ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ንኺጽልዩ ኺምህሮም ከሎ: ካብቲ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ከሎ ዝረኣዮ ዅነታት ተበጊሱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ማቴዎስ 6:10፣ ዮሃንስ 1:18፣ 3:13፣ 8:42) ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚግበር ዝዀነ ይኹን ነገር ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማምዓሉ ዝነበረ እዋን ርእዩ እዩ። እቲ እዋን እቲ በቲ እተፈጸመ ነገራት ሓጐስን ዕግበትን ዚረኽበሉ ዝነበረ እዋን እዩ።—ምሳሌ 8:27-31

ኣምላኽ መጀመርታ ዝፈጠሮም ፍጥረት እቶም “ሓያላትን ስልጡናትን” እተባህሉ መንፈሳውያን ፍጥረታት ወይ “መላእኽቱ” እዮም። እዚኣቶም ጥንቲ ዀነ ሕጂ ‘ንፍቓዱ ዚፍጽሙ ኣገልገልቱ’ እዮም። (መዝሙር 103:20, 21) እዞም መላእኽቲ ነፍሲ ወከፎም ዝደለይዎ ኺመርጹ ዚኽእሉ ድዮም ነይሮም፧ እወ: ከምኡ እዮም ነይሮም። ምድሪ ኽትስረት ከላ ኸኣ ‘ደቂ ኣምላኽ እልል ኢሎም እዮም።’ (እዮብ 38:7) እልል ምባሎም ብፍቓድ ኣምላኽ ከም እተሓጐሱ እዩ ዜርኢ: ንፍቓዶም ድማ ምስ ፍቓዱ ኣሰማምዑ።

ምድሪ ምስ ተሰረተት: ኣምላኽ ደቅሰብ ንኺነብርዋ ኣዳለዋ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 1) እዚኸ እልል ዜብል ድዩ ነይሩ፧ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዚነፈሶ ጸብጻብ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል። እወ: ኵሉ ኣበር ዘይብሉን ፍጹምን እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 1:31

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድናን ንዘርኦምን ብዚምልከት እንታይ ፍቓድ እዩ ነይርዎ፧ ብመሰረት ዘፍጥረት 1:28 እዚውን ብዙሕ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። “ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ: በሎም።” ነዚ ዜደንቕ መዝነት እዚ ንምፍጻም: እቶም ቀዳሞት ወለድና ንዘለኣለም ኪነብሩ ነበሮም: ዘርኦም እውን እንተዀነ ኸምኡ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓዘን: ምጕዳል ፍትሒ: ጓሂ: ወይ ሞት ከም ዜጋጥሞም ዚሕብር ነገር የልቦን።

እቲ እዋን እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚግበረሉ ግዜ እዩ ነይሩ። እቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ኸምኡ ብምግባሮም ብዙሕ ሓጐስ ኺረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም። ነዚ ደኣ እንታይ ኣበላሸዎ፧

ንፍቓድ ኣምላኽ ዚብድህ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ነገር ተላዕለ። ልክዕ እዩ: እዚ ብድሆ እዚ መልሲ ኺወሃበሉ ዘይከኣል ኣይኰነን ነይሩ። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቓድ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ዝፈጠረ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ጓህን ሓዘንን ኣስዓበ። እዚ ኸኣ ንዅላትና ዚትንክፈና እዩ። እቲ ሽዑ እተላዕለ ብድሆ እንታይ እዩ፧

ዕልወት ኣብ እተፈጸመሉ እዋን ዝነበረ ፍቓድ ኣምላኽ

ሓደ ኻብቶም “ደቂ ኣምላኽ” ኣብቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቓድ ጣልቃ ብምእታው ኪጥቀም ደለየ። እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ: ነዚ ትምኒቱ ዝያዳ ብዝሓሰበሉ መጠን: ዚሰልጦ መሰሎ: ዝሓየለ ትምኒት ድማ ሓደሮ። (ያእቆብ 1:14, 15) ንኣምላኽ ዘይኰነስ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንተ ኣእሚንዎም: ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሉዓላውነቱ እተላዕሎ ተነሓናሒ ስቕ ኢሉ ንኺርእዮ ኺግደድ እዩ ብምባል ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማኡ ምእንቲ ኸይፈርስ ኢሉ ንሰባት ኣይኬጥፍኦምን እዩ ኢሉ እውን ሓሲቡ ይኸውን። ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ዕላማኡ ብምቕያር ንስልጣን እቲ ሰብኣውያን ፍጡራት ዚግዝእዎ መንፈሳዊ ፍጡር ኪቕበሎ እዩ ዚብል ግምት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር: እዚ ዓለወኛ እዚ ጸኒሑ ሰይጣን: ማለት “ተጻራሪ” ኺበሃል ዚግብኦ እዩ።—እዮብ 1:6

ሰይጣን ካብ ትምኒቱ ተበጊሱ: ነታ ሰበይቲ ቐረባ። “ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ኢሉ ብምዝራብ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ንኽትብልን ካብ ኣምላኽ ተፈልያ ብርእሳ ቕኑዕን ጌጋን ንኽትውስንን ደፋፍኣ። (ዘፍጥረት 3:1-5) እታ ሰበይቲ ሓርነት እትረክብ መሰላ: ዝሓሸ ናብራ ዚህልዋ መሲልዋ ድማ ተቐበለቶ። ጸኒሓ ንሰብኣያ ኺሓብራ ኣስድዐቶ።—ዘፍጥረት 3:6

ኣምላኽ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሮ ፍቓድ ከምዚ ኣይነበረን። እዚ ንሳቶም ዝደለይዎ ነገር ወይ ፍቓዶም እዩ ነይሩ። ሕማቕ ሳዕቤን ዜምጽእ ከኣ ነበረ። እዚ ኣካይዳ እዚ ናብ ሞት ከም ዚመርሖም ኣምላኽ ኣቐዲሙ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 3:3) ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዕዉታት ኰይኖም ንኺመላለሱ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። (ኤርምያስ 10:23) ብዘይካዚውን: ዘይፍጹማት ሰባት ኰኑ: ዘይፍጽምናን ሞትን እውን ንዘርኦም ኣውረስዎም። (ሮሜ 5:12) ሰይጣን ነዚ ጸገማት እዚ ኺፈትሖ ኣይክእልን እዩ።

እዚ ግን ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብን ንምድርን ዝነበሮ ዕላማ ወይ ፍቓድ ንሓዋሩ ቐዪርዎ ድዩ፧ ኣይፋልን። (ኢሳይያስ 55:9-11) እንተዀነ ግን: መልሲ ኺወሃበሉ ዘለዎ ኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ:- ደቅሰብ ከምቲ ሰይጣን ዝበሎ ‘ከም ኣምላኽ ጽቡቕን ክፉእን ኪፈልጡ’ ይኽእሉ ድዮም፧ ብኻልእ ኣበሃህላ: እኹል ግዜ እንተ ተዋሂቡና: ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ባዕልና ቕኑዕን ጌጋን ከምኡውን ጠቓምን ጐዳእን ክንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝበለጸ ጌርካ ብምውሳድ: ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞዶ ግቡእ እዩ፧ ፍቓዱኸ ምሉእ ብምሉእ ምስኡ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ዚበቅዕ ድዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ብኸመይ ምመለስካዮ፧

ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መስተውዓልቲ ፍጥረታት መልሲ ንኺወሃበሉ ዜኽእል ሓደ መገዲ ጥራይ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቶም ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ኪነብሩ ዝደለዩ ዕዉታት ዚዀኑ እንተ ዀይኖም ኪርአ ግዜ ምሃቦም እዩ። ነዚኣቶም ምጥፋእ ነቲ እተላዕለ ሕቶታት መልሲ ኣይከውንን እዩ። ንደቅሰብ ዚኣኽሎም ግዜ ናጻ ምሕዳጎም: ነቲ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ንጹር ከም ዚኸውን ስለ ዚገብሮ እቲ ጕዳይ መዕለቢ ይረክብ። ኣምላኽ ነታ ሰበይቲ ውሉዳት ክትወልድ ምዃና ኺነግራ ኸሎ ነቲ ጕዳይ በዚ መገዲ እዚ ኸም ዚሕዞ ሓበረ። በዚ ኸኣ ወለዶ ሰባት ጀመረ። ኣምላኽ ነዚ ስለ ዝፈቐደ ኸኣ ኣብዚ እኔና።—ዘፍጥረት 3:16, 20

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ንደቅሰብን ነቲ ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ደቁ ዝነበረ ዓለወኛ ፍጡርን ንሓዋሩ ቓሕ ከም ዝበሎም ኪዀኑ ፈቒዱሎም ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ንሉዓላውነቱ ዀነ ንዕላማኡ ኣይጠንጠኖን። (መዝሙር 83:18) ነዚ ድማ ኣብ መወዳእታኡ እቲ ዕልወት ዘበገሰ ኺጭፍለቕ: ኵሉ እቲ ሕማቕ ሳዕቤናት እውን ኪውገድ ምዃኑ ብምንባይ እዩ ንጹር ገይርዎ። (ዘፍጥረት 3:15) ስለዚ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንደቅሰብ ራህዋ ኺረኽቡ ምዃኖም ተመባጺዑ ነበረ።

እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን እቶም ቀዳሞት ወለድና ንገዛእ ርእሶምን ንዘርኦምን ካብ ኣምላኽ ብምፍላይ ብርእሶም ኪመሓደሩ ጀመሩ። ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ውሳነኦም ዜስዕበሎም ሕማቕ ሳዕቤናት ኬወግድ እንተ ዀይኑ: ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ፍቓዱ ኺገብሩ ኼገድዶም ነይርዎ። ከምዚ ምግባር ከኣ ካብኡ ተፈልዮም ንኺነብሩ ኣይሓድጎምን ማለት እዩ።

ልክዕ እዩ: ገሊኣቶም ውልቀ-ሰባት ብኣምላኽ ኪምርሑ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ፍቓድ ኣምላኽ ኪመሃሩን ብእተኻእሎም መጠን ምስኡ ተሰማሚዖም ኪነብሩን ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 143:10) ይኹን እምበር: እቲ ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብዛዕባ ምንባር ዚምልከት ጕዳይ ፍታሕ ክሳዕ ዚረክብ: ብጸገማት ምትንካፎም ዘይተርፍ እዩ።

ውልቀ-ሰባት ዝመረጽዎ መገዲ ዜስዕበሎም ሳዕቤናት ገና ብኣጋኡ እዩ ኺርአ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ሰብኣዊ ስድራቤት ፈለማ እተወልደ ቃየል “ግብሩ እኩይ: ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ” ንኣቤል ሓዉ ቐተሎ። (1 ዮሃንስ 3:12) ኣምላኽ ንቃየል ኣቐዲሙ ስለ ዘጠንቀቖ: ደሓርውን ስለ ዚቐጽዖ: ንሓዉ ምቕታሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 4:3-12) ቃየል ነቲ ሰይጣን ብርእስኻ ንኽትመሓደር ዘቕረቦ ሓሳብ መረጸ: ስለዚ ድማ እዩ “ኻብ እኩይ” ከም ዝመነጨ እተገልጸ። ካልኦት እውን ተመሳሳሊ መገዲ መረጹ።

ኣስታት 1,500 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: “ምድሪ . . . ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት: ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።” (ዘፍጥረት 6:11) ንምድሪ ኻብ ዕንወት ንምድሓን ወሳኒ ስጕምቲ ኺውሰድ ነበሮ። ኣምላኽ ንብዘላ ምድሪ ዘጥለቕለቐ ማይ ኣይሂ ብምምጻእ ከምኡውን ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረት: ኖህን ሰበይቱን ደቁን ኣንስቲ ደቁን ዘጠቓለለት ጻድቕ ስድራቤት ብምድሓን ስጕምቲ ወሰደ። (ዘፍጥረት 7:1) ንሕና ዅላትና ኸኣ ዘርኦም ኢና።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣምላኽ ነቶም ብሓቂ ፍቓዱ ኺፈልጡ ዚደልዩ መምርሒ ኺህቦም ጸኒሑ እዩ። ዝዀነ ይኹን ካብኡ መምርሒ ዚደሊ ሰብ ምእንቲ ኺጥቀም: ንእሙናት ሰባት ብመንፈሱ ብምምራሕ ሓሳቡ ኸም ዚጸሓፍ ገበረ። እዚ ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ይርከብ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣምላኽ ብፍቕሩ ተደሪኹ ንእሙናት ሰባት ምስኡ ርክብ ንኺምስርቱ: ካብዚ ሓሊፎም እውን ፈተውቱ ወይ ኣዕርኹ ንኪዀኑ ፈቐደሎም። (ኢሳይያስ 41:8) ኣብቲ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዝነበሩለን ኣሽሓት ዓመታት ዜጋጥሞም ጸገማት ንኺጻወሩ እውን ሓይሊ ሃቦም። (መዝሙር 46:1፣ ፊልጲ 4:13) ነዚ ዅሉ ሓገዝሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዚግባእ!

ምሉእ ብምሉእ ‘ፍቓድካ ይኹን’

ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ዝገብሮ ነገራት ንዅሉ እቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቓድ ዘጠቓለለ ኣይኰነን። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጴጥሮስ “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” በለ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዚ ነታ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ እትገዝእ ሓዳስ መንግስትን ነቲ ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ዚግዛእ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብን የመልክት።

ነብዪ ዳንኤል ብዘየደናግር ቃላት “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዳንኤል 2:44) እዚ ትንቢት እዚ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኺዕረ ዘይከኣል ኣገባብ መወዳእታ ኸም ዚግበረሉን ብመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚትካእን እዩ ዚሕብር። እዝስ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን እዩ! እቲ ሎሚ ንዓለም ብዓመጻ ብምምላእ ዜበላሽዋ ዘሎ ግጭታትን ስስዐን ኪርሳዕ እዩ።

እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ካብ ዝሃቦ መልሲ ሓደ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ይብል።—ማቴዎስ 24:3, 14

እዚ ዕዮ ስብከት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ይካየድ ከም ዘሎ ኵሉ ዚፈልጦ እዩ። ኣብ ከባቢኻ እዚ ኺዕየ ኸም ዝረኣኻ ፍሉጥ እዩ። ፕሮፌሰር ቻርለስ ሳሙኤል ብሬደን ኣብታ ዚስ ኦልሶ ብሊቭ ዘርእስታ መጽሓፉ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ብቓሉ ንምድሪ ብምስክርነቶም መሊኦምዋ እዮም። . . . ኣብ ዓለም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅንእን ጽንዓትን ዘርኣየት ሃይማኖት የላን” ኢሉ ጸሓፈ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ብ400 ኣቢሉ ዚኸውን ቋንቋታት ብንጥፈት ነዚ ብስራት ይነግሩ ኣለዉ። እዚ ብትንቢት ተገሊጹ ዝነበረ ስራሕ ኣብ መላእ ዓለም ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነተን ብሰብ ዚቘማ መንግስትታት እትትክኣሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት እዩ።

የሱስ ነታ ብዛዕባኣ ኺስበኽ ምዃኑ እተዛረበላ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ኽንጽልየላ ዝመሃረና። (ማቴዎስ 6:10) እወ: እታ መንግስቲ እቲኣ ኣምላኽ ንደቅሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ወይ ፍቓድ ንምፍጻም ዚጥቀመላ እያ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ራእይ 21:3, 4 ከምዚ ብምባል ትምልሰልና:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” ድሕርዚ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ምሉእ ብምሉእ ኪኸውን እዩ። a እዚ ኺፍጸም ከሎስ ኣብኡ ኽትህሉዶ ኣይምደለኻን፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ: ወይ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 2 እዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ኣድራሻታት ጽሓፍ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ተፈሊኻ ምንባር ዜሕዝን ሳዕቤን ኣምጽአ