ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

• ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ስለ ዘይኰነ: ከመይ ጌርና ኢና ኸነጕህዮ እንኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ . . . ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 4:30) ገሊኣቶም ነዘን ቃላት እዚኣተን: መንፈስ ቅዱስ ኣካል ምዃኑ ኸም ዜመልክታ ገይሮም እዮም ዚወስድወን። ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ኣካል ማለት ምስቲ ልዑል ኣምላኽ ማዕረ ብምግባር ከም ክፍሊ ስላሴ ገይሮም ይወስድዎ ኸም ዘይነበሩ: ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ዘዳለዎ ጽሑፋት ይሕብር እዩ። a (ሉቃስ 12:42) ስለዚ: ጳውሎስ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይኰነን ዚዛረበሉ ነይሩ።

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ዘይርአ መስለጢ ሓይሉ እዩ። ልክዕ ከምቲ ዮሃንስ ብማይ ዜጠምቕ ዝነበረ: የሱስ ድማ “ብመንፈስ ቅዱስ” ኬጠምቕ ነበሮ። (ሉቃስ 3:16) ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. 120 ዚዀኑ ደቀ መዛሙርቲ “መንፈስ ቅዱስ መልኦም:” ብርግጽ ከኣ ብሓደ ኣካል ኣይኰኑን ተመሊኦም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:5, 8፣ 2:4, 33) እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ሰማያዊ ተስፋ እዮም ተቐቢሎም: መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብተኣማንነት ንኺመላለሱ መርሖም። (ሮሜ 8:14-17፣ 2 ቈረንቶስ 1:22) እቲ መንፈስ ከኣ ኣምላኽ ዚፈትዎ ፍረ ኸም ዚፈርዩ ገበሮም: ነቲ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚስእኑ ዚገብር ሓጥእ “ግብሪ ስጋ” ንኼወግዱ ድማ ሓገዞም።—ገላትያ 5:19-25

ምድራዊ ተስፋ ዘሎና ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንተደኣ ዄንና: ብመንፈስ ቅዱስ ኣይተቐባእናን። ይኹን እምበር: ማዕረ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም መንፈስ ኣምላኽ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ስለዚ: ንሕናውን ነቲ መንፈስ ከነጕህዮ ንኽእል ኢና። ብኸመይ ኢና ግን ከነጕህዮ እንኽእል፧

ነቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ዕሽሽ እንተ ኢልና: ደይ መደይ ኢልና ኣንጻር እቲ መንፈስ ንኽንሓጥእ ይድርኸና: ሞገስ ኣምላኽ ነጥፍእ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንጠፍእ። (ማቴዎስ 12:31, 32) ዋላ እኳ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ዘይፈጸምና: ውዒሉ ሓዲሩ ኣንጻር እቲ መንፈስ ናብ ዚወስደና ግጉይ ኣንፈት ክንጐዓዝ ንጅምር። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ንመንፈስ ቅዱስ ከነጕህዮ ንኽእል ኢና።

ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ንመንፈስ ኣምላኽ ከይነጕህዮ ክንጥንቀቕ እንኽእል፧ ንሓሳባትናን ተግባራትናን ክንቈጻጸሮ ኸም ዘሎና ዜተሓታትት ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ: ኣብ ምዕራፍ 4 ብዛዕባ ሓሶት: ብዛዕባ ነዊሕ ዚጸንሕ ኵራ: ብዛዕባ ትህኪት: ከምኡውን ብዛዕባ ሕማቕ ዘረባ ገለጸ። ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ድሕሪ ምልባስና: ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር እንተ ወዲቕና: እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፧ ኣንጻር እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዚርከብ ማዕዳ ኢና እንጐዓዝ ዘለና። ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ነጕህዮ።

ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 5 ነቲ ጳውሎስ ካብ ምንዝርን ካብ ዘይግባእ ዋዛን ብዛዕባ ምርሓቕ ዝሃቦ ማዕዳ ነንብብ። እቲ ሃዋርያ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ኻብ ዜሕፍር ተግባር ኪርሕቑ እውን ተማሕጺንዎም እዩ። ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከነጕህዮ እንተደኣ ዘይደሊና: መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ነዚ ኽንዝክሮ ኣሎና። እሞ ደኣ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብምዝራብ: ብምንባብ: ከምኡውን ብተለቪዥን ወይ ብኻልእ መገዲ ብምርኣይ ተገዳስነት እነሕድር ስለምንታይ ኢና፧

ልክዕ እዩ: ብኻልእ መገድታት እውን ነቲ መንፈስ ከነጕህዮ ንኽእል ኢና። መንፈስ የሆዋ ኣብ ጉባኤ ሓድነት እዩ ዜምጽእ። ንሕና ግን ኣብ ጉባኤ ንሓሚ ወይ ጕጅለ ንፈጥር ኣሎና እስከ ንበል። ከምዚ እንተ ጌርና: ኣንጻር እቲ ናብ ሓድነት ዚመርሓና መንፈስ ደይኰንናን እንዓዪ ዘሎና፧ ከምቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ምፍልላይ ዝፈጠሩ: ንመንፈስ ኣምላኽ ነጕህዮ ኣለና ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:10፣ 3:1-4, 16, 17) ነቶም ኣብ ጉባኤ ብመንፈስ እተሸሙ ሰብኡት ዘይነኽብሮም እንተደኣ ዄንና እውን: ነቲ መንፈስ ኢና እነጕህዮ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ይሁዳ 8

እምበኣር: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎን ካብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ዚዋሃብን መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተበጊስና: ንጠባይናን ተግባራትናን ምምርማሩ ጥበባዊ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ንኺጸልወና ብምፍቃድን ወትሩ ምስቲ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስን ‘ብመንፈስ ቅዱስ ንጸሊ።’ (ይሁዳ 20) ነቲ መንፈስ ንኸይነጕሂ: የግዳስ ንኽብሪ እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ብእኡ ንመራሕ።

የሱስ ክርስቶስ: ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱ: ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ከም ዚቐልል ኪገልጽ ከሎ: ብዛዕባ ቓል ብቓሉ ገመልን መርፍእን ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

እዘን ቃላት እዚኣተን ዚርከባሉ ሰለስቲኡ ጥቕስታት ሕደ ቓላት እዩ ሒዙ ዘሎ። ብመሰረት እቲ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ጸብጻብ: የሱስ “ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ: ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል” በለ።—ማቴዎስ 19:24፣ ማርቆስ 10:25፣ ሉቃስ 18:25

ገሊኡ መወከሲ ጽሑፍ ነታ “ዓይኒ መርፍእ” እትብል መግለጺ: ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓበይቲ ደገታት የሩሳሌም እትርከብ ንእሽቶ ማዕጾ ምዃና እዩ ዚገልጽ። ለይቲ እቲ ዓብዪ ማዕጾ ኺዕጾ ኸሎ: እታ ንእሽቶ ትኽፈት። ገመል ብእኣ ኽትኣቱ ኸም እትኽእል እዩ ዚእመን። የሱስ ነዚ ድዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ፧

ከምኡ ዘይምዃኑ ንጹር እዩ። የሱስ ብርግጽ ነዚ ንመስፈዪ እንጥቀመሉ መርፍእ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ብዓጽምን ብሓጺንን እተሰርሐ ጥንታዊ መራፍእ ኣብቲ ኸባቢ ስለ እተረኽበ: ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ልሙድ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ሉቃስ 18:25 ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ: ገመል ብዓይኒ መስፈዪ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” ስለ እትብል ነዚ ምጥርጣራት እዚ ተወግዶ እያ።

እተፈላለዩ ኣዳለውቲ መዝገበ-ቓላት ነቲ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም “መስፈዪ መርፍእ” ዚብል ኣተራጕማ ይሰማምዑሉ እዮም። እታ ኣብ ማቴዎስ 19:24ን ማርቆስ 10:25ን ‘መርፍእ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (ራፊስ) ካብታ “ምስፋይ” እትብል ግሲ እያ ወጺኣ። እታ ኣብ ሉቃስ 18:25 እትርከብ ናይ ግሪኽ ቃል (ቨሎኒ) ኸኣ ቃል ብቓሉ ነቲ ኣብ መጥባሕቲ ዜገልግል መርፍእ እያ እተመልክት ነይራ። ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዘርእስቱ ጽሑፍ ከምዚ በለ:- “እቲ ‘ዓይኒ መርፍእ’ ንንኣሽቱ መዓጹ እዩ ዜመልክት ዚብል ሓሳብ: ኣብዚ ግዜና እተፈጥረ እዩ፣ ጥንቲ ነዚ ዚድግፍ ሓሳብ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ ጐይታ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ነገር ንደቅሰብ ዘይከኣል ምዃኑ እዩ: ነታ መርፍእ ካብቲ ተራ እንጥቀመሉ መሳርሒ ወጻኢ ኸም ዝዀነት ብምምልካት ነቲ ነገር ከተፍኵሶ ግቡእ ኣይኰነን።”—1981: 3ይ ጥራዝ: ገጽ 106

ገሊኣቶም እታ ኣብዘን ጥቕስታት “ገመል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ “ገመድ” እያ ኽትከውን ዘለዋ ይብሉ። እተን ገመድ ከምኡውን ገመል ዚብላ ናይ ግሪኽ ቃላት ተመሳሰልቲ እየን። ይኹን እምበር: ኣብቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ ኢደ-ጽሑፍ ወንጌል ማቴዎስ (እቲ ናይ ሲና: ናይ ቫቲካን ቍ. 1209: ከምኡውን ናይ ኣለክሳንደርያ) ኣብ ምዕራፍ 19 ቍጽሪ 24 እታ “ገመል” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ደኣ እምበር: እታ “ገመድ” እትብል ኣይኰነትን ዘላ። ማቴዎስ መጀመርታ ነታ ወንጌሉ ብእብራይስጢ ኸም ዝጸሓፋን ድሕሪኡ ባዕሉ ናብ ግሪኽ ከም ዝተርጐማን እዩ ዚንገር። የሱስ እንታይ ከም ዝበለ ብትኽክል ይፈልጥ ብምንባሩ: ቅኑዕ ቃል እዩ ተጠቒሙ።

ስለዚ እምበኣር: የሱስ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ እቲ ንመስፈዪ ዜገልግል መርፍእን ብዛዕባ ናይ ሓቂ ገመልን እዩ ተዛሪቡ። እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንደይ ዘይከኣል ምዃኑ ንኼጕልሕ እዩ ነዚ ዚጥቀም ነይሩ። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን: የሱስ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ከምቲ ቃል ብቓሉ ሓደ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪሓልፍ ዘይክእል: ሃብታም ምስ ሃብቱ እንተ ለጊቡን ንየሆዋ ቐዳማይ ቦታ እንተ ዘይሂብዎን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ኸም ዘይክእል ብምግላጽ እተጋነነ መግለጺ እዩ ዚጥቀም ነይሩ።—ሉቃስ 13:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:17-19

የሱስ ነዚ ዘረባ እዚ እተዛረበ: ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ነቲ ሰዓቢ የሱስ ንምዃን ዝነበሮ ዓብዪ ኣጋጣሚ ምቕባል ምስ ኣበየ እዩ። (ሉቃስ 18:18-24) ንጥሪቱ ኻብ ንመንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ ዜፍቅር ሃብታም ውልቀ-ሰብ: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ትጽቢት ኪገብር የብሉን። እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም ሃብታማት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይኖም እዮም። (ማቴዎስ 27:57፣ ሉቃስ 19:2, 9) ስለዚ: መንፈሳዊ ነገር ከም ዜድልዮ ዚግንዘብን ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ዜናድን ሃብታም ሰብ: ካብ ኣምላኽ ድሕነት ኪረክብ ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 19:16-26

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ተወከስ።