ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገለልትነት ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንኸይተርኢ ይዓግት ድዩ፧

ገለልትነት ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንኸይተርኢ ይዓግት ድዩ፧

ገለልትነት ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንኸይተርኢ ይዓግት ድዩ፧

ክርስትያን ምዃን ኪበሃል ከሎ: ኣብ ሰናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ: ምጽላይ: ከምኡውን መዝሙር ምዝማር ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣምላኽን ንሰባትን ሰናይ ነገር ምግባር ዝሓቘፈ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብግብርን ብሓቅን እምበር: ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ይብል። (1 ዮሃንስ 3:18) የሱስ ንሰባት ናይ ብሓቂ ይሓልየሎም ነበረ: ክርስትያናት ከኣ ኪመስልዎ እዮም ዚጽዕሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት” ኪዀኑ ተማሕጸኖም። (1 ቈረንቶስ 15:58) እንተዀነ ግን: ዕዮ ጐይታ እንታይ እዩ፧ ንድኻታትን ንጭቁናትን ክትጠቅም ኢልካ ሕግታት መንግስቲ ንኽትቅይር ጻዕሪ ምግባር ዜጠቓልል ድዩ፧ የሱስ ከምኡ ድዩ ገይሩ፧

የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ንኼእቱ ወይ ምስ ሓደ ወገን ንኺውግን ጸቕጢ እኳ እንተ ተገብረሉ: ንሱ ግን ኣበየ። ነቲ ሰይጣን ንመንግስትታት ኵላ ዓለም ኪህቦ ዘቕረበሉ ሕቶ ነጸጎ: ንግብሪ ምኽፋል ብዚምልከት ኪካታዕ ኣይደለየን: እቲ ሓፋሽ ንጉስ ኪገብሮ ምስ ደለየ እውን ካባታቶም ኣልገሰ። (ማቴዎስ 4:8-10፣ 22:17-21፣ ዮሃንስ 6:15) ኰይኑ ግን: ገለልትነቱ ንኻልኦት ዚጠቅም ነገር ካብ ምግባር ኣይዓገቶን።

የሱስ ኣብቲ ንሰባት ነባሪ ጥቕሚ ዜምጽእ ነገር እዩ ኣተኲሩ። ንሓሙሽተ ሽሕ ዚኣኽሉ ምምጋቡን ንሕሙማት ምሕዋዩን ንገሊኣቶም እተወሰነ ራህዋ እኳ እንተ ኣምጽአ: እቲ ትምህርትታቱ ግን ንዅሎም ሰባት ዘለኣለማዊ በረኸት ንኺረኽቡ ዜኽእሎም ነበረ። የሱስ ወፈራ ረድኤት ዚውድብ ዘይኰነስ: “መምህር” ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (ማቴዎስ 26:18፣ ማርቆስ 5:35፣ ዮሃንስ 11:28) “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” ድማ በለ።—ዮሃንስ 18:37

ካብ ፖለቲካ ዚበልጽ ነገር ምስባኽ

የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቂ: ፖለቲካዊ ኽልሰ-ሓሳብ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: ኣብታ ንሱ ንጉስ ዚዀነላ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ ነበረ። (ሉቃስ 4:43) እዛ መንግስቲ እዚኣ ሰማያዊት መንግስቲ እያ: ንዅሉ ሰብኣዊ ምምሕዳራት ብምትካእ ከኣ ንደቅሰብ ነባሪ ሰላም ከተምጽኣሎም እያ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:9፣ ዳንኤል 2:44) ስለዚ: ንደቅሰብ ተስፋ እትዀኖም ንሳ ጥራይ እያ። ደቅሰብ ድሕንነት ንምርካብ ኣብ ሰባት ንኺውከሉ ኻብ ምትብባዕ: ከምዚኣ ዝኣመሰለት እተረጋገጸት ተስፋ ምእዋጅ ዝያዳ ፍቕሪ ዜንጸባርቕዶ ኸይኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ። ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ: ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ” ይብል። (መዝሙር 146:3-5) ስለዚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓሻ መንግስቲ ብኸመይ ከም ዚምስረታ ኺሰብኩ ዘይኰነስ: ብስራት ወይ “ወንጌል መንግስቲ” ኺሰብኩ እዩ ምሂርዎም።—ማቴዎስ 10:6, 7፣ 24:14

እምበኣር: ክርስትያን ሰበኽቲ ኺዓይዎ እተመዘዙ “ዕዮ ጐይታ:” እዚ ዕዮ ስብከት እዚ እዩ። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኼርእዩ ስለ ዘለዎም: እታ መንግስቲ ንጥሪት ደቅሰብ ብሚዛናዊ መገዲ ብምክፍፋል ንድኽነት ከተወግዶ እያ። (መዝሙር 72:8, 12, 13) እዚ ብስራት ስለ ዝዀነ ኸኣ ብርግጽ ኪስበኽ ዚግብኦ እዩ።

ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት ነዚ “ዕዮ ጐይታ” እዚ ይሰብኩ ኣለዉ። ምስቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምስምማዕ ንዅለን መንግስትታት ክብሪ ይህብወን እዮም። (ማቴዎስ 22:21) እንተዀነ ግን: ነተን የሱስ ንሰዓብቱ “ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዝበሎም ቃላት ይሕልዉወን እዮም።—ዮሃንስ 15:19

ገሊኣቶም ፖለቲካ ዚሰብኩ ዝነበሩ ሰባት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ድሕሪ ምጽናዕ ለውጢ ገይሮም እዮም። ኣባል ሓንቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ እትንቀሳቐስ ማሕበር ዝነበረ ሓደ ኢጣልያዊ ፖለቲከኛ: “ሓደ ሰብ ኣብቲ ኣብ ሕብረተሰቡ ዚግበር ፖለቲካውን ማሕበራውን ምዕባለታት ብንጥፈት ኪሳተፍ ኣለዎ ብዚብል እምነት ኣብ ፖለቲካ ኣተኹ” በለ። ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኽ ኢሉ ኻብቲ ናይ ከተማ ኸንቲባ ሓላፍነቱ ባዕሉ ምስ ወረደ: ቅኑዓት ሰባት ኣብ ፖለቲካ ዚገብርዎ ጻዕርታት ስለምንታይ ከም ዚፈሽል ኪገልጽ ከሎ: “ዓለም ከምዛ እንርእያ ዝዀነት: ጥዑያት ሰባት ማሕበራዊ ዅነታት ንኼመሓይሹ ስለ ዘይጸዓሩ ዘይኰነስ: እቲ ሒደት ብቕንዕና ዚገብርዎ ጻዕርታት በቲ ብዙሓት ዚገብርዎ እከይ ስለ እተዓበለለ እዩ” በለ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ እታ በይና ናይ ሓቂ ተስፋ ደቅሰብ ንኺሰብኩ ኢሎም ኣብ ፖለቲካ ዘይምእታዎም: ንሰባት ብግብሪ ኻብ ምሕጋዝ ኣይዓግቶምን እዩ። ነቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪዀኑ ዚሕግዝዎም ሰባት ሕማቕ ባህርያቶም ንኪቕይሩ: ንሰበ-ስልጣን ንኬኽብሩ: ናብራ ስድራቤቶም ንኬመሓይሹ: ከምኡውን ብዛዕባ ስጋዊ ሃብቲ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺሕዙ እዮም ዚምህርዎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኺምስርቱ ይሕግዝዎም እዮም።

ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ዚነብሩሉ ሕብረተሰብ ይጠቕምዎ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን ንሰባት ኣብታ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ዘበሉ ነባሪ ሰላም እተምጽኣሎም ናይ ሓቂ መንግስቲ ምትእምማን ንኺሓድሮም ይሕግዝዎም። እምበኣር: ክርስትያናት ገለልተኛታት ብምዃኖም ነቲ ሕጂ ኺርከብ ዚከኣል ነባርን ግብራውን ሓገዝ ንኺህቡ ዜኽእሎም ናጽነት ኣለዎም።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ካብ ፖለቲካ ናብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ

ኣቲላ ብቝልዕነቱ ኣብ በሌም: ብራዚል: ከሎ እቶም ኣቕሽሽቲ ቤተ-ክርስትያኑ ነቲ ብዛዕባ ሓርነት ዚገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት መሃርዎ። እዚ ደቅሰብ ኣብ መወዳእታ ኻብ ጭቈና ሓራ ኺወጹ ምዃኖም ዚገልጽ ትምህርቲ ስለ ዜሐጐሶ: ምስቶም ኣድማን ተቓውሞን ከመይ ጌርካ ኸም እትውድብ ዝመሃርዎ ጕጅለ ማሕበረሰብ ተጸምበረ።

ይኹን እምበር: ኣቲላ ንጕጅለ ሕጻናት በታ ሰብ ዝሃቦ ነቲ ዓብዪ መምህር ምስማዕ ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ ኺምህሮም ከሎ ደስ ይብሎ ነበረ። a እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጽቡቕ ባህሪ ኺህልወካን ንሰበ-ስልጣን ክትእዘዝን ከም ዘሎካ እያ እትገልጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንኣቲላ እቶም ነቲ ብዛዕባ ሓርነት ዚገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት ዚድግፉ ሰባት: ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሱስ ስለምንታይ ከም ዘይስዕቡን ገሊኣቶም ስልጣን ምስ ረኸቡ ንጭቁናት ስለምንታይ ከም ዚርስዕዎምን ኪሓስብ ጀመረ። ኣብቲ ብማሕበረሰብ ዚግበር ንጥፈታት ምስታፍ ድማ ኣቋረጸ። ጸኒሑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቱ መጺኦም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘራረብዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ብዛዕባ እታ ንጭቈና ደቅሰብ ናይ ሓቂ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኺመሃርን ጀመረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ: ኣቲላ ብዛዕባ እምነትን ፖለቲካን ብዚምልከት ካቶሊክ ኣብ ዘዳለወቶ ሰሚናር ተኻፈለ። እቶም መምህራን ከኣ “እዚኣተን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እየን” ብምባል ገለጹ። ኣቲላ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ከደ። ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ዝረኣየ! ገለ ኻብኡ ንምጥቃስ: ሽጋራ ዜትክኽ: ኣልኮላዊ መስተ ዚሰቲ: ወይ ብዕሉግ ዋዛ ዚዋዘ ኣይነበረን። ስለዚ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺሓብር ወሰነ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ተጠምቀ። ሕጂ እቲ ብዛዕባ ሓርነት ዚገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት ንጸገማት ድኻታት ናይ ሓቂ ፍታሕ ዘይኰነሉ ምኽንያት ኪርድኦ ኽኢሉ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ኣገልገልቲ ገለልተኛታት ምዃኖም ንሰባት ካብ ምሕጋዝ ኣይዓግቶምን እዩ