ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ ስፖርትን ኣገዳስነት ዓወትን

ጥንታዊ ስፖርትን ኣገዳስነት ዓወትን

ጥንታዊ ስፖርትን ኣገዳስነት ዓወትን

“እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዅሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ።” “ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ: ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ: ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።”—1 ቈረንቶስ 9:25፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:5

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚጠቕሶ ዝነበረ ውድድራት ክፍሊ ጥንታዊ ስልጣነ ግሪኽ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውድድራትን ሽዑ ዝነበረ ሃዋሁን ታሪኽ እንታይ እዩ ዚነግረና፧

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሮማ ኣብ ዚርከብ ኮለስየም ብዛዕባ ኣብ ግሪኽ ዚግበር ዝነበረ ውድድራት: ናይክ—ኢል ጆኮ ኤ ላ ቪቶርያ (“ናይክ—ጸወታን ዓወትን”) ዘርእስቱ ምርኢት ተዳልዩ ነይሩ። a እቲ ኣብኡ ዝቐረበ ምርኢት ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ብእተወሰነ ደረጃ ዚምልሰልና ኪኸውን ከሎ: ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ንስፖርት ዘለዎም ኣረኣእያ ኸኣ ከነስተንትነሉ ዘሎና ነገር ይሕብርና።

ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ልምዲ

ግሪኽ ስፖርት ዚካየደላ ዝነበረት ናይ መጀመርታ ሃገር ኣይኰነትን። ይኹን እምበር: ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: እቲ ሆመር ዚበሃል ግሪኻዊ ገጣሚ ወተሃደራዊ ብልሓትን ውድድርን ኣኽቢርካ ዚረኣየሉ: ጅግንነታዊ ኣረኣእያ ኸምኡውን ናይ ውድድር መንፈስ ብዛዕባ ዘለዎ ሕብረተሰብ ጸሓፈ። ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝቐረበ ምርኢት ከም እተገልጸ: እቲ ኣብ ግሪኽ ዚዝውተር ዝነበረ ናይ መጀመርታ ጽምብላት: ኣብ ቀብሪ ጀጋኑ ነማልኽቲ ኽብሪ ንምሃብ ተባሂሉ ብዚግበር ሃይማኖታዊ ስርዓት እዩ ጀሚሩ። ንኣብነት: እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ሆመር ዝጸሓፎ ኢልያድ ዚበሃል ናይ ግሪኽ ጽሑፍ: ብጾት ኣኪላስ ዝነበሩ ምርኡያት ተዋጋእቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፐትሮክለስ ኣጽዋሮም ከም ዘውረዱን ትብዓቶም ንምምስካር ኣብ መኸተ ጕስጢ: ቅልስ: ውርወራ ዲስከስን ዂናትን: ከምኡውን ኣብ ቅድድም ሰረገላ ኸም እተወዳደሩ ይገልጽ።

ኣብ መላእ ግሪኽ ተመሳሳሊ በዓላት ኪበዓል ጀመረ። እታ ነቲ ምርኢት ተባሂላ እተዳለወት ጽሕፍቲ: “እቲ በዓላት ንግሪኻውያን ነቲ ነማልኽቶም ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተላዒሎም ዚገብርዎ መወዳእታ ዘይብሉን ተደጋጋምን ግጭታቶም ንእተወሰነ ግዜ ደው ንኼብልዎን ነቲ ናይ ውድድር መንፈሶም ናብቲ ሰላማዊ ግን ከኣ ጅግንነታዊ ተግባር ጌርካ ዚርአ ስፖርታዊ ውድድራት ንኪቕይርዎን ኣኽኣሎም” በለት።

ጕጅለታት እተን ብኸተማ ዚቘማ መንግስትታት ኣብቲ ብሓባር ዚጥቀማሉ ማእከላት ኣምልኾ ይእከባ እሞ ብስፖርታዊ ውድድራት ገይረን ነማልኽተን ኣኽብሮት ይህባ ነበራ። ድሕሪ ግዜ: ኣርባዕተ ኻብዘን በዓላት እዚኣተን ኣገደስቲ ኻብ ምዃነን እተላዕለ: ኵሎም ኣብ ግዝኣት ግሪኽ ዚርከቡ ተወዳደርቲ ኺሳተፉለን ዚኽእሉ በዓላት ኰና። እዚኣተን ከኣ እቲ ንዘዩስ እተወፈየ ናይ ኦሎምፒክን ናይ ኒሚያን በዓላት: ከምኡውን ንኣፖሎን ንፖሳይድንን እተወፈየ ናይ ፒትያን ኢዝመስን በዓላት እየን ነይረን። ኣብቲ በዓላት መስዋእትን ጸሎትን ይቐርብ ነበረ: ብዘይካዚውን በቲ ብሉጽ ስፖርታዊ ወይ ስነ-ጥበባዊ ውድድራት ኣቢልካ ነቶም ኣማልኽቲ ኽብሪ ይወሃቦም ነበረ።

ካብዚ በዓላት እዚ እቲ ብጥንታውነቱን ብዕቤቱን ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ: እቲ ንኽብሪ ዘዩስ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳእ ኣብ ኦሎምፕያ ዚግበር ኰይኑ ንመጀመርታ ግዜ ብ776 ቅ.ኣ.ዘ. ከም እተገብረ እዩ ዚንገር። ብድሕርዚ ዚስራዕ እቲ ናይ ፒትያ በዓል እዩ ነይሩ። ኣብ ጥቓ እታ ጥንቲ ኣመና እትኽበር ዝነበረት ኣብ ደልፊ እትርከብ ኦራክል ዚግበር ኰይኑ: ስፖርታዊ ውድድራት ዜጠቓልል ነበረ። እንተዀነ ግን: ንኽብሪ እቲ ብግጥምን ሙዚቃን ክኢላ ዚበሃል ኣፖሎ ተባሂሉ ስለ ዚግበር: ኣብ ደርፍን ሳዕስዒትን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

እቲ ውድድራት

ምስዚ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ስፖርታዊ ውድድራት ኪነጻጸር ከሎ: እቲ ሽዑ ዚግበር ዝነበረ ዓይነት ውድድራት ሒደት ኪኸውን ከሎ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ድማ እዮም ዚሳተፉ ነይሮም። እቲ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ ኦሎምፒክ ካብ ዓሰርተ ዘይበዝሕ ውድድራት ነበሮ። ኣብቲ ኣብ ኮለስየም ኣብ ዝቐረበ ምርኢት ዝነበረ ሓወልትታት: ቅርጽታት: ከምኡውን ኣብ ሳርማ እተሳእለ ስእልታት እተወሰነ ውድድራት ዚሕብር እዩ።

ሰለስተ እተፈላለየ ርሕቀታት ዘለዎ ጕያ እግሪ ነበረ። እቲ ቐዳማይ: ስታድዩም ዚበሃል ኰይኑ 200 ሜትሮ ኣቢሉ ይኸውን፣ እቲ ኻልኣይ ድርብ ጕዕዞ ዚበሃል ኰይኑ ምስዚ ናይ ሕጂ 400 ሜትሮ ዚመሳሳል እዩ፣ እቲ ነዊሕ ርሕቀት ከኣ 4,500 ሜትሮ ኣቢሉ ዚኸውን ነበረ። ተወዳደርቲ ምሉእ ብምሉእ ጥራይ ነብሶም እዮም ዚጐዩን ዚወዳደሩን ነይሮም። ኣብ ፐንታትሎን ዚሳተፉ ተወዳደርቲ ኣብ ሓሙሽተ ዓይነት ውድድራት: ማለት ኣብ ጕያ: ነዊሕ ዝላ: ዲስከስ: ውርወራ ኲናት: ከምኡውን ቅልስ ይወዳደሩ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ: መኸተ ጕስጢ ኸምኡውን እቲ “ብጥራይ ኢድካ ምጕሳጥን ምቅላስን ዜጠቓልል ዜስካሕክሕ ስፖርት” እተባህለ ፓንክራትዩም ነይሩ። ብዘይካዚውን ካብ ሸሞንተ ስታድዩም ማለት ካብ 1,600 ሜትሮ ዚነውሕ ርሕቀት ዚሽፍን ውድድር ሰረገላ ነበረ። እቲ ንመወዳደሪ ዚኸውን ሰረገላ ኽፉትን ብዙሕ ክብደት ዘይብሉን ኰይኑ ንኣሽቱ መንኰርኰራት ነበሮ: ብኽልተ ወይ በርባዕተ ገልገላት ወይ ብዝኣኸሉ ኣፍራስ ይስሓብ ነበረ።

እቲ መኸተ ጕስጢ ኣዝዩ ሓደገኛን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሞት ዜብጽሕን እዩ ነይሩ። እቶም ተወዳደርቲ ሓጺን ዘለዎ ተሪር ቈርበት ኣብ ኣእዳዎም ይጥምጥሙ ነበሩ። ስትራቶፎንተ ዚበሃል ሓደ ተወዳዳሪ ነርባዕተ ሰዓት ድሕሪ ምጕሳጡ ገዛእ ርእሱ ኣብ መስትያት ከለሊ ኸም ዘይከኣለ ምስማዕካ እቲ ውድድር ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምንባሩ ክትግምት ትኽእል ኢኻ። ጥንታዊ ሓወልትታትን ስእልታትን እቶም ተጓሰጥቲ ገጾም ኣመና ይበላሾ ምንባሩ እዩ ዜርእየና።

ኣብ ቅልስ ላዕለዋይ ክፋል ሰብነት ጥራይ እዩ ምሓዝ ዚፍቀድ ነይሩ: እቲ ንመጋጥምቱ ሰለስተ ሳዕ ዘውደቖ ኸኣ እዩ ተዓዋቲ ዚኸውን። ኣብቲ ጕስጥን ቅልስን ብሓንሳእ ዚፍቀደሉ ዝነበረ ፓንክራትዩም ዚበሃል ግጥም ግን ብዙሕ ተሪር ሕጊ ኣይነበሮን። እቶም ተጋጠምቲ በእጋሮም ኺራግሑ: ኬጕስጡ: ከምኡውን መላግቦ መሓውር ኪጠውዩ ይኽእሉ ነይሮም። ምንቋርን ምሕንፋጥን ምንካስን ጥራይ እዩ ዘይፍቀድ ነይሩ። ዕላማ እዚ ግጥም እዚ ነቲ መጋጥምትኻ ኣብ ባይታ ኣውዲቕካ ኸም ዘይንቀሳቐስ ጌርካ ብምቕያድ ኣላሽ ከም ዚብል ምግባር እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም “እቲ ኣብ ኦሎምፕያ ኻብ ዚግበር ዝነበረ ዝበለጸ ምርኢት” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።

ጥንቲ ኻብ እተገብረ ውድድራት ፓንክራትዩም: ኣብ 564 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መወዳእታ ውድድር ኦሎምፒክ እተገብረ ግጥም ኣዝዩ ውሩይ እዩ። ኣብቲ ግጥም ኣራሂዮን ተሓኒቑ ኽነሱ ዝገበረ ገይሩ ነጻብዕ እግሪ እቲ መጋጥምቱ ኣምለቘ። እቲ መጋጥምቱ ነቲ ቓንዛ ኺጻወሮ ስለ ዘይከኣለ: ኣራሂዮን ቅድሚ ምማቱ ኣላሽ በለ። እቶም ደያኑ ኸኣ ሬሳ ኣራህዮን ከም እተዓወተ ገለጹ።

ቅድድም ሰረገላ ኣኽቢርካ ዚርአን ኣብቶም ልዑላን ቤተሰብ ኣጸቢቑ ዚፍቶን ውድድር እዩ ነይሩ። ከመይሲ: እቲ ጋላቢ ሰረገላ ዘይኰነስ: እቲ ወናኒ ሰረገላን ኣፍራስን እዩ ተዓዋቲ ዚበሃል። እቲ ውድድር ኣብ ዚጅምረሉ እሞ እቶም ሰብ ሰረገላ ተሰሪዖም ዚጸንሑሉ እዋን: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ ጫፍ እቲ ሜዳ ኣብ ዚጥወዩሉ እዋን ወሳኒ ህሞት እዩ ነይሩ። ጌጋታት ወይ ሕግታት ምጥሓስ ነዚ ህቡብ ውድድር እዚ ዝያዳ መሳጢ ዚገብሮ ሓደጋታት ይፈጥር ነይሩ።

እቲ ዓስቢ ዓወት

ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙ ዅላቶም ይጐዩ: ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ይወስዳ’ በለ። (1 ቈረንቶስ 9:24) እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣብቲ ውድድር ምዕዋት እዩ ነይሩ። ብሩር ወይ ነሓሲ ማለት ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዚብሃል ኣይነበረን። ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝቐረበ ምርኢት ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መግለጺ ተዋሂቡ ነይሩ:- “ቀንዲ ሸቶ ሓደ ተወዳዳሪ ዓወት ወይ ‘ናይክ’ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣካላውን ስነ-ምግባራውን ባህርያቱ ኸምኡውን ንሓበን ዓዱ ብሓቂ ዜንጸባርቕ እዚ ጥራይ ብምንባሩ ነዚ ምስ ዚረክብ ጥራይ እዩ ዚዓግብ ነይሩ።” እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብቲ ሆመር “ኵሉ ሳዕ ብሉጽ ንክኸውን እየ ተማሂረ” ብምባል ዚጸሓፎ ቓላት ተጠቓሊሉ ኣሎ።

ኣብ ናይ ግሪኻውያን ውድድር ንተዓዋቲ ዚወሃብ ዝነበረ ዓስቢ ዓወት ወይ ሽልማት በቝጽልቲ እተሰርሐ ኣኽሊል ብምንባሩ ምሳልያዊ ጥራይ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ “ሓላፊ ኣኽሊል” ብምባል ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 9:25) እንተዀነ ግን: እቲ ሽልማት ዓሚቝ ትርጕም ነበሮ። ተፈጥሮ ነቲ ተዓዋቲ ሓይሊ ኸም ዝሃበቶ እዩ ዜመልክት። ሓደ ተወዳዳሪ ዓወት ንምርካብ ብርቱዕ ቈራጽነት ምስ ዚህልዎ: ሞገስ ኣማልኽቲ ኸም ዝረኸበ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ኣብቲ ዝቐረበ ምርኢት ጥንታዎት ቀረጽትን ቀባእትን ነታ ናይክ እትበሃል ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ኣእምሮኦም ይስእልዋ ምንባሮም ይገልጸልና። እዛ ናይ ግሪኽ ናይ ዓወት ኣምላኽ ክንፊ ዘለዋ ዀይና ነቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሲ እቲ ተዓዋቲ ኽትገብረሉ ኸላ የርኢ። ሓደ ተወዳዳሪ ዝለዓለ ኺበጽሖ ዚኽእል ደረጃ ኣብ ኦሎምፕያ ዓወት ምርካብ እዩ ነይሩ።

ናይ ኦሎምፒክ ኣኽሊል ብቘጽሊ ኣውልዕ በረኻ ኪስራሕ ከሎ: ናይ ኢዝመስ ብጽሕዲ: ናይ ፒቲያ ብላውሪል: ናይ ኒሚያ ኸኣ ብሰደኖ በረኻ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ኣብ ካልእ ቦታታት ውድድራት ዜዳልዉ ዝነበሩ ኣዳለውቲ: ፍሉጣት ተወዳደርቲ ንምስሓብ ገንዘብ ወይ ካልእ ሽልማታት የዳልዉ ነበሩ። ኣብቲ ምርኢት ቀሪቡ ዝነበረ እተፈላለየ ሳርማታት ኣብቲ ነታ ኣቴና እትበሃል ኣምላኽ ተባሂሉ ኣብ ኣቴና ዚግበር ዝነበረ ናይ ግሪኻውያን ጸወታ ሽልማታት ዜርኢ ነበረ። እዚ ሳርማ እዚ ኻብ ኣቲካ ዚርከብ ክቡር ዘይቲ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ሸነኽ እቲ ሳርማ እተወቀጠ ምስሊ እታ ኣምላኽ ዝሓዘ ዀይኑ “ኣብ ውድድር ኣቴና ዚወሃብ ሽልማት” ዚብል ጽሑፍ ኣለዎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ሳርማ ኸኣ ናይ ሓደ ዓይነት ውድድር ምስሊ ኣሎ: እዚ ድማ እቲ ተወዳዳሪ እተዓወተሉ ዓይነት ውድድር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ከተማታት ግሪኽ ብዓወት እቶም ተወዳደርተን ይሕጐሳ ነበራ። እቶም ተዓወትቲ ኣብ ዓዶም ከም ጀጋኑ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም። ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸለዉ ዓብዪ ኣቀባብላ ይግበረሎም ነበረ። መወትቲ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ነዚ ኽብሪ እዚ ኺረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ተባሂሉ ይእመን ብምንባሩ: ነቶም ኣማልኽቲ ምስጋና ንምቕራብ ሓወልቲ ይግበረሎም: ገጠምቲ ድማ ስለቲ ትብዓቶም ይደርፉሎም። ድሕርዚ እቶም ተዓወትቲ ኣብ ህዝባዊ ጽምብላት ቀዳማይ ቦታ ይወሃቦም: ካብ ህዝቢ ድማ መልዕሎ ይኽፈሎም።

ጂምናዝዩምን ኣብኡ ዚኣትዉ ስፖርተኛታትን

ስፖርታዊ ውድድራት ንወተሃደራት ኣብ ምምዕባል ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ኵለን ከተማታት ግሪኽ ንመንእሰያት ኣካላዊ ልምምድ ከምኡውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ስልጠናን ዝወሃበሉ ጂምናዝዩማት ነይርዎን። ንጂምናዝዩም ዚኸውን ህንጻታት ኣብ ከባቢ እቲ ንልምምድ ዜድሊ ሰፊሕ ቦታ እተሃንጸ ዀይኑ: ኣብያተ-መጻሕፍትን መምሃሪ ኽፍልታተን ኰይኑ ብዜገልግል ገበላታት ወይ ክፍልታት እተኸበበ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትካላት ልዕሊ ዅሉ በቶም ኣብ ክንዲ ንስራሕ: ንትምህርቲ ዚኸውን ግዜ ዝነበሮም ደቂ ሃብታማት እዩ ዚዝውተር ነይሩ። እቶም ስፖርተኛታት በቶም ነመጋግባኦም ዚቈጻጸሩዎምን ጾታዊ ርክብ ንኸይፍጽሙ ዚሕልዉዎምን ኣሰልጠንቶም እናተሓገዙ ቅድሚ እቲ ውድድራት ነዊሕን ጽቑዕን ምድላዋት ይገብሩ።

እቲ ኣብ ኮለስየም ዝቐረበ ምርኢት ዜደንቕ ምስልታት እቶም ጥንታዎት ስፖርተኛታት ነይርዎ። መብዛሕትኡ እዚ ምስልታት እዚ: ሮማውያን ካብቲ ናይ መጀመርታ ስርሓት ቅርጺ ግሪኻውያን ዚቐድሕዎ እዩ። በተሓሳስባ ጥንታዎት ግሪኻውያን ኣካላዊ ፍጽምና: ማዕረ ስነ-ምግባራዊ ፍጽምና ኸም ዝዀነን ልዑላን ቤተሰብ ጥራይ ኪበጽሕዎ ኸም ዚኽእሉን ጌርካ ይርአ ብምንባሩ: ናይቶም ዕዉታት ስፖርተኛታት ምዕሩግ ኣካላት ዜርኢ ስርሓት ቅርጺ ነዚ ኣብነት ዚኸውን እዩ። እቶም ሮማውያን ነቲ ቕርጽታት ከም ስርሓት ስነ-ጥበብ ገይሮም ይርእይዎ ብምንባሮም: ንስታድዩማት: መሕጸቢ ነብሲ: ቪላታት: ከምኡውን ኣደራሻት ይስልሙሉ ነበሩ።

ሮማውያን ዓመጻ ዝመልኦ ትርኢት ይፈትዉ ነበሩ። ስለዚ: ካብቲ ግሪኻውያን ዝጀመርዎ ውድድራት መኸተ ጕስጥን ቅልስን ፓንክራትዩምን ኣብ ሮማ ዝያዳ ተፈታውነት ነበሮ። ሮማውያን ነዚ ስፖርታዊ ውድድራት እዚ ኣብ መንጎ ማዕረ ሰባት ዚግበር መን ከም ዚበልጽ ዜርኢ ውድድር ዘይኰነስ: ከም መዘናግዒ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ ነይሮም። ብሉጻት ተዋጋእትን ስፖርተኛታትን ከም ሓደ ኽፋል ትምህርቶም ገይሮም ብምርኣይ ዚሳተፉሉ እዮም ዚብል ኣተሓሳስባ ተረፈ። ኣብ ክንድኡስ: ሮማውያን ነቲ ግሪኻውያን ዝጀመርዎ ውድድራት ዝነበሮ ኽብሪ ብምጕዳል: ቅድሚ ነብሶም ምሕጻቦም ዚገብርዎ ምውስዋስ ኣካላት ወይ ትሑት ደረጃ ዘለዎም ክኢላታት ተጋጠምቲ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ዚገብርዎ ውድድር ወይ ቃልሲ ኸም ዚኸውን ገበርዎ።

ክርስትያናትን እቲ ውድድራትን

ሓደ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብዚ ውድድራት እዚ ዚርሕቑሉ ምኽንያት: ምስ ሃይማኖት እተተሓሓዘ ብምንባሩ እዩ። ከመይሲ: “ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧” (2 ቈረንቶስ 6:14, 16) ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ስፖርትኸ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

ኣብዚ ግዜና ዚግበር ስፖርት ንኽብሪ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ኸም ዘይግበር ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኡ ውድድራት ስፖርት ምስቲ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ ውድድራት ብዚመሳሰል መገዲ ልክዕ ከም ሃይማኖታዊ ውድድር ብርቱዕ ስምዒት ዚንጸባረቐሉዶ ኸይኰነ፧ ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ ቀረባ ዓመታት ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ገሊኣቶም ተወዳደርቲ ንጥዕናኦም ኰነ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዜበራትዕ መድሃኒት ወሲዶም እዮም።

ኣብ ክርስትያናት ኣካላዊ ብቕዓት እተወሰነ ኣገዳስነት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተፈተውቲ ዚገብረና እቲ “ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ” እተባህለ መንፈሳዊ ባህርያትና እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:3, 4) ኵሎም እቶም ኣብዚ ግዜና ኣብ ዚግበር ስፖርታዊ ውድድራት ዚሳተፉ ሰባት ሕሉፍ ናይ ውድድር መንፈስ ኣለዎም ማለትና እኳ እንተ ዘይኰነ ብዙሓት ግን ክቱር ናይ ውድድር መንፈስ ኣለዎም። ምስ ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት ምሕባር ነቲ ‘ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኸይንገብር: የግዳስ ብትሕትና’ ኽንመላለስ እተዋህበና ማዕዳ ንኽንስዕብ ይሕግዘና ድዩ፧ ወይስ “ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ” እዩ ዜስዕበልና፧—ፊልጲ 2:3፣ ገላትያ 5:19-21

መብዛሕትኡ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ኣካላዊ ምትንኻፍ ዚፈቅድ ስፖርት: ጐነጽ ንምጥቃም ዚዕድም እዩ። ዝዀነ ይኹን በዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ዚስሓብ ሰብ ነቲ ኣብ መዝሙር 11:5 ዚርከብ “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ዚብል ምኽሪ ኺዝክሮ ኣለዎ።

ምውስዋስ ኣካላት ግቡእ ቦታኡ ምስ ዚሕዝ: ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም” ኢሉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:7-10) ብዛዕባ እቲ ግሪኻውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ውድድራት ኪዛረብ ከሎ ግን ከም ርእስኻ ምግታእን ትዕግስትን ዝኣመሰለ ባህርያት ንክርስትያናት ክሳዕ ክንዳይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምብራህ ጥራይ እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ጳውሎስ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ኣምላኽ ዝህቦ “ኣኽሊል” ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረክብ እዩ ዚጽዕር ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 9:24-27፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:12) በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዓና ኣብነት ገደፈልና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይክ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ዓወት” ማለት እያ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓደ ተጓሳጢ ድሕሪ ምጕሳጡ

እዚ ብብሮንዞ እተሰርሐ ናይ ራብዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ምስሊ: ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ መኸተ ጕስጢ ዜውርዶ ዜስካሕክሕ ጕድኣት እዩ ዜርኢ። እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝቐረበ ምርኢት ዝነበረ ዝርዝር መግለጺ “ኣብ ኣድካሚ ቕልስ እተሳተፈ ተጓሳጣይ . . . ‘ጕድኣት ኣብ ክንዲ ጕድኣት’ ብምምላስ ዜርእዮ ተጻዋርነት ከም ሰናይ ኣብነት ጌርካ እዩ ዚነኣድ ነይሩ” ይብል። ብተወሳኺውን “ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ በሰላ ሓድሽ ስምብራት ተወሰኾ” ይብል።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ቅድድም ሰረገላ ኣብ ጥንታዊ ውድድራት ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ጥንታዎት ክኢላታት ስነ-ጥበብ ነታ ናይክ እትበሃል ክንፊ ዘለዋ ኣምላኽ ዓወት: ነቲ ተዓዋቲ ኣኽሊል ከም እትገብረሉ ገይሮም ይሓስብዋ ነበሩ