ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ትረክብዶ ኣለኻ፧
ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ትረክብዶ ኣለኻ፧
ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ: ብኸመይ ኢኻ እትዋጽኣሉ፧ የሱስ ብሰይጣን ኣብ እተፈተነሉ እዋን: ግቡእ ጥቕስታት ምዝካሩ ነቲ ፈተና ንኺዋጽኣሉ ኣኽኣሎ። (ማቴዎስ 4:1-11) ብተመሳሳሊ: ንጉስ ዳዊት ፈተና ምስ ኣጋጠሞ: ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ረኺቡ እዩ። “ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ” ድማ በለ።—መዝሙር 94:19
ንዓናውን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: እንፈትዋ ጥቕሲ ምዝካርና ኼጸናንዓና ወይ ኬበርትዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: 89 ዓመት ዝዕድሜኡ ረክስ: ካብ 1931 ኣትሒዙ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ: “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ፍሉይ ዕዮ ምስ ዚወሃበኒ ብቕዓት ዘይብለይ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ። ነዚ ብኸመይ ተዋጺኡሉ፧ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይምልስ:- “ነታ ‘ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ’ እትብል ኣብ ምሳሌ 3:5 እትርከብ ዚፈትዋ ጥቕሲ እዝክር። ነታ ጥቕሲ እቲኣ ምዝካረይን ኣብ ግብሪ ምውዓለይን ነቲ እተዋህበኒ ዕዮ ብዚግባእ ንኽፍጽም የኽእለኒ።”
ንኣሽቱ እውን እንተዀኑ ነታ ዚፈትዉዋ ጥቕሲ ብምዝካር ይጥቀሙ እዮም። ጃክ ዚበሃል ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ: ማቴዎስ 24:14 እታ ዚፈትዋ ጥቕሲ ምዃና ይገልጽ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ ወለዱ ናብ ስብከት ንኪኸይድ ትድርኾ። “ቀዳም ቀዳም ምስ ኣደይን ኣቦይን ሓብተይን ናብ ኣገልግሎት ምኻድ የሐጕሰኒ እዩ” በለ።
ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ሓድሓደ ግዜ ንእምነትካ ቐጥታዊ ፈተናታት የጋጥመካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ: ፊልጲ 4:13 ሓንቲ ኻብተን እትፈትወን ጥቕስታት ክትኰነልካ ትኽእል እያ። ከም ንጉስ ዳዊት ‘ጓሂ ልቢ’ ኣሎካ ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም እንተሎካ ፊልጲ 4:6, 7 ምስ እትዝክራ: ንኽትጻወሮ ኺትሕግዘካ ትኽእል እያ። ሓድሓደ እዋን ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ከንቱ ኸይከውን ትጭነቕ ዲኻ፧ ከምዚ እንተ ተሰሚዑካ 1 ቈረንቶስ 15:58 ምስ እትዝክራ: ከተበርትዓካ እያ።
ምስ ኵነታትና ዚኸይድ ጥቕስታት እንተ ዘኪርና: ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ንኼስልጥ ወይ ንኺዓዪ ንፈቕደሉ። (እብራውያን 4:12) ከምዚ ዝኣመሰለ እትፈትዎ ጥቕስታት: ብርታዐን ምጽንናዕን ኪዀነካ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 15:4