ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

የሱስ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማቴዎስ 13:55, 56 ከምኡውን ኣብ ማርቆስ 6:3 ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ይገልጽ እዩ። እታ (ኣደልፎስ) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ናይ ስጋ ዝምድና ወይ ሕጋዊ ርክብ ንምምልካት ክትጥቀመላ ኸለኻ: ንሓደ በቦን በደን ሓው: ወይ በቦ ጥራይ ሓው: ወይ ከኣ በደ ጥራይ ሓው ዝዀነ ደኣ እምበር ንኻልእ ኣይተመልክትን እያ።” (ናይ ጥሪ 1992 ሕታም ዘ ካቶሊክ ቢብሊካል ኳርተርሊ)—15/12: ገጽ 3

ውግእ ብኸመይ እዩ መልክዑ ዚቕይር ዘሎ: ቀንዲ ጠንቂ ዚኸውን ዘሎኸ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ብውግእ ሓድሕድ እዮም ዚቕተሉ ዘለዉ: እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኽልተ ተጻባእቲ ጕጅለታት ደቂ ሓንቲ ሃገር ዚግበር ውግእ እዩ። ዓሌታውን ቀቢላውን ጽልኢ: ሃይማኖታዊ ፍልልይ: ምጕዳል ፍትሒ: ከምኡውን ፖለቲካዊ ናዕቢ ንውግእ ሓድሕድ ከም ዚጐሃሃር ዝገበረ ረቛሒታት እዩ። ካልእ ረቛሒ ኸኣ ስልጣንን ገንዘብን ንምርካብ ዘሎ ህርፋን እዩ።—1/1: ገጽ 3-4

የሱስ ንክርስትያናት እቲ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ ዘሎ ቓላት ሸምዲዶም ኪደግምዎ ኸም ዘይሓሳበ ብኸመይ ንፈልጥ፧

የሱስ ነዛ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እዩ ጠቒስዋ። ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ጸኒሑ: ንፍረ ነገር እታ ኣቐዲሙ ዝጠቐሳ ጸሎት ደጊምዎ እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13፣ ሉቃስ 11:1-4) ነታ ጸሎት ደጊሙ ኺጠቕሰሎም ከሎ ሓደ ዓይነት ቃላት ዘይምድጋሙ ኸነስተብህለሉ ዘሎና ጕዳይ እዩ። እዚ ድማ ነታ ጸሎት ክንሽምድዳ ኸም ዘይብልና ይሕብር።—1/2: ገጽ 8

ድሕሪ ማይ ኣይሂ እታ ርግቢ ነታ ቘጽሊ ኣውልዕ ካበይ ረኺባታ፧

ብዛዕባ እቲ ማይ ኣይሂ ዝነበሮ መጠን ጨው ኰነ ሙቐት እንፈልጦ ነገር የልቦን። ይኹን እምበር: ኦም ኣውልዕ ምስ ተቘርጸ እውን ከይተረፈ ብምጥጣዕ እተፈልጠ እዩ። ስለዚ: ገሊኡ ብህይወት ጸኒሑ ኪኸውን ኣለዎ: እቲ ማይ ምስ ጐደለ ድማ ኪጥጥዕ ከኣለ።—15/2: ገጽ 31

ኣብ ናይጂርያ ውግእ ሓድሕድ ምስ ተባርዐ እሞ ቢያፍራ ምስ ከባቢኣ እትራኸበሉ መገዲ ምስ ተዓጽወ: ኣብቲ ቦታ እቲ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኸር መንፈሳዊ ምግቢ ብኸመይ ይበጽሖም ነበረ፧

ሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ እንዳ ጶስጣ ኽሰርሕ ከሎ: ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቢያፍራ ዚርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኺዓዪ ጀመረ። ክልቲኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ሓደገኛ ዕዮ እኳ እንተ ነበረ: ፍቓደኛታት ኰይኖም መንፈሳዊ ምግቢ ናብ ቢያፍራ የብጽሑ ነበሩ። እቲ ውግእ ብ1970 ክሳዕ ዜኽትም ከኣ ነሕዋት ጠቐምዎም።—1/3 ገጽ 27

ኣብ ውዕል ሰላም ዌስትፌልያ እንታይ እዩ ተገይሩ: ሃይማኖት ኣብቲ ጕዳይ ዝኣተወኸ ብኸመይ እዩ፧

እቲ ተሓድሶ ነታ ሃጸያዊት ግዝኣት: ሰዓብቲ ካቶሊክ: ሰዓብቲ ሉተር: ከምኡውን ሰዓብቲ ካልቪን ብምባል ኣብ ሰለስተ ኸፋፈላ። ኣብ መጀመርታ 17 ዘመን ሕብረት ፕሮተስታንትን ማሕበር ካቶሊክን ቈማ። ድሕሪኡ ኣብ ቦሂምያ ሃይማኖታዊ ግጭት ተባርዐ: ብሰንኪ ጽምኢ ስልጣን ድማ ናብ ኣህጉራዊ ውግእ ኣምርሐ። ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ገዛእቲ በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ፖለቲካዊ ጸብለልትነትን ንግዳዊ ረብሓን ኪረኽቡ ጸዓሩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ኣውራጃ ዌስትፌልያ ናይ ሰላም ዘተ ተገብረ። ንሓሙሽተ ዓመት ዚኸውን ዘተ ምስ ተገብረ: ውዕል ዌስትፌልያ ብ1648 ተፈረመ። እዚ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ዛዘሞ: ሉዓላውያን ሃገራት ዘለዋኣ ዘመናዊት ኣውሮጳ ድማ ተወልደት።—15/3: ገጽ 20-3

እቲ 666 ዚብል ማሕተም ወይ ስም “እቲ ኣራዊት” እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

እዚ ማሕተም እዚ ኣብ ራእይ 13:16-18 እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። እቲ ኣራዊት ንሰብኣዊ መግዛእቲ የመልክት: “ቍጽሪ ሰብ” ምሓዙ ኸኣ መንግስትታት ነቲ ዘይፍጽምና ሰባት ከም ዜንጸባርቓ ይሕብር። እዚ ማሕተም እዚ 6 ተደመሮ 60 ተደመሮ 600 ምዃኑ: ብዓይኒ ኣምላኽ ኣመና ጐደሎ ምዃኑ እዩ ዜመልክት። እቶም ነዚ ማሕተም እዚ ዚቕበሉ ንፖለቲካውያን መንግስትታት ከም ኣምልኾ ዝኣመሰለ ኽብሪ ይህቡ ወይ ካባታተን ድሕነት ይጽበዩ።—1/4: ገጽ 4-7