ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእሽቶ መስዋእቲ ብዙሕ በረኸት ኣምጸኣልና

ንእሽቶ መስዋእቲ ብዙሕ በረኸት ኣምጸኣልና

ታሪኽ ህይወት

ንእሽቶ መስዋእቲ ብዙሕ በረኸት ኣምጸኣልና

ጆርጅ ኣልጀንን ኣን ኣልጀንን ዘዘንተዉዎ

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ሓደ መዓልቲ “መምህር” ንብል ኣለና ኢልና “ኣንጭዋ” ኽንብል ኢልና ሓሊምናዮ እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ 60ታት ዕድሜና ኻብ ርሑቕ ምብራቕ ንዚመጹ ሰባት ንኸነዘራርብ ኢልና ፍልይ ዝበለ ፊደላት ከነጽንዕ እውን ሓሲብናዮ ኣይንፈልጥን። ኰይኑ ግን: ኣነን ኣንን ኣብ መወዳእታ 1980ታት ነዚ ኢና ጌርና። እቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝገበርናዮ ንእሽቶ መስዋእቲ ብኸመይ ብዙሕ በረኸት ከም ዜምጸኣልና እስከ ኸዘንትወልኩም።

ኣነ ኻብ ኣርመናውያን ዝመበቈሎም ስድራቤት እየ ተወሊደ: ሰዓቢ ቤተ-ክርስትያን ኣርመን ድማ ነበርኩ። ኣን ሰዓቢት ናይ ሮማ ካቶሊክ ነበረት። ብ1950 ክንምርዖ ኸለና ኽልቴና ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታትና እተወሰነ ሕድገታት ጌርና ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነ ወዲ 27 ዓመት ነበርኩ: ኣን ድማ ጓል 24 ዓመት ነበረት። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ጀርሲ ሲቲ: ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ.: እትርከብ ቤት ሕጽቦይ ኣብ ዝነበረ ኣፓርታማ ኸኣ ኣተና። እዚ ኪኸውን ከሎ ነታ ቤት ሕጽቦ ኻብ ዝውንና ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ።

ብ1955 ኣብ ሚድልታውን: ኒው ጀርሲ: ሓንቲ ጽብቕቲ ሰለስተ መደቀሲ ዘለዋ ቤት ዓደግና። እዛ ቤት እዚኣ ኻብታ ቤት ሕጽቦይ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢላ እትርሕቕ ነበረት: ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ እናተመላለስኩ ኸኣ እዓዪ ነበርኩ። ኵሉ ሳዕ ኣምስየ እየ ንገዛይ ዝኣቱ ነይረ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በብግዜኡ ናብ ቤት ሕጽቦይ መጺኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከበርክቱለይ ከለዉ ጥራይ እየ ዝረኽቦም ነይረ። ነቲ ጽሑፋት ተመሲጠ አንብቦ ነበርኩ። ስርሐይ ንመብዛሕትኡ ግዜይን ኣቓልቦይን ዚወስዶ እኳ እንተ ነበረ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ግን ዓሚቝ ኣኽብሮት ሓደረኒ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ካብ ቤተይ ናብ ስርሐይ ኣብ ዝመላለሰሉ እዋን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መደበር ረድዮ: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝርርብ ከም ዚፍኑ ፈለጥኩ። ነዚ ዝርርባት እዚ ብተኸታታሊ ሰማዕክዎ: ተገዳስነተይ ስለ ዝዓበየ ኸኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሑኒ ንኺመጹ ሓተትክዎም። ኣብ ሕዳር 1957 ጆርጅ ብላንተን ናብ ቤተይ ኪበጽሓኒ መጸ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረለይ።

ስድራቤትና ብምልእታ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ተጸምደት

ኣን በዚ ዅሉ ኸመይ ተሰምዓ፧ ነዚ ጕዳይ ባዕላ እስከ ተዘንትዎ።

“ፈለማ ኣምሪረ ተጻረርክዎ። ጆርጅ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ከሎ ዓሰርተ ሳዕ እርብሾም ብምንባረይ: ኣብ ካልእ ቦታ ኸይዱ ኼጽንዕ ወሰነ: እዚ ድማ ንሸሞንተ ወርሒ ቐጸለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጆርጅ ኣብ ሰናብቲ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እናኸደ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ። ሰንበት እንኮ ዜዕርፈላ መዓልቲ ስለ ዝነበረት: ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚኑ ኸም ዚርእዮ ፈለጥኩ። እንተዀነ ግን: ንፉዕ ብዓል ቤትን ኣቦን ካብ ምዃን ኣይሰነፈን: አረ ኣብዚ መዳይ እዝስ ብዝያዳ እዩ ተመሓይሹ። ስለዚ ኸኣ ኣረኣእያይ ኪቕየር ጀመረ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ጣውላና ኼጸራርዮ ኸለኹ: ዋላ ሓደ ኸይረኣየኒ ጆርጅ ገዲፉዋ ዚኸይድ መጽሔት ንቕሑ! ኣልዒለ አንብብ ነበርኩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ጆርጅ ካብ መጽሔት ንቕሑ! ንሰረተ-እምነት ብቐጥታ ዘይትንክፍ ግን ከኣ ብዛዕባ ፈጣሪ ዜጕልሕ ዓንቀጻት የንብበለይ ነበረ።

“ሓደ ምሸት ጆርጅ ምስ ሓው ብላንተን መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዕ ወጺኡ ኸሎ: እቲ ጆርጅ ዚበሃል ወዲ ኽልተ ዓመት ወድና ኣብ ጥቓ ዓራተይ ኣብ ዝነበረ ጣውላ ዘቐመጣ መጽሔት ኣልዓልክዋ። ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት እትገልጽ ነበረት። ደኺመ እኳ እንተ ነበርኩ: ዓባየይ ካብ እትመውት ነዊሕ ስለ ዘይገበረት: በዚ ኸኣ ብዙሕ ሓዚነ ብምንባረይ: ኬንብባ ጀመርኩ። እቲ ምዉታት ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉን ኣብ መጻኢ ኺትንስኡ ምዃኖምን ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብኡንብኡ ተገልጸለይን ተረድኣንን። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ዓራተይ ቅንዕ ኢለ ኾፍ ብምባል ተመሲጠ ኸንብብን ጆርጅ ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብረሉ ቦታ ምስ ተመልሰ ከርእዮ ንዝደለኹዎ ነጥብታት ከስምርን ጀመርኩ።

“ብዓል ቤተይ ብሓቂ እምበርዶ ንሳ እያ ኢሉ ኽሳዕ ዚጠራጠር ኰነ። ካብ ቤትና ኪኸይድ ከሎ እጻረሮ ነበርኩ: ኪምለስ ከሎ ግን ዜደንቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምፍላጠይ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢለ ጸናሕክዎ! ፍርቂ ለይቲ ኽሳዕ ዚሓልፍ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘራረብና። ጆርጅ: ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ገለጸለይ። በታ ለይቲ እቲኣ ኣነ ምስኡ ሓቢረ ምእንቲ ኽመሃር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት ኪገብሩ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ሓተትክዎ።

“ሓው ብላንተን ደቅና እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ኺካፈሉ ሓሳብ ሃበና። እቲ ሓደ ወዲ ኽልተ እቲ ኻልኣይ ከኣ ወዲ ኣርባዕተ ብምንባሮም ገና ዘይኣኸሉ ዀይኑ ተሰምዓና። ሓው ብላንተን ግን ነቲ ‘ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን . . . ነቲ ህዝቢ: ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን . . . አክቦም’ ዚብል ኣብ ዘዳግም 31:12 ዚርከብ ሓሳባት ኣርኣየና። ነቲ መምርሒ ኣኽቢርና ስለ ዝረኣናዮ: እቶም ቈልዑ ኣብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳቦም ኪህቡ እውን ምድላው ገበርና። እንህቦ ሓሳባት ብሓንሳእ ንዳለወሉ ነበርና: እንታይ ኪብሉ ኸም ዘለዎም ግን ኣይንነግሮምን ኢና ኔርና። እዚ ንደቅና ነታ ሓቂ ናታቶም ንኺገብርዋ ኸም ዝሓገዞም እዩ ዚስምዓና። እቲ ሓው ብላንተን ንስድራቤትና ብመንፈስ ንኽትዓቢ ኺሕግዛ ኢሉ ዝሃበና መምርሒታት ወትሩ ነማስወሉ ኢና።”

መስዋእቲ ዜድልዮ ጸገማት

ድሕርዚ ስድራቤትና መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ድሕሪ ምጅማራ: ፍታሕ ክንገብረሉ ዘሎና ሓድሽ ጸገማት ኣጓነፈና። ቤት ሕጽቦይ ኣመና ርሑቕ ብምንባሩ: ምሸት ሰዓት ትሽዓተ እየ ናብ ገዛይ ዝምለስ ነይረ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብቲ ኣብ ሰናብቲ ዚግበር ኣኼባታት እእከብ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ግን ክእከብ ኣይከኣልኩን። ኣን ግን ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ትእከብ ብምንባራ ቕልጡፍ ዕቤት ከተርኢ ጀመረት። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክእከብን ፍረ ዘለዎ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕን ደለኹ። ነዚ ንምፍጻም መስዋእቲ ኽገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ። ስለዚ: ዋላ እውን እተወሰኑ ዓማዊለይ ክስእን ዝኽእል እንተ ዀንኩ: ኣብ ስራሕ ዘሕልፎ ግዜ ኽንክዮ ወሰንኩ።

እዚ ዝገብርክዎ ለውጢ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየለይ። ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ኸምቲ ኻልእ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ሓሙሽተ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣርዚንና ንርእዮ ነበርና። ሻድሻይ ኣኼባና ኢልና ኸኣ ንጽውዖ ነበርና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ እተወሰነ መዓልትን ሰዓትን ነይርዎ ማለት እዩ። እወ: ኣብ ሰሰሙን ረቡዕ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ኢና ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ እንገብር ዝነበርና። ድሕሪ ድራር ነቲ ዝበላዕናሉ ብያቲ ምስ ሓጸብናዮ: ሓደ ኻባና “‘ኣኼባ’ እንገብረሉ ሰዓት ኣኺሉ” ይብል። ኣነ እንተ ደንጕየ: ኣን ነቲ መጽናዕቲ ኽትመርሖ ትጅምር: ምስ መጻእኩ ኸኣ ካብቲ ዝበጽሕዎ ኣነ እመርሖ።

ካልእ ንኣባላት ስድራቤትና ጽኑዓትን ሓድነት ዘሎናን ዝገበረና ነገር: ንግሆ ብሓባር ዕለታዊ ጥቕሲ ምንባብና እዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ምድላው ንምግባር ጸገማት ኣጋጢሙና እዩ። ኵላትና ኣብ በበይኑ ሰዓት ኢና እንትንስእ ዝነበርና። ነዚ ምስ ተመያየጥናሉ: ኵላትና ብሓንሳእ ንኽንትንስእ: ንግሆ ሰዓት 6:30 ቍርስና ንኽንበልዕ: ዕለታዊ ጥቕሲ ድማ ብሓባር ንኸነንብብ ወሰንና። እዚ ምድላው እዚ ንዓና ብዙሕ እዩ ጠቒሙና። ደቅና ምስ ዓበዩ: ቤትኤል ኣተዉ። እዚ መዓልታዊ እንገብሮ ዝነበርና ምይይጥ: ንመንፈሳውነቶም ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ እዩ ዚስምዓና።

ድሕሪ ጥምቀት ኣብ ኣገልግሎት ንኽንጽመድ ዝያዳ መስዋእቲ ኽንገብር ኣድለየና

ብ1962 እየ ተጠሚቐ። ጥቓ ስድራቤተይ ኰይነ ብሓባር ንየሆዋ ምእንቲ ኸነገልግል: ነቲ ቤት ሕጽቦይ ን21 ዓመት ምስ ሰራሕኩሉ ሸይጠ ኣብቲ ኸባቢና ስራሕ ጀመርኩ። እዚ ብዙሕ በረኸታት ንኽረክብ መገዲ ኸፈተለይ። ኵላትና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽንጽመድ ሸቶ ኣውጻእና። ኣብ መጀመርታ 1970ታት እቲ ኤድዋርድ ዝስሙ በዅሪ ወድና ኻልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ወይ ስርዓታዊ ፓይነር ምስ ኰነ: እዚ ሸቶና እዚ ኺፍጸም ጀመረ። ቁሩብ ጸኒሑ ጆርጅ ወድና ፓይነር ኰነ: ኣን ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐት ሰዓበቶም። ሰለስቲኦም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመክሮታት ክነግሩኒ ኸለዉ ብዙሕ እዮም ኣተባቢዖምኒ። ኵላትና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንኣቱ: ብስድራቤት ተኣኪብና ናብራና ብኸመይ ቀሊል ክንገብሮ ኸም እንኽእል ተመያየጥና። ድሕርዚ: ቤትና ኽንሸጣ ወሰንና። ኣብታ ቤት እቲኣ ን18 ዓመት ኢና ተቐሚጥና: ኣብኣ ኸኣ ኢና ደቅና ኣዕቢና። ንቤትና ኣዚና ኢና እንፈትዋ ኔርና: እንተዀነ ግን: ነቲ ንኽንሸጣ ዝገበርናዮ ውሳነ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ።

ብ1972 ኤድዋርድ ናብ ቤትኤል ንኺኣቱ ጻውዒት ኪቐርበሉ ኸሎ: ብ1974 ከኣ ንጆርጅ ጻውዒት ቀረበሉ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ካባና ብምርሓቖም ንናፍቖም እኳ እንተዀንና: ተመርዕዮምን ውሉዳት ወሊዶምን ኣብ ጥቓና እንተ ዚዀኑ ዚብል ትምኒት ግን ኣብ ኣእምሮና ኣየሕደርናን። ኣብ ክንድኡስ: ደቅና ኣብ ቤትኤል ንየሆዋ የገልግሉ ብምህላዎም ተሓጐስና። a ነቲ ኣብ ምሳሌ 23:15 ዚርከብ “ወደየ: ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ: ኣነውን ልበይ ይሕጐስ” ዚብል ቃላት ንሰማምዓሉ ኢና።

ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጀመርና

ክልቲኦም ደቅና ኣብ ቤትኤል ምስ ኣተዉ: ፓይነራት ኴንና ምግልጋል ቀጸልና። ድሕርዚ ብ1975 ጉባኤ ኣብ ዘይብሉ ክሊንተን ካውንቲ: ኢልዮንስ: ዚበሃል ዞባ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል እትጽውዕ ደብዳበ መጸትና። እዚ ብሓቂ እዩ ኣሰምቢዱና! ነዚ ጻውዒት እንተ ተቐቢልናዮ: ካብ ጥቓ እቶም ኣብ ኒው ዮርክ ዚነብሩ ደቅና ከምኡውን ካብቲ ፈተውትናን ኣዝማድናን ዚርከቡሉ ኒው ጀርሲ ኽንግዕዝ ማለት እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኸም ዝሃበና መዝነት ጌርና ተቐበልናዮ: ሓድሽ በረኸት ንኽንረክብ መገዲ ዚጸርገልና መስዋእቲ ኸኣ ገበርና።

ኣብቲ ጉባኤ ዘይነበሮ ዞባ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ድሕሪ ምግልጋል: ኣብቲ ኣብ ካርላይል: ኢልዮንስ: ዚርከብ ናይቲ ማሕበረሰብ ኣደራሽ ኣኼባታትና ኽንገብር ጀመርና። እንተዀነ ግን: ቀዋሚ እንእከበሉ ቦታ የድልየና ነበረ። ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብር ሓውን ብዓልቲ ቤቱን ክንካረያ እንኽእል ንእሽቶ ጎጆ ዘለዋ ቦታ ረኸቡ። ነታ ጎጆ ዀነ ነታ ኣብ ደገ እትርከብ ዓይኒ ምድሪ ምስ ኣጸራረናየን: ንእስ ዝበለት መአከቢት ኰነትና። ነቲ እዋን እቲ ኽንዝክር ከለና: ሓደ ህንጡይ ዝነበረ ፈረስ እዩ ትዝ ዚብለና። ኣብ ኣኼባ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንኽርኢ: ርእሱ በቲ መስኮት የእትዎ ነበረ።

ድሕሪ ግዜ ጉባኤ ካርላይል ተመስረተት: ኣብዚ እጃምና ብምብርካትና ኸኣ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። ኣብቲ ጉባኤ ዘይነበሮ ዞባ ኼገልግሉ ዚመጹ ስቲቭ ቶምሰንን ካረል ቶምሰንን ዚበሃሉ ፓይነራት ኰይኖም ዜገልግሉ መንእሰያት ሰብ ሓዳር እውን ሓጊዞምና እዮም። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ንእተወሰነ ዓመታት ኣብታ ኸተማ ጸንሑ: ጸኒሖም ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ስልጠና ድሕሪ ምርካብ: ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመደቡ። ኣብኡ ኸኣ ሓው ቶምሰን ብብዓልቲ ቤቱ እናተሰነየ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ኣገልገለ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እታ ንእሽቶ መአከቢትና ጸበበትና: ዝዓበየ ኣደራሽ ከኣ ኣድለየና። እቶም ፈለማ ነዛ መአከቢት ዝረኸቡልና ሓውን ብዓልቲ ቤቱን ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምሽእ መሬት ዓደጉልና። ድሕሪ ሒደት ዓመታት: እቲ ኣብ ካርላይል እተሃንጸ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪውፈ ኸሎ ምስ ተዓደምናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! ነቲ ናይ ወፈያ ዝርርብ ብምሃበይ ክብሪ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ኣብኡ ዝፈጸምናዮ ኣገልገሎት ባህ ዜብል ተመክሮታትን በረኸት የሆዋን እዩ ኣምጺኡልና።

ሓድሽ ኣጋጣሚ ተኸፍተልና

ብ1979 ኣብ ሃሪሰን: ኒው ጀርሲ: ተመደብና። ኣብታ ኸተማ ኸኣ ን12 ዓመት ዚኸውን ኣገልገልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሓንቲ ቻይናዊት ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህራ ጀመርና: እዚ ኸኣ ንሓያሎ ቻይናውያን መጽናዕቲ ንኽንመርሓሎም መገዲ ኸፈተልና። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣብ ከባቢና በሽሓት ዚቝጸሩ ቻይናውያን ተማሃሮን ስድራቤቶምን ከም ዚነብሩ ፈለጥና። ስለዚ ድማ ቋንቋ ቻይና ንኽንመሃር ተተባባዕና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ መዓልታዊ ንእተወሰነ ግዜ ነቲ ቛንቋ ኼነጽንዕ ዚሓትት እኳ እንተዀነ: ምስቶም ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ቻይናውያን ብዙሕ ዜሐጕስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብር ኣኽኣለና።

ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን: ብፍላይ ቋንቋ ቻይና ኽንዛረብ ክንብል ብዙሕ ዜስሕቕ ነገራት እዩ ኣጋጢሙና። ሓደ መዓልቲ ኣን ንሓንቲ ብዓልቲ ቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “መምህር” ምዃና ኽትገልጽ ክትብል: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣንጭዋ” ብምባል ተፋለጠታ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣዝየን ዚቀራርባ እየን። እታ ሰበይቲ ፍሽኽ ብምባል “እተዊ። ቅድሚ ሕጂ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጭዋ ተዘራሪበ ኣይፈልጥን እየ” በለታ። ነቲ ቛንቋ ንኽንመልኮ ብዙሕ እዩ ኣሸጊሩና።

ድሕርዚ ኣብ ኒው ጀርሲ ናብ ካልእ ቦታ ተመደብና: ኣብኡ እውን ንቻይናውያን ምግልጋል ቀጸልና። ጸኒሕና ናብቲ ንሰለስተ ዓመት ናይ ቋንቋ ቻይና ጕጅለ ቘይማትሉ ዝነበረት ቦስተን: ማሳቹሰትስ: ክንግዕዝ ጻውዒት ቀረበልና። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ነዛ ጕጅለ እዚኣ ሓገዝ ብምሃብናን 1 ጥሪ 2003 ጉባኤ ዀይና ኽትቀውም ከላ ብምርኣይናን ብሓቂ ኽብሪ እዩ ዚስምዓና።

ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእና ዝረኸብናዮ በረኸት

ኣብ ሚልክያስ 3:10 የሆዋ ንህዝቡ መስዋእቲ እንተ ኣምጺኦም ንሱውን በረኸት ብዘይ ልክዕ ከም ዜፍስሰሎም ዚገልጽ ጻውዒት ነንብብ ኢና። ኣዝየ ዝፈትዎ ዝነበርኩ ዕዮይ ገዲፈ እየ። ኣመና እንፈትዋ ዝነበርና ቤትና ሼጥና ኢና። ካልእ ነገራት እውን መስዋእቲ ጌርና ኢና። እንተዀነ ግን: ምስቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ክነጻጸር ከሎ: እቲ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ንእሽቶ እዩ።

የሆዋ ብሓቂ ብዙሕ በረኸት እዩ ኣፍሲሱልና! ደቅና ንሓቂ ኪቕበሉ ብምርኣይና ዕግበት ረኺብና: ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምስታፍና ተሓጒስና: የሆዋ ድማ ዜድልየና ዘበለ ኸማልኣልና ርኢና ኢና። ብሓቂ እቲ ዝኸፈልናዮ ንእሽቶ መስዋእቲ ብዙሕ በረኸት እዩ ኣምጺኡልና!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት ኣብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ። ኤድዋርድ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኮኒ ኣብ ፓተርሰን: ጆርጅ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ግሬስ ኣብ ብሩክሊን የገልግሉ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1991 ሎይስ ብላንተንን ጆርጅ ብላንተንን ምስ ኣን እተሳእልዎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ4 ሰነ 1983 እተወፈየት ኣብ ካርላይል እትርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ምስታ ሓዳስ ዝቘመት ኣብ ቦስተን እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ቻይና እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኤድዋርድ: ኮኒ: ጆርጅ: ግሬስ እተሰኣልናዮ