ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት: ንመጻኢ መሰረት ተንብሩዶ ኣለኹም፧

ኣቱም መንእሰያት: ንመጻኢ መሰረት ተንብሩዶ ኣለኹም፧

ኣቱም መንእሰያት: ንመጻኢ መሰረት ተንብሩዶ ኣለኹም፧

“ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ: መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ: ሓሳብ ደሓን እምበር: ናይ ክፉእ ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 29:11

1, 2. ዓመታት ንእስነት በየናይ እተፈላለየ መገድታት እዩ ኺርአ ዚከኣል፧

 መብዛሕትኦም ዓበይቲ ሰባት እዋን ንእስነቶም ኣብ ህይወቶም እቲ ባህ ዜብል እዋን ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። መንእሰያት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝነበሮም ሓይልን ውዕዉዕ ስምዒትን ይዝክሩ። ነቲ ብዙሕ ሓላፍነታት ዘይነበሮም እዋን: ብዙሕ ዜስሕቕ ነገራት ዜጋጥሞም ዝነበረ እዋን: ከምኡውን ምሉእ ህይወቶም ዚመርሑሉ ኣጋጣሚታት ተኸፊቱሎም ዝነበረ እዋን ይናፍቕዎ እዮም።

2 መንእሰያት ዘበልኩም ብዛዕባ ንእስነትኩም እተፈልየ ኣረኣእያ ኺህልወኩም ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ እዋን ንእስነትኩም ዜጋጥመኩም ስምዒታውን ኣካላውን ለውጥታት የጸግመኩም ይኸውን። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓያል ናይ መዛኑ ጸቕጢ የጋጥመኩም ይኸውን። ሓሽሽ ንኸይትወስዱ: ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ንኸይትሰትዩ: ከምኡውን ርኹስ ተግባራት ንኸይትፍጽሙ ብርቱዕ ጻዕሪ ኽትገብሩ የድልየኩም ይኸውን። ብዙሓት ካባታትኩም ገለልትነትኩም ኪፍተን ወይ ንእምነትኩም ዚፍትን ነገራት ኬጋጥመኩም ይኽእል እዩ። እወ: ንእስነት ኣጸጋሚ እዋን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ክትስዕብዎ እትኽእሉ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተኸፊቱልኩም ከም ዘሎ ኣይትረስዑ። ‘ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብኸመይ ኢኹም ክትጥቀሙሉ፧’ ዚብል ሕቶ መልሲ ዜድልዮ ጕዳይ እዩ።

ብንእስነትካ ባህ ይበልካ

3. ሰሎሞን ንመንእሰያት እንታይ ምኽርን መጠንቀቕታን እዩ ዝሃበ፧

3 ብዕድመ ዚዓብዩኹም ሰባት ንእስነት ንነዊሕ እዋን ከም ዘይቅጽል ይነግሩኹም ይዀኑ: ሓቆም ድማ እዮም። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ንእስነትኩም ኪሓልፍ እዩ። ስለዚ: ሕጂ ዕድል ከለኩም ብንእስነትኩም ባህ ይበልኩም! እዚ ምኽሪ እዚ ኻብቲ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ኣታ ወዲ: ብንእስነትካ ባህ ይበልካ: በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ: ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እተወስደ እዩ። ይኹን እምበር: ሰሎሞን ንመንእሰያት “ጓሂ ኻብ ልብኻ: ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቕ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። ብተወሳኺውን: “ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት እዩ” በለ።—መክብብ 11:9, 10

4, 5. መንእሰያት ንመጻኢ ኺዳለዉ ጥበባዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ መብርሂ ሃብ።

4 ሰሎሞን እንታይ ማለቱ ምዃኑ ተረዲኡካዶ፧ ነዚ መብርሂ ንኪዀነካ: ብዛዕባ ኽቡር ዚዋግኡ ውህበት: ምናልባትውን ውርሲ እተቐበለ መንእሰይ እሞ ሕሰብ። እዚ መንእሰይ እዚ ንገንዘቡ እንታይ እዩ ዚገብሮ፧ ንብምሉኡ እቲ ጥሪቱ ኸምቲ የሱስ ኣብ እተዛረቦ ምስላ እተጠቕሰ ሓሻሽ ወዲ ኺዘርዎ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 15:11-23) እቲ ገንዘብ ምስ ተወድአ ግን እንታይ እዩ ኪኸውን፧ እቲ መንእሰይ ሓላፍነት ዘይስምዖ ብምዃኑ ኸም ዚጠዓስ ዜጠራጥር ኣይኰነን! በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ እተዋህቦ ውህበት: ኣብ ግቡእ መዓላ ብምውዓል ንመጻኢ ዚጠቕሞ ነገር መሰረት ኣንቢሩ ንበል። እናሓደረ ኻብቲ ዜዋፈሮ ኺጥቀም ከሎ: ንዅሉ እቲ ገንዘቡ ብግዜ ንእስነቱ ስለ ዘይዘረዎ ዚጠዓስዶ ይመስለካ፧ ከቶ ኣይጠዓስን እዩ!

5 ንንእስነትካ ኣምላኽ ከም ዝሃበካ ውህበት ጌርካ ርኣዮ። ብርግጽ ድማ ከምኡ እዩ። ብኸመይ ግን ኢኻ ኽትጥቀመሉ፧ ንርእስኻ ኣብ ምርዋይ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ኸይሓሰብካ ኣብ ሓጐስ ጥራይ ንብምሉኡ ሓይልኻን ብርታዐኻን ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ ግን ንዓኻ “ንእስነትን ብጽሕነትን” ብዘይ ጥርጥር “ከንቱነት” እዩ ዚኸውን። ንንእስነትካ ንመጻኢ ንምድላው ምስ እትጥቀመሉ ግን ክሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ዀን እዩ!

6. (ሀ) እንታይ ሰሎሞን ዝሃቦ ማዕዳ እዩ ንመንእሰያት መምርሒ ዚዀኖም፧ (ለ) የሆዋ ንመንእሰያት እንታይ ኪገብረሎም እዩ ዚደሊ: ሓደ መንእሰይ ካብዚ ኺጥቀም ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

6 ሰሎሞን ንንእስነትካ ብዝበለጸ መገዲ ንኽትጥቀመሉ ዜኽእል ስርዓት ጠቒሱ ኣሎ። “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” በለ። (መክብብ 12:1) እዚ ኸኣ እዩ ዕዉት ንኽትከውን ዚሕግዘካ ቐንዲ ረቛሒ። ንየሆዋ ስምዓዮ: ፍቓዱ ድማ ግበር። የሆዋ ንጥንታዎት እስራኤላውያን እንታይ ኪገብረሎም ከም ዚደሊ ኺገልጽ ከሎ: “ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ: መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ: ሓሳብ ደሓን እምበር: ናይ ክፉእ ኣይኰነን” በሎም። (ኤርምያስ 29:11) ንዓኻውን የሆዋ “መፈጸምታን ተስፋን” ኪህበካ ይደሊ እዩ። ኣብ ተግባራትካን ሓሳባትካን ውሳነታትካን እንተ ዘኪርካዮ: መፈጸምታኻን ተስፋኻን ጽቡቕ ኪኸውን እዩ።—ራእይ 7:16, 17፣ 21:3, 4

‘ንኣምላኽ ቅረቦ’

7, 8. ሓደ መንእሰይ ንየሆዋ ኪቐርቦ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ኪላበወና ኸሎ ንየሆዋ ኽንዝክሮ እዩ ኣተባቢዑና። (ያእቆብ 4:8) የሆዋ ፈጣሪ: ሉዓላዊ: ከምኡውን ኵሉ ኣምልኾን ውዳሰን ዚግብኦ እዩ። (ራእይ 4:11) ክሳዕ ክንድዚ ልዑል ክነሱ ግን እንተ ቐሪብናዮ: ንሱውን ይቐርበና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ተገዳስነትሲ ንልብና ባህ ዜብልዶ ኸይኰነ፧—ማቴዎስ 22:37

8 ብእተፈላለየ መገድታት ንየሆዋ ንቐርቦ ኢና። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ “ጸሎት ኣዘውትሩ: ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ” በለ። (ቈሎሴ 4:2) ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ጸሎት ልማድ ኣማዕብል ማለቱ እዩ። ኣቦኻ ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ሓደ ክርስትያን ምስ ጸለየ “ኣሜን” ብምባልካ ጥራይ ኣይትዕገብ። ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ሓሳባት: ዜፍርሃካ ነገራት: ወይ ዜጋጥመካ ጸገማት ብምንጋር ልብኻ ንየሆዋ ኣፍሲስካሉዶ ትፈልጥ፧ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንኽትነግሮ ዘሕፈረካ ነገራት ነጊርካዮዶ ትፈልጥ፧ ናይ ሓቅን ልባውን ጸሎት ሰላም እዩ ዜምጽኣልካ። (ፊልጲ 4:6, 7) ብዘይካዚውን: ንየሆዋ ንኽንቀርቦን ንሱ ይቐርበና ኸም ዘሎ ንኺስምዓናን ይሕግዘና።

9. ሓደ መንእሰይ ንየሆዋ ኺሰምዖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ካልእ ናብ የሆዋ እንቐርበሉ መገዲ ኣብተን “ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ: ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽውን ተቐበል” ዚብላ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት እውን ንረኽቦ ኢና። (ምሳሌ 19:20) እወ: ንየሆዋ እንተ ሰሚዕካዮን እንተ ተኣዚዝካዮን: ንመጻኢ ኢኻ መሰረት ተንብር ዘለኻ። ንየሆዋ ኸም እትሰምዖ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከም እትእከብን ኣብኡ ዚቐርብ ክፍልታት ከም እትሰምዕን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብተወሳኺውን ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምክፋል ‘ነቦኻን ነዴኻን ተኽብር’ ኢኻ። (ኤፌሶን 6:1, 2፣ እብራውያን 10:24, 25) እዚ ዚነኣድ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ግን ንኣኼባታት ንኽትዳሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ንኸተንብብ: ከምኡውን ምርምር ንኽትገብር ‘ግዜ ትዕድግዶ፧’ ከም ‘ለባም’ ምእንቲ ኽትመላለስ: ነቲ እተንብቦ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትጽዕርዶ፧ (ኤፌሶን 5:15-17፣ መዝሙር 1:1-3) ከምኡ እንተደኣ ጌርካ: ንየሆዋ ትቐርቦ ኢኻ ዘለኻ።

10, 11. መንእሰያት ንየሆዋ ኺሰምዕዎ ኸለዉ እንታይ ዓበይቲ ረብሓታት እዮም ዚረኽቡ፧

10 ኣብ መኽፈቲ ቓላት መጽሓፍ ምሳሌ: እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ዝጸሓፈ ጸሓፊ ዕላማ እታ መጽሓፍ ኪገልጽ ከሎ: “ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ: ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል: ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል: ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ: ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ” በለ። (ምሳሌ 1:1-4) ስለዚ: ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዀነ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቓላት ከተንብቦን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ከለኻ: ጽድቅን ቅንዕናን ኢኻ እተማዕብል: የሆዋ ድማ ናብኡ ንኽትቀርብ ተሓጒሱ ይቕበለካ። (መዝሙር 15:1-5) ፍርዲ: ጥበብ: ፍልጠት: ከምኡውን ጥንቃቐ ዝያዳ ብዘማዕብልካ መጠን: ውሳነታትካ ዝሓሸ እዩ ዚኸውን።

11 መንእሰይ ክሳዕ ክንድዚ ጥበበኛ ኪኸውን ምጽባይሲ ሚዛኑ ዘይሓለወ ድዩ፧ ኣይኰነን: ከመይሲ ሓያሎ ክርስትያን መንእሰያት ብጥበብ እዮም ዚመላለሱ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካልኦት የኽብርዎም: ‘ንንእስነቶም ድማ ኣይንዕቕዋን።’ (1 ጢሞቴዎስ 4:12) ወለዶም እውን ብእኦም ይሕበኑ: የሆዋ ድማ ንልቡ ኸም ዜሐጐስዎ ይገልጽ። (ምሳሌ 27:11) መንእሰያት እውን ከይተረፈ: እተን “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ” ዚብላ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት ኣባታቶም ከም ዚውዕላ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 37:37

ጽቡቕ ምርጫታት ግበር

12. መንእሰያት ኪገብርዎ ኻብ ዘለዎም ኣገዳሲ ምርጫታት ሓደ እንታይ እዩ: እዚ ምርጫ እዚኸ ድሕሪ ግዜ ጽልዋ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ግዜ ንእስነት ብዙሕ ምርጫታት ዚቐርበልካ እዋን እዩ። ገለ ኻብቲ ምርጫታት ከኣ ነባሪ ጽልዋ ኣለዎ። ገለ ኻብቲ ሕጂ እትገብሮ ምርጫ: ኣብ መጻኢ ንሓያሎ ዓመታት ኪጸልወካ እዩ። ጥበባዊ ምርጫታት ንሓጐስን ዕዉት ናብራን ኣበርክቶ ኺገብር ከሎ: ዘይጥበባዊ ምርጫታት ንብምሉኡ ህይወትካ ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብቲ ኽትገብሮ ዘሎካ ኽልተ ምርጫታት ብኸመይ ከም ዚንጸባርቕ እስከ ርአ። ፈለማ: ምስ መን ኢኻ ኽትተዓራረኽ እትደሊ፧ እዚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምስላ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” እዩ ዚብለና። (ምሳሌ 13:20) ብኻልእ ኣዘራርባ ውዒልና ሓዲርና ኸምቶም እንተዓራረኾም ሰባት: ማለት ጠቢብ ወይ ዓሻ: ኢና እንኸውን። ከመየናይ ኢኻ ኽትከውን እትደሊ፧

13, 14. (ሀ) ዕርክነት ኪበሃል ከሎ ምስ ሰባት ብቐጥታ ንዘሎካ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ እውን እዩ ዜጠቓልል፧ (ለ) መንእሰያት ካብ እንታይ ጌጋ እዮም ኪጥንቀቑ ዘለዎም፧

13 ብዛዕባ ዕርክነት ክትሓስብ ከለኻ: ምስ ሰባት ብዛዕባ ዘሎካ ርክብ ጥራይ ትሓስብ ትኸውን። እዚ ቕኑዕ እኳ እንተዀነ: ኣብዚ መዳይ እዚ ግን ዝሰፍሐ ነገራት እዩ ዚጠቓለል። መደባት ተለቪዥን ክትርኢ: ሙዚቃ ኽትሰምዕ: ልቢ ወለድ ከተንብብ: ናብ ሲነማ ኽትከይድ: ወይ መርበብ ሓበሬታ ኽትጥቀም ከለኻ: ምስቲ ግዜ እተሕልፈሉ ዘሎኻ ነገራት ትተዓራረኽ ኢኻ ዘለኻ። እዚ ዓይነት ዕርክነት እዚ ዓመጻ: ርኽሰት: ምውሳድ ሓሽሽ: ስኽራን: ወይ ካልእ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር ነገር ዜተባብዕ እንተ ዀይኑ: ምስቲ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ገይሩ ዚሓስብ “ዓሻ” ኢኻ ግዜኻ እተሕልፍ ዘለኻ።—መዝሙር 14:1

14 ምናልባት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ስለ እትእከብን ኣብ ጉባኤ ብንጥፈት ስለ እትካፈልን: ዓመጻ ዝመልኦ ፊልምታት ርኢኻ ወይ ጥዑም ዜማ ዘለዎ ግን ከኣ ዜተሓታትት ግጥሚ ዝሓዘ ደርፊ ሰሚዕካ ምንም ዘይትጽሎ ይመስለካ ይኸውን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ዘለዎ ዌብ ሳይት ሕልፍ ሕልፍ እናበልካ እንተ ርኢኻ: ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሉ ይመስለካ ይኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ተጋጊኻ ኸም ዘሎኻ እዩ ዚነግረካ! (1 ቈረንቶስ 15:33) እቲ ዜሕዝን ከኣ ብዙሓት ተስፋ እተገብረሎም ክርስትያን መንእሰያት: እቲ ጽቡቕ ልማዶም ብሰንኪ ዘይጥበባዊ ዕርክነት ተበላሽዩ እዩ። እምበኣር: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ንኽትርሕቕ ቈራጽነት ግበር። ከምኡ እንተደኣ ጌርካ: ነቲ ጳውሎስ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ።—ሮሜ 12:2

15. እቲ መንእሰያት ኪገብርዎ ዘለዎም ካልኣይ ምርጫ እንታይ እዩ: ኣብዚ መዳይ እዚኸ ሓድሓደ ግዜ እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዚገብረሎም፧

15 ካልኣይ ዚቐረበልካ ምርጫ ኸኣ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ እንታይ ከም እትገብር እትውስኖ ውሳነ እዩ። ስራሕ ኣብ ዘይርከበሉ ዓዲ ትነብር እንተደኣ ዄንካ: እቲ እትረኽቦ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ንኽትጥቀመሉ ጸቕጢ ይግበረልካ ይኸውን። ኣብ ዝበልጸገት ሃገር ትነብር እንተደኣ ዄንካ ኸኣ ብዙሕ ምርጫታት ኪህልወካ ይኽእል: ገሊኡ እውን ፈታኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መምህራንካ ወይ ወለድኻ ኻብ ሓልዮት ተላዒሎም: ዜተኣማመን ገንዘብ እትረኽበሉ ወይ እውን ሃብቲ እተጥርየሉ ሞያ ንኽትስዕብ ይላበዉኻ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሞያ ንኸተጥሪ ዜድልየካ ስልጠና: ነቲ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ከተሕልፎ እትኽእል ግዜ ኺድርቶ ይኽእል እዩ።

16, 17. ሓደ መንእሰይ እተፈላለየ ጥቕስታት ብምንባብ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪሕዝ ከም ዚኽእል ግለጽ።

16 ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ መጽሓፍ ቅዱስ ክትውከስ ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ርእስና ኽንክእል ሓላፍነት ከም ዘሎና ብምጥቃስ: ንናብራና ዜድልየና ነገራት ክንምእርር የተባብዓና እዩ። (2 ተሰሎንቄ 3:10-12) ይኹን እምበር: እትመርጾ ሞያ ንኻልእ ነገራት እውን ዚትንክፍ እዩ። እምበኣር: ነዘን ዚስዕባ ጥቕስታት ከተንብበንን ሞያ ኽትመርጽ ከለኻ ሚዛናዊ ንኽትከውን ብኸመይ ከም ዚሕግዛኻ ንኽትሓስበለንን ነተባብዓካ:- ምሳሌ 30:8, 9፣ መክብብ 7:11, 12፣ ማቴዎስ 6:33፣ 1 ቈረንቶስ 7:31፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10። ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ድሕሪ ምንባብካ: የሆዋ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ተረዲኡካዶ፧

17 ዓለማዊ ስራሕ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኪዕብልሎ የብሉን። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእካ: ዘናብረካ ስራሕ ክትረክብ እንተ ኽኢልካ ጽቡቕ: ድሕሪኡ ተወሳኺ ትምህርቲ እንተ ደሊኻ ግን ምስ ወለድኻ ተመያየጠሉ። እንተዀነ ግን: እቲ “ዚሓይሽ:” ማለት መንፈሳዊ ነገር ኣይትረስዕ። (ፊልጲ 1:9, 10) ነቲ ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝነበረ ባሩኽ ዝገበሮ ጌጋ ኣይትድገሞ። እቲ ነገልግሎቱ ዝነበሮ ሞሳ ኣጥፍአ: ‘ንርእሱ ኸኣ ዓብዪ ነገር ደለየ።’ (ኤርምያስ 45:5) ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዝዀነ ይኹን “ዓብዪ ነገር” ናብ የሆዋ ኸም ዘየቕርቦ ወይ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ከም ዘየድሕኖ ንእተወሰነ እዋን ረስዐ። ንዓናውን ከምዚ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ።

ንመንፈሳዊ ነገራት ኣማስወሉ

18, 19. (ሀ) መብዛሕትኦም ጐረባብትኻ ብምንታይ እዮም ዚሳቐዩ ዘለዉ: ብዛዕባኦምከ ኸመይ ክስምዓካ ኣለዎ፧ (ለ) ብዙሓት ብመንፈሳዊ መዳይ ጥሜት ዘይስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብጥሜት ኣብ እተጠቕዓ ሃገራት ናይ ዚርከቡ ሕጻናት ስእሊ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እንተ ርኢኻ ብርግጽ ትድንግጸሎም ኢኻ። ንጐረባብትኻ ብተመሳሳሊ መገዲ ትድንግጸሎምዶ፧ ስለምንታይ ግን ኢኻ ኽትድንግጸሎም ዚግባእ፧ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ጠምዮም እዮም ዘለዉ። እወ: በቲ ኣሞጽ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ: እንሆ: ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን” ብምባል እተነበዮ ጥሜት ይሳቐዩ እዮም ዘለዉ።—ኣሞጽ 8:11

19 ልክዕ እዩ: መብዛሕትኦም እዞም ብመንፈሳዊ ጥሜት ዚሳቐዩ ዘለዉ: ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ከም ዘሎ ኣይፈልጡን እዮም። ብዙሓት መንፈሳዊ ጥሜት ኣይስምዖምን እዩ። አረ ገሊኣቶምስ ዝጸገቡ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዜሕድሩ: ነቲ ኸንቱ ዝዀነ ፍቕረ-ንዋይ: ስነ-ፍልጠታዊ ግምታት: ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዘሎ ኣረኣእያታት: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዜጠቓልል “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ስለ እተመገቡ እዮም። ገሊኣቶም እዛ ዘመናዊት “ጥበብ” እዚኣ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ኸም እትገብሮ ይስምዖም። ይኹን እምበር: ‘ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ኣይፈለጠቶን።’ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ኣይትሕግዘናን እያ። “ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት” እያ።— 1 ቈረንቶስ 1:20, 21፣ 3:19

20. ነቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ሰባት ክትመስሎም ምጽዓር ቅኑዕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ስእሊ እቶም ብጥሜት ዝማሰኑ ቘልዑ ኽትርኢ ኸለኻ: ከማታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧ ከም ዘይትደሊ እተፈልጠ እዩ። ገሊኣቶም ኣብ ክርስትያን ስድራቤታት ዝዓበዩ መንእሰያት ግን ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ብመንፈሳዊ ጥሜት ዝማሰኑ ሰባት ኪዀኑ ደልዮም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት: እቶም ኣብ ዓለም ዚርከቡ መንእሰያት ሽግር ዘይብሎምን ህይወት ተሓጒሶም ዜሕልፉን ይመስልዎም ይዀኑ። ካብ የሆዋ ኸም ዝረሓቑ እውን ይርስዕዎ ይዀኑ። (ኤፌሶን 4:17, 18) እዚ ጥራይ ዘይኰነ: መንፈሳዊ ጥሜት ዘለዎ ሕማቕ ሳዕቤናት ይርስዕዎ እዮም። ገለ ኻብዚ: ዘይድለ ጥንሲ ኸምኡውን ጾታዊ ርኽሰትን ምትካኽ ሽጋራን ስኽራንን ምውሳድ ሓሽሽን ዜስዕቦ ኣካላዊ ዀነ ስምዒታዊ ሳዕቤናት ኪጥቀስ ይከኣል። መንፈሳዊ ጥሜት ናይ ዕልወት መንፈስ የተባብዕ: ተስፋ የቝርጽ: ከምኡውን ንህይወትካ መምርሒ ኸም እትስእን ይገብር።

21. ነቲ እቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ሰባት ዘለዎም ግጉይ ኣረኣእያታት ንኸይንቕበሎ ንርእስና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

21 እምበኣር: ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ኣብ እትራኸበሉ እዋን: ኣረኣእያኦም ኪቈጻጸረካ ኣይተፍቅድ። (2 ቈረንቶስ 4:18) ገሊኣቶም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብንዕቀት ኪዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን መራኸቢ ብዙሓን ጾታዊ ርኽሰት ምፍጻም: ምስካር: ወይ ጽዩፍ ቃላት ምጥቃም ንቡር እዩ ዚብል መልእኽቲ ብስዉር መገዲ ገይሩ የቕርበልካ እዩ። ነዚ ጽልዋ እዚ ተቓለሶ። ኣዘውቲርካ ምስቶም ‘እምነትን ሰናይ ሕልናን ዚሕዙ’ ሰባት ተቐራረብ። ወትሩ ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ኩን።’ (1 ጢሞቴዎስ 1:19፣ 1 ቈረንቶስ 15:58) በቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን እትፍጽሞ ኣገልግሎት ትሑዝ ኩን። ኣብተን ኣብ ትምህርቲ እተሕልፈን ዓመታት: በብግዜኡ ሓጋዚ ፓይነር ኩን። በዚ ኣቢልካ መንፈሳዊ ኣረኣእያኻ ኣደልድል: ሚዛንካ ኸኣ ኣይክትስሕትን ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5

22, 23. (ሀ) ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ብዙሕ ግዜ ኻልኦት ዘይርድእዎ ምርጫታት ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መንእሰያት እንታይ ንኺገብሩ እዮም ተተባቢዖም ዘለዉ፧

22 መንፈሳዊ ኣረኣእያኻ ኻልኦት ሰባት ኪርድኦም ዘይክእል ውሳነታት ናብ ምግባር ኪመርሓካ እዩ። ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ክኢላ ሙዚቀኛ ኸምኡውን ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቱ ዚወስዶ ዓይነት ትምህርቲ ልዑል ነጥቢ ዘለዎ ነበረ። ትምህርቱ ምስ ወድአ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ወይ ፓይነር ብምዃን ምእንቲ ኼገልግል: ምስ ኣቦኡ ሓቢሩ መስኮት ኣብ ምጽራይ ተዋፈረ። መምህራኑ ነዚ ውሳነ እዚ ንኺገብር ዝደረኾ ምኽንያት ኪርድኦም ኣይከኣለን። ንስኻ ናብ የሆዋ ዝቐረብካ እንተ ዀንካ ግን ነዚ ኸም እትርድኦ ርግጸኛታት ኢና።

23 ነቲ ንእስነትካ ዜምጽኦ ኽቡር ነገራት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኽትሓስብ ከለኻ: ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽትረክብ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስኻ ኣክብ።’ (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ብግዜ ንእስነትካ ዀነ ኣብ ዝተረፈ ህይወትካ “ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” ከመይሲ: ኣብ ዘለኣለማዊ መጻኢኻ ዕዉት ንምዃን መሰረት እተንብረሉ እንኮ መገዲ እዚ እዩ።

ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጺሕካ፧

• መንእሰያት ንመጻኢ መደብ ኪገብሩ ኸለዉ ዚሕግዞም እንታይ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ እዩ፧

• ሓደ መንእሰይ ‘ንኣምላኽ ንኺቐርቦ’ ዜኽእሎ እንታይ መገድታት ኣሎ፧

• ገለ ኻብቲ ንሓደ መንእሰይ ንመጻኢኡ ዚጸልዎ ውሳነታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ንእስነትካ ዘሎካ ሓይልን ብርታዐን ደድሕሪ ብሕታዊ ጒዳያትካ ኣብ ምጕያይ ዲኻ ኸተሕልፎ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ጥበበኛታት ክርስትያን መንእሰያት ንጹር መንፈሳዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም