ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቓድ ኣምላኽ ይኸውን ኣሎ ድዩ፧

ፍቓድ ኣምላኽ ይኸውን ኣሎ ድዩ፧

ፍቓድ ኣምላኽ ይኸውን ኣሎ ድዩ፧

“ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”ማቴዎስ 6:10

ሁልዮን ክሪስቲናን ኣርባዕተ ደቆም ብሓዊ ነዲዶም ኪሞቱ ኸለዉ ብዓይኖም ርኣዩ። ሓደ ዝሰኸረ መራሕ ማኪና ምስታ ኣብ ደረት መገዲ ደው ዘበልዋ ማኪናኦም ምስ ተጋጨወ: እታ ማኪና ተባርዐት። እቲ ማርኮስ ዚበሃል ሓምሻይ ውላዶም ካብቲ ሓዊ ወጸ: እቲ ሃልሃልታ ንኣካላቱ ስለ ዝለብለቦ ግን በሰላ ገዲፉሉ እዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ እቲ ቘልዓ ወዲ ትሽዓተ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣቦኡ ሁልዮ ብሓዘን ኵምትር በለ። “እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ: ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ ነዚ ኽንቅበሎ ኣሎና” ብምባል ንርእሱን ንስድራቤቱን ኣጸናንዐ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ነገር ኬጋጥም ከሎ: ብዙሓት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዮም ዚሕዙ። ‘ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእልን ዚሓልየልናን እንተ ዀይኑ: እቲ ዘጋጠመና ነገር ንኽንርድኦ ዜጸግመና እኳ እንተዀነ: ንጽቡቕና ኪኸውን ኣለዎ’ ይብሉ። ነዝስ ትሰማምዓሉዶ፧

ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ብዘየገድስ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ነገራት ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚብል ኣረኣእያ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት እተመርኰሰ ጌርካ እዩ ዚውሰድ። ኣብ ሰማይ ፍቓድ ኣምላኽ ይኸውን ደይኰነን ዘሎ፧ ‘ፍቓድካ ኣብ ምድሪ ይኹን’ ኢልና ኽንጽሊ ኸለና: ነቲ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ነገራት ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርና ኸም እተቐበልናዮ ደይኰነን ዜርኢ፧

ብዙሓት ግን ነዚ ኣረኣእያ እዚ ምቕባል የጸግሞም እዩ። ከመይሲ: እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣምላኽ ንስምዒት ሰባት ዘይሓሊ ኸም ዝዀነ እዩ ዜስምዕ። ‘ከመይ ኢሉ እዩ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንንጹሃት ሰባት ሕማቕ ነገራት ኬጋጥሞም ዚደሊ፧ ኪምህረና ዚደልዮ ነገር ኣሎ እንተ ተባሂሉኸ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧’ ኢሎም ይሓቱ። ምናልባት ንስኻውን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ይህልወካ ይኸውን።

ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:13) ካብ ኣምላኽ ክፉእ ነገር ኣይምንጭን እዩ። እምበኣር: ኵሉ እቲ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ዘሎ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ብሩህ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ፍቓድ ሰብኣይ: ብዛዕባ ፍቓድ ኣህዛብ: አረ ብዛዕባ ፍቓድ ድያብሎስ እውን ከይተረፈ ይዛረብ እዩ። (ዮሃንስ 1:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:26 ትርጕም 1990፣ 1 ጴጥሮስ 4:3) እሞ ደኣ ንስድራቤት ሁልዮን ክሪስቲናን ዘጋጠማ ነገር: ፍቓድ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኪኸውን ከም ዘይክእል ትሰማምዓሉዶ፧

ከምዚ ኻብ ኰነ እምበኣር የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ፍቓድካ ይኹን’ ኢሎም ንኺጽልዩ ኺምህሮም ከሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣምላኽ ኣብ እተወሰነ መዳያት ጥራይ ኢዱ ንኼእቱ ንኺልምኑ ድዩ: ወይስ ንሓደ ዅሉ ሰብ ተስፋ ዚገብረሉ ዝዓበየን ዝሓሸን ለውጢ ኺጽልዩ እዩ ዚምህሮም ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ቀጺልና ንመርምር።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Car: Dominique Faget-STF/AFP/Getty Images; child: FAO photo/B. Imevbore