ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መክሲኮ ንተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዚወሃብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት

ኣብ መክሲኮ ንተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዚወሃብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት

ኣብ መክሲኮ ንተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዚወሃብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ነቶም መጋይሽቱ ኺጽበ ኸሎ: ንእግረ-መገዱ ምስክርነት ሃበ። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም . . . ይዛራረብ ነበረ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:17) የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ: ኣብ ጥቓ ዔላ ንዝረኸባ ሳምራዊት ሰበይቲ ንእግረ-መገዱ መስኪሩላ እዩ። (ዮሃንስ 4:3-26) ንስኻኸ ኣብ ዝረኸብካዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ትዛረብ ዲኻ፧

ኣብዚ መዳይ እዚ: ነቶም ኣብ መክሲኮ ዚርከቡ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። በጻሕቲ ኺዘናግዑ ይመጹ: ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናብታ ሃገር ይመላለሱ: ጡረታ ወጺኦም ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ወጻእተኛታት ከኣ ኣብ መናፈሻታትን ኣብያተ-ምግብን ወትሩ ይርከቡ እዮም። ሓያሎ እንግሊዝኛ ዚፈልጡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝርርብ ንምጅማር ዜኽእሎም ሜላታት ኣለዎም። አረ ንዝዀነ ይኹን ወጻእተኛ ዚመስል ወይ እንግሊዝኛ ዚዛረብ ሰብ ንኼዘራርቡ እዮም ዚጽዕሩ። ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብርዎ እስከ ንርአ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ንተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዚሰብኩሎም ደቂ ኻልእ ዓዲ ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ወጻእተኛታት ምስ ዚረኽቡ ፈለማ ብምልላይ ካበይ ከም ዚመጹ ይሓትዎም። ድሕርዚ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ወጻእተኛ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መክሲኮ እንታይ ከም ዚዓዪ ይሓቶ: በዚ ድማ ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነቱ ንምንጋር ኣጋጣሚ ይኽፈተሉ። ንኣብነት: እታ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዚድለዩሉ ኣብ ዋኻካ እተገልግል ግሎርያ: በዚ ኸምዚ ዝርርብ ንምጅማር ቀሊል ኰይኑ እያ ረኺባቶ። ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ንእግረ-መገዳ ድሕሪ ምምስካር ናብ ቤታ ኽትምለስ ከላ: እንግሊዛውያን ሰብ ሓዳር ደው ኣበልዋ። እታ ሰበይቲ ብኣድንቖት “ሓንቲ ጸላም ሰበይቲ ኣብ ጐደናታት ዋኻካ ኽትዛወር ምርኣይ ዜስደምም እዩ!” በለት። ግሎርያ በዚ ኣብ ክንዲ እትቕየም ሰሓቐት: ኣብ መክሲኮ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝመጹ ድማ ኪዘራረቡ ጀመሩ። እታ ሰበይቲ ንግሎርያ ናብ ቤታ መጺኣ ቡን ክትሰቲ ዓደመታ። ቈጸራ ድሕሪ ምግባረን ግሎርያ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኸተበርክተላ ፈተነት: እታ ሰበይቲ ግን ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይትኣምን ብምግላጽ ምቕባል ኣበየት። ግሎርያ ኣብ ኣምላኽ ንዘይኣምኑ ሰባት ምዝርራብ ባህ ከም ዚብላ ድሕሪ ምግላጽ: ብዛዕባ እታ “ናይ ኣምልኾ ቦታታት የድልየና ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ እንታይ ሓሳባት ከም ዘለዋ ኽትሰምዓ ኸም እትደሊ ገለጸትላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ “እንተ ኣእሚንክኒ: ዜደንቕ ነገር ኢኺ ኽትፍጽሚ” ብምባል ተቐበለታ። ቡን ኪሰትያ ምስ ተራኸባ ኣገዳሲ ምይይጥ ገበራ። እቶም ሰብ ሓዳር ጸኒሖም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከዱ: ነቲ ምይይጥ ግን ብኢ-መይል ብምልእኣኽ ቀጸላኦ።

ግሎርያ ንሓንቲ ሳሮን እትበሃል ካብ ዋሽንግተን: ዲ.ሲ.: ዝመጸት ተማሃሪት እውን ኣዘራሪባታ እያ። እዛ ተማሃሪት እዚኣ ማስትሬት ዲግሪ ንምርካብ ናብተን ኣብ ዋኻካ ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ወለንተኛ ብምዃን ትዓዪ ነበረት። ግሎርያ ንሳሮን ስለቲ ዝገበረቶ ጻዕርታት ድሕሪ ምንኣድ: ንሳ ኣብ መክሲኮ እንታይ ትገብር ከም ዘላ ነገረታ። ድሕርዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ኣምላኽ ንድኻታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ሰባት እንታይ ከም ዚገብረሎም ጽቡቕ ምይይጥ ገበራ። ሳሮን ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዘራሪባ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት: ኣብ መክሲኮ ምስ መጸት: ሓንቲ ኻብቶም ኣብ መጀመርታ ዝረኸበቶም ሰባት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ኸም ዜስደምማ ተዛረበት። ሳሮን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት: ብኡንብኡ ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ጀመረት።

ብዙሓት ወጻእተኛታት ገነት ዚመስል ኵነታት ደልዮም ናብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ገማግም ባሕሪ ይኸዱ እዮም። ኣብ ኣካፑልኮ እትነብር ላውረል: ኣካፑልኮ ኻብቲ ዚመጽሉ ቦታ ብዝያዳ ንገነት ትመስል እንተ ዀይናን ነታ ኸተማ ብምንታይ ከም ዚፈተዉዋን ብምሕታት: ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝርርብ ንምጅማር ትጥቀመሉ እያ። ድሕሪኡ ምልእቲ ምድሪ ናይ ሓቂ ገነት ከም እትኸውን ትገልጸሎም። በዚ ኸምዚ ኣብ እንዳ ሓኪም እንስሳ ንዝረኸበታ ካናዳዊት ሰበይቲ ምስ ኣዘራረበታ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምር ክትሕግዛ ኸኣለት። ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ምስ እትጥቀም ኣሳልጦ ዚርከቦዶ ይመስለካ፧

‘ኣብ ወጻእን ኣብ ኣደባባያትን’

መብዛሕትኡ እዋን “እንግሊዝኛ ትዛረብ ዲኻ፧” ብዚብል ሕቶ ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ዝርርብ ምጅማር ይከኣል እዩ። ሓያሎ መክሲካውያን ንስርሖም ስለ ዜድልዮም ወይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ እንግሊዝኛ ይዛረቡ እዮም።

ሓደ እዋን ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኣዘራረብዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓንቲ ኣላዪታ ብብሽክለታ ስንኩላን እናደፍኣታ ትኸይድ ነበረት። እቶም ሰብ ሓዳር ነታ ሰበይቲ እንግሊዝኛ ኽትዛረብ ትኽእል እንተ ዀይና ሓተትዋ። ንሳ ድማ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትነብር ስለ ዝነበረት: እንግሊዝኛ ኸም እትፈልጥ ነገረቶም። ነቲ ቕድሚ ሕጂ ኣንቢባቶ ዘይትፈልጥ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተቐበለት: ስማ ኮንስወሎ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣድራሻኣ ሃበቶም። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ በቲ ኣድራሽኣ ምስ ረኸብዋ: ብናይ ካቶሊክ ደናግል ኣብ ዚካየድ መእለዪ ኣረጋውያን ከም እትነብር ፈለጡ። ፈለማ እተን ደናግል ስለ ዝጠርጠርኦምን ኮንስወሎ ኸተዘራርቦም ከም ዘይትኽእል ስለ ዝገለጻሎምን ኪረኽብዋ ኣጸገሞም። እቶም ሰብ ሓዳር ከኣ ነተን ደናግል ይጽበይዋ ኸም ዘለዉን ሰላም ኪብልዋ ኸም ዚደልዩን ኪሕብራኣ ግዲ በልወን። ኮንስወሎ ኸኣ ነቶም ሰብ ሓዳር ብኡንብኡ ኼእትዋኦም ነገረተን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ እዛ 86 ዓመት ዝዕድሜኣ ሰበይቲ ዋላ እኳ እተን ደናግል ጽቡቕ እንተ ዘይተዛረባኣ: ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር ኣላ። ኣብ ገሊኡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ተኣኪባ እያ።

ምሳሌ 1:20 “ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር: ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ኣደባባይ ሳን ሚገል ዴ ኣየንዴ ብኸመይ ከም እተፈጸመት እስከ ንርአ። ራልፍ ምድሪ ኺወግሕ ከሎ ሓደ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዚርከብ ኣብ ርቦ ተቐሚጡ ዝነበረ ሰብኣይ ቀሪቡ ኣዘራረቦ። እቲ ሰብኣይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ ተበርከተሉ ኣዝዩ ተገረመ: ንራልፍ ከኣ ታሪኽ ህይወቱ ነገሮ።

ወተሃደር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ቬትናም ዘሚቱ ነይሩ: ኣብኡ ብዙሓት ኪሞቱን ኪሳቐዩን ብምርኣዩ ኸኣ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ኣጋጠሞ። በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ ግንባር ናብ ደጀን ተላእከ። ኣብኡ ድማ ነቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምልኣኽ ሬሳ ንኺሓጽብ ተመደበ። እዚ ሰብ እዚ ሕጂ ድሕሪ 30 ዓመት እውን ለይቲ ይብህርርን ይሰምብድን እዩ። በታ ንግሆ እቲኣ ኣብቲ ኣደባባይ ኮፍ ኢሉ ኸሎ: ሓገዝ ደልዩ ብልቡ ይጽሊ እዩ ነይሩ።

እዚ ወተሃደር ዝነበረ ሰብኣይ ጽሑፋትን ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺመጽእ ዝቐረበሉ ዕድመን ተቐበለ። ኣብ ኣኼባ ድሕሪ ምእካብ: ኣብተን ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጸንሓለን ክልተ ሰዓታት ን30 ዓመት ዘይረኸቦ ሰላም ከም እተሰምዖ ገለጸ። ኣብ ሳን ሚገል ዴ ኣየንዴ ንሒደት ሰሙናት እኳ እንተ ጸንሐ: ብተደጋጋሚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበረ: ዓዱ ኽሳዕ ዚምለስ ከኣ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ተኣከበ። ኣብቲ ዝኸዶ ቦታ መጽናዕቲ ንኪቕጽል ከኣ ምድላው ተገብረሉ።

ኣብ ስራሕን ኣብ ቤት ትምህርትን ንእግረ-መገዲ ምምስካር

ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ንመሳርሕትኻ ተፍልጦም ዲኻ፧ እቲ ንዕረፍቲ ናብ ኬፕ ሳን ሉካስ ንዚመጹ ሰባት ኣፓርትማታት ዚሸይጥ ኣድሪያን ንመሳርሕቱ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ኣፍለጦም። እዚ ዘፍረዮ ፍረ ድማ ካብታ ጁዲ እትበሃል መሳርሕቱ ዝበለቶ ኽንርኢ ንኽእል ኢና:- “ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ምዃነይ እንተ ዝንገረኒ: ‘ፈጺሙ ዘይከውን እዩ!’ ኢለ ምመለስኩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ መደብኩ። ‘ምንባብ ስለ ዝፈቱ: ኣይከብደንን እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። ኰይኑ ግን: ሽዱሽተ ገጻት ዚኸውን ጥራይ ምስ ኣንበብኩ ሓገዝ ከም ዜድልየኒ ኣስተውዓልኩ። ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸለይ ሰብ ከኣ እቲ ኣድሪያን ዝስሙ መሳርሕተይ ጥራይ እዩ። ኣብ ስራሕ ንሱ ጥራይ እሩም ብምዃኑ ምስኡ ምዝርራብ ባህ እዩ ዚብለኒ ነይሩ።” ኣድሪያን ንጁዲ ሕቶታታ ንምምላስ ምስ ኬቲ ሕጽይቱ ኺመጻ ኸም ዚኽእል ገለጸላ። ኬቲ ንጁዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትላ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ጁዲ እተጠምቀት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት።

ኣብ ቤት ትምህርቲኸ ንእግረ-መገድኻ ትምስክርዶ፧ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቋንቋ ስጳንኛ ይመሃራ ነበራ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣብ ሓደ ዓብዪ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንኺካፈላ ኻብ ትምህርቲ በዀራ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናብ ትምህርተን ምስ ከዳ: እንታይ ከም ዝገበራ ብስጳንኛ ንኼዘንትዋ ሕቶ ቐረበለን። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒመን ከኣ በቲ ቛንቋ ገይረን ዚከኣለን ምስክርነት ሃባ። እታ ሲልቫ እትበሃል መምህረን እቲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣሕደረላ። ብእንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼተጽንዕ ዝቐረበላ ዕደመ ተቐበለት: ሕጂ ኸኣ ኣስፋሒት እቲ ብስራት ኰይና ተገልግል ኣላ። ገሊኣቶም ኣባላት ስድራቤታ እውን መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ። ሲልቫ “ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝደልዮ ዝነበርኩ ነገር እየ ረኺበ” በለት። እወ: ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ።

ካልእ ኣጋጣሚታት ምጥቃም

ምቕሉል ምዃን ምስክርነት ንኽትህብ መገዲ ይኸፍተልካ እዩ። ኣብ ሳን ካርሎስ: ሶኖራ: ዜገልግሉ ጂምን ገይልን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር ነዚ ተመኲሮምዎ እዮም። ሓደ እዋን ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ሓንቲ ኣኽላባታ እተናፍስ ዝነበረት ሰበይቲ: ነቲ ቐጽሮም ንኸተድንቕ ሓንሳእ ደው በለት። ጂምን ገይልን ቡን ክትሰቲ እተዊ በልዋ። ኣብ 60 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ የሆዋን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ሰምዔት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረት።

ኤድሪየን እውን ንዘይትፈልጦም ሰባት ብሕያውነት እያ እተዘራርቦም። ኣብ ካንኩን ኣብ ዚርከብ ሓደ ቤት ምግቢ ኽትበልዕ ከላ: ሓደ ቘልዓ መጺኡ ካናዳዊት እንተ ዀይና ሓተታ። ብኣወንታ ምስ መለሰትሉ: ንሱን ኣዲኡን ነቲ ሓብቱ ብዛዕባ ካናዳውያን ንኽትጽሕፍ ብቤት ትምህርታ እተዋህባ ዕዮ ይሕግዘዋ ኸም ዘለዉ ነገራ። እታ እንግሊዝኛ እትዛረብ ኣዲኡ እውን መጺኣ ኣብ ጐድና ኾፍ በለት። ኤድሪየን ብትዕግስቲ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ካናዳውያን ዘለዋ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ: “እንተዀነ ግን: ካብ ካናዳ ናብዚ ዝመጻእኩሉ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎኒ። እዚ ኸኣ ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ምሕጋዝ እዩ። ብዛዕባ እዚ ተገዳስነት ኣለኪዶ፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ብኣወንታ መለሰት። ናብ ቤተ-ክርስትያና ምኻድ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ከም ዝገደፈቶ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕታ ኸተጽንዕ ከም ዝፈተነት ነገረታ። ቍጽሪ ተሌፎናን ኣድራሻኣን ሃበታ: ባህ ዜብል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመራ።

‘ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ደርብዮ’

ኣብ ዝረኸብካዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝራብ: ነቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰምዑ ብዙሕ ዕድል ዘይረኸቡ ወይ ዋላ ሓንቲ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ምስክርነት ንምሃብ የኽእል። ሓንቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሲዋታነኾ እትርከብ እንዳ ሻሂ ብሰባት መሊኣ ብምንባራ: ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንኽልተ ወጻእተኛታት ምስኣ ኾፍ ንኺብሉ ዓደመቶም። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ንሸውዓተ ዓመት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብጃልባኦም ይጐዓዙ ነበሩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ኣሉታዊ ስምዒት እውን ገለጹላ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ነዞም ሰብ ሓዳር ኣብታ እንዳ ሻሂ ምስ ረኸበቶም: ኣብ ጃልባኦም ክትበጽሖም ከደት: ናብ ቤታ እውን ዓደመቶም። ልዕሊ 20 መጽሔታትን 5 መጻሕፍትን ተቐበልዋ: ኣብታ እትቕጽል ዜዕርፉላ ወደብ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚራኸቡ ድማ ተመባጽዑ።

ጀፍን ዴብን ኣብ ማእከል ዕዳጋ ካንኩን ኣብ ዚርከብ ቤት ምግቢ ምጭውቲ ቘልዓ ዝሓዙ ስድራቤት ረኣዩ። ብዛዕባ እታ ቘልዓ ምስ ተዛረቡ: እቶም ወለዳ ኻብቲ ዚበልዕዎ ዝነበሩ ፒሳ ‘ንቐደም’ በልዎም። እዞም ስድራቤት እዚኣቶም ካብ ህንዲ ዚመጹ እዮም። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዖም ኰነ ንጽሑፋትና ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሓተምዎ ጽሑፋት ተዋህቦም።

ጀፍ ኣብታ ኣብ ገማግም ዩከታን እትርከብ ደሴት: ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣጋጠሞ። ካብ ዚምርዓዉ ነዊሕ ዘይገበሩ ቻይናውያን ሰብ ሓዳር ኪስእሎም ምስ ሓተትዎ: ተሓጒሱ ነቲ ዝበልዎ ፈጸመሎም። ንዝሓለፈ 12 ዓመት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዖም ኰነ ናይ የሆዋ ምስክር ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም! ባህ ዜብል ዝርርብ ተጀመረ። ጀፍ ናብቲ ዚነብሩሉ ዓዲ ምስ ተመልሱ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣናድዮም ኪረኽብዎም ኣተባብዖም።

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ከባቢኻ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንኽትህብ ዜኽእለካ እተፈልየ ኣጋጣሚ ይኽፈት ይኸውን። ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንፕረዚደንት መክሲኮ ኣብ ጥቓ ግዋናህዋቶ ኣብ ዚርከብ ሕርሻ ኺበጽሖ ምስ መጸ: ካብ መላእ ዓለም እተኣኻኸቡ ሪፖርተራት ነቲ ጕዳይ ኣብ ዜና ፈነወ ንኺህቡሉ ናብቲ ቦታ መጹ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብእንግሊዝኛ ንምስባኽ ኪጥቀሙሉ ወሰኑ። ኣወንታዊ ምላሽ እውን ረኸቡ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ከም ኮሶቮን ክወይትን እተኻየደ እተፈላለየ ውግኣት ጸብጻብ ዝሃበ ሓደ ሪፖርተር ረኸቡ። ብጻዩ ብጥይት ምስ ተወቕዐ: ኣብ ኢዱ እዩ ሞይትዎ። እዚ ሪፖርተር እዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ምስ ሰምዐ: ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር እናበለ ህይወት ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ኺፈልጥ ስለ ዝኸኣለ ንኣምላኽ ኣመስገነ። ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር እንደገና ዘይረኽቦም እኳ እንተዀነ: ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ግን ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖ ነገሮም።

ኣብዚ ኸም ዝረኣናዮ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምስክርነት መብዛሕትኡ ግዜ መወዳእታኡ ኣይፍለጥን እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ: ከመይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ክትረኽቦ ኢኻ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ: ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” በለ። (መክብብ 11:1, 6) እወ: ከምቲ ጳውሎስን የሱስን ዝገበርዎ ከምኡውን ከምቲ ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ እንግሊዝኛ ንዚዛረቡ ዚሰብኩሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዘለዉ: ብቕንኣት ‘ንእንጌራኻ’ ናብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ‘ስደዶ:’ ‘ዘርእኻ’ ድማ ብልግሲ ‘ዝራእ።’