ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ትኽእል ኢኻ

ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ትኽእል ኢኻ

ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ስምዒት ኣምላኽ ጽልዋ ኺህልወና ይኽእል ድዩ፧ ንምዃኑ ኣምላኽ ኪሕጐስ ይኽእል ድዩ፧ ገሊኣቶም ኣምላኽ ሓደ ሓይሊ ጥራይ ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። ሓደ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ኺሕጐስ ትጽቢት ክንገብረሉ ንኽእል ዲና፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚብሎ እሞ ርአ።

የሱስ ክርስቶስ: “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:24) መንፈስ ካብ ሰባት እተፈልየ ዓይነት ህይወት እዩ። መንፈስ ብዓይኒ ዘይርአ እኳ እንተዀነ: ኣካል ግን ኣለዎ: “መንፈሳዊ ስጋ” ድማ ተባሂሉ ይጽዋዕ። (1 ቈረንቶስ 15:44፣ ዮሃንስ 1:18) መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ ቓላት ገይሩ: ኣምላኽ ኣዒንቲ: ኣእዛን: ኣእዳው: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከም ዘለዎ ይዛረብ እዩ። a ስም እውን ኣለዎ፣ ስሙ ድማ የሆዋ እዩ። (መዝሙር 83:18 NW) እምበኣር: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣካል እዩ ዘለዎ። (እብራውያን 9:24) “ህያው ኣምላኽ: ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ።”—ኤርምያስ 10:10

የሆዋ ህያው ኣካል ብምዃኑ: ኪሓስብን ስጕምቲ ኺወስድን ይኽእል እዩ። ባህርያትን ስምዒታትን: ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዜሐጕሶ ወይ ዜጕህዮ ነገራት ብብዝሒ ተገሊጹ ንረክብ ኢና። እቶም ሰብ ዚሰርሖም ኣማልኽትን ጣኦታትን ንባህርያት እቶም መሃዝቶም ዚዀኑ ሰባት ኬንጸባርቑ ኸለዉ: እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ግን ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዘስረጾ ስምዒታት ዘመነጨ እዩ።—ዘፍጥረት 1:27፣ ኢሳይያስ 44:7-11

የሆዋ ብርግጽ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) በቲ ዝፈጠሮ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: ዕላማኡ ኺፍጽም ከሎውን ይሕጐስ እዩ። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ . . . እወ: ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ: ኣሚመ ኽገብሮውን እየ” በለ። (ኢሳይያስ 46:9-11) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 104:31) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ብኻልእ እውን ይሕጐስ እዩ። ነዚ ብዚምልከት “ወደየ: . . . ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” በለ። (ምሳሌ 27:11) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እወ: ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና!

ንልቢ የሆዋ ብኸመይ ከም እነሐጕሶ

እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኖህ ንልቢ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘሐጐሶ እስከ ንርአ። ኖህ “ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ:” ስለዚ ድማ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።” ከምቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ዘይኰነስ: ብእምነቱን ብተኣዛዝነቱን ንኣምላኽ ብዙሕ የሐጕሶ ብምንባሩ: “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ኪበሃል ከኣለ። (ዘፍጥረት 6:6, 8, 9, 22) “ኖህ . . . ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ።” (እብራውያን 11:7) የሆዋ ብኖህ ስለ እተሓጐሰ: ንዕኡን ንስድራቤቱን ካብቲ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ከቢድ ጥፍኣት ዘጋጠመሉ እዋን ኣድሓኖ።

እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም እውን ብዛዕባ ስምዒታት የሆዋ ይጥንቀቕ ነበረ። የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ብሰንኪ ብዕሉግ ተግባራተን ኬጥፍአን ምዃኑ ምስ ገለጸሉ: ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ፍልጠት ተራእዩ እዩ። ኣብርሃም ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ብምንባሩ: ነቲ ጻድቕ ምስቲ ረሲእ ፈጺሙ ኸም ዘይቀትል ደምደመ። (ዘፍጥረት 18:17-33) ዓመታት ጸኒሑ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ብምእዛዝ: “ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ:” “ንይስሃቅ ሰውኦ” ኪበሃል ይከኣል እዩ። (እብራውያን 11:17-19፣ ዘፍጥረት 22:1-18) ኣብርሃም ንስምዒታት ኣምላኽ ኣጸቢቑ ዚጥንቀቕ ብምንባሩ: ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ: ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ እዙዝ ብምንባሩ: “ፍቁር ኣምላኽ” ተባህለ።—ያእቆብ 2:23

ካልእ ንልቢ የሆዋ ኼሐጕስ ዚጽዕር ዝነበረ ሰብ ድማ እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት እዩ። የሆዋ ብዛዕባኡ “ዳዊት ወዲ እሴይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ዳዊት ነቲ ኣዝዩ ገዚፍ ዝነበረ ጎልያድ ኪገጥመሉ ቕድሚ ምኻዱ: ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር: ነቲ ናይ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሳኦል “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር: ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ” በሎ። ዳዊት ንጐልያድ ኪቐትሎ ብምኽኣሉ: የሆዋ ነቲ ዳዊት ኣብኡ ዝነበሮ ምትእምማን ባሪኹሉ እዩ። (1 ሳሙኤል 17:37, 45-54) ዳዊት ተግባሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ቃላት ኣፉን ሓሳባት ልቡን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሁግ ኪኸውን’ እዩ ዚደሊ ነይሩ።—መዝሙር 19:14

ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል፧ ንስምዒታት ኣምላኽ ብዝያዳ ብእተጠንቀቕና መጠን: ንልቢ ኣምላኽ ንኸነሐጕስ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ብዝያዳ ኢና እንፈልጥ። እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና: ‘በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ምእንቲ ኺመልኣና: ንእግዚኣብሄር ባህ እነብልን ንዑኡ ብቑዓት ኴንና እንመላለስን’ ምእንቲ ኽንከውን ብዛዕባ ስምዒታት ኣምላኽ ንኽንመሃር ክንጽዕር ኣሎና። (ቈሎሴ 1:9, 10) ፍልጠት ከኣ ብግዴኡ እምነትና ንኸነደልድል ይሕግዘና። ‘ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ኬስምርዎ ስለ ዘይከኣል’ ድማ እምነት ብዙሕ ኣገዳስነት እዩ ዘለዋ። (እብራውያን 6:11) እወ: ድልድልቲ እምነት ንኽትህልወና ብምጽዓርን ንህይወትና ምስ ፍቓድ የሆዋ ብምስምማዕን: ንልቡ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ኸኣ ንልቢ የሆዋ ኸይነጕህዮ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

ንኣምላኽ ኣይተጕህዮ

የሆዋ ብኸመይ ኪጕሂ ኸም ዚኽእል ኣብነት ካብ ዚዀነና ነገራት ሓደ: እቲ ብግዜ ኖህ ብዛዕባ እተፈጸመ ነገራት ዚገልጽ ጸብጻብ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: “ምድሪ . . . ብዓመጻ መልኤት። ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ: ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረአያ: እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት።” ኣምላኽ ነቲ ብዝሒ ዓመጻ ምስ ረኣየ ኸመይ ተሰምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: “እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ: ብልቡ ድማ ጐሀየ” ይብለና። (ዘፍጥረት 6:5, 6, 11, 12) ኣብዚ ኣምላኽ ተጣዒሱ ኺበሃል ከሎ: ተግባራት እቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ወለዶ እምብዛ ኸፊኡ ብምንባሩ: ብዛዕባኦም ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዝቐየረ እዩ ዜመልክት። በቲ ኽፍኣቶም ስለ ዝጐሃየ: ከም ፈጣሪኦም መጠን ዝነበሮ ኣረኣእያ ብምቕያር ደምሳሲኦም ኰነ።

የሆዋ እቶም ህዝቡ ዝነበሩ ጥንታዎት እስራኤላውያን ንስምዒታቱን ነቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚህቦም መምርሒኡን ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ምስ በልዎ እውን ጕህዩ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ: ኣብ ጽምዋውን ዜጕሀይዎ። ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ: ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ” ብምባል ሓዘኑ ገለጸ። “ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ: ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም: ኣየጥፍኦምን ከኣ: ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ: ንዅሉ ቝጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን።” (መዝሙር 78:38-41) እቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ብሰንኪ ሓጢኣቶም ዚግብኦም ስቓይ ምስ ወረዶም እኳ ኸይተረፈ: “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም [ኣምላኽ] ጸበቦ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።—ኢሳይያስ 63:9

ህዝቢ እስራኤል: ኣምላኽ ከም ዚሓልየሎም እኹል መርትዖ እኳ እንተ ነበሮም: “ቍጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ: ፈውሲውን ክሳዕ ዚስአን: ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ አላገጹሎም: ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ: ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።” (2 ዜና መዋእል 36:16) ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ተረርቲ ኽሳድ ‘ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ስለ ዘጕሃዩ:’ ሞገስ የሆዋ ሰኣኑ። (ኢሳይያስ 63:10) እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ኣምላኽ ዕቝባኡ ኻብኦም ኣልገሰ: ባቢሎናውያን ንይሁዳ ወሪሮም ንየሩሳሌም ምስ ደምሰስዋ ኸኣ ጥፍኣት ወረዶም። (2 ዜና መዋእል 36:17-21) ሰባት ንፈጣሪኦም ዜጕሂ ሓጢኣት ዝመልኦ ናብራ ምስ ዚስዕቡስ ክሳዕ ክንዳይ ዜሐዝን ኰን እዩ!

ኣምላኽ ብሓጥእ ተግባራት ኣመና ኸም ዚሳቐ ወይ ከም ዚቝጣዕ ንጹር ገይሩልና እዩ። (መዝሙር 78:41) ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ: አረ ኻብዚ ሓሊፉውን ዚጽየፎ ነገራት: ትዕቢት: ሓሶት: ቅትለት: ሽሕር: ጥንቈላ: ኣምልኾ ኣቦታት: ብዕልግና: ግብረ-ሶዶም: ንብዓልቲ ቓል ኪዳንካ ምጥላም: ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ: ከምኡውን ንድኻታት ምጭቋን እዩ።—ዘሌዋውያን 18:9-29፣ 19:29፣ ዘዳግም 18:9-12፣ ምሳሌ 6:16-19፣ ኤርምያስ 7:5-7፣ ሚልክያስ 2:14-16

የሆዋ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ከመይ ይስምዖ፧ ዘጸኣት 20:4, 5 “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ: ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ” ትብል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ጣኦት ‘ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ፍንፉን’ እዩ። (ዘዳግም 7:25, 26) ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ደቀየ: ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ዮሃንስ 5:21) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ፍቁራተየ: ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 10:14

ሞገስ ኣምላኽ ድለ

ኣምላኽ “ምስጢሩ . . . ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” “እቶም ብመገዶም ፍጹማት . . . የሐጕስዎ” እዮም። (ምሳሌ 3:32፣ 11:20) ብኣንጻሩ ግን: እቶም ብንቕጽና ነቲ ጽድቃዊ ስምዒታቱ ዕሽሽ ብምባል ወይ ብምንጻግ ዜጕህይዎ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ሳዕቤኑ ኺዓጽዱ እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:6-10) እወ: ኣብ ቀረባ ግዜ ነዚ ሰፊኑ ዘሎ ኽፍኣት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።—መዝሙር 37:9-11፣ ጸፎንያስ 2:2, 3

ግናኸ: የሆዋ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ገይርዎ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ነቶም ዜፍቅርዎ ጻድቃን ፍቕሩ ኺገልጸሎም ደኣ እምበር: ነቶም ዘይዕረዩ ጓሂኡ ኺገልጸሎም ኣይመርጽን እዩ። የሆዋ ‘ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብሎን’ እዩ።—ህዝቅኤል 33:11

ስለዚ: ዋላ ሓደ ሰብ ባዕሉ እንተ ዘይኰይኑ: ኣደዳ ቝጥዓ የሆዋ ኪኸውን ኣይግደድን እዩ። የሆዋ “ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ።” (ያእቆብ 5:11) ኣብ ስምዒታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን: ‘ንሱ ስለ ዚሓልየልካ: ንዅሉ ሓልዮትካ ኣብኡ ኸተውድቖ’ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 5:7) እቶም ንልቢ የሆዋ ዜሐጕሱ: ሞገሱ ናይ ምርካብን ኣዕሩኽቱ ናይ ምዃንን ዜደንቕ ተስፋ ኸም ዚህልዎም ኣይትጠራጠር። ስለዚ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ‘ንጐይታ ዜሐጕሶ ኽንምርምር’ ኣሎና።—ኤፌሶን 5:10

ኣምላኽ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ኣቢሉ ነቲ ግሩም ባህርያቱን ስምዒታቱን ምግላጹስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ! ንልቡ ኸተሐጕሶ ኸም እትኽእል ድማ ኣይትረስዕ። ከምዚ ኽትገብር ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ነተባብዓካ። ካብቲ ንኣምላኽ ንኼሐጕሱ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸለዉ ዝረኸብዎ ተመክሮ: ክትገብሮን ክትበጽሖን እትኽእል ነገራት ተሓጒሶም ኪሕብሩኻ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ “መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብሰብኣዊ መገዲ ገይሩ ዚገልጾ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብሰብኣዊ መገዲ ገይሩ ዚገልጾ ስለምንታይ እዩ፧

“ኣምላኽ መንፈስ” ስለ ዝዀነ: ብዓይንና ኽንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምስሳል: ውስጠዘኣዊ ኣዘራርባ ብምጥቃም: ከምኡውን ብሰብኣዊ መገዲ ገይሩ ብምግላጽ: ንሓይልን ዕቤትን ተግባራትን ኣምላኽ ከረድኣና ይጽዕር እዩ። እምበኣር: እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣካል ከመይ ከም ዚመስል እኳ እንተ ዘይፈለጥና: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንኣምላኽ ኣዒንቲ: ኣእዛን: ኣእዳው: ቀላጽም: ኣጻብዕ: ኣእጋር: ከምኡውን ልቢ ኸም ዘለዎ ገይሩ እዩ ዚዛረበሉ።—ዘፍጥረት 8:21፣ ዘጸኣት 3:20፣ 31:18፣ እዮብ 40:9፣ መዝሙር 18:9፣ 34:15

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣካል ምስቲ ናይ ሰባት ኣካላት ሓደ ዓይነት እዩ ማለት ኣይኰነን። ብሰብኣዊ መገዲ ጌርካ ምግላጹ ቓል ብቓሉ ኪውሰድ የብሉን። ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ምርዳእ ንኺህልዎም ጥራይ እዩ ዚሕግዝ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እንተ ዘይህሉ: ሰባት ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚወሃቦም መግለጺ ንኺርድእዎ መጸገሞም ወይውን ከቶ ኣይምተረድኦምን። ይኹን እምበር: ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ ብሰባት እተማህዘ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጥረ ደኣ እምበር: ኣምላኽ ብመልክዕ ሰብ ከም ዘይተፈጥረ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:27) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ጽሑፍ ስለ ዝጸሓፉ: እቲ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዝሃብዎ መግለጺ: ንሱ ባዕሉ ንባህርያቱ ዝገለጸሉ መገዲ እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ብእተፈላለየ ደረጃ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረቱ ኣስረጾ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እምበኣር: ሰብ ንኣምላኽ እተወሰነ ባህርያት ሂብዎ ዘይኰነስ: ኣምላኽ እዩ ንሰብ ባህርያቱ ኣስሪጹሉ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኖህ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ንስምዒታት ኣምላኽ ይጥንቀቕ ነበረ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ነበሮ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እተሐጕሶ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin