ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝረኸቦ ሓገዝ ንዘጋጠሞ ፈተና ተዋጸኣሉ

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝረኸቦ ሓገዝ ንዘጋጠሞ ፈተና ተዋጸኣሉ

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝረኸቦ ሓገዝ ንዘጋጠሞ ፈተና ተዋጸኣሉ

ኣብዛ ዓለምና ፈተናታት መሊኡ እዩ ዘሎ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ቀሊል ኣይኰነን። ንኣብነት: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ማዕዳ ምስዓብ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:18

ሓደ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሰባስቲያን ዚብል ስም ዝሃብናዮ ናይ የሆዋ ምስክር: ኣብ ፖላንድ ምስ ሓንቲ ናይ ስካንዲነቭያ ኩባንያ ይሰርሕ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ንጽህናኡ ንኺሕሉ ብዙሕ ኪጋደል ነበሮ።

ሰባስቲያን ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ መሳርሕቱ ይፈልጡ ነበሩ። ኣሕሉቕቱ ነቲ ትግሃቱን ሰናይ ባህሪኡን ስለ ዜድነቕዎ: እተፈላለየ ሓላፍነታት ሃብዎ። እንተዀነ ግን: እዚ ሓላፍነታት እዚ ኣብ ዜተሓታትት መዘናግዒ ዘለዎ ናይ ስራሕ ኣኼባታት ከም ዚሳተፍ ዚገብር እዩ ነይሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ሰባስቲያን “ሓለቓይ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዚኣምነኒ። ኣብዚ ምስታፍ እንተ ኣብየ: ነዚ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝረኸብክዎ ስርሐይ ክስእን እየ። ስለዚ: ስቕ ኢለ ጥራይ እንተ ረኣኹኸ፧” ብዚብል ሓሳባት ኪዋጠር ጀመረ።

ድሕርዚ: ካልእ ነገራት ኪገብር እውን ትጽቢት ከም ዚግበረሉ ፈለጠ። ነቶም ወጻእተኛታት ዓማዊል ምሸት ምሸት ብዕሉግ ተግባራት ንምፍጻም ዜድልያኦም “ኣዋልድ” ብምምጻእ “ከአንግዶም” ትጽቢት ተገብረሉ። ከምዚ ምስ ተባህለ እንታይ ገበረ፧

ሰባስቲያን ነቲ ሓለቓኡ ብዛዕባ እቲ ንስነ-ምግባር ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኣረኣእያኡ ኼዘኻኽሮ ወሰነ። ነዊሕ ከይጸንሐ እዚ ስራሕ እዚ ኸም ዘይሰማምዖን ውዒሉ ሓዲሩ ኼቋርጾ ምዃኑን ነጸረ። ዝወሓደ ደሞዝ ዘለዎ: ግን ከኣ ፈተናታት ዘይብሉ ኻልእ ስራሕ ረኸበ። ሕጂ ጽሩይ ሕልና እዩ ዘለዎ።

ሓደ ሰብ ኣብ ርኹስ ተግባራት ንኽትሳተፍ ወይ ዕሽሽ ንኽትብሎ ጸቕጢ ምስ ዜውርደልካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ቅጽበታዊ ለውጢ ምገበርካዶ፧ ኣብ ዘፍጥረት 39:7-12 ተገሊጹ ኸም ዘሎ እቲ ጥንቲ ዝነበረ ዮሴፍ ከምኡ እዩ ገይሩ።