ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነዊሕ ዕድመን ዜሐጕስ ህይወትን እትረኽበሉ መገዲ

ነዊሕ ዕድመን ዜሐጕስ ህይወትን እትረኽበሉ መገዲ

ነዊሕ ዕድመን ዜሐጕስ ህይወትን እትረኽበሉ መገዲ

ኵሉ ሰብ ነዊሕ ዕድመ ኸም ዚደሊ: ግን ከኣ ዋላ ሓደ ኺኣርግ ከም ዘይደሊ ሰባት ይዛረቡ እዮም። ብዙሓት ናብ ጡረታ ዝወጹሉ ዕድመ ኺቀራረቡ ኸለዉ: ነቲ ዝያዳ ግዜን ዝወሓደ ሓላፍነታትን ዚህልዎም እዋን ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። እንተዀነ ግን: ዕላማ ዀነ ዋጋ ዘይብሎም ከይኰኑ እውን ይፈርሁ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ከይግለሉ: ሓጐሶም ከየጥፍኡ: ከምኡውን ጥዕናኦም ከይበላሾ ይጭነቑ እዮም።

እሞ ደኣ መፍትሕ ዜሐጕስ ህይወት እንታይ እዩ፧ ጥዑያት ኣዕሩኽን ፈቃራት ኣባላት ስድራቤትን ንመንእሰያት ኰነ ንዓበይቲ ሓጐስ ንኺረኽቡ ይሕግዝዎም እዮም። እንተዀነ ግን: ካልኦት ንሓደ ኣረጋዊ ዚገብሩሉ ነገር እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ብዕደመ ዝደፍአ ንኻልኦት ኪገብሮ ዚኽእል ነገር እዩ ዝያዳ ዅሉ ዜገድስ።

ኣብ 423 ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ንነዊሕ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: “ኣብ ህይወት ካልኦት ኣበርክቶ ምግባር: ዕምርና ንኺነውሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።” እታ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ዝገበረት ስተፋኒ ብራውን: “እዚ ርኽበታት እዚ: ካብቲ ምስ ካልኦት ብዘሎና ርክብ እንረኽቦ ነገር ዘይኰነስ: እቲ እንህቦ ነገር ዝያዳ ጠቓሚ ምዃኑ እዩ ዚሕብር” ብምባል ገለጸት። እዚ ምሃብ ተባሂሉ ዘሎ: ንኻልኦት ኣብ ዕዮ ገዛኦም ምሕጋዝ: ውሉዳት ምክንኻን: ምልእኣኽ: ብመጐዓዝያ ንኻልኦት ምብጽጻሕ: ወይ ኪዛረበና ንዝደለየ ምስማዕ ዜጠቓልል እዩ።

ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር: የሱስ ክርስቶስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ሓደ ሰብ ነዊሕ ዕድመን ዜሐጕስ ህይወትን ንኺህልዎ: ኣብ ባንክ ብዙሕ ገንዘብ ኬቐምጥ ወይ ቀልጢፍካ ንኸይትኣርግ ዚግበር ሕክምናን ኣመጋግባን ኣይኰነን ዜድልዮ። ኣብ ክንድኡስ: ንጡፍ ኪኸውን ከምኡውን ግዜኡን ጕልበቱን ሓይሉን ንኻልኦት ኣብ ዚጠቅም መዓላ ኼውዕል ኣለዎ።

ይኹን እምበር: ካብ እርጋንን ሕማምን ሞትን ንምንጋፍ ንኻልኦት ካብ ምሃብ ንላዕሊ እዩ ዜድሊ። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነዚ ነገራት እዚ ኸተወግዶ እትኽእል። ኣብ ትሕቲ እዛ መንግስቲ: ሕማም ኣይኪህሉን እዩ: “ሞት [እውን እንተዀነ] ኣይኪኸውንን” እዩ። (ራእይ 21:3, 4፣ ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) እዙዛት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። (መዝሙር 37:11) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ነዊሕ ዕድመን ዜሐጕስ ህይወትን ንኽትረክብ ዜኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓበሬታ: ንኻልኦት ንኺህቡ ሕጉሳት እዮም።