ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኺሕግዙና ኢልና ናብ መላእኽቲ ኽንጽሊ ግቡእ ድዩ፧

ንኺሕግዙና ኢልና ናብ መላእኽቲ ኽንጽሊ ግቡእ ድዩ፧

ንኺሕግዙና ኢልና ናብ መላእኽቲ ኽንጽሊ ግቡእ ድዩ፧

ኣብ ግዜ ጸበባ ናብ መላእኽቲ ምጽላይ ግቡእ ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት ግቡእ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ እኳ ‘ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኼማልዱልና ጥራይ ኢሉ ናብ መላእኽቲ ኺጽሊ ይኽእል እዩ’ ትብል። ንኼማልዱልና ኢልና ናብ መላእኽቲ ምጽላይ ግቡእ ድዩ፧

ቃል ኣምላኽ ካብቶም እሙናት መላእኽቲ ኣምላኽ: ናይ ክልተ ኣስማት ጥራይ እዩ ዚጠቅስ። እዚኣቶም ከኣ ሚካኤልን ገብርኤልን እዮም። (ዳንኤል 8:16፣ 12:1፣ ሉቃስ 1:26፣ ይሁዳ 9) እዚ ኣስማት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተጠቕሰ: ነፍሲ ወከፍ መልኣኽ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ዘይኰነስ ስም ዘለዎ መንፈሳዊ ፍጡር ምዃኑ ኢና ኸነስተውዕል እንኽእል። ይኹን እምበር: ካልኦት መላእኽቲ ስሞም ምንጋር ኣብዮም እዮም። ንኣብነት: ያእቆብ ንሓደ መልኣኽ ስሙ ምስ ሓተቶ: ኺነግሮ ፍቓደኛ ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 32:29፣ መሳፍንቲ 13:17, 18) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ኣስማት መላእኽቲ ኣይንረክብን ኢና። እዚ ኸኣ ሰባት እምብዛ ኸም ዘየተኵሩሎም ይገብሮም።

ሓደ ኻብቲ መላእኽቲ ዚዓይዎ ዕዮ: ካብ ኣምላኽ ናብ ሰባት መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። እተን “መልኣኽ” ተባሂለን እተተርጐማ በዅሪ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት: ቃል ብቓሉ “ልኡኽ” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለወን። ይኹን እምበር: መላእኽቲ ጸሎት ደቅሰብ ናብ ዙፋን እቲ ልዑል ዜቕርቡ መማለድቲ ዀይኖም ኣየገልግሉን እዮም። ኣምላኽ ንጸሎትና ብስም እቲ “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ . . . ኺህበኩም [እዩ]” ዝበለ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ንኪቐርበሉ እዩ መዲቡ።—ዮሃንስ 15:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5

ንየሆዋ ኣምላኽ ብግቡእ እንተ ቐሪብናዮ ንኺሰምዓና ግዜ ሓጺርዎ ኣይፈልጥን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ” ብምባል የረጋግጸልና።—መዝሙር 145:18