ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰባት ኣብ ስርሖም ምርካብ

ንሰባት ኣብ ስርሖም ምርካብ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ንሰባት ኣብ ስርሖም ምርካብ

ማቴዎስ: ጴጥሮስ: እንድርያስ: ያእቆብ: ዮሃንስ—እዞም ሃዋርያት እዚኣቶም እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣለዎም፧ የሱስ ንዅላቶም ካብ ስርሖም እዩ ጸዊዕዎም። የሱስ ንጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ዓሳ ኣብ ዚገፉሉ እዋን ወይ ንኺገፉ ኣብ ዚዳለዉሉ እዋን እዩ “ንዑ ስዐቡኒ” ኢሉ ዝጸውዖም። ንማቴዎስ ወደ መዝሙሩ ኪዀኖ ኺጽውዖ ኸሎ እውን ኣብ በሪ ተጎ ወይ ኣብ መደበር ቀረጽ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 4:18-21፣ 9:9

ንሰባት ኣብ ስርሖም ኬድካ ምምስካር ፍረ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጃፓን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ስለ ዜስተውዓሉሉ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ንምስታፍ ብርቱዕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። እንታይ ፍረኸ ረኸቡ፧ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: በሽሓት ዚቝጸር ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበሩ: 250 ዚኸውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ መርሑ። ነዚ ዚስዕብ ተመክሮታት እሞ ርአ።

ሓደ ኣብ ቶክዮ ዚነብር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምስ ሓደ ኣስታት 30 ዓመት ይገብር ኣብ ቤት ትምህርቱ ምስ ናይ የሆዋ ምስክር እተዘራረበ ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምግቢ ተራኸበ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነቲ ቐደም እተነግሮ ነገራት ዋላ እኳ እንተ ዘይተረድኦ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ተገዳስነት ኣሕደረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ተገዳስነቱ ምስ ተለዓዓለ: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብር ብኡንብኡ ፍቓደኛ ዀነ። a ኣብ ርእሲ እዚውን ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሱ ብብሕቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ጀመረ።

ሓንቲ ፍልይቲ ፓይነር ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ከደት። እቲ ኣካያዲ ስራሕ እኳ እንተ ዘይነበረ: እታ ኻብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኰይና ነቲ ተሌፎን ዘልዓለቶ መንእሰይ “ምሳይ ክትዘራረቢ ትደልዪዶ፧” ኢላ ሓተተታ። ብተሌፎን ሕጽር ዝበለ ዝርርብ ድሕሪ ምግባር: እታ ጓል ናብቲ እታ ሓብቲ ዝነበረቶ መቐበሊ ኣጋይሽ እቲ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምምጻእ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተንብብ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ገለጸት። እታ ፍልይቲ ፓይነር መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኻልእ ግዜ ንኽትመጻ ቘጸራ ገበራ። ንግሆ ሰዓታት ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ መናፈሻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብራ ጀመራ።

ኣብ ካልእ ቤት ጽሕፈት ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ መሳርሕቱ ኻብ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ድሕሪ ምቕባል እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ከደ ብኡንብኡ ኽትጕሕፎ ኸላ ረኣያ። እቲ ሰብኣይ ናብ ቤቱ ምስ ከደ: ነታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሰበይቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ነገራ: መጽሔት እንተ ዚብርከተሉ ኸኣ እንተ ወሓደ ንእተወሰነ እዋን ከም ዚሰምዖም ገለጸ። ጓሉ ነዚ ኺዛረብ ከሎ ምስ ሰምዐት: ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዜገልግል ናይ የሆዋ ምስክር ነገረቶ። ንሱውን ነቲ ሰብኣይ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብቕልጡፍ ኪበጽሖ ኸደ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረሉ። ድሕሪ ሓጺር እዋን እቲ ሰብኣይ ብኡንብኡ ኣብ ሰናብቲ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ኺእከብ ጀመረ።

ንሰባት ኣብ ስርሖም ምምስካር ካልእ ረብሓታት እውን ኣምጺኡ እዩ። ኣብ ጃፓን ዚርከቡ ሓያሎ ኣስፋሕቲ ኣብ ዕዳጋታት: ኣብ ፋብሪካታት: ከምኡውን ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ዝመጸ ኽኢላታት ኰይኖም ኣለዉ። ብዘይካዚ: በዚ መዳይ ምስክርነት እዚ ብዙሓት ዝዛሕተሉ ክርስትያናት ተረኺቦምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሑሎምን እዩ። እዚ ኸኣ ዜደንቕ ፍረ እዩ ኣፍርዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ቶክዮ እትርከብ ጉባኤ 108 ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተመርሐ ጸብጻብ ሂባ: እዚ ኸኣ ካብቲ ዓመት ይገብር እተዋህበ ጸብጻብ ካብ ዕጽፊ ዚዛይድ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።