ-ሰብ ናጽነትን ዕግበትን ከም ዚቕይድ ገይራ እያ እትርእዮ።—ምሳሌ 17:15፣ ይሁዳ 4

7. ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

7 ኣብዛ ንኣምላኽ ብዝያዳ እናተጻረረት እትኸይድ ዘላ ዓለም ስለ እንነብር: ነረኣእያናን እንስዕቦ ስርዓታትን ምልስ ኢልና ምምርማር ጥበባዊ እዩ። በብቝሩብ ካብ ኣተሓሳስባን ስርዓታትን የሆዋ ንርሕቕ ከይንህሉ: በብግዜኡ ብጸሎትን ብቕንዕናን ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ንኣብነት: ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ዝፍንፍኖ ዝነበርኩ ጕዳያት ሕጂ ባህ ይብለኒ ድዩ፧ ነቲ ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገራት ዕሽሽ ክብሎዶ ጀሚረ እየ፧ ንመንፈሳዊ ነገራት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ኣፍኲሰ እርእዮዶ ኣለኹ እየ፧ ኣነባብራይ ኣብ ህይወተይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ከም ዝሃብኩ ድዩ ዜርኢ፧’ (ማቴዎስ 6:33) ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ንመንፈስ ዓለም ንኽንጻረር የኽእለና።

‘ምእንቲ ኸይንጠፍእ ነቕልብ’

8. ሓደ ሰብ ቀስ እናበለ ኻብ የሆዋ ኺጠፍእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ምእንቲ ኸይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብራውያን 2:1) ሓንቲ በብቝሩብ ካብ መገዳ እትጠፍእ መርከብ ኣብ ወደባ ኣይትበጽሕን እያ። ሓደ መራሕ መርከብ ንንፋስን ንማዕበልን ዘየቕልበሉ እንተ ዀይኑ: መርከቡ ብቐሊሉ ነቲ መገዳ ብምስሓት ብሰላም ኣብ ወደብ ኣብ ክንዲ እትኣቱ: ናብ ኣኻውሕ ዘለዎ ገምገም ባሕሪ ኽትከይድ ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ሓቂ ዘይነቕልበሉ እንተ ዄንና: በብቝሩብ ካብ የሆዋ ንርሕቕ: መንፈሳዊት መርከብና ኸኣ ትስበረና። ንሓቂ ምሉእ ብምሉእ ንዝነጸጎ ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድኣት ዚወርዶ። ሓያሎ ሰባት ንየሆዋ ብሃንደበትን ኰነ ኢሎምን ኣይኰነን ዚነጽግዎ። መብዛሕትኡ ግዜ በብቝሩብ ንቓል ኣምላኽ ከም ዘየቕልቡ ኣብ ዚገብሮም ነገራት እዮም ዚሳተፉ። ከይተፈለጦም ከኣ ናብ ሓጢኣት የምርሑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት: ልክዕ ከም ዝደቀሰ መራሕ መርከብ: ክሳዕ እቲ ጕድኣት ዜጋጥሞም ኣይነቕሑን እዮም።

9. የሆዋ ንሰሎሞን ብኸመይ እዩ ዝባረኾ፧

9 ንኣብነት: ታሪኽ ህይወት ሰሎሞን እስከ ንመርምር። የሆዋ ንሰሎሞን ኣብ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ሸሞ። ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ፈቐደሉ: እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፍ ድማ መምርሒ ሃቦ። የሆዋ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ተዛረቦ: ሃብትን ዝናን ሰላም ዝሰፈኖ ግዝኣትን ድማ ሃቦ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዓብዪ ጥበብ ባረኾ። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሀቦ። ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ።” (1 ነገስት 4:21, 29, 30፣ 11:9) እምበኣር: ከም ሰሎሞን ገይሩ ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ዚግብኦ ኣይነበረን ክንብል ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን: ሰሎሞን በብቝሩብ ካብ መገዱ እናጠፍአ ከደ: ናብ ክሕደት ድማ በጽሐ። እዚ ብኸመይ እዩ ዝዀነ፧

10. ሰሎሞን እንታይ መምርሒ እዩ ዘየኽበረ: እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧

10 ሰሎሞን ንሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይፈልጥን ይርዳእን ነበረ። ነቲ ንነገስታት እስራኤላውያን እተዋህቦም መምርሒታት ብፍላይ ከም ዘተኰረሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓደ ኻብዚ መምርሒታት “[እቲ ንጉስ] ልቡ ኸየስድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ዚብል ነበረ። (ዘዳግም 17:14, 17) እዚ ንጹር መምርሒ ተዋሂብዎ ኽነሱ ግን ሸውዓተ ሚእቲ ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። ሓያሎ ኻብዘን ኣንስቲ እዚኣተን ጓኖት ኣማልኽቲ የምልኻ ነበራ። ሰሎሞን ንምንታይ ክንድዚ ዚኣኽላ ኣንስቲ ኸም ዘእተወ: ከምኡውን ነዚ ኺገብር ከሎ እንታይ መመኽነይታ ይህብ ምንባሩ ኣይንፈልጥን ኢና። ኣምላኽ ንዝሃቦ ንጹር መምርሒ ኸም ዘየኽበረ ግን ንፈልጥ ኢና። እቲ ሳዕቤኑ ኸኣ ብልክዕ ከምቲ የሆዋ ዘጠንቀቖ ዀነ። “እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ” ዚብል ነንብብ። (1 ነገስት 11:3, 4) በብቝሩብ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብ ሃሰሰ። ንሱውን ቀስ ብቐስ ጠፍአ። ድሕሪ ግዜ እቲ ሰሎሞን ንኣምላኽ ንኺእዘዝን ንኼሐጕስን ዝነበሮ ባህጊ: በቲ ነተን ኣረማውያን ኣንስቱ ኼሐጕሰን ዚብል ባህጊ ተተክአ። ኣቐድም ኣቢሉ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ኢሉ ጽሒፉ እኳ እንተ ነበረ: መወዳእትኡ ግን ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—ምሳሌ 27:11

መንፈስ ዓለም ሓያል እዩ

11. እቲ ነእምሮና እንምግቦ ነገራት ነተሓሳስባና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

11 ንሕናውን ንሓቂ ስለ ዝፈለጥና: ዓለማዊ ጽልዋ ነተሓሳስባና ኣይቅይሮን እዩ ዚብል ኣረኣእያ ምሓዝ ሓደገኛ ምዃኑ ኻብቲ ንሰሎሞን ዘጋጠሞ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ከምቲ ምግቢ ንኣካልና ዚትንክፎ: ኣእምሮኣዊ ምግቢ እውን ነእምሮና ይትንክፎ እዩ። ነእምሮና እንምግቦ ነገራት ነተሓሳስባናን ነረኣእያናን ይቐርጾ። ትካላት ነዚ ስለ ዚፈልጣ: ኣብ ዓዓመት ፍርያተን ንኼፋልጣ ብቢልዮናት ዚቝጸር ዶላራት ይምድባ። ውጽኢታዊ ዚበሃል ረክላማት ንትምኒትን ባህግን እቲ ዓዳጊ ንምስሓብ ዜኽእል እተመርጸ ቓላትን ስእልታትን ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚውን ረክላማት ዚገብሩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ረክላም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ጥራይ ምርኣይ ንሰባት ተጓይዮም ነቲ ፍርያት ከም ዚዕድግዎ ኸም ዘይገብሮም ይፈልጡ እዮም። እናሓደረ ሰባት ብተደጋጋሚ ምስ ረኣይዎ ግን ነቲ ፍርያት ከም ዚፈትዉዎ ይገብሮም። ረክላማት ብሓቂ ጽልዋ ኣለዎ: እንተ ዘይከውን ነይሩ ዋላ ሓደ ሰብ ገንዘቡ ኣብዚ ኣይመዋፈረን። ኣብ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣለዎ።

12. (ሀ) ሰይጣን ነተሓሳስባ ሰባት ዚጸሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ኪጽለዉ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

12 ሰይጣን ልክዕ ከምቲ ሓደ ረክላም ዜዳሉ: ሰባት እናሓደሩ ኸም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸም ዚህልዎም ኪገብር ዚኽእል ምዃኑ ብምፍላጥ: ነቲ ሓሳባቱ ዚምስጥ ኣምሲሉ እዩ ዜቕርቦ። ብመዘናግዒታትን ብኻልእ መገድታትን ኣቢሉ: ሰባት ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ኢሎም ንኺኣምኑ የስሕቶም። (ኢሳይያስ 5:20) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከይተረፉ: በዚ ሰይጣን ዚነዝሖ ሓሶት ተታሊሎም እዮም። ነዚ ብዚምልከት መጽሓፍ ቅዱስ “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ: እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ: ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት” ኪመጹ ምዃኖም የጠንቅቐና።—1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2፣ ኤርምያስ 6:15

13. ሕማቕ ዕርክነት ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል: እንገብሮ ዕርክነትከ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

13 ዋላ ሓደ ኻባና ብመንፈስ ዓለም ኪጽሎ ዘይክእል የልቦን። እቲ ኣብዚ ሰይጣን ዚቈጻጸሮ ዘሎ ኣገባብ ዚርአ ንፋስን ማዕበልን ሓያል እዩ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ጥበባዊ ማዕዳ ይህበና። (1 ቈረንቶስ 15:33) ሕማቕ ዕርክነት: መንፈስ ዓለም ዜንጸባርቕ ዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ዋላ እውን ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ኸይተረፈ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕማቕ ዕርክነት ኪጐድኣና ኣይክእልን እዩ ዚብል ኣተሓሳስባ እንተ ሒዝና: ጽቡቕ ዕርክነት እውን ኣይጠቕመናን እዩ ማለትዶ ኸይኰነ፧ እዝስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጌጋ ዀን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ብንጹር ኪገልጾ ኸሎ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ይብል።—ምሳሌ 13:20

14. ንመንፈስ ዓለም ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧

14 ንመንፈስ ዓለም ንኽንጻረሮ: ምስ ጠቢባን ማለት ምስቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ኽንተዓራረኽ ኣሎና። ነእምሮና ንእምነትና ብዚሃንጽ ነገራት ክንመልኦ ኣሎና። ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:8) ቅኑዕን ጌጋን ንኽንመርጽ እተፈጠርና ኸም ምዃንና መጠን: እንሓስቦ ነገር ክንመርጽ ንኽእል ኢና። እምበኣር ወትሩ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ዜቕርበና ነገር ንምረጽ።

መንፈስ ኣምላኽ ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ

15. ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቶም ኣብታ ኸተማ ዚቕመጡ ኻልኦት ፍሉያት ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

15 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብመንፈስ ዓለም ዘይኰነስ በቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዮም ዚምርሑ። ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ “ንሕና ግና: እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ: ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 2:12) ጥንታዊት ቈረንቶስ ብመንፈስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ እተኸበት ከተማ እያ ነይራ። መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ኣመና ብዕሉጋት ብምንባሮም ስም እታ ኸተማ ምስ ብዕልግና ምፍጻም ብምትሕሓዝ እውን ይዕየየሉ እዩ። ሰይጣን ንሓሳብ እቶም ህዝቢ ኣዐዊርዎ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዙሕ ኣይፈልጡን ወይ ከኣ ከቶ ኣይፈልጡን ነበሩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) እንተዀነ ግን: የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ነዒንቲ ገሊኣቶም ሰብ ቈረንቶስ ከፈተሎም: ፍልጠት ሓቂ ንኺረኽቡ ድማ ኣኽኣሎም። መንፈሱ ስለ ዚደረኾምን ስለ ዚመርሖምን ከኣ ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ለውጥታት ኪገብሩ: ሞገሱን በረኸቱን ከኣ ኪረኽቡ ኸኣሉ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) መንፈስ ዓለም ሓያል እኳ እንተ ነበረ: መንፈስ የሆዋ ግን ካብኡ ዚሕይል እዩ ነይሩ።

16. መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ክንረክብን ክንዕቅብን ንኽእል፧

16 ኣብዚ ግዜና እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እቲ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣድማስ ካብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ ኣለዎ: የሆዋ ድማ ንዅሎም እቶም ብእምነት ዚልምንዎ ዘበሉ መንፈስ ቅዱሱ ኣብዚሑ እዩ ዚህቦም። (ሉቃስ 11:13) ይኹን እምበር: መንፈስ ኣምላኽ ንምርካብ ንመንፈስ ዓለም ክንጻረር ጥራይ ኣይኰነናን ዘሎና። መንፈስና ወይ ኣተሓሳስባና ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰማማዕ: ኣዘውቲርና ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። ከምዚ እንተደኣ ጌርና: ሰይጣን ንመንፈሳውነትና ንምብልሻው ዜምጽኦ ዝዀነ ይኹን ሜላ ንኽንጻወር የሆዋ ኼጽንዓና እዩ።

17. ሎጥ ዘሕለፎ ነገራት ብኸመይ እዩ ኼጸናንዓና ዚኽእል፧

17 ክርስትያናት ካብ ዓለም እኳ እንተ ዘይኰኑ: ኣብ ዓለም ግን እዮም ዘለዉ። (ዮሃንስ 17:11, 16) ንኣምላኽ ወይ ንመገድታቱ ምስ ዘየፍቅሩ ሰባት ንሰርሕ ወይውን ንነብር ስለ ዝዀንና: ካብ መንፈስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ክንርሕቕ ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ እቶም ሰብ ሶዶም ብዚገብርዎ ዝነበሩ ዓመጻ “ዚስቀ” ዝነበረ ሎጥ ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት ድዩ ዘሎና፧ (2 ጴጥሮስ 2:7, 8) ከምኡ እንተደኣ ዄንና: ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንሎጥ ኣዕቊብዎን ኣድሒንዎን እዩ: ንዓናውን ተመሳሳሊ ኺገብረልና ይኽእል እዩ። እቲ ፈቃር ኣቦና ዅነታትና ይርእዮን ይፈልጦን እዩ: መንፈሳውነትና ንምዕቃብ ዜድልየና ሓገዝን ብርታዐን ድማ ኪህበና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 33:18, 19) ኣብኡ እንተ ተወኪልናን ናብኡ እንተ ተማህሊልናን: ኣጸጋሚ ዅነታት እውን የጋጥመና ብዘየገድስ ንመንፈስ ዓለም ንኽንጻረሮ ኺሕግዘና እዩ።—ኢሳይያስ 41:10

18. ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብዛ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐትን ብሰይጣን እተታለለትን ዓለም እዚኣ: ህዝቢ የሆዋ ብምዃንና ብፍልጠት ሓቂ ተባሪኽና ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ዓለም ዘይብላ ሓጐስን ሰላምን ንረክብ ኣሎና። (ኢሳይያስ 57:20, 21፣ ገላትያ 5:22) ኣብቲ መንፈስ እዛ ጥፍኣታ ቐሪቡ ዘሎ ዓለም ዘይህልወሉ ገነት ንዘለኣለም ንምንባር ዘሎና ተስፋ ነማስወሉ ኢና። እምበኣር: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ርክብ ኣኽቢርና ንርኣዮ: ብመንፈሳዊ መገዲ በብቝሩብ ካብ መገድና ኼጥፍኣና ዚፍትን ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ንምዕራይ ድማ ንቑሓት ንኹን። ንየሆዋ ንቕረቦ: ንሱውን ንመንፈስ ዓለም ንኽንጻረሮ ኺሕግዘና እዩ።—ያእቆብ 4:7, 8

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሰይጣን ንሰባት ዚሓብልን ዜስሕትን በየናይ መገድታት ኣቢሉ እዩ፧

• ካብ የሆዋ በብቝሩብ ንኸይንጠፍእ ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• መንፈስ ዓለም ሓያል ምዃኑ ዜርእየና እንታይ እዩ፧

• ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ ክንቅበልን ክንዕቅቦን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሰሌዳ]

ጥበብ ዓለምን ጥበብ ኣምላኽን ኪነጻጸር ከሎ

ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ዚበሃል የልቦን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንርእሱ ሓቂ ዚብሎ ይውስን።

“ቃልካ [ቃል ኣምላኽ] ሓቂ እዩ።”—ዮሃንስ 17:17

ኣብ ስምዒትካ ተመርኲስካ ቕኑዕን ጌጋን ወስን።

“ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ።”—ኤርምያስ 17:9

ቃሕ ዝበለካ ግበር።

‘እቲ ዚመላለስ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን።’—ኤርምያስ 10:23

ሃብቲ ሓጐስ የምጽእ።

“እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:10

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሰሎሞን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ በብቝሩብ ‘ብምጥፋእ’ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣምለኸ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ልክዕ ከም ሓደ ረክላም ዜዳሉ ሰብ ንመንፈስ ዓለም የስፋሕፍሕ ኣሎ። ንስኻኸ ነዚ መንፈስ እዚ ትጻረሮዶ ኣለኻ፧