ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ብሕያውነት ምምልላስ

ኣብዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ብሕያውነት ምምልላስ

ኣብዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ብሕያውነት ምምልላስ

“ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ።”—ምሳሌ 19:22

1. ሕያውነት ምንጽብራቕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

 ሕያዋይ ከም ዚዀንካ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ምንባር ፈታኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕያውነት ሓንቲ ኻብተን “ፍረ መንፈስ” ከም ዝዀነት ተጠቒሳ ኣላ። እንተዀነ ግን: ኣብተን ሰዓብቲ ክርስትና ዚበሃላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ሕያውነት ምንጽብራቕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ገላትያ 5:22) ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ: ናይዚ መልሲ ብእተወሰነ ደረጃ ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እወ: ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ሕሱም መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እያ ዘላ። (1 ዮሃንስ 5:19) የሱስ ክርስቶስ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” በሎ። (ዮሃንስ 14:30) እምበኣር: እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ብእከዩ ዚፍለጥ ዓለወኛ ገዛኢኣ እያ እትመስሎ።—ኤፌሶን 2:2

2. ሕያውነት ኣብ ምንጽብራቕ እንታይ ጸገማት ኪጸልወና ይኽእል፧

2 ካልኦት ሕማቕ ምስ ዚገብሩና ብዙሕ ኢና እንጕዳእ። እዚ ኸኣ ክፉኣት ጐረባብቲ: ሕሱማት ሰባት: ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ፈተውትናን ኣባላት ስድራቤትናን ብዚገብርዎ ሓልዮት ዘይብሉ ተግባር ኪንጸባረቕ ይኽእል እዩ። ምስ ስነ-ስርዓት ዘይብሎምን ንሓድሕዶም ኪቋየቑን ኪጻራረፉን ዚውዕሉ ሰባት ምርኻብና ብዙሕ ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነት ዘይብሉ ተግባራት ጽልኢ ኸም እነሕድር ይገብረና እሞ: ክፉእ ብኽፉእ ንኽንፈዲ ኽንሓስብ ንጅምር ንኸውን። እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ወይ ኣካላዊ ጸገማት ጥዕና የስዕበልና ይኸውን።—ሮሜ 12:17

3. ሰባት ነቲ ሕያዎት ንኪዀኑ ዘለዎም ድሌት ዚፍትን እንታይ ከቢድ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧

3 ኣብ ዓለም ዘሎ ውጥረት እውን ሕያውነት ንኸይነንጸባርቕ ኬሸግረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሰባት ብሓፈሻ ብሰንኪ ግብረ-ሽበራ ወይ ብፍርሂ ግብረ-ሽበራ: ከምኡውን ገሊኣቶም ጕጅለታት ባዮሎጂካዊ ወይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንኸይጥቀሙ ዚብል ፍርሂ ውጥረት ኬምጽኣሎም ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዚኣክል ምግቢ: መንበሪ: ክዳን: ከምኡውን ሕክምና እኳ ኺረኽቡ ዘይክእሉ ነዳያት እዮም። እቲ ዅነታት ተስፋ ዘይብሉ ኣብ ዚመስለሉ እዋን ብሕያውነት ምምልላስ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መክብብ 7:7

4. ገሊኣቶም ንኻልኦት ሕያውነት ብዛዕባ ምርኣይ እንታይ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኺሕዙ ይኽእሉ፧

4 ሕያውነት ብዙሕ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ: አረ ምልክት ድኻም እውን ከም ዝዀነ ገይሩ ዚርኢ ሰብ ይህሉ ይኸውን። ብሕልፊ ኻልኦት ብዛዕባ ስምዒታቱ ዘይግደሱ እንተ ዀይኖም: ይምዝመዝ ከም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 73:2-9) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ: ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” ኪብለና ኸሎ ለውሃት ንኸነንጸባርቕ ብምትብባዕ ግቡእ መምርሒ እዩ ዚህበና። (ምሳሌ 15:1) ለውሃትን ሕያውነትን ከኣ ኣጸቢቐን ዚተኣሳሰራ ፍረ መንፈስ ኪዀና ኸለዋ: ኣብ ጽንኩር ወይ ኣጸጋሚ ዅነታት ከኣ እየን ዚዓያ።

5. ሕያውነት ዜድልየሉ ገለ መዳያት ህይወት እንታይ እዩ፧

5 ከም ክርስትያናት መጠን ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከነንጸባርቕ ስለ ዚግብኣና: ንሓንቲ ኻብዘን ባህርያት እዚኣተን ዝዀነት ሕያውነት ብኸመይ ከም እነንጸባርቓ ኽንምርምር ኣሎና። ኣብዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ብሕያውነት ምምልላስ ዚከኣል ድዩ፧ ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ብፍላይ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ሰይጣን ንሕያውነትና ኼጥፍኣ ኸም ዘይንፈቕደሉ እነርእየሉ ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧ እምበኣር: ኣብ ውሽጢ ስድራቤት: ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ምስ ጐረባብትና: ኣብ ኣገልግሎት: ከምኡውን ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብኸመይ ሕያውነት ከም እነንጸባርቕ እስከ ንርአ።

ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ብሕያውነት ምምልላስ

6. ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ሕያውነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ብኸመይከ ኺንጸባረቕ ይኽእል፧

6 በረኸትን መምርሕን የሆዋ ንምርካብ: ፍረ መንፈስ ክንፈርን ከነማዕብሎን ኣሎና። (ኤፌሶን 4:32) እምበኣር: ንኣባላት ስድራቤትና ሕያውነትና ኣብ እንገልጸሉ መገድታት ነተኵር። ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ንሓድሕዶም ኰነ ንደቆም ሕያውነትን ሓልዮትን ኬርእዩ ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:28-33፣ 6:1, 2) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነት ኣብቲ ኣባላት ስድራቤት ንሓድሕዶም ዚዘራረቡሉ መገዲ ኺንጸባረቕ ኣለዎ። ውሉዳት ንወለዶም ኬኽብሩ: ወለዲ ኸኣ ንደቆም ብዚግባእ ኪሕዝዎም ኣለዎም። በዚ ዝመጸ ንምንኣድ ቅልጡፍ: ንምዅናን ደንጓዪ ኹን።

7, 8. (ሀ) ኣብ ውሽጢ ስድራቤትና ናይ ሓቂ ሕያውነት ከነርኢ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ዓይነት ጠባይ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ (ለ) ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንሓንቲ ስድራቤት ድልዱል ማእሰር ንኺህልዋ ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ኣብ ውሽጢ ስድራቤትካ ብኸመይ ሕያውነት ከተርኢ ትኽእል፧

7 ንኣባላት ስድራቤትና ሕያዎት ምዃን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኽንስዕቦ ኣሎና። ኣባላት ሓንቲ ክርስትያን ስድራቤት መዓልታዊ ብኣኽብሮት ኪዘራረቡ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንስድራቤት ድልድልትን ጥዕይትን ካብ ዚገብራ ቐንዲ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ዘይምስምማዕ ኪለዓል ከሎ: እቲ ግጭት ምእንቲ ኺፍታሕ: ኣብቲ መጎተ ኽትዕወት ኣብ ክንዲ እትጽዕር ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ጽዓር። ሕጉሳት ኣባላት ስድራቤት ኣብ ንሓድሕዶም ብሕያውነትን ብሓልዮትን ንኺመላለሱ ዚከኣሎም እዮም ዚጽዕሩ።—ቈሎሴ 3:8, 12-14

8 ሕያውነት ኣወንታዊ ባህሪ ብምዃና ንኻልኦት ሰናይ ንኽንገብር እያ እትድርኸና። ስለዚ: ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤትና ባህ ብዜብል ባህርያትና ጌርና እንጠቕሞምን እንሓልየሎምን እንሕግዞምን ኢና ኽንከውን እንደሊ። ሓንቲ ስድራቤት ብሕያውነታ ንኽትነኣድ: እቶም ኣባላታ ብውልቂ ዀነ ብሓባር ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ከምዚ ምስ ዚገብሩ: በረኸት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ጉባኤን ኣብ ማሕበረሰብን ነቲ ኣምላኽ ሕያውነት ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ የምጽኡሉ።—1 ጴጥሮስ 2:12

ኣብ ስራሕ ብሕያውነት ምምልላስ

9, 10. ኣብ ስራሕ ኪለዓል ዚኽእል ጸገማት ግለጽ: ከመይ ጌርካ ብሕያውነት ክትፈትሖ ኸም እትኽእል ድማ ሓሳብ ሃብ።

9 ሓደ ክርስትያን መዓልታዊ ናብ ስራሕ ዚወፍር እንተደኣ ዀይኑ: ንመሳርሕቱ ሕያውነት ንኼርእዮም የጸግሞ ይኸውን። ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ውድድር ብምህላዉ: ገሊኣቶም ሰራሕተኛታት ናብ ኣስራሒኦም ብምኻድ ኬጣቝሱን ተንኰል ኪኣልሙን ይኽእሉ እዮም። (መክብብ 4:4) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሕያውነት ምንጽብራቕ ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብሕያውነት ምምልላስ ቅኑዕ ምዃኑ ብምዝካር: ብእተኻእሎ መጠን ምስቶም ኣሻዃት እውን ተሰማሚዑ ንኺነብር ኪጽዕር ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓልዮት ምንጽብራቕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ሓደ መሳርሕትኻ ምስ ዚሓምም ወይ ኣባላት ስድራቤቱ ምስ ዚሓምዎ ኽትግደሰሉ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ድሕንነቱን ድሕንነት ስድራቤቱን ምሕታት ጥራይ እኳ ኣወንታዊ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። እወ: ክርስትያናት ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ብኣታቶም ዝመጸ ብስኒትን ብሰላምን ንኺነብሩ እዮም ዚጽዕሩ። ሓድሓደ ግዜ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዜንጸባርቕ ዘረባ ነቲ ዅነታት ከመሓይሾ ይኽእል እዩ።

10 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣስራሒ ነቶም ሰራሕተኛታቱ ኸም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ንኺስዕቡ ጸቕጢ ኺገብረሎም ይኽእል እዩ። ኵሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ገሊኡ ንሃገር ዚምልከት ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ንጥፈታት ወይ ጽምብላት ኪሳተፉ ይደሊ ይኸውን። ሓደ ክርስትያን ሕልናኡ ነዚ ኺገብር ዘየፍቅደሉ ምስ ዚኸውን: ምስ ኣስራሒኡ ኺሰሓሓብ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ ኣስራሒ ዚደልዮ ዘሎ ነገራት ምፍጻም ክሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ብዝርዝር ምግላጽ ጥበባዊ ኣይከውንን ይኸውን። ከመይሲ: እቶም ነቲ ክርስትያናዊ እምነትና ዘይቅበልዎ ሰባት: እቲ ዚግበር ዘሎ ነገራት ቅኑዕ ይመስሎም ይኸውን። (1 ጴጥሮስ 2:21-23) ምናልባት ንኸይትሳተፍ ዝደረኸካ ናይ ብሕትኻ ምኽንያት ብሕያውነት ክትገልጸሉ ትኽእል ትኸውን። ምስ ዚሕጭጨልካ: መሊስካ ኣይትሓጭጭ። ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ ሮሜ 12:18 ዚርከብ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ጽቡቕ ማዕዳ እንተ ሰዓቦ ሰናይ እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሕያውነት ምምልላስ

11. መንእሰያት ንመማህርቶም ሕያውነት ኣብ ምንጽብራቕ እንታይ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞም፧

11 መንእሰያት ንመማህርቶም ሕያውነት ኬርእይዎም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ብደቂ ኽፍሎም ተቐባልነት ኪረኽቡ እዮም ዚደልዩ። ገሊኣቶም ኣወዳት ብኻልኦት ተማሃሮ ምእንቲ ኺነኣዱ ሓይሊ ይጥቀሙ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንኻልኦት የሰራጥዩ። (ማቴዎስ 20:25) ገሊኣቶም ከኣ በቲ ኣብ ትምህርቲ: ኣብ ስፖርት: ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ዘለዎም ክእለት ገይሮም ንኻልኦት ኪምስጡ ይደልዩ። ንኽእለቶም ‘ርኣዩለይ’ ኪብሉ ኸለዉ: እዚ ኻብ ካልኦት ዚበልጹ ኸም ዚገብሮም ገይሮም ስለ ዚሓስቡ: ንደቂ ኽፍሎምን ንኻልኦት ተማሃሮን የጋፍዑ። ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ንኸይመስሎም ኪጥንቀቕ ኣለዎ። (ማቴዎስ 20:26, 27) ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: . . . ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን” በለ። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ነቲ ሕያውነት ዘይብሎም ሰባት ዜርእይዎ ሕማቕ ኣብነት ንኸይስዕብ: የግዳስ ምስ መማህርቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ ኣብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ንኺለግብ ግዴታ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 13:4

12. (ሀ) መንእሰያት ንመምህራኖም ሕያውነት ንኼርእዩ ኣጸጋሚ ኪዀኖም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መንእሰያት ሕማቕ ተግባራት ንኺገብሩ ጸቕጢ ኺወርዶም ከሎ: ካብ መን እዮም ሓገዝ ኬናድዩ ዚኽእሉ፧

12 መንእሰያት ንመምህራኖም እውን ብሕያውነት ኪርእይዎም ኣለዎም። ብዙሓት ተማሃሮ ንመምህራኖም ኬሕርቑ ኸለዉ ደስ እዩ ዚብሎም። ንሕግታት ቤት ትምህርቶም ኣብ ዚጥሕስ ንጥፈታት ብምስታፍ ንመምህራኖም ኬሕስርዎም ከለዉ: በላሕቲ ዚዀኑ እዩ ዚመስሎም። ንኻልኦት ብምፍርራህ ከኣ ኣብቲ ተግባራቶም ከም ዚሓብርዎም ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ምሳታቶም ምሕባር ምስ ዚኣቢ: ኬላግጹሉን ኪሃስይዎን ይኽእሉ እዮም። ሓደ ክርስትያን ዓመት ምሉእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜሕልፍ: ሕያውነት ንኼርኢ ዝገበሮ ቘራጽነቱ ኺፍተን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣብዚ ጽንኩር እዋን ብመንፈሱ ገይሩ ኸም ዚድግፈካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 37:28

ምስ ጐረባብቲ ብሕያውነት ምምልላስ

13-15. ንጐረባብትኻ ሕያውነት ንኸይተርእዮም ኪዓናቕፈካ ዚኽእል እንታይ እዩ: ነዚ ጸገማትከ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

13 ኣብ ቤት: ኣብ ኣፓርታማ: ወይ ኣብ ካልእ ንበር ብዘየገድስ: ንጐረባብትኻ ሕያውነት እተርእየሉን ሓልዮትካ እትገልጸሉን መገድታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ እውን ኵሉ ሳዕ ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን።

14 ጐረባብትኻ ብሰንኪ ዓሌትካ: ዜግነትካ: ወይ ሃይማኖትካ ዚጸልኡኻ እንተ ዀይኖም እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ እንተ ገበሩኻ ወይ ብዛዕባኻ ፋዕራ ዘይብሎም እንተ ዀይኖም እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ከም ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን: ብእተኻእለካ ሕያውነት ምንጽብራቕካ ጠቓሚ ኪኸውን እዩ። ብጽቡቕ ተግባርካ ኻባታቶም ፍልይ ኢኻ እትብል: እዚ ድማ ነቲ ብሕያውነት ኣብነትና ዝዀነ የሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ። ጐረቤትካ ብሕያውነትካ ተደሪኹ ኣረኣእያኡ ኪቕይር ይኽእል ይኸውን። አረ ንየሆዋ ዚውድስ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:12

15 ንጐረባብትኻ ብኸመይ ሕያውነት ከተርእዮም ትኽእል፧ ቅድም ቀዳድም: ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ዚህልዎም ርክብ ፍረ መንፈስ ኬንጸባርቑ ኣለዎም። ጐረባብትኻ እውን ነዚ የስተብህሉሉ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ ንጐረቤትካ ሰናይ ነገር ክትገብረሉ ትኽእል ትኸውን። ሕያውነት ኪበሃል ከሎ ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ምግዳስ ማለት ምዃኑ ኣይትረስዕ።—1 ጴጥሮስ 3:8-12

ኣብ ኣገልግሎት ብሕያውነት ምምልላስ

16, 17. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎትና ሕያውነት ኣገዳሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እተፈላለየ መዳይ ኣገልግሎትና ብኸመይ ሕያውነት ከነንጸባርቕ ንኽእል፧

16 ንሰባት ኣብ ቤቶም: ኣብ ስርሖም: ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክንረኽቦም ክንጽዕር ከለና: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ሕያውነት ከነንጸባርቕ ኣሎና። ተወከልቲ እቲ ዅሉ ግዜ ሕያዋይ ዝዀነ የሆዋ ዄንና ኸም እንቐርብ ክንርስዕ የብልናን።—ዘጸኣት 34:6

17 ኣብ ኣገልግሎት ሕያውነት ንኸተርኢ እንታይ ጻዕርታት ክትገብር ኣሎካ፧ ንኣብነት: ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ንሰባት ከተዘራርቦም ከለኻ: ዘረባኻ ብምሕጻርን ንኻልኦት ብምሕላይን ሕያውነት ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። መገዲ ኣጋር መብዛሕትኡ ግዜ ብሰባት እተጻበበ ብምዃኑ: መገዲ ንኸይትዓጹ ተጠንቀቕ። ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ከተገልግል ከለኻ ኸኣ እቲ በዓል ድኳን ዓማዊሉ ኼአንግድ ከም ዘለዎ ዘኪርካ ዘረባኻ ሓጺር ብምግባር ሓልዮትካ ኣርኢ።

18. ኣብ ኣገልግሎትና ሕያውነት ንኸነርኢ ምስትውዓል ዜድልየና ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እትገብሮ ኣገልግሎት መስተውዓሊ ኹን። ብፍላይ ኵነታት ኣየር ምሹእ ምስ ዘይከውን ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ኣፍደገ ነዊሕ ኣይተዘራርቦ። ሓደ ሰብ ትዕግስቱ ኺውዳእ ከሎ ወይ ኪበሳጮ ኸሎ ኸተስተውዕል ትኽእልዶ፧ ምናልባት ኣብታ እትነብራ ሃገር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ነቲ ዞባታቶም ይሽፍንዎ ይዀኑ። ከምዚ እንተ ዀይኑ: ወትሩ ሕያዋይን ፍሽሑውን ብምዃን ብዝያዳ ተገዳስነትካ ኣርኢ። (ምሳሌ 17:14) ሓደ ብዓል ቤት በታ መዓልቲ እቲኣ ኺሰምዓካ ዘይደለየሉ ምኽንያት ተረድኣሉ። ድሕሪ ገለ ግዜ ሓደ ኻብ ክርስትያን ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ናብታ ቤት ኪኸይድ ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ምስ ሓደ ዘይእሩም ሰብ እንተ ተራኺብካ: ሕያውነት ንኸተርኢ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ዓውዓው ኣይትብል ወይ ኣይትጸወግ: የግዳስ ብልኡም ቃላት ተዛረብ። ሓደ ሕያዋይ ክርስትያን ነቲ ብዓል ቤት ሓሪቑ ኣብ ቈየቛ ኸም ዚኣቱ ኣይገብሮን እዩ። (ማቴዎስ 10:11-14) ምናልባት ሓደ መዓልቲ እዚ ሰብ እዚ ነቲ ብስራት ይሰምዕ ይኸውን።

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብሕያውነት ምምልላስ

19, 20. ኣብ ጉባኤ ሕያውነት ከተርኢ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ: እዚኸ ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧

19 ምስ ክርስትያን ብጾትና ብሕያውነት ምምልላስ እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። (እብራውያን 13:1) ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዝዀንና: ኣብ ነሓድሕድና ኣብ ዘሎና ርክብ ሕያውነት ምንጽብራቕ ኣገዳሲ እዩ።

20 ሓንቲ ጉባኤ ምስ ሓንቲ: ክልተ: ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኻልኦት ጉባኤታት ሓቢራ ብሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ትጥቀም እንተልያ: ነቶም ኣባላት ካልኦት ጉባኤታት ኣኽብሮት ብምሃብ ሕያውነት ከተርእዮም ኣሎካ። ኣኼባታት ዚግበረሉ ሰዓት: ጽሬት: ወይ ሕደሳ ብዚምልከት ምድላዋት ኪግበር ከሎ: ናይ ውድድር መንፈስ እንተልዩ: ምትሕብባር ንኺህሉ ኣጸጋሚ እዩ ዚገብሮ። እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህሉ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ሕያዋይን ሓላዪን ኩን። በዚ ኸምዚ ሕያውነት ይሰፍን: የሆዋ ድማ ነቲ ንኻልኦት ዘርኣኻዮ ሓልዮት ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።

ወትሩ ሕያውነት ኣርኢ

21, 22. ምስ ቈሎሴ 3:12 ብምስምማዕ እንታይ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ኽንለዓል ዘሎና፧

21 ሕያውነት ብዙሕ ነገራት ዚሓቍፍ ብምዃኑ: ንዅሉ መዳያት ህይወትና እዩ ዚትንክፍ። እምበኣር: ክፍሊ እቲ ክርስትያናዊ ባህርያትና ኽንገብሮ ኣሎና። ሕያውነት ምንጽብራቕ ልማድና ኪኸውን ኣለዎ።

22 ኵላትና መዓልታዊ ንኻልኦት ሕያውነት ነርእዮም: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም: ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከኣ በብውልቂ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።—ቈሎሴ 3:12

ትዝክሮዶ፧

• ንሓደ ክርስትያን ሕያውነት ኣብ ምርኣይ ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

• ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ሕያውነት ምንጽብራቕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ስራሕን ንጐረባብትኻን ሕያውነት ከተርኢ ኸለኻ ዕንቅፋት ኪዀነካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

• ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎቶም ሕያውነት ብኸመይ ከም ዜርእዩ ግለጽ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ሕያውነት ምስ ዜንጸባርቑ ሓድነትን ስኒትን ይህልዎም

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

መሳርሕትኻ ኺሓምም ከሎ ወይ ኣባላት ስድራቤቱ ኺሓምዎ ኸለዉ: ሕያውነት ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ኣደዳ ላግጺ እናዀኑ ሕያውነት ዜንጸባርቑ ይድግፎም

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ንእተሸገረ ጐረቤትካ ምድጋፍ: ሓደ ኻብቲ ሕያውነትካ እተርእየሉ መገዲ እዩ