ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን

ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን

ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን

“ብእግዚኣብሄር ተሰፎ: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል: ኣጆኻ: እወ: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።”—መዝሙር 27:14

1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም ዘለዉ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንፈሳዊ ገነት እዮም ዚነብሩ። (ኢሳይያስ 11:6-9) ኣብዛ ብሽግር ዝመልአት ዓለም: ምስቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕዶምን ሰላም ዘለዎም ክርስትያናት ብጾቶም ብሓባር ኰይኖም ኣብ ፍልይ ዝበለ መንፈሳዊ ሃዋሁ እዮም ዘለዉ። (መዝሙር 29:11፣ ኢሳይያስ 54:13) እቲ ዘለዉዎ መንፈሳዊ ገነት ከኣ ይሰፍሕ እዩ ዘሎ። ኵሎም እቶም ‘ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ ዚገብሩ’ ንምስፋሕ እዚ መንፈሳዊ ገነት ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። (ኤፌሶን 6:6) ብኸመይ፧ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልላስን ንኻልኦት ተመሳሳሊ ንኺገብሩ ብምምሃርን ካብ በረኸት እዚ ገነት እዚ ተኻፈልቲ ኸም ዚዀኑ ብምግባር እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 15:8

2, 3. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጸገማት ኪጻወሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

2 ይኹን እምበር: ኣብ መንፈሳዊ ገነት ምንባርና ፈተናታት ኣየጋጥመናን እዩ ማለት ኣይኰነን። ዘይፍጹማት ኢና: ሕማምን እርጋንን ሞትን እውን የጓንፈና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚምልከት ትንቢት ኢና እንርእዮ ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ውግእ: ገበን: ሕማም: ጥሜት: ከምኡውን እተፈላለየ ኻልእ መከራ ንደቅሰብ የሸግሮም እዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ካብዚ ኣየምልጡን እዮም።—ማርቆስ 13:3-10፣ ሉቃስ 21:10, 11

3 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ነገራት: ኣብ ወጻኢ እዚ ብምዉቕ ከባቢ ዚምሰል መንፈሳዊ ገነት: ከም ዝሑል ንፋስ ዝኣመሰለ ምጽራር ይነፍስ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። የሱስ ንሰዓብቱ “ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፤ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ: ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ዮሃንስ 15:18-21) ሕጂ ዘሎ ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ንኣምልኾና ኣይርድእዎን ወይ ዋጋ ኣይህብዎን እዮም። ገሊኣቶም ይነቕፉና: የላግጹልና: አረ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከምቲ የሱስ ዝበሎ ይጸልኡና እዮም። (ማቴዎስ 10:22) መብዛሕትኡ ግዜ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባና ቔናን ሓበሬታ ይህብ: ሃሳዪ ፕሮፓጋንዳ እውን ይነዝሕ። (መዝሙር 109:1-3) እወ: ኵላትና ጽንኩር ኵነታት ስለ ዜጋጥመና: ገሌና ኽንሕለል ንጅምር ንኸውን። ብኸመይ ኢና ጸኒዕና ኽንቅጽል እንኽእል፧

4. ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንጻወሮ ኻበይ ኢና ሓገዝ እንደሊ፧

4 የሆዋ ኺሕግዘና እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 34:19፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) መብዛሕትና ኣብ የሆዋ ምስ እንውከል: ዝዀነ ይኹን ጸገም ንኽንጻወር ሓይሊ ኸም ዚህበና ኽንምስክር ንኽእል ኢና። እቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓጐስን: ነቲ ዜጋጥመና ተስፋ ምቝራጽ ኰነ ፍርሂ ንኽንቃለስ ይሕግዘና። (እብራውያን 12:2) ስለዚ: ጸገማት እናኣጋጠመና እውን: ጸኒዕና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና።

ቃል ኣምላኽ ንኤርምያስ ኣበርትዖ

5, 6. (ሀ) ካብቶም ጸገማት ተጻዊሮም ዘሕለፉ እሞ ኣብነት ዚዀኑ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ መነመን ምጥቃስ ይከኣል፧ (ለ) ኤርምያስ ነብዪ ኪኸውን ጻውዒት ምስ ቀረበሉ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

5 ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ጸገማት እኳ እንተ ኣሕለፉ: ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ገሊኣቶም የሆዋ ቝጥዓኡ ኣብቶም ዘይእሙናት ኣብ ዜፍስሰሉ እዋን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ካብዞም እሙናት ኣምለኽቲ እዚኣቶም ኤርምያስን እቶም ብግዜኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ገለ ሰባትን ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ይርከብዎም። እዚ ታሪኻዊ ኣብነታት እዚ ንኼተባብዓና ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ኣሎ: ምስ እነጽንዖ ድማ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4) ንኣብነት: ንኤርምያስ እስከ ንውሰድ።

6 ኤርምያስ ገና ንእሽቶ ኸሎ ኣብ ይሁዳ ነብዪ ኪኸውን ጻውዒት ቀረበሉ። እዚ ቐሊል መዝነት ኣይነበረን። ሓያሎ ሰባት ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። እቲ ኤርምያስ ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ ንጉስ ዝነበረ ዮስያስ እሙን እኳ እንተ ነበረ: ብምሉኦም እቶም ድሕሪኡ ዝነገሱ ነገስታት ግን እሙናት ኣይነበሩን። መብዛሕትኦም ካብቶም ነቲ ህዝቢ ንኺምህሩ ሓላፍነት ዝነበሮም ነብያትን ካህናትን ከኣ ብወገን ሓቂ ዚቘሙ ኣይነበሩን። (ኤርምያስ 1:1, 2፣ 6:13፣ 23:11) እሞ ደኣ ኤርምያስ ነብዪ ንኪኸውን ብየሆዋ ጻውዒት ምስ ቀረበሉ ኸመይ ተሰምዖ፧ ፍርሂ እዩ ተሰሚዕዎ! (ኤርምያስ 1:8, 17) ብዛዕባ እቲ መጀመርታ እተሰምዖ ስምዒት: “ኣይ: ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ገና ቘልዓ እየ እሞ: እንሆ: ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኸም ዝበለ ገሊጹ ኣሎ።—ኤርምያስ 1:6

7. ኣብቲ ኤርምያስ ዚንበየሉ ዝነበረ ኸባቢ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ምላሽ ኣርኣዩ: ንሱኸ እንታይ እዩ ዝገበረ፧

7 ኣብቲ ኤርምያስ ዚንበየሉ ዝነበረ ቦታ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኦም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሉ ኣይነበሩን: ብተደጋጋሚ ድማ ከቢድ ምጽራር የጋጥሞ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጳሽሑር ዚበሃል ካህን ወቕዖ: ኣብ ጕንዲ ድማ ኣሰሮ። ኤርምያስ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም እተሰምዖ ኪገልጽ ከሎ “[ንየሆዋ] ኣይክዝክሮን: ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ: . . . በልኩ” ኢሉ ተዛረበ። ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ምስ ተሓለልካ ተመሳሳሊ ስምዒት ተሰሚዑካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንኤርምያስ እንታይ ከም ዝሓገዞ እሞ ኣስተብህል። “[ቃል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ] ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ: ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ: ግናኸ ኣይኰነለይን” በለ። (ኤርምያስ 20:9) ቃል ኣምላኽ ኣባኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋ ኣለዎዶ፧

ብጾት ኤርምያስ

8, 9. (ሀ) ነብዪ ኡርያ እንታይ ድኻም እዩ ዘርኣየ: እንታይከ ኣስዓበሉ፧ (ለ) ባሩኽ ተስፋ ዝቘረጸ ስለምንታይ እዩ: ብኸመይከ ተሓገዘ፧

8 ኤርምያስ ኣብቲ ናይ ምንባይ ዕዮ ንበይኑ ኣይነበረን። ብጾት ነይሮምዎ እዮም: እዚ ኸኣ ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ ግን እቶም ብጾቱ ጥበባዊ ዘይኰነ ስጕምቲ ይወስዱ ነበሩ። ንኣብነት: ኡርያ ዚበሃል ነብዪ “ከም ኵለን ቃላት ኤርምያስ ገይሩ” ንየሩሳሌምን ንይሁዳን መጠንቀቕታ የብጽሕ ነበረ። ይኹን እምበር: ንጉስ ዮኣቂም: ኡርያ ኪቕተል ምስ ኣዘዘ: እቲ ነብዪ ብፍርሂ ናብ ግብጺ ሃደመ። በዚ ግን ኬምልጥ ኣይከኣለን። እቲ ንጉስ ዝለኣኾም ሰባት ደድሕሪኡ ኸይዶም ሓዝዎ: ናብ የሩሳሌም ኣምጺኦም ድማ ኣብኣ ቐተልዎ። እዝስ ንኤርምያስ ክሳዕ ክንደይ ኣሰምቢድዎ ኪኸውን ኣለዎ!—ኤርምያስ 26:20-23

9 ካልእ ንኤርምያስ ብጻዩ ዝነበረ ኸኣ እቲ ጸሓፊኡ ባሩኽ እዩ። ባሩኽ ንኤርምያስ ብዙሕ እዩ ደጊፍዎ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን ብመንፈሳዊ ዓይኒ ኻብ ምርኣይ ኣቋሪጹ ነበረ። “እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ: ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ: ዕረፍቲውን ሰአንኩ” ኢሉ ኼማርር ጀሚሩ ነይሩ። ተስፋ ስለ ዝቘረጸ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበሮ ሞሳ ኼጥፍእ ጀመረ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ብሕያውነት ንባሩኽ ጥበብ ዘለዎ ማዕዳ ሃቦ: ንሱውን ተዓረየ። ድሕርዚ ኻብ ጥፍኣት የሩሳሌም ከም ዚድሕን መረጋገጺ ተዋህቦ። (ኤርምያስ 45:1-5) ባሩኽ ከም ብሓድሽ መንፈሳዊ ሚዛኑ ሓልዩ ኺመላለስ ምስ ጀመረ: ኤርምያስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተተባቢዑ ኪኸውን ኣለዎ!

የሆዋ ንነብዩ ደገፎ

10. የሆዋ ንኤርምያስ ከም ዚድግፎ እንታይ መብጽዓ እዩ ዝኣተወሉ፧

10 እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግን የሆዋ ንኤርምያስ ዘይጠንጠኖ ምዃኑ እዩ። እዚ ነብዩ እዚ ኸመይ ከም እተሰምዖ ስለ እተረድአ: ዜድልዮ ብርታዐን ደገፍን ሃቦ። ንኣብነት: ኤርምያስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዛዕባ ብቕዓታቱ ዘለዎ ጥርጣረታት ምስ ገለጸ: የሆዋ “ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍርሃዮም” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉውን: ነዚ ነብዪ እዚ ብዛዕባ እቲ መዝነቱ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ: “ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም” በሎ። (ኤርምያስ 1:8, 19) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ከምቲ ዝበሎ የሆዋ ቓሉ ሓልዩ እዩ።

11. የሆዋ ንኤርምያስ ንኺድግፎ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዝፈጸመ ብኸመይ ንፈልጥ፧

11 ስለዚ: ኤርምያስ ኣብ ጕንዲ ምስ ተኣስረን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ኣደዳ ላግጺ ምስ ኰነን ብምትእምማን “እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጕተይ ተዐንቂፎም ይወድቁ: ዚከአሎምውን የልቦን። . . . ኣዝዮም ኪሐንኩ እዮም” በለ። (ኤርምያስ 20:11) ድሕሪ ገለ ዓመታት ንኤርምያስ ንምቕታል ጻዕርታት ምስ ተገብረ እውን የሆዋ ምስኡ እዩ ነይሩ። ኤርምያስ ልክዕ ከም ባሩኽ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ድሒኑ ሓራ ሰብ ኪኸውን ከሎ: እቶም ሰጐጕቱን እቶም ንመጠንቀቕታኡ ዕሽሽ ዝበሉን ግን ገሊኣቶም ኪጠፍኡ ኸለዉ ገሊኣቶም ከኣ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ።

12. ተስፋ ዜቝርጽ ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመና: እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

12 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከም ኤርምያስ ብዙሕ ጸበባ የሕልፉ ኣለዉ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: ገሊኡ ብናይ ርእስና ዘይፍጽምና ዝመጸ: ገሊኡ እዛ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኣ ዓለም ዘምጽኣቶ: ገሊኡ ኸኣ እቶም ንዕዮና ዚጻረርዎ ዜምጽእዎ እዩ። እዚ ጸበባ እዚ ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል እዩ። ንሕናውን ከምቲ ንኤርምያስ እተሰምዖ: ኣገልግሎትና ኽንቅጽል ንኽእል እንተ ዄንና ንጠራጠር ንኸውን። እወ: ሓሓሊፍና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። እዚ ድማ ንዕምቈት እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እዩ ዚፍትኖ። ስለዚ: ተስፋ ምቝራጽ ከምቲ ንኡርያ ዝገበሮ ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኸየርሕቐና ቘራጽነት ንግበር። ንኤርምያስ ንምሰሎ: የሆዋ ኸም ዚድግፈና ኸኣ ንተኣማመን።

ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ከም እትቃለሶ

13. ኣብነት ኤርምያስን ዳዊትን ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ኤርምያስ ንየሆዋ ኣምላኽ ውሽጣዊ ስምዒታቱ ይነግሮን ሓይሊ ኺህቦ ይልምኖን ብምንባሩ ኣዘውቲሩ ምስኡ ይዘራረብ ነበረ። እዚ ኽንስዕቦ ዘሎና ሰናይ ኣብነት እዩ። እቲ ኻብ ተመሳሳሊ ምንጪ: ብርታዐ ዝደለየ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት እውን “ዎ እግዚኣብሄር: ንቓላተይ ጽን በሎ: ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ። ናባኻ እጽሊ አሎኹ እሞ: ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን: ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 5:1, 2) እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ዳዊት ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ: የሆዋ ነቲ ዳዊት ሓገዝ ደልዩ ዝጸለዮ ጸሎት ከም ዝመለሰሉ ብተደጋጋሚ የርእየና እዩ። (መዝሙር 18:1, 2፣ 21:1-5) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ዚወርደና ጸቕጥታት ኪኸብደና ኸሎ ወይ ዜጋጥመና ጸገማት ዘይስገር ኪመስለና ኸሎ: ናብ የሆዋ እንተ ጸሊናን ልብና እንተ ኸፊትናሉን ብዙሕ ኢና እንጸናናዕ። (ፊልጲ 4:6, 7፣ 1 ተሰሎንቄ 5:16-18) የሆዋ ንኸይሰምዓና እዝኑ ኣይዓጹን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ከም ‘ዚሓልየልና’ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ይኹን እምበር: ናብ የሆዋ ጸሊና ኸነብቅዕ: ነቲ ንሱ ዚብለና ምስማዕ ክንኣቢ ግቡእ ኣይኰነን።

14. ቃላት የሆዋ ኣብ ኤርምያስ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

14 የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚዛረበና፧ ሕጂውን ንኤርምያስ ብኸመይ ከም እተዛረቦ እስከ ንርአ። ኤርምያስ ነብዪ ስለ ዝነበረ: የሆዋ ብቐጥታ እዩ ኣዘራሪብዎ። ኤርምያስ ነቲ ቓል ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘሕደሮ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ: “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት: ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ: ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” በለ። (ኤርምያስ 15:16) እወ: ኤርምያስ ብስም ኣምላኽ ስለ እተሰምየ ተሓጒሱ እዩ: ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ስለዚ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ: ኤርምያስ ነቲ እተዋህቦ መልእኽቲ ንኺእውጅ ተዳልዩ ወይ ተሃንጥዩ እዩ ነይሩ።—ሮሜ 1:15, 16

15. ቃላት የሆዋ ኣብ ልብና ኽንሰርጾ እንኽእል ብኸመይ ኢና: እንታይ ኣብ ግምት ምስ እነእቱኸ ኢና ንኽንዛረብ ኪድርኸና ዚኽእል፧

15 የሆዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ብቐጥታ ምስ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይዘራረብን እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት ተጻሒፉልና ኣሎ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ነጽንዕን ነቲ እተመሃርናዮ ኣጸቢቕና ነስተንትነሉን እንተደኣ ዄንና: ቃል ኣምላኽ ‘ሓጐስን ፍስሃን’ ልብና ኪዀነና እዩ። ብዘይካዚውን ነዚ ቓላቱ ንኻልኦት ክንነግር ክንከይድ ከለና ብስም የሆዋ ስለ እተሰመይና ኽንሕጐስ ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ ኻልኦት ሰባት ንስም የሆዋ ኸም ዘይእውጁ ኣይንረስዕ። መሰኻኽሩ ጥራይ እዮም ብዛዕባ እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጁ: ንትሑታት እውን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ዚምህርዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና! ነቲ የሆዋ ሂቡና ዘሎ ሓላፍነት ኣብ ግምት ከነእትዎ ኸለናስ: ከመይ ጌርና ኢና እሞ ስቕ ክንብል፧

ምስ መን ከም እንተዓራረኽ ንጠንቀቕ

16, 17. ኤርምያስ ብዛዕባ ዕርክነቱ ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ ነበሮ: ብኸመይከ ኽንመስሎ ንኽእል፧

16 ኤርምያስ ተባዕ ኪኸውን ዝሓገዞ ኻልእ ነገር ኪጠቅስ ከሎ: “ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመጥኩን ባህውን ኣይበለንን: ብዅራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ: ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ” በለ። (ኤርምያስ 15:17) ኤርምያስ ብሕማቕ ዕርክነት ካብ ምብልሻው: በይኑ ምዃን መረጸ። ሕጂውን ንሕና ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸቶ ኣይንርስዖን ኢና፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝነበረና ጽቡቕ ልማድና እውን ከይተረፈ ኸጥፍኦ ኸም ዚኽእል ኣይንስሕቶን ኢና።—1 ቈረንቶስ 15:33

17 ሕማቕ ዕርክነት ብመንፈስ ዓለም ገይሩ ነተሓሳስባና ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:12፣ ኤፌሶን 2:2፣ ያእቆብ 4:4) እምበኣር: ንልቦናና ጐዳኢ ዕርክነት ንኺመምን ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ንኺርሕቕን ነላምዶ። (እብራውያን 5:14) ኣብዚ እዋን እዚ ጳውሎስ ብህይወት ኣብ ምድሪ እንተ ዚነብር ነይሩ: ነቲ ብዕሉግ ወይ ዓመጻ ዝመልኦ ፊልምታት ከምኡውን ዓመጻ ዝመልኦ ስፖርት ዚርኢ ክርስትያን እንታይ ምበሎ፧ ንሓደ ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ ምስ ብጥራሽ ዘይፈልጦ ሰብ ዕርክነት ኪምስርት ዚደሊ ሓው እንታይ ኢሉ ምመዓዶ፧ ብዛዕባ ሓደ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ኣብ ምጽዋት ወይ ተለቪዥን ኣብ ምርኣይ ነዊሕ ሰዓታት ዜሕልፍ ግን ከኣ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ዘይብሉ ክርስትያን እንታይ ኢሉ ምሓሰበ፧—2 ቈረንቶስ 6:14ለ፣ ኤፌሶን 5:3-5, 15, 16

ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ተመላለስ

18. ብመንፈስ ድልዱላት ኴንና ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

18 ንመንፈሳዊ ገነትና ኣኽቢርና ኢና እርእዮ። ኣብዛ ዓለምና ምስኡ ዚመሳሰል ነገር ከቶ የልቦን። ዘይኣመንቲ ሰባት እውን ከይተረፉ: ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን ሕያውነትን ይዛረቡ እዮም። (ኤፌሶን 4:31, 32) ኰይኑ ግን: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስ ተስፋ ምቝራጽ ክንቃለስ ኣሎና። ጽቡቕ ዕርክነት: ጸሎት: ከምኡውን ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ብመንፈስ ድልዱላት ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር ንዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ፈተና ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን ንኽንዋጽኣሉ የበርትዓና።—2 ቈረንቶስ 4:7, 8

19, 20. (ሀ) ጸገማት ንኽንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ናብ መን ዘተኰረት እያ: እንተላይ ንመንከ እያ እተገድስ፧

19 እቶም ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንእውጆ መልእኽትና ዚጸልኡ ሰባት ንኼፍርሁናን ኣብ እምነትና ኸም እንለማመጥ ንኺገብሩናን ከቶ ኸነፍቅደሎም የብልናን። ከምቶም ንኤርምያስ ዜሳጐጕዎ ጸላእቱ: እቶም ምሳና ዚቃለሱ እውን ምስ ኣምላኽ እዮም ዚቃለሱ። ኣይኪስዕሩን ድማ እዮም። እቲ ኻብ ተጻረርትና ኣጸቢቑ ዚሕይል የሆዋ: “ብእግዚኣብሄር ተሰፎ: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል: ኣጆኻ: እወ: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር” እዩ ዚብለና። (መዝሙር 27:14) ኣብ የሆዋ ዘላትና ተስፋ ኣብ ልብና ዓሚቝ ሱር ስለ እትሰድድ: ንሰናይ ግብሪ ኸይንስልኪ ቘራጽነት ንግበር። እንተ ዘይተጸልኣናስ: ከም ኤርምያስን ባሩኽን ክንዓጽድ ምዃንና ንተኣማመን።—ገላትያ 6:9

20 ምስ ተስፋ ምቝራጽ ዚግበር ቃልሲ: ንብዙሓት ክርስትያናት ዘየቋርጽ ገድሊ እዩ። መንእሰያት ግን ፍልይ ዝበለ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም። ይኹን እምበር: ዓብዪ ኣጋጣሚታት እውን ኣለዎም። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ኣብቶም መንእሰያትና ዘተኰረት እያ። ነቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ መንእሰያት ብቓልን ብግብርን ቀጥታዊ ደገፍ ብምሃብን ንዚሕግዝዎም ወለዲ ዀኑ ንዅሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ዓበይቲ ሰባት እውን እተገድስ እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ኬጋጥመና እንጽበ ስለምንታይ ኢና: ካብ መንከ ኢና ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና፧

• ኤርምያስ እቲ እተዋህቦ መዝነት ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ: ንዜጋጠሞ ተስፋ ምቝራጽ እተዋጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧

• ብዙሕ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ልብና ኸም ‘ዚሕጐስን ዚፍሳህን’ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኤርምያስ ነብዪ ንምዃን ገና ዘይኣኸለን ተመክሮ ዘይብሉን መሲልዎ ነበረ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኤርምያስ መስጐጕቲ ኺወርዶ ኸሎ እውን ከይተረፈ: የሆዋ “ኸም ሓያል ጅግና” ምስኡ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ