ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ

ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ

ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ

“ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ . . . እዚኣቶም ጥራይ እዮም።”—ቈሎሴ 4:11

1, 2. ሓደገኛ እኳ እንተ ነበረ: ፈተውቲ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዶም ዝበጽሕዎ ስለምንታይ እዮም፧

 ፈታዊ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐነ ሰብ ምዃን ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ እውን እቲ ፈታዊኻ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እንተ ተኣስረ: ነቲ ሓደጋ ዜቃልሎ ኸይከውን ይኽእል እዩ። እቶም ሓለውቲ እሱራት ብዓይኒ ጥርጣረ ይርእዩኻ: ዝዀነ ይኹን ገበን ከይትፍጽም ድማ ይከታተሉኻ ይዀኑ። ስለዚ: ምስ ፈታዊኻ ቐጻሊ ርክብ ንኺህልወካን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽትበጽሖን ትብዓት ይሓትት።

2 እንተዀነ ግን: ኣስታት 1,900 ዓመት ይገብር ገሊኣቶም ፈተውቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዮም ገይሮም። ንጳውሎስ ንኼጸናንዕዎን ንኼተባብዕዎን ብመንፈስ ንኼበራትዕዎን ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ኸይዶም ካብ ምብጻሕ ድሕር ኣይበሉን። እዞም እሙናት ፈተውቱ መነመን እዮም ነይሮም፧ ካብ ትብዓቶምን ተኣማንነቶምን ምሕዝነቶምንከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧—ምሳሌ 17:17

‘ንምጽንናዕ ዚዀኑ’

3, 4. (ሀ) እቶም ሓሙሽተ ፈተውቲ ጳውሎስ መነመን እዮም: እንታይከ እዮም ገይሮምሉ፧ (ለ) “ምጽንናዕ” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3 ብሓሳብና ናብ 60 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢልና እሞ ንመለስ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጳውሎስ ብሓሶት መናዓቢ ብዚብል ክሲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:5፣ 25:11, 12) ሽዑ ንዝሓገዝዎ ሓሙሽተ ክርስትያናት ፈልዩ ጠቒስዎም ኣሎ። እዚኣቶም ከኣ እቲ ልኡኹን ‘ብጐይታ መዓይይቱን’ ዝነበረ ጥኪቆስ ብዓል እስያ፣ እቲ “እሙንን ፍቑርን ሓው” እተባህለ ኦኔሲሞስ ብዓል ቈሎሴ፣ እቲ ሓደ እዋን ምስ ጳውሎስ “እተማረኸ” መቄዶንያዊ ኣርስጠርኮስ ብዓል ተሰሎንቄ፣ እቲ ወዲ ሓው ኣቦኡ ነቲ ሚስዮናዊ ብጻይ ጳውሎስ ዝነበረ በርናባስን ነታ ብስሙ እተሰየመት ወንጌል ዝጸሓፈን ማርቆስ፣ ከምኡውን ሓደ ኻብቶም “ንመንግስቲ ኣምላኽ” ምስቲ ሃዋርያ ዜገልግሉ ዝነበሩ ዮስጦስ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዞም ሓሙሽተ “ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ . . . እዚኣቶም ጥራይ እዮም” በለ።—ቈሎሴ 4:7-11

4 ጳውሎስ ነቲ እቶም እሙናት ፈተውቱ ዚገበሩሉ ሓገዝ ብዚምልከት ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ እዩ ተዛሪቡ። ነታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ፓረጎርያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ተጠቒሙ: ነዛ ቓል እዚኣ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ ኢና እንረኽባ። እዛ ቓል እዚኣ ሰፊሕ ትርጕም ዝሓዘት ኰይና ብፍላይ ምስ ሕክምና ኣብ ዚተሓሓዝ ነገራት እትውዕል እያ። a ‘ምድዕዓስ: ምዝሓል: ምጽንናዕ: ወይ መስተርሆ’ ተባሂላ ኽትርጐም ትኽእል እያ። ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽንናዕ የድልዮ ነበረ: እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከኣ ነቲ ዜድልዮ ኣማልኡሉ።

ጳውሎስ “ምጽንናዕ” ዝደለየሉ ምኽንያት

5. ጳውሎስ ሃዋርያ እኳ እንተ ነበረ እንታይ እዩ ዘድለዮ: ኵላትናኸ ሓድሓደ ግዜ እንታይ እዩ ዜድልየና፧

5 ገሊኣቶም ሰባት: ጳውሎስ ሃዋርያ ኽነሱ ምጽንናዕ ዜድልዮ ምንባሩ የገርሞም ይኸውን። እንተዀን ግን: ብርግጽ ምጽንናዕ ኣድልይዎ ነበረ። ጳውሎስ ድልድልቲ እምነት ነበረቶ: “ብመውቃዕቲ ጸብለል” ዝበለ: “ብዙሕ ግዜ ኣብ ሞት” ዝበጽሐ: ከምኡውን ካልእ ስቓይ ዘሕለፈ ብምዃኑ ብዙሕ ኣካላዊ ጕድኣት እዩ ወሪድዎ። (2 ቈረንቶስ 11:23-27) ይኹን እምበር: ሰብኣዊ ፍጡር እዩ ነይሩ። ኵሎም ሰባት ከኣ ምጽንናዕ ኪቕበሉን ብሓገዝ ካልኦት እምነቶም ኬደልድሉን ዚደልዩሉ እዋን ኣሎ። የሱስ እውን ከይተረፈ ዜበራትዖ ዝደለየሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ለይቲ: “ዜበርትዖ” መልኣኽ ኣብ ጌተሰማኔ ተራእይዎ እዩ።—ሉቃስ 22:43

6, 7. (ሀ) ኣብ ሮሜ መን እዮም ንጳውሎስ ዘጕሃይዎ: መንከ እዮም ዜተባብዕዎ፧ (ለ) እቶም ክርስትያን ኣሕዋት ንጳውሎስ ኣብ ሮሜ ብኸመይ ስለ ዘገልገልዎ እዮም “ንምጽንናዕ” ዚዀንዎ፧

6 ጳውሎስ እውን ዜጸናንዖ ኣድልይዎ ነበረ። ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ምስ ከደ: እቶም ደቂ ዓዱ ብጽቡቕ ኣይተቐበልዎን። እቶም ኣይሁድ ብሓፈሻ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይተቐበልዎን። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ: እቶም ኣውራታት ኣይሁድ ንጳውሎስ ኣብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ቤት ድሕሪ ምኻዶም ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት ኪገልጽ ከሎ: “ገሊኦም ነቲ እተነግረ አመንዎ: ገሊኦም ግና አበይዎ። ንሓድሕዶም ምልጋብ ስኢኖም: ተፋላለዩ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 28:17, 24, 25) ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ሞሳ ዘይብሎም ምንባሮምሲ ንጳውሎስ ክሳዕ ክንደይ ኣጕህይዎ ዀን ኪኸውን ኣለዎ! ኣብዚ መዳይ እዚ እተሰምዖ ብዙሕ ጓሂ ኣብታ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ነታ ኣብ ሮሜ ዘላ ጉባኤ ዚጸሓፋ መልእኽቲ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ኣብኣ “ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ [ኣሎኒ] . . . ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን [ኣይሁድ] ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 9:2, 3) እንተዀነ ግን: ኣብ ሮሜ ብትብዓቶምን ብፍቕሮምን ንልቡ ዘረስረሱ እሙናት ናይ ሓቂ ብጾት ረኺቡ እዩ። እዚኣቶም ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ እዮም ነይሮም።

7 እቶም ሓሙሽተ ኣሕዋት ንምጽንናዕ ዚዀንዎ ብኸመይ እዮም፧ ጳውሎስ ተኣሲሩ ምንባሩ ኻብኡ ኸም ዚርሕቑ ኣይገበሮምን። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ጳውሎስ ብሰንኪ እቲ ማእሰርቱ ኺፍጽሞ ዘይክእል ዕዮታት ብምፍጻም: ብፍታውን ብፍቕርን ኣገልገልዎ። ንኣብነት: ልኡኻቱ ዀኑ ኸምኡውን ደብዳበታቱን ብኣፍ ዚልእኮ መምርሒታቱን ናብ እተፈላለያ ጉባኤታት ኣብጽሑ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሮሜን ኣብ ካልእን ዝነበሩ ኣሕዋት ዜተባብዕ ወረ ኣምጽኡሉ። ንቘራሪ ወርሓት ዝዀኖ ኽዳን: ብራናታት: ናይ ጽሕፈት መሳርሒ: ከምኡውን ካልእ ዜድልዮ ነገራት እውን ሂቦምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:21, 22፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:11-13) ኵሉ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓገዛት ነቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሃዋርያ ስለ ዜጸናንዖን ዜተባብዖን: ንሱውን ብግዴኡ ንኻልኦት: ኣረ ንጉባኤታት እውን ከይተረፈ “ንምጽንናዕ” ኰይንወን እዩ።—ሮሜ 1:11, 12

ብኸመይ “ንምጽንናዕ” ከም እትኸውን

8. ጳውሎስ “ንምጽንናዕ” ዚዀኑ ኸም ዜድልይዎ ብትሕትና ኣፍልጦ ምሃቡ እንታይ ትምህርቲ ይህበና፧

8 ካብዚ ብዛዕባ ጳውሎስን እቶም ሓሙሽተ መዓይይቱን ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ኣብ ሓደ ትምህርቲ እስከ ነተኵር:- ንኻልኦት ኣብ ጸበባኦም ንምሕጋዝ ትብዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን ዚሓትት እዩ። ብዘይካዚውን ኣብ ግዜ ጸበባና ሓገዝ ከም ዜድልየና ኣፍልጦ ንምሃብ ትሕትና ኺህልወና ኣለዎ። ጳውሎስ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ተኣሚኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ እተገብረሉ ሓገዝ ብሞሳ ተቐበሎ: ነቶም ዝሓገዝዎ ድማ ነኣዶም። ካብ ካልኦት ሓገዝ ምቕባል ከም ምልክት ድኽመት ወይ ከም ውርደት ገይሩ ኣይረኣዮን: ንሕናውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና። ንምጽንናዕ ዚዀኑና ፈጺሞም ኣየድልዩናን እዮም ምባል: ካብ ሰብኣዊ ፍጡር እተፈለና ኸም ዝዀንና ጌርና ኸም እንሓስብ እዩ ዜመልክት። እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ እኳ ሓገዝ ደልዩ ኣበርቲዑ ኸም ዝለመነ ኣይትረስዕ።—እብራውያን 5:7

9, 10. ሓደ ሰብ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ምስ ዚእመን እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኺህሉ ይኽእል: እዚኸ ንኣባላት ስድራቤቱን ጉባኤኡን እንታይ ጽልዋ ኺገብረሎም ይኽእል፧

9 እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ዓቕሞም ድሩት ምዃኑን ኣብቲ ኻብ ካልኦት ዚረኽብዎ ሓገዝ ከም ዚምርኰሱን ምስ ዚኣምኑ ጽቡቕ ፍረ ኺርከብ ይከኣል። (ያእቆብ 3:2) ከምዚ ምግባር ኣብ መንጎ እቶም ሓላፍነት ዘለዎምን ኣብ መንጎ እቶም ንዓታቶም ዚግዝእዎምን ጽቡቕን ናጻን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መንፈስ ስለ ዜስፍን: ነቲ ኣብ መንጎኦም ዚርከብ ማእሰር የደልድሎ እዩ። እቶም ሓገዝ ኪወሃቦም ፍቓደኛታት ዚዀኑ: ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዚርከቡ ኻልኦት ሰባት ብግብሪ ዚርእይዎ ኣብነት እዮም ዚዀንዎም። እቶም ሓላፍነት እተዋህቦም ድኻም ዘለዎም ሰባትን ዚቕረቡን ምዃኖም የርኢ።—መክብብ 7:20

10 ንኣብነት: ወለዲ ቘልዑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ውሉዳቶም ምስ ዚፈልጡ: ጸገማቶምን ፈተናታቶምን ንኺዋጽኡሉ ዜኽእሎም ሓገዝ ካብ ወለዶም ንኪቕበሉ ዝቐለለ ይዀነሎም። (ቈሎሴ 3:21) በዚ ኸምዚ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡሉ መትረብ ይኽፈት። ንውሉዳት ከኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ መፍትሒታት ብቐሊሉ ኺንገሮምን ኪቕበሉን ይኽእሉ። (ኤፌሶን 6:4) ብተመሳሳሊ: ኣባላት ጉባኤ ንሽማግለታት እውን ዜጸግሞምን ዜፍርሆምን ዜደናግሮምን ነገር ከም ዜጋጥሞም ምስ ዚፈልጡ: ካባታቶም ሓገዝ ንኪቕበሉ ዝቐለለ ይዀነሎም። (ሮሜ 12:3፣ 1 ጴጥሮስ 5:3) ኣብ ርእሲ እዚውን: ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልዋጥ መንፈስ ይህሉ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኪዘራረቡ ይኽእሉ: እምነቶም ድማ ትድልድል። ኣብዚ እዋን እዚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምጽንናዕ ከም ዜድልዮም ኣይትረስዕ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

11. ኣብዚ ግዜና ብዙሓት “ንምጽንናዕ” ዚዀንዎም ዚደልዩ ዘለዉ ስለምንታይ እዩ፧

11 እንነብረሉ ቦታ: እንታይነትና: ወይ ዕድመና ብዘየገድስ: ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ኣብ ህይወትና ውጥረት የጋጥመና እዩ። ኣብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም: እዚ ዘይተርፍ ነገር እዩ። (ራእይ 12:12) ከምዚ ዝኣመሰለ ብኣካላዊ ወይ ብስምዒታዊ መዳይ ዜጕሂ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ ንእምነትና ይፍትና እዩ። ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስድራቤት: ወይ ኣብ ጉባኤ ፈታኒ ዅነታት የጋጥም ይኸውን። ከቢድ ሕማም ወይ ዜሰምብድ ነገር ነዚ ጠንቂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጻምድኻ: ሓደ ሽማግለ: ወይ ፈታዊኻ ብልኡም ቃላትን ብተግባርን ኬተባብዓካ እንተ ፈቲኑ: ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ እፎይታ ዜምጽኣልካ! ልክዕ ኣብ ማርማር ዜብል ቈርበት ከም እተገብረ መህድኢ ፈውሲ እዩ! ስለዚ: ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ ጕህዩ እንተ ርኢኻ: ኣጸናንዓዮ። ወይ ከኣ ሓደ ኸቢድ ጸገም ጾር ኰይኑካ እንተልዩ: ምእንቲ ኺሕግዙኻ ነቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሕተቶም።—ያእቆብ 5:14, 15

እታ ጉባኤ ብኸመይ ከም እትሕግዝ

12. ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ነሕዋቱ ንምጽንናዕ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

12 ኵሎም ኣባላት ጉባኤ: እንተላይ ንኣሽቱ: ንኻልኦት ንምጽንናዕ እጃሞም ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋልካ: ንእምነት ካልኦት ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ጽኑዕ ምስ እትኸውን ንየሆዋ እሙን ምዃንካን ጸገማት እኳ እንተሎካ ብመንፈስ ንቑሕ ምዃንካን የርኢ። (ኤፌሶን 6:18) ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንዓት ንኻልኦት ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 2:18

13. ገሊኣቶም ዚዝሕትሉ ስለምንታይ እዮም: ንምሕጋዞምከ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

13 ሓድሓደ ግዜ ናብራ ዘምጽኦ ጸቕጢ ወይ ካልእ ጸገማት ንገሊኣቶም ኣገልግሎቶም ከም ዚንክዩ ወይ ከም ዚዝሕትሉ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 4:18, 19) እቶም ዝዛሕተሉ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣይንርእዮምን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ ልቦም ፍቕሪ ኣምላኽ ይህልዎም ይኸውን። እምነቶም ንምድልዳል እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ሽማግለታት ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብምብጻሕ ብሕያውነት ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ እውን ንኺሕግዙ ይሕተቱ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ምብጻሕ ነቶም ብእምነት ዝደኸሙ ዜሕውዮም መድሃኒት እዩ ኺበሃል ይከኣል።

14, 15. ጳውሎስ ንኻልኦት ብዛዕባ ምጽንናዕ እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃበ፧ ነዚ ኣብ ግብሪ ናይ ዘውዓለት ጉባኤ ኣብነት ጥቐስ።

14 መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም፥ ነቶም ድኹማት ክትድግፍዎም” ብምባል ይላበወና። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትርጕም 1990) ምናልባት እቶም “ሕሊናኦም ዝዓረቦም” ዝነበሮም ትብዓት ጠፊኡ ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ብዘይ ናይ ካልኦት ደገፍ ነቲ ዜጋጥሞም ዕንቅፋታት ኪሰግርዎ ኣይክእሉን ይዀኑ። እሞኸ ክትድግፎም ትኽእልዶ፧ እታ “ነቶም ድኹማት ክትድግፍዎም” እትብል መግለጺ: ነቶም ድኹማት “ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎም” ወይ “ክትለግብዎም” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ። የሆዋ ንዅለን ኣባጊዑ ይሕብሕበንን የፍቅረንን እዩ። ዋጋ ኸም ዘይብለን ገይሩ ኣይርእየንን: ዋላ ሓንቲ ኻባታተን እውን ክትጠፍእ ኣይደልን እዩ። እሞኸ እቶም ብመንፈስ ዝደኸሙ ኽሳዕ ዚድልድሉ እታ ጉባኤ ‘ኣጽኒዓ ንኽትሕዞም’ ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧—እብራውያን 2:1

15 ሓደ ሽማግለ ንሽዱሽተ ዓመት ዛሕቲሎም ንዝነበሩ ሰብ ሓዳር ኪበጽሖም ከደ። እቲ ሽማግለ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ኺገልጽ ከሎ: “እቲ ብምልእታ እታ ጉባኤ ዘርኣየቶም ሕያውነትን ሓልዮትን ዓብዪ ጽልዋ ስለ ዝገበረሎም ናብቲ መጓሰ ኺምለሱ ደረኾም” በለ። እታ ዛሕቲላ ዝነበረት ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ኣባላት ጉባኤኣ ዝገበሩላ ምብጻሕ ከመይ ተሰምዓ፧ ከምዚ በለት:- “እንደገና ንጡፋት ንኽንከውን ዝሓገዘና ነገር እቶም ኪበጽሑና ዚመጹ ኣሕዋት ኰኑ ምሳታቶም ዚመጻ ኣሓት ናይ ምዅናን ኰነ ናይ ምንቃፍ መንፈስ ስለ ዘየርኣዩና እዩ። የግዳስ: ይርድኡልና: ቅዱስ ጽሑፋዊ ምትብባዕ ድማ ይህቡና ነበሩ።”

16. ነቶም ምጽንናዕ ዜድልዮም ወትሩ ኺሕግዞም ድሉው ዝዀነ መን እዩ፧

16 እወ: ሓደ ቕኑዕ ክርስትያን ንኻልኦት ንምጽንናዕ ምስ ዚዀኖም ይሕጐስ እዩ። ኵነታት ህይወትና ዚቀያየር ብምዃኑ ኸኣ ንሕናውን ካብ ኣሕዋትና ምጽንናዕ ዜድልየና እዋን ኣሎ። ይኹን እምበር: ሓገዝ ኬድልየና ኸሎ ዚሕግዘና ሰብ እንስእነሉ እዋን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ከቶ ዘይጥንጥነናን ወትሩ ንኺሕግዘና ድሉው ዝዀነን መጸናንዒ ኣሎና፣ ንሱ ድማ የሆዋ ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 27:10

የሆዋ—ምንጪ ዅሉ ምጽንናዕ

17, 18. የሆዋ ንወዱ: የሱስ ክርስቶስ: ዜጸናንዖ ብኸመይ እዩ፧

17 የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሸንኪሩ ኸሎ: “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ኢሉ ጨርሐ። (ሉቃስ 23:46) ድሕሪኡ ሞተ። ቅድሚ እተወሰነ ሰዓታት: ኪተሓዝ ከሎ እቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱ ብፍርሂ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። (ማቴዎስ 26:56) የሱስ ተሪፉዎ ዝነበረ ምንጪ ምጽንናዕ ሓደ ጥራይ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ነበረ። እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ምእትእምማን ንኸንቱ ኣይነበረን። የሱስ ንኣቦኡ እሙን ብምንባሩ: የሆዋ ብተኣማንነት ደጊፉዎ እዩ።—2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990፣ እብራውያን 3:2

18 ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ: የሆዋ ንወዱ ኽሳዕ መወዳእታ ትንፋሱ ንጽህናኡ ንኺሕሉ ዜድልዮ ኣማሊኡሉ እዩ። ንኣብነት: የሱስ ኣገልግሎቱ ኸም ዝጀመረ ንምምልካት ምስ ተጠምቀ: ኣቦኡ ስምረቱን ፍቕሩን ኪገልጸሉ ኸሎ ድምጹ ሰምዖ። የሱስ ደገፍ ኣብ ዝደለየሉ እዋን: የሆዋ መላእኽቲ ብምልኣኽ ኣበርትዖ። የሱስ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ዝኸበደ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ: የሆዋ ንምህለላኡን ለመናኡን ሰምዖ። እዚ ዅሉ ንየሱስ ንምጽንናዕ ከም ዚዀኖ ኣየጠራጥርን እዩ።—ማርቆስ 1:11, 13፣ ሉቃስ 22:43

19, 20. የሆዋ ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ከም ዜጸናንዓና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

19 ንዓናውን የሆዋ ቐንዲ ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀነና ይደሊ እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) እዚ ናይ ሓቂ ምንጪ ዓብዪ ምልክን ብርቱዕ ሓይልን ዝዀነ ኣምላኽ: ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ንምጽንናዕ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 40:26) ውግእ: ድኽነት: ሕማም: ሞት: ወይ ዘይፍጽምናና ኸቢድ ጸቕጢ የውርደልና ይኸውን። ኣብ ናብራና ዜጋጥመና ፈተናታት ከም ‘ብርቱዕ ጸላኢ’ ምስ ዚዀነና ኸኣ የሆዋ ሓይሊ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 18:17፣ ዘጸኣት 15:2) ሓደ ኻብቲ ደገፍ ዚህበሉ መገዲ መንፈስ ቅዱሱ እዩ። በዚ መንፈሱ ኣቢሉ ‘ነቲ ድኹም ከም ንስሪ በኽናፍ ምእንቲ ኺድይብ ሓይሊ ይህቦ።’—ኢሳይያስ 40:29, 31

20 መንፈስ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ እዩ። ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። እወ: እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኣብታ ቐሪባ ዘላ እተመባጽዓልና ገነት ‘ንዅሉ ኽሳዕ ዜሐድሶ’ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ምእንቲ ኽንጻወር “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበና እዩ።—ፊልጲ 4:13፣ ራእይ 21:4, 5፣ 2 ቈረንቶስ 4:7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዳብሊው. ኢ. ቫይን እተዳለወት ቫይንስ ኮምፕሊት ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ “ግሲ እዛ ቓል እዚኣ [ፓረጎርያ] ካብ ቃንዛ ንዜህድእ መድሃኒታት እያ እተመልክት” በለት።

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስ “ንምጽንናዕ” ዚዀንዎ ብኸመይ እዮም፧

• ኣብ ጉባኤና “ንምጽንናዕ” ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• የሆዋ ቐንዲ ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣሕዋት ንጳውሎስ ብተኣማንነት ብምድጋፍን ብምትብባዕን ብምግልጋልን “ንምጽንናዕ” ኰንዎ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ነተን መጓሰ ኣብ ምጽንናዕ ቀዳሞት እዮም