ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል

ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል

ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል

“ንርእስኻ . . . ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር።”—2 ጢሞቴዎስ 2:15

1. እንታይ ለውጥታት እዩ ንመንፈሳውነትና ፈተና ኪዀኖ ዚኽእል፧

 እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ኵሉ ሳዕ እያ እትለዋወጥ። ዜደንቕ ስነ-ፍልጠታውን ቴክኖሎጂያውን ምዕባለታት ኪግበር ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣመና እናኣንቈልቈለ ኪኸይድ ኢና እንርኢ ዘሎና። ከምቲ ኣብዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ: ክርስትያናት ነቲ ጸረ-ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ዓለም ኪጻረርዎ ኣለዎም። ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት እናተለዋወጠ ኪኸይድ ከሎ ግን ንሕናውን ብብዙሕ መገድታት ንልወጥ ኢና። ቈልዑ ዝነበርና ዓበይቲ ንኸውን። ሃብትን ጥዕናን ነጥሪ ወይ ነቲ ዝነበረና ነጥፍእ። እነፍቀሮም ሰባት ክንረክብ ወይ እቶም ዝነበሩ ኺሞቱ ይኽእሉ። ሓያሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ እዩ: ኣብ መንፈሳውነትና ኸኣ ሓድሽን ከቢድን ፈተና ኬምጽኣልና ይኽእል።

2. ዳዊት እተፈላለየ ለውጥታት ዘሕለፈ ብኸመይ እዩ፧

2 ኣብ ህይወቶም ከምቲ ንዳዊት ወዲ እሴይ ዘጋጠሞ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ለውጥታት ዜጋጥሞም ብዙሓት ሰባት ኣይኰኑን። ዳዊት ካብቲ ጓሳ ኸሎ ዘይፍሉጥ ዝነበረሉ ደረጃ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዚፍለጥ ጅግና ዀነ። ጸኒሑ ሓደ ቐናእ ንጉስ ከም እንስሳ ይሃድኖ ብምንባሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናሃደመ ስደተኛ ዀይኑ ኺነብር ተገደደ። ድሕርዚ ንጉስ ብምዃን ንሓያሎ መንግስትታት ሰዓረ። ከቢድ ሓጢኣት ዜምጽኦ መሪር ሳዕቤን ዓጸደ። ኣብ ስድራቤቱ ብዙሕ ዜሕዝን ነገራትን ምክፍፋልን ኣጋጠሞ። ሃብቲ ደለበ: ብዕድመ ደፍአ: እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤናት እውን ኣሕለፈ። ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ለውጥታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣብ የሆዋ ዀነ ኣብ መንፈሱ ምትእምማንን ትውክልትን ነበሮ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ፍቱን” ንኪኸውን ጸዓረ: ኣምላኽ ድማ ባረኾ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ኵነታትና ኻብቲ ንዳዊት ዘጋጠሞ ዅነታት ዚፍለ እኳ እንተዀነ: ብኸመይ ከም እተዋጽኣሉ ብምርኣይ ግን ክንመሃር ንኽእል ኢና። እቲ ኣብነቱ ኣብ ህይወትና ለውጥታት ኬጋጥመና ኸሎ: ብኸመይ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ሓገዝ ክንረክብ ከም እንኽእል ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ትሕትና ዳዊት ሰናይ ኣብነት ትዀነና

3, 4. ዳዊት ካብቲ ንእሽቶ ጓሳ ዚነበረሉ እዋን ተላዒሉ ኣብ ምልእቲ ሃገር ውሩይ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

3 ዳዊት ቈልዓ ኸሎ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቱ እኳ ጕሉሕ ቦታ ኣይነበሮን። ነብዪ ሳሙኤል ናብ ቤት-ልሄም ምስ መጸ: ኣቦ ዳዊት ካብቶም ሸሞንተ ደቁ ነቶም ሸውዓተ እዩ ኣቕሪቡሉ። እቲ ሕሳስ-ልደ ዝነበረ ዳዊት ግን ኣባጊዕ ይጓሲ ነበረ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንዳዊት ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ንኪኸውን መረጾ። ዳዊት ካብ መሮር እዩ ተጸዊዑ መጺኡ። ቀጺሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ: “ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲአ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ” ይብል። (1 ሳሙኤል 16:12, 13) ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣብቲ መንፈስ እቲ እዩ ዚውከል ነይሩ።

4 ድሕሪ ሓጺር እዋን: እዚ ጓሳ እዚ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ውሩይ ንኪኸውን ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። ንንጉስ ኬገልግሎን ሙዚቃ ኺወቕዓሉን ተጸውዐ። ንሓደ ጎልያድ ዚበሃል: እቶም ተመክሮ ዘለዎም ወተሃደራት እስራኤል እኳ ኺገጥሙሉ ዚፈርሁ: ኣዝዩ ገዚፍ ተዋጋኢ ቐተሎ። ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ምስ ኰነ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ይስዕሮም ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ ይፈትዎ ነበረ። ንዕኡ ዚውድስ ደርፊ እውን ደረፉሉ። ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ ኣማኻሪ ንጉስ ሳኦል ነቲ ገና መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት: “ፈላጥ ወቓዒ” በገና ጥራይ ዘይኰነስ: “ብርቱዕ ጅግና: ተዋጋኢ ሰብኣይ: መስተውዓል ዘረባ: መልክዔኛ ሰብኣይ” ብምባል እዩ ገሊጽዎ።—1 ሳሙኤል 16:18፣ 17:23, 24, 45-51፣ 18:5-7

5. ንዳዊት ዕቡይ ኪገብሮ ዚኽእል ዝነበረ እንታይ ነገራት ነይሩ: ከም ዘይተዓበየኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 ዳዊት ዝነበሮ ዝና: መልክዕ: ንእስነት: ምስትውዓል ዘረባ: ምውቃዕ ሙዚቃ: ክእለት ውግእ: ከምኡውን ነቲ ረኺብዎ ዝነበረ ሞገስ ኣምላኽ ክትርኢ ኸለኻ: ዚጐድሎ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ካብዚ ረኺብዎ ዝነበረ ሓለፋታት ሓደ ጥራይ እውን ይኹን ዕቡይ ኪገብሮ ምኸኣለ ነይሩ: ንሱ ግን እዚ ዅሉ ኽእለት እናሃለዎ እውን ኣይተዓበየን። ንጉስ ሳኦል ጓሉ ኺህቦ ምስ ሓሰበ ዝሃቦ መልሲ እንተ ርኢና: ብናይ ሓቂ ትሕትና ተደሪኹ “ሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ህይወተይከ እንታይ እያ፧ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧” በለ። (1 ሳሙኤል 18:18) ሓደ ምሁር ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳባት ኪህብ ከሎ: “ዳዊት ክእለታቱን ማሕበራዊ ደረጃኡን ዓሌቱን ሓሙ ንጉስ ንኪኸውን ከም ዘየብቅዖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ” በለ።

6. ትሕትና ኸነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ዳዊት ትሑት ኪኸውን ዝኸኣለ: የሆዋ ብዅሉ መዳይ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ይፈልጥ ብምንባሩ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ምዝካሩ እኳ ንዳዊት ኣስደሚምዎ እዩ። (መዝሙር 144:3) ዝዀነ ይኹን ዚረኽቦ ዝነበረ ዕቤት ከኣ የሆዋ ንኺድግፎን ንኼዕቍቦን ንኺከናኸኖን ኢሉ ብምውራዱ ወይ ብምትሓቱ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (2 ሳሙኤል 22:36) እዝስ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ትምህርቲ ዀን እዩ ዚዀነና! ክእለትናን ኣሳልጦናን ሓላፍነትናን ዕቡያት ኪገብረና የብሉን። ነዚ ብዚምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ “ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና: ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 4:7) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስን ሞገሱን ንኽንረክብ: ትሕትና ኸነማዕብልን ወትሩ ብትሕትና ኽንመላለስን ኣሎና።—ያእቆብ 4:6

“ሕነ ኣይትፍደ”

7. ዳዊት ንንጉስ ሳኦል ንኪቐትሎ እንታይ ኣጋጣሚ ረኸበ፧

7 ዳዊት ብዝናኡ እኳ እንተ ዘይተዓበየ: እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝረሓቖ ሳኦል ግን ብቕንኢ ኪቐትሎ ደለየ። ዝገበሮ ጌጋ እኳ እንተ ዘይነበረ: ህይወቱ ንምድሓን ሃደመ: ኣብ በረኻ ኸኣ ኪነብር ጀመረ። ሓደ እዋን ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኪሃድኖ ኸሎ ኣብ ሓደ በዓቲ ኣተወ: ኣብቲ በዓቲ ዳዊትን ብጾቱን ተሓቢኦም ምንባሮም ግን ኣይፈለጠን ነይሩ። እቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰባት በቲ ኣምላኽ ዚሰደደሉ ዚመስል ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንሳኦል ኪቐትሎ ደፋፍእዎ። ኣብቲ ጸልማት ሕሽዅሽሕ እናበሉ ንዳዊት “እታ እግዚኣብሄር፤ ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ: እንሆ: ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ: ዝበለካ መዓልቲ እንሃ: ሎሚ እያ” ኺብልዎ ኸለዉ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎም ንኽእል ኢና።—1 ሳሙኤል 24:3-7

8. ዳዊት ሕነ ኻብ ምፍዳይ ርእሱ ዝገትአ ስለምንታይ እዩ፧

8 ዳዊት ንሳኦል ኪጐድኦ ኣይደለየን። እምነትን ትዕግስትን ስለ ዝነበሮ: ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ገደፎ። እቲ ንጉስ ካብቲ በዓቲ ምስ ከደ: ዳዊት ደድሕሪኡ ብምጽዋዕ “እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ: እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይ: ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ” በሎ። (1 ሳሙኤል 24:13) ዳዊት: ሳኦል ተጋግዩ ምንባሩ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ሕነ ግን ኣይፈደየን: ብዛዕባኡ ኸኣ ንሳኦል ኰነ ንኻልእ ሕማቕ ኣይተዛረበን። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሕነ ኻብ ምፍዳይ ርእሱ ገትአ። የሆዋ ንነገሩ ኬቕንዓሉ ኸኣ ኣብኡ ተወከለ።—1 ሳሙኤል 25:32-34፣ 26:10, 11

9. ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ምስ ዜጋጥመና ስለምንታይ ኢና ሕነ ኽንፈዲ ዘይብልና፧

9 ልክዕ ከም ዳዊት ኣብ ፈታኒ ዅነታት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መማህርትኻ: መሳርሕትኻ: ኣባላት ስድራቤትካ: ወይ ካልኦት ሰባት ይጻረሩኻ ወይ የሳጕጉኻ ይዀኑ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ: ሕነ ኣይትፍደ። ብመንፈስ ቅዱሱ ንኺሕግዘካ እናለመንካ ንየሆዋ ተጸበዮ። ምናልባት እዞም ዘይኣመንቲ በቲ ሰናይ ኣካይዳኻ ኺምሰጡን ኣመንቲ ኪዀኑን ይኽእሉ ይዀኑ። (1 ጴጥሮስ 3:1) ዝዀነ ዀይኑ: የሆዋ ንዅነታትካ ኸም ዚርእዮን ኣብ ግዜኡ ኸኣ ሓደ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ተኣማመን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 12:19

‘ተግሳጽ ስማዕ’

10. ዳዊት ኣብ ሓጢኣት ዝወደቐ ብኸመይ እዩ: ኪሽፍኖ ዝጸዓረኸ ብኸመይ እዩ፧

10 ድሕርዚ ዓመታት ሓለፈ። ዳዊት ኣዝዩ ውሩይን ተፈታውን ንጉስ ኰነ። እቲ ሓለፍ ዝበለ ተኣማንነቱን ንውዳሰ ኣምላኽ ኢሉ ዝጸሓፎ ባህ ዜብል መዝሙራቱን እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ከቶ ኪወድቕ ከም ዘይክእል የምስል ይኸውን። እንተዀነ ግን: ወደቐ ደኣ። ሓደ መዓልቲ እቲ ንጉስ ኣብ ናሕሲ ቤቱ ኸሎ: ሓንቲ መልክዐኛ ሰበይቲ ነብሳ ኽትሕጸብ ረኣየ። ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓተተ። እታ ሰበይቲ ባትሴባ ኸም እትበሃልን ኡርያ ዚበሃል ሰብኣያ ናብ ውግእ ከም ዝኸደን ምስ ፈለጠ: ልኢኹ ኣምጽኣ: ምስኣ ኸኣ ደቀሰ። ጸኒሑ ኸም ዝጠነሰት ሰምዐ። እዚ እንተ ተቓሊዑ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ውርደት ኰን እዩ ኪኸውን! ብሕጊ ሙሴ ዝሙት ብሞት ዜቕጽዕ ገበን እዩ ነይሩ። እቲ ንጉስ ምናልባት እዚ ሓጢኣት እዚ ኺሽፈን ይከኣል ይኸውን ኢሉ ሓሰበ። ስለዚ: ናብቲ ሰራዊት ልኡኽ ብምልኣኽ ኡርያ ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ኣዘዘ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳዊት: ኡርያ ምስ ባትሴባ ሰበይቱ ንኺሓድር እዩ ተስፋ ገይሩ ነይሩ: እዚ ግን ኣይኰነሉን። ድሕርዚ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ: ንኡርያ ደብዳበ ሂቡ ናብቲ ውግእ ዚካየደሉ ዝነበረ ቦታ ናብ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ለኣኾ። እታ ደብዳበ ንኡርያ ኣብ ኪቕተለሉ ዚኽእል ግምባር እቲ ውግእ ንኼእትዎ መምርሒ እትህብ እያ ነይራ። ዮኣብ ከምቲ እተኣዘዞ ገበረ: ኡርያ ኸኣ ተቐትለ። ባትሴባ ሓዘና ምስ ወድአት: ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ።—2 ሳሙኤል 11:1-27

11. ናታን ንዳዊት ብዛዕባ እንታይ እዩ ዝነገሮ: ዳዊትከ እንታይ ገበረ፧

11 እቲ ውዲት ዝዓየየ እዩ ዚመስል ነይሩ። ይኹን እምበር: ዳዊት እቲ ዅሉ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕሉዕ ምዃኑ ኺፈልጥ ነይርዎ። (እብራውያን 4:13) ኣዋርሕ ሓለፈ: እቲ ሕጻን ከኣ ተወልደ። ድሕርዚ: ነብዪ ናታን ብኣምላኽ ተላኢኹ ናብ ዳዊት ከደ። እቲ ነብዪ ነቲ ንጉስ ብዛዕባ ሓደ ብዙሓት ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ነተን ናቱ ገዲፉ ንሓንቲ ሓደ ድኻ ሰብኣይ ዚፈትዋ በጊዑ ዚሓረደሉ ሃብታም ሰብኣይ ነገሮ። እቲ ዛንታ ንዳዊት ተሓላቒ ፍትሒ ኸም ዚኸውን ገበሮ: እቲ ስዉር ትርጕሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ግን ኣይጠርጠረን። ዳዊት ቀልጢፉ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ፈረዶ። ብቝጥዓ ድማ ንናታን “እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት . . . እዩ” በሎ።—2 ሳሙኤል 12:1-6

12. የሆዋ ንዳዊት ብኸመይ እዩ ዝፈረዶ፧

12 ሽዑ እቲ ነብዪ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ንርእሱ እዩ ፈሪድዋ። እቲ ቝጥዓኡ ብኡንብኡ ብኽቱር ሕፍረትን ጣዕሳን ከም እተቐየረ ኣየጠራጥርን እዩ። በዚ ተዓኒዱ ኸሎ: ናታን ነቲ የሆዋ ዚፈረዶ ኼምልጠሉ ዘይክእል ፍርዲ ነገሮ። ኬጸናንዖ ዀነ ኼደዓዕሶ ዚኽእል ነገር ኣይነበረን። ክፉእ ነገር ብምግባር ንቓል የሆዋ ንዒቕዎ እዩ። ንኡርያ ብሴፍ ጸላኢ ኸም ዚቕተልዶ ኣይገበረን፧ ስለዚ: ሴፍ ኻብ ቤቱ ኣይኬልግስን እዩ። ንሰበይቲ ኡርያ ብምስጢር ደይኰነን ወሲድዋ፧ ስለዚ: ብምስጢር ዘይኰነስ ብጋህዲ ተመሳሳሊ ነገራት ኬጋጥሞ እዩ።—2 ሳሙኤል 12:7-12

13. ዳዊት ካብ የሆዋ ተግሳጽ ምስ መጾ ብኸመይ ተቐበሎ፧

13 ኰይኑ ግን: ዳዊት ንገበኑ ኣሉ ኣይበለን። ንነብዪ ናታን እውን ኣይተቘጥዖን። ጌጋኡ ናብ ካልኦት ኣይለጠፈን ወይ መመኽነይታ ኣየቕረበን። ሓጢኣቱ ምስ ተነግሮ: “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ብምባል ተሓታቲ ምዃኑ ገለጸ። (2 ሳሙኤል 12:13) መበል 51 መዝሙር እቲ ገበኑ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘጕሃዮን ከም ዘጣዓሶን እያ እትገልጽ። ኣብታ መዝሙር እቲኣ ንየሆዋ “ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ: ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ” ኢሉ ለመኖ። የሆዋ ብምሕረቱ “ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ኸም ዘይንዕቆ ኸኣ ይኣምን ነበረ። (መዝሙር 51:11, 17) ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ካብ ምውካልውን ኣየቋረጸን። የሆዋ ንዳዊት ካብቲ ሓጢኣት ዜምጽኣሉ መሪር ሳዕቤናት እኳ እንተ ዘየናገፎ: ይቕረ ግን ኢሉሉ እዩ።

14. ንተግሳጽ የሆዋ ብኸመይ ክንቅበሎ ኣሎና፧

14 ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና: ኵላትና እውን ንሓጥእ ኢና። (ሮሜ 3:23) ሓድሓደ ግዜ ኸም ዳዊት ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ንወድቕ ንኸውን። ልክዕ ከምቲ ፈቃር ኣቦ ንደቁ ዚግስጾም: የሆዋ ኸኣ ንዜገልግልዎ ኺእርሞም ይደሊ እዩ። ተግሳጽ ጠቓሚ እኳ እንተዀነ: ንኽትቅበሎ ግን ቀሊል ኣይኰነን። አረ ሓድሓደ ግዜስ “ንጓሂ” እዩ ዚመስል። (እብራውያን 12:6, 11) ይኹን እምበር: ‘ተግሳጽ እንተ ሰሚዕና:’ ምስ የሆዋ ኽንዕረቕ ኢና። (ምሳሌ 8:33) ወትሩ መንፈስ የሆዋ ዜምጽኦ በረኸት ንምርካብ: መአረምታ ኺንቅበልን ፍቱን ዓያዪ ንኺንከውን ክንጽዕርን ኣሎና።

ብሓላፊ ሃብቲ ኣይትተኣመን

15. (ሀ) ገሊኣቶም ሰባት ንሃብቶም ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧ (ለ) ዳዊት ንሃብቱ ብኸመይ እዩ ኺጥቀመሉ ዝደለየ፧

15 ዳዊት ዝለዓለ ደረጃ ኸም ዝነበሮ ወይ ስድራቤቱ ሃብታማት ምንባሮም ዚሕብር ዋላ ሓደ ነገር የልቦን። ኣብ እዋን ንግስነቱ ግን ብዙሕ ሃብቲ ኣጥረየ። ከም እትፈልጦ: ሓያሎ ሰባት ንሃብቶም ይዓቝርዎ: ብስስዐ ኬኻዕብትዎ ይደልዩ: ወይ ከይዓጠጦም ይዘርዉዎ። ገሊኣቶም ከኣ ብገንዘቦም ገይሮም ንርእሶም ክብሪ ኺረኽቡ እዮም ዚደልዩ። (ማቴዎስ 6:2) ዳዊት ግን ንሃብቱ ብኻልእ መገዲ እዩ ተጠቒሙሉ። ንየሆዋ ኬኽብሮ ደለየ። ነቲ “ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ” ዝነበረ ታቦት ኪዳን ዚቕመጠሉ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ ኺሰርሓሉ ኸም ዚደሊ ንናታን ገለጸሉ። የሆዋ በቲ ዳዊት ዝሓሰቦ ነገራት ተሓጐሰ: ብናታን ኣቢሉ ኸኣ ነታ ቤተ መቕደስ ዚሃንጻ ሰሎሞን ወዱ ምዃኑ ገለጸሉ።—2 ሳሙኤል 7:1, 2, 12, 13

16. ዳዊት ንህንጸት እቲ ቤተ መቕደስ እንታይ ምድላው እዩ ዝገበረ፧

16 ዳዊት ነዚ ዓብዪ ዕዮ ህንጸት ዜድሊ ነገራት ኣከበ። ንሰሎሞን ከኣ “ንቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂ: ሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳሎኹ። ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ሚዛን ዜብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ: ኣብ ልዕሊ እዚ ንስኻ ድማ ክትውስኸሉ ኢኻ” በሎ። ካብ ናይ ርእሱ መዝገብ ከኣ 3,000 ታለንት ወርቅን 7,000 ታለንት ብሩርን ወፈየ። a (1 ዜና መዋእል 22:14፣ 29:3, 4) እቲ ዳዊት ብልግሲ ዚውፍዮ ዝነበረ ገንዘብ ንረኣዩለይ ኢሉ ኣይኰነን ዚገብሮ ነይሩ: የግዳስ ንየሆዋ ኣምላኽ እምነቱን ተወፋይነቱን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ምንጪ እቲ ሃብቱ መን ምዃኑ ኣፍልጦ ኺህብ ከሎ: ንየሆዋ “ኵሉ ኻባኻ ደኣ እዩ: ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ” በሎ። (1 ዜና መዋእል 29:14) እቲ ለጋስ ልቡ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዚከኣሎ ዅሉ ንኺገብር ደረኾ።

17. እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:17-19 ዚርከብ ማዕዳ ንሃብታማትን ንድኻታትን ኪምልከቶም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

17 ንሕናውን ብተመሳሳሊ ስጋዊ ጥሪትና ሰናይ ኣብ ምግባር ነውዕሎ። ብፍቕረ-ንዋይ ኣብ ክንዲ እንመላለስ: ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ጸዓርና ይሔሸና። እዚ ኸኣ እዩ ናይ ሓቂ ጥበብን ሓጐስን ዜምጽእ። ብዛዕባ እዚ ጳውሎስ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ: ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) ቍጠባዊ ዅነታትና ብዘየገድስ: ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ንወከል: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ብዚገብረና ኣነባብራ ድማ ንመላለስ። (ሉቃስ 12:21) ኣብ ቅድሚ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ፍቱን ካብ ምዃንን ተቐባልነት ዘለዎ ኣቕዋም ካብ ምህላውን ዚሓይሽ ነገር የልቦን።

ንርእስኻ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ ንኣምላኽ ኣርእዮ

18. ዳዊት ንክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ዚገደፈሎም ብኸመይ እዩ፧

18 ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍቱን ዓያዪ ኪኸውን ወይ ሞገሱ ኺረክብ እዩ ዚጽዕር ነይሩ። ኣብ ሓንቲ መዝሙር “ዎ ኣምላኽ: ምሐረኒ [“ሞገስካ ኣርእየኒ:” NW]: ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቍብ አላ እሞ: ምሐረኒ [“ሞገስካ ኣርእየኒ:” NW]” በለ። (መዝሙር 57:1) እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ንኸንቱ ኣይነበረን። “ዕድመ ጸጊቡ” ኣረጊት ኰነ። (1 ዜና መዋእል 23:1) ከቢድ ጌጋ እኳ እንተ ገበረ: ሓደ ኻብቶም ዜደንቕ እምነት ካብ ዜንጸባረቑ ሓያሎ መሰኻኽር ኣምላኽ ብምዃኑ እዩ ዚዝከር።—እብራውያን 11:32

19. ንርእስና ፍቱን ዓያዪ ጌርና ንኣምላኽ ከነርእዮ ወይ ሞገሱ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ኣብ ህይወትካ ለውጥታት ኬጋጥመካ ኸሎ: ከምቲ የሆዋ ንዳዊት ዝደገፎን ዜበራትዖን ዝኣረሞን: ንዓኻውን ከምኡ ኺገብረልካ ዚኽእል ምዃኑ ኣይትረስዕ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከም ዳዊት ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ብምውካል ብተኣማንነት ጸንዐ። “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉውን ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:12, 13) ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና: ንኽንዕወት ኪሕግዘና እዩ። ክንዕወት ከኣ እዩ ዚደልየና። ንዕኡ እንተ ሰሚዕናዮን ናብኡ እንተ ቐሪብናን: ፍቓዱ ንኽንገብር ብርታዐ ኺህበና እዩ። ወትሩ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ንውከል እንተደኣ ዄንና ኸኣ ሕጅን ንዘለኣለምን ‘ንርእስና ፍቱን ዓያዪ ጌርና ንኣምላኽ ከነርእዮ ኢና።’—2 ጢሞቴዎስ 2:15

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ዳዊት ዝገበሮ ወፈያ በዚ ናይ ሎሚ ዋጋ ኺጽብጸብ ከሎ: ልዕሊ 1,200,000,000 ዶላር ኣመሪካ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ትዕቢት ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ሕነ ኽንፈዲ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

• ብዛዕባ ተግሳጽ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

• ኣብ ሃብቲ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከለ: ሞገሱ ድማ ደለየ። ንስኻኸ ተመሳሳሊ ዲኻ ትገብር ዘሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

“ኵሉ ኻባኻ ደኣ እዩ: ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ”