ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉስ ግቡእ ድዩ፧

ኣቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉስ ግቡእ ድዩ፧

ኣቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉስ ግቡእ ድዩ፧

“ሓደ ካናዳዊ ሊቀ-ጳጳሳት ንነጋድያን: ኣብ ፖለቲካ ምእታው ንድኻታት ኪጠቕም ከም ዚኽእል ነገሮም። . . . እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ እኳ እንተ መሰለ: ‘ንድኻታት ፍትሒ ምእንቲ ኸነምጽኣሎም ኢድና ኸነእቱ ኣሎና’ በለ።”—ካቶሊክ ኒውስ

መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉ ግቡእ ምዃኑ ኸም እተዛረቡ ዚገልጽ ጸብጻባት ምስማዕ ልሙድ እዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዙ እውን ሒደት ኣይኰኑን። ገሊኣቶም ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ንምምሕያሽ ጽዒሮም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ በቲ ኣብ ዓሌታዊ ማዕርነትን ምጥፋእ ባርነትን ዚገብርዎ ወፈራታት ይድነቑን ይዝከሩን እዮም።

እንተዀነ ግን: ብዙሓት ምእመናን እቶም ኣቕሽሽቶም ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናብ ሓደ ወጊኖም ኪቃለሱ ኺርእይዎም ከለዉ ኣይሕጐሱን እዮም። ክርስቲያን ሴንችሪ ኣብ እትበሃል መጽሔት ንፖለቲካዊ ስነ-ሃይማኖት ብዚምልከት ዝወጸት ዓንቀጽ “ኣቕሽሽቶም ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉ ግቡእ እንተ ዀይኑ ሓድሓደ ግዜ ሕቶ ዜበግሱ ምእመናን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን እዮም” በለት። ሓያሎ ሃይማኖታውያን ሰባት ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስለ ዝዀነት ኣብ ፖለቲካ ኽትኣቱ ኸም ዘይብላ ይስምዖም።

እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ዝሓሸት ዓለም ኪርእዩ ዚደልዩ ዜተሓሳስብ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ ዜልዕል። ሰበኽቲ ክርስትና ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ምምሕያሽ ኪገብሩ ይኽእሉ ድዮም፧ a ኣብ ፖለቲካ ምእታው: ኣምላኽ ዝሓሸት መንግስትን ዝሓሸት ዓለምን ንምምጻእ ዚጥቀመሉ መገዲ ድዩ፧ ክርስትና ኺፍልም ከሎ ኣብ ፖለቲካ ምእታው ከም መፍትሒ ተወሲዱ ነይሩ ድዩ፧

ብስም ክርስቶስ ኣብ ፖለቲካ ምእታው እተጀመረሉ ኣገባብ

ጸሓፍ ታሪኽ ሄንሪ ቻድዊክ ኣብታ ዘ ኤርሊ ቸርች ዘርእስታ መጽሓፍ: እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስልጣን ንምሓዝ ግዲ ዘይብላ” ተባሂላ ትፍለጥ ምንባራ ገለጸ። እቶም ኣባላታ “ኣብ ፖለቲካ ዘይኣትዉ: ረብሻ ዘየለዓዕሉ: ከምኡውን ሰላማውያን ማሕበረሰብ” እዮም ነይሮም። ኤ ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ “ክርስትያናት ናይ መንግስቲ ስልጣን ኪሕዙ ኸም ዘይብሎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። . . . ኣብ መጀመርታ ሳልሳይ ዘመን እኳ ኸይተረፈ: ሓደ ጭቃ ዓዲ ኣባል እታ ቤተ-ክርስትያን ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ፈለማ ስልጣኑ ኺሓድግ ከም ዘለዎ ታሪኽ ክርስትና ኸም ዚሕብር ሂፖሊተስ ገለጸ” በለት። በብቕሩብ ግን ህርፋን ስልጣን ዘለዎም ሰባት መራሕቲ ሓያሎ ጉባኤታት ኪዀኑ ብምጅማሮም ልዑል መዓርጋት ኪሕዙ ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ገሊኣቶም ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መራሕቲ ኪዀኑ ደለዩ። ኣብ መንግስቲ ሮሜ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ለውጢ: ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣቕሽሽቲ ዝደለይዎ ንኺፍጽሙ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።

ብ312 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ኣረማዊ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ንስመ-ክርስትያን ብጽቡቕ ዓይኒ ኺርእያ ጀመረ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣቡናት ኣብያተ-ክርስትያን ነቲ ንሱ ዚህቦም ረብሓታት ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምስቲ ኣረማዊ ሃጸይ ንኺሰማምዑ ፍቓደኛታት ነበሩ። ሄንሪ ቻድዊክ “እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ልዑል ፖለቲካዊ ውሳነታት ብዝያዳ ኽትኣቱ ጀመረት” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ፖለቲካ ምእታው ኣብቶም ኣቕሽሽቲ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

ፖለቲካ ነቕሽሽቲ ብኸመይ ከም ዝጸለዎም

ምናዳ እቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ኣጉስቲን ዚበሃል ካቶሊካዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር: ነቲ ኣምላኽ ነቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካ ይጥቀመሎም እዩ ዚብል ሓሳብ ኣስፋሕፍሐ። ቤተ-ክርስትያን ንዅለን ሃገራት ብምግዛእ ንደቅሰብ ሰላም ከተምጽኣሎም እዩ ዚምነ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ጸሓፍ ታሪኽ ሀርበርት ጆርጅ ዌልስ ዚጸሓፎ: “ካብ ሓምሻይ ዘመን ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዘመን እተራእየ ታሪኽ ኣውሮጳ: እቲ ብኣምላኽ እትመሓደር ዓለምለኻዊት መንግስቲ ንኽትቀውም እተበገሰ ዓብዪ ሓሳብ ከም ዝፈሸለ እዩ ዜርኢ።” ህዝበ-ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ይትረፍሲ: ኣብ ኣውሮጳ እኳ ሰላም ኣየምጽአትን። ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ ክርስትና ዝነበሮም እምነት ኪፈርስ ከሎ ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

ክርስትና ንሰብኽ ኢና ዚብሉ ሓያሎ ሰባት: ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ናብ ፖለቲካ እኳ እንተ ኣተዉ: ጸኒሖም ግን እከይ ተግባራት እዮም ገይሮም። እቲ ሰባኽን ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስን ዝነበረ ማርቲን ሉተር: ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንኼሐድስ ብዝገበሮ ጻዕሪ ውሩይ እዩ። ይኹን እምበር: ንሰረተ-እምነት እታ ቤተ-ክርስትያን ብትብዓት ብምቅዋሙ: እቶም ንኺዓልዉ ፖለቲካዊ ድራኸ ዝነበሮም ሰባት ፈተዉዎ። ሉተር ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኪዛረብ ምስ ጀመረ ግን ብዙሓት ንዕኡ ዝነበሮም ኣኽብሮት ነክዩ እዩ። ፈለማ ብወገን እቶም ካብ ጨቈንቲ ልዑላን ዝዓለዉ ገባሮ ነበረ። እቲ ዕልወት ኣዕናዊ እናዀነ ምስ ከደ ኸኣ ነቶም ልዑላን ነቲ ዕልወት ኪጭፍልቕዎ ኣተባብዖም። ንሳቶም እውን በሽሓት ዚቝጸሩ ብምሕራድ ነዚ ፈጸምዎ። ስለዚ: እቶም ገባሮ ኸም ከዳዕ ገይሮም እንተ ረኣይዎ ዜገርም ኣይኰነን። ሉተር ነቶም ልዑላን ካብቲ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ዝነበረ ሃጸይ ንኺዓልዉ እውን ኣተባቢዕዎም እዩ። አረ: እቶም ፕሮተስታንት ተባሂሎም ዚፍለጡ ሰዓብቲ ሉተር: ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም እዮም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘቘሙ። ስልጣን ምሓዝ ንሉተር ብኸመይ እዩ ጸልይዎ፧ ብሓቂ እዩ ኣበላሽይዎ። ንኣብነት: ኣብ ፈለማ ንሃይማኖታውያን ተቓወምቲ ብሓይሊ ኸም ዚኣምኑ ምግባር ግቡእ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ዚጻረር እኳ እንተ ነበረ: ጸኒሑ ግን እቶም ፖለቲካውያን ፈተውቱ ነቶም ንጥምቀት ሕጻናት ዚጻረሩ ኼቃጽልዎም ኣተባብዖም።

ጆን ካልቪን ኣብ ጀኔቫ ውሩይ ቀሺ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ዓብዪ ፖለቲካዊ ስልጣን እውን ነበሮ። ማይክል ሰርቪተስ ትምህርቲ ስላሴ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ዘይምዃኑ ምስ ገለጸ: ካልቪን በቲ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንሰርቪተስ ኣብ ዕንጨይቲ ኸም ዚነድድ ንምግባር: ደገፍ ኸም ዚወሃብ ገበረ። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኻብ ትምህርታት የሱስ ርሒቑ!

ምናልባት እዞም ሰባት እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ [ኣላ]” ኸም ዚብል ረሲዖምዎ ይዀኑ። ነቲ ብግዜኦም ዝነበረ ፖለቲካ ንምምሕያሽ ቅኑዕ ባህጊ ስለ ዝነበሮም ድዮም: ወይስ ስልጣን ኪረኽቡን ኣብ ዝለዓለ ቦታታት ፈተውቲ ኼጥርዩን ስለ ዝደለዩ እዮም፧ ዝዀነ ዀይኑ: ነተን እቲ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ያእቆብ “ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ዚብላ ቃላት ኪዝክርወን ነይርዎም። (ያእቆብ 4:4) የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ከም ዝበለ ያእቆብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 17:14

ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ክርስትያናት ኣብ ክፍኣት እዛ ዓለም ግደ ኺህልዎም ከም ዘይብሎም ዚኣምኑሉ እኳ እንተዀኑ: ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም: ማለት ብሓቂ ‘ኻብ ዓለም ኪዀኑ ኸም ዘይብሎም’ ግን ኣይቅበልዎን እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ገለልትነት ንክርስትያናት ንኻልኦት ፍቕሮም ንኸየርእዩ ይዓግቶም እዩ ዚብል እምነት ኣለዎም። ብልሽውናን ዘይፍትሓውነትን ንምቅላስ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ድምጾም ኬስምዑን እጃሞም ኬበርክቱን ይግባእ ዚብል እምነት ኣለዎም። ብሓቂ ግን እቲ የሱስ ዝመሃሮ ገለልትነት ንኻልኦት ንኸይትሓሊ ዕንቅፋት ዚኸውን ድዩ፧ ክርስትያናት ኣብ ከፋፋሊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ከየእተዉ ንኻልኦት ብግብሪ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ ድዮም፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ፖለቲካ “ናይ ህዝባዊ ፖሊሲ ወይ ናይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ጕዳያት ናይ ምምሕዳር ስነ-ሓሳብ ወይ ኣገባብ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ።—ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ስልጣን ንኺረኽቡ ኢሎም ንኸም ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ዝኣመሰሉ ገዛእቲ ተለማሚጦም እዮም

[ምንጪ ስእሊ]

Musée du Louvre, Paris

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ውሩያት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ዝኣተዉ ስለምንታይ እዮም፧

ኣጉስቲን

ሉተር

ካልቪን

[ምንጪ ስእሊ]

Augustine: ICCD Photo; Calvin: Portrait by Holbein, from the book The History of Protestantism (Vol. II)