ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣረጋውያን ምሕላይ ሓላፍነት ክርስትያናት እዩ

ንኣረጋውያን ምሕላይ ሓላፍነት ክርስትያናት እዩ

ንኣረጋውያን ምሕላይ ሓላፍነት ክርስትያናት እዩ

“ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም . . . እየ።” —ኢሳይያስ 46:4

1, 2. እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚገብረልና ሓልዮት: ካብቲ ሰብኣውያን ወለድና ዚገብሩልና ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

 ውፉያት ወለዲ ንደቆም ብሕጻንነቶም ከለዉን ዓዂኾም ቈልዑ ምስ ኰኑን ምስ ኰተቱን ይከናኸንዎም እዮም። ንኣሽቱ ዝነበሩ ዓብዮም ናይ ርእሶም ስድራቤት ምስ መስረቱ እውን ከይተረፈ: ኣቦታትን ኣዴታትን ፍቕርን ደገፍን ካብ ምሃብ ኣየቋርጹን እዮም።

2 ሰባት ንደቆም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገር ደረት እኳ እንተለዎ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ግን ንእሙናት ኣገልገልቱ ወትሩ ፍቕሩን ደገፉን ኬርእዮም ይኽእል እዩ። የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሕሩያት ህዝቡ “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም . . . እየ” በሎም። (ኢሳይያስ 46:4) እዚ ቓላት እዝስ ንኣረጋውያን ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ኣይጥንጥኖምን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክሳዕ እርግናኦም ንኺከናኸኖምን ንኺድግፎምን ንኺመርሖምን ተመባጺዑ ኣሎ።—መዝሙር 48:14

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ነቲ የሆዋ ንኣረጋውያን ዚገብረሎም ሓልዮት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ (ኤፌሶን 5:1, 2) ውሉዳት: ክርስትያን ሽማግለታት: ከምኡውን ክርስትያን ውልቀ-ሰባት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ኣሕዋትና እንታይ ኪገብሩሎም ከም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።

ውሉዳት ዘለዎም ሓላፍነት

4. ክርስትያን ውሉዳት ንወለዶም እንታይ ኪገብሩ እዮም ሓላፍነት ዘለዎም፧

4 “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።” (ኤፌሶን 6:2፣ ዘጸኣት 20:12) ሃዋርያ ጳውሎስ በዛ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝጠቐሳ ሓጻር ግን ከኣ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዋ ጥቕሲ ገይሩ: ውሉዳት ንወለዶም እንታይ ኪገብሩሎም ከም ዚግባእ ኣዘኻኸሮም። እዘን ቃላት እዚኣተን ግን ንኣረጋውያን ምስ ምክንኻን ዚተሓሓዛ ብኸመይ እየን፧ ቅድሚ ክርስትና ኻብ ዝነበረ እዋን እንረኽቦ ልቢ ዚትንክፍ ኣብነት ነዚ መልሲ ይዀነና እዩ።

5. (ሀ) ዮሴፍ ነቦኡ ዝነበሮ ሓላፍነት ከም ዘይረስዐ ዜርኢ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንወለድና ኸነኽብር ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል: ኣብዚ መዳይ እዚኸ ዮሴፍ እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈ፧

5 ዮሴፍ ንልዕሊ 20 ዓመት ዚኸውን ምስቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦኡ ያእቆብ ኣይተራኸበን ነይሩ። ይኹን እምበር: እታ ውሉድ ነቦኡ ዜርእያ ፍቕሩ ኸም ዘይሃሰሰት ፍሉጥ እዩ። አረ: ነሕዋቱ ናይ ሓቂ መንነቱ ምስ ነገሮም እኳ: “ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ አሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ዘፍጥረት 43:7, 27፣ 45:3) ኣብቲ ግዜ እቲ: ምድሪ ከነኣን ብጥሜት ቃህሚማ ነበረት። ስለዚ: ዮሴፍ ነቦኡ “ናባይ ውረድ: ኣይትደንጒ። . . . ኣብ ቀረባይ ክትከውን: ኣብ ምድሪ ጎሼን ክትቅመጥ ኢኻ። . . . ኣብኡ ኽሐልየልካ እየ” ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸሉ። (ዘፍጥረት 45:9-11፣ 47:12) እወ: ንዝኣረጉ ወለዲ ምኽባር ኪበሃል ከሎ: ንርእሶም ኪኣልዩ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን ካብ ሓደጋ ኽትከላኸለሎምን ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ከተማልኣሎምን እውን ዜጠቓልል እዩ። (1 ሳሙኤል 22:1-4፣ ዮሃንስ 19:25-27) ዮሴፍ ነዚ ሓላፍነት እዚ ተሓጒሱ ተቐበሎ።

6. ዮሴፍ ነቦኡ ናይ ሓቂ ፍቕሩ ዝገለጸሉ ብኸመይ እዩ: ንሕናኸ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ዮሴፍ ብሓገዝ የሆዋ ሓደ ኻብቶም ኣብ ግብጺ ዝሃብተሙን ሓያል ጽልዋ ዘለዎምን ሰባት ኰይኑ ነበረ። (ዘፍጥረት 41:40) እንተዀነ ግን: ብዕቤቱ ወይ ብብዝሒ ስርሑ ተነይቱ: ነቲ ወዲ 130 ዓመት ኣቦኡ ኻብ ምኽባር ድሕር ኣይበለን። ያእቆብ (ወይ እስራኤል) ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ: “ሰረገላኡ ኣጽዒኑ: ነቦኡ እስራኤል ኪረክብ ናብ ጎሼን ደየበ። ምስ ተራእዮ ኸኣ: ኣብ ክሳዱ ወዲቑ: ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ጊዜ በኸየ።” (ዘፍጥረት 46:28, 29) እዚ ኣቀባብላ እዚ ኻብቲ ኣኽብሮትካ እትገልጸሉ ንቡር መገዲ ዝሓለፈ እዩ ነይሩ። ዮሴፍ ነቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦኡ ኣመና የፍቅሮ ነበረ: ፍቕሩ ንምግላጽ ድማ ኣይሓፈረን። ንሕናኸ ዝኣረጉ ወለዲ እንተልዮምና: ፍቕርና ብጋህዲ ንገልጸሎም ዲና፧

7. ያእቆብ ኣብ ከነኣን ኪቕበር ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧

7 ያእቆብ ንየሆዋ ዝነበሮ ተወፋይነት: ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ኣይተቐየረን። (እብራውያን 11:21) ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ስለ ዝነበሮ: ሬሳኡ ኣብ ከንኣን ኪቕበር ሓተተ። እዚ ብዙሕ ወጻእን ጻዕርን ዚሓትት እኳ እንተ ነበረ: ዮሴፍ ነቲ ኣቦኡ ዝሓተቶ ብምግባር ኣኽበሮ።—ዘፍጥረት 47:29-31፣ 50:7-14

8. (ሀ) ንዝኣረጉ ወለድና ንኽንከናኸኖም ዚድርኸና ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንዝኣረጉ ወለዱ ንኺከናኸን እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ኣብ ገጽ 17 ዚርከብ ሳጹን ተወከስ።)

8 ዮሴፍ ንኣቦኡ ንኺሓልየሉ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ነቲ ወላዲኡን መዕበዪኡን ዝነበሮ ፍቕርን ውሬታን ሓደ ኻብቲ ረቛሒታት እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ ንኼሐጕስ ሓያል ባህጊ ኸም ዝሓደሮ ግን ኣየጠራጥርን እዩ። ንሕናውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና። ጳውሎስ “ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ አለውዋ: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ: ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4) እወ: ንየሆዋ ዘለና ፍቕርን ኣኽብሮታዊ ፍርሃትን: ዜጋጥም ጸገማት ብዘየገድስ: ነቶም ዝኣረጉ ወለድና ንኽንከናኸኖም ይድርኸና። a

ሽማግለታት ብኸመይ ሓልዮቶም ከም ዜርእዩ

9. የሆዋ ንመጓሰኡ: እንተላይ ነቶም ኣረጋውያን ክርስትያናት ንኺጓስዩ ወይ ንኺምግቡ ዝመዘዘ ንመን እዩ፧

9 ያእቆብ ዕድመ ጸጊቡ ምስ ኣረገ ንየሆዋ “እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ” ብምባል ገለጾ። (ዘፍጥረት 48:15) ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንምድራውያን ኣገልገልቱ በቶም ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓለቓ ጓሶት” እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ዚዓዩ ክርስትያናት ተዓዘብቲ ወይ ሽማግለታት ኣቢሉ ይምግቦም ወይ ይጓስዮም እዩ።(1 ጴጥሮስ 5:2-4) ሽማግለታት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት እቲ መጓሰ ኺከናኸኑ ኸለዉ ብኸመይ እዮም ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ።

10. ንኣረጋውያን ክርስትያናት ብስጋዊ መዳይ ንምሕጋዝ እንታይ እዩ ተገይሩ፧ (ኣብ ገጽ 19 ዚርከብ ሳጹን ተወከስ።)

10 ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ምቛማ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቶም ሃዋርያት ነተን ድኻታት ክርስትያን መበለታት ኣብ “ምምቃል ምግቢ ዕለት” ንኺዓዩ “ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ” መዘዙ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6) ጸኒሑ ጳውሎስ ነቲ ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ: ኣብነታውያን ዝዀና ብዕድመ ዝደፍኣ መበለታት ምስተን ስጋዊ ሓገዝ ዚግበረለን ንኪቝጸራ መምርሒ ሃቦ። (1 ጢሞቴዎስ 5:3, 9, 10) ሎሚ ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ተዓዘብቲውን ብተመሳሳሊ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንኣረጋውያን ክርስትያናት ሓገዝ ንኺግበር ብፍታው ምድላዋት ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር: ንእሙናት ኣረጋውያን ምሕላይ ኪበሃል ከሎ: ካብዚ ንላዕሊ እውን ዘጠቓለለ እዩ።

11. የሱስ ብዛዕባ እታ ሒደት ወፈያ ዝገበረት ድኻ መበለት እንታይ እዩ ዝበለ፧

11 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ: ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ: “እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየ።” ሽዑ ሓደ ነገር ነቓልቦኡ ሰሓቦ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን [“ሳንቲም:” ትርጕም 1990]: ሓደ ቆድራንቴን ዚአክል: ኣውደቐት” ይብል። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ “እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ: እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሀበት” በሎም። (ማርቆስ 12:41-44) እታ መበለት ዝገበረቶ ወፈያ መጠኑ ሒደት እኳ እንተዀነ: እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ነቲ ብምሉእ ልባ ዝገበረቶ ወፈያ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ግን ይፈልጥ ነበረ። ዕድመ እታ መበለት ብዘየገድስ: የሱስ ነቲ ዝገበረቶ ዕሽሽ ኣይበሎን።

12. ሽማግለታት ነቲ ኣረጋውያን ክርስትያናት ዘበርከትዎ እጃም ሞሳኦም ኪገልጹ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ክርስትያን ተዓዘብቲውን ልክዕ ከም የሱስ ነቲ ኣረጋውያን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዚገብርዎ ነገራት ዕሽሽ ኣይብልዎን እዮም። ሽማግለታት ንኣረጋውያን ስለቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘበርከትዎ እጃም: ኣብ ኣኼባ ዚገብርዎ ተሳትፎ: ኣብታ ጉባኤ ዘለዎም ጽቡቕ ጽልዋ: ከምኡውን ስለቲ ጽንዓቶም ኪንእድዎም ይኽእሉ እዮም። ካብ ልቢ ዝመነጨ ምትብባዕ ንኣረጋውያን ካብቲ ቕዱስ ኣገልግሎቶም “ትምክሕቲ” ወይ ዜሐጕስ ነገር ንኺረኽቡ ኺሕግዞም እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ክርስትያናት ወይ ምስቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነበሩ ብምውድዳር ኣይጕህዩን።—ገላትያ 6:4

13. ሽማግለታት ካብ ክእለትን ተመክሮን ኣረጋውያን ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ሽማግለታት ነቲ ኣረጋውያን ክርስትያናት ኣብ ተመክሮኦምን ክእለቶምን ተመርኲሶም ዘበርክትዎ ኣገዳሲ እጃም ኣፍልጦ ኺህቡሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብነት ዚዀኑ ኣረጋውያን ኣብ መርኣያታት ወይ ቃለ-መጠይቓት ክትጥቀመሎም ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሽማግለ “ደቆም ኣብ ሓቂ ንዘዕበዩ ኣረጋዊ ሓው ወይ ኣረጋዊት ሓብቲ ቓለ-መጠይቕ ክገብር ከለኹ: እቶም ሰማዕቲ ብኣቓልቦ እዮም ዚሰምዑ” በለ። ኣብ ካልእ ጉባኤ ዚርከቡ ሽማግለታት ከኣ: ሓንቲ 71 ዓመት ዝዕድሜኣ ፓይነር ነስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ንኪዀኑ ኣብ ምሕጋዝ ዕውትቲ ኸም ዝዀነት ጸብጻብ ሂቦም እዮም። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ: ዕለታዊ ጥቕሲ ምንባብ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዘንበብዎ ምስትንታን ዝኣመሰለ “መሰረታዊ ነገራት” ንኺገብሩ እያ እተተባብዖም።

14. ሽማግለታት ሓንቲ ጉባኤ ንሓደ ኣረጋዊ ሽማግለ ብኸመይ እዮም ሞሳኦም ዘርኣይዎ፧

14 ሽማግለታት ነቲ ብዕድመ ዝደፍኡ መሸማግልቶም ዚገብርዎ ኣበርክቶ የማስዉሉ እዮም። ኣብ 70ታት ዕድሜኡ ዚርከብ ዦዜ ንሓያሎ ዓመታት ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ከቢድ መጥባሕቲ ገበረ። ድሕሪ እዚ መጥባሕቲ ንኽጥዒ ነዊሕ ግዜ ዝወስደሉ ብምዃኑ: ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ኻብ ምግልጋል ኬቋርጽ ሓሰበ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር ኪገልጽ ከሎ: “እቶም ካልኦት መሸማግልተይ እተሰምዖም ነገር ኣስደሚሙኒ እዩ። ነቲ ሓሳበይ ኣብ ክንዲ ዚቕበልዎ: ሓላፍነተይ ሒዘ ምእንቲ ክቕጽል እንታይ ሓገዝ ከም ዜድልየኒ ሓተቱኒ” በለ። ሓደ መንእሰይ ሽማግለ እናሓገዞ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይኑ ምግልጋል ቀጸለ: እዚ ኸኣ ነታ ጉባኤ በረኸት እዩ ኣምጺኡላ። ሓደ ምስኡ ዜገልግል ሽማግለ: “ኣሕዋት ነቲ ዦዜ ኸም ሽማግለ መጠን ዚዓዮ ዕዮ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። ተመክሮ ስለ ዘለዎን ብእምነቱ ኣብነት ስለ ዚዀኖምን የፍቅርዎን የኽብርዎን እዮም። ንጉባኤና የበልጽጋ እዩ” በለ።

ንሓድሕድና ምትሕልላይ

15. ኵሎም ክርስትያናት ንኣረጋውያን ኪሓልዩሎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ዘለዉዎም ውሉዳትን እተሸሙ ኣገልገልትን ጥራይ ኣይኰኑን ንኣረጋውያን ኪሓልዩሎም ዘለዎም። ጳውሎስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ኣካላት ሰብ ብምምስሳል: “እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር: ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ: ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሀበ: ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 12:24, 25) ክርስትያናዊት ጉባኤ ብስኒት ምእንቲ ኽትዓዪ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል ንክርስትያን ብጾቱ: እንተላይ ንኣረጋውያን ኪሓሊ ኣለዎ።—ገላትያ 6:2

16. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኣረጋውያን ተገዳስነት ከነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኣረጋውያን ተገዳስነት ንኸነርእዮም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። (ፊልጲ 2:4፣ እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ግዜ ወሲድና ምስ ኣረጋውያን ንዘራረብ ዲና፧ ብዛዕባ ጥዕናኦም ምሕታት ግቡእ እኳ እንተዀነ: ሃናጺ ተመክሮ ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ብምንጋርከ ‘መንፈሳዊ ውህበት ክንመቕሎም’ ንኽእልዶ፧ ገሊኣቶም ኣረጋውያን ብዙሕ ኪንቀሳቐሱ ስለ ዘይክእሉ: ኪመጹና ኣብ ክንዲ እንጽበ: ባዕልና ምስ እንኸዶም ሕያውነት እዩ። ናይ ምስማዕ ጸገም እንተደኣ ኣልይዎም: ቀስ ኢልናን ብንጹር እናኣድመጽናን ክንዛረብ ከድልየና እዩ። ‘ክንጸናናዕ’ እንተደኣ ዄንና ኸኣ: እቶም ኣረጋውያን ንዚብሉና ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ኣሎና።—ሮሜ 1:11, 12

17. ካብ ቤት ኪወጹ ንዘይክእሉ ኣረጋውያን ክርስትያናት ሓልዮትና ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ገሊኣቶም ኣረጋውያን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪመጹ እንተ ዘይከኣሉኸ፧ ያእቆብ 1:27 “ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ” ሓላፍነትና ምዃኑ ትገልጸልና። ኣረጋውያን ነቲ እንገብረሎም ምብጻሕ ብዙሕ እዮም ዜማስዉሉ። ብ65 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እቲ “ኣረጊት” ዝነበረ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ: ንበይኑ እዩ ዚነብር ነይሩ። ነቲ መዓይይቱ ጢሞቴዎስ ኪርእዮ ሃንቀው ይብል ብምንባሩ: “ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን” ኢሉ ጸሓፈሉ። (ፊልሞን 9፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:3, 4፣ 4:9) ኣረጋውያን ቃል ብቓሉ እሱራት እኳ እንተ ዘይኰኑ: ገሊኣቶም ግን ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ኻብ ቤት ኪወጹ ኣይክእሉን እዮም። ‘በጃኹም: ቀልጢፍኩም ንኽትበጽሑኒ ዚከኣለኩም ግበሩ’ ይብሉ ኸም ዘለዉ ኪቝጸሩ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ለመና ትምልሰሉዶ ኣለኻ፧

18. ንኣረጋውያን ምብጻሕ እንታይ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል፧

18 ንሓደ ኣረጋዊ ሓው ወይ ንሓንቲ ኣረጋዊት ሓብቲ ምብጻሕ ዘለዎ ጽቡቕ ጽልዋ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። ኦኔሲፎሮስ ዝስሙ ክርስትያን ኣብ ሮሜ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን: ንጳውሎስ ደለዮን ረኸቦን: ‘ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣፈሽሓወሉ።’ (2 ጢሞቴዎስ 1:16, 17) ሓንቲ ኣረጋዊት “ካባይ ብዕድመ ምስ ዚንእሱ ግዜ ምሕላፍ ባህ እዩ ዚብለኒ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝፈትዎ ኸኣ: ከም ኣባል ስድራቤቶም ገይሮም ዚርእዩኒ ብምዃኖም እዩ። ብዙሕ እዩ ዜተባብዓኒ” በለት። ካልእ ኣረጋዊት ክርስትያን ድማ “ካርድ ኪሰዱለይ: ንሒደት ደቓይቕ እውን ተሌፎን ደዊሎም ከዘራርቡኒ: ወይ ንሓጺር እዋን ኪበጽሑኒ ኸለዉ አማስወሉ እየ። ልክዕ ንጹህ ኣየር አስተንፍስ ከም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስመዓኒ” በለት።

የሆዋ ነቶም ዚሓልዩ ዓስቦም ይህቦም

19. ንኣረጋውያን ምሕላይ እንታይ በረኸት እዩ ዜምጽእ፧

19 ንኣረጋውያን ምሕላይ ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽእ። ምስ ኣረጋውያን ግዜ ምሕላፍ ኰነ ኻብ ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ምጥቃም ንገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ። እቶም ዚከናኸንዎም ካብ ምሃብ ዚመጽእ ዓብዪ ሓጐስ ይረኽቡ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነቶም ብምፍጻሞም ድማ ዕግበትን ውሽጣዊ ሰላምን ይስምዖም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቶም ንኣረጋውያን ዚሓልዩሎም: ዕድመ ምስ ደፍኡ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ኪርስዑ የብሎምን። ቃል ኣምላኽ “ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ: እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ” ብምባል የረጋግጸልና።—ምሳሌ 11:25

20, 21. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንኣረጋውያን ዚከናኸኑ ኸመይ እዩ ዚስምዖ: እንታይ ቈራጽነትከ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ውሉዳትን ሽማግለታትን ካልኦት ሓለይቲ ክርስትያናትን ንኣረጋውያን ብፍቕሪ ብምክንኻኖም: የሆዋ ዓስቦም ይህቦም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ምስቲ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ዚብል ምስላ ዚሰማማዕ እዩ። (ምሳሌ 19:17) ብፍቕሪ ተደሪኽና ንትሑታትን ንድኻታትን ሞገስ እንተደኣ ኣርኢናዮም: ኣምላኽ ነቲ እንገብረሎም ነገር ብበረኸት ዚፈድየና ልቓሕ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ነቶም ‘ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀኑ: ግን ከኣ ብእምነት ሃብታማት’ እተባህሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብጾትና: ፍቕራዊ ሓልዮትና ምስ እነርእዮም ዓስብና ኺፈድየና እዩ።—ያእቆብ 2:5

21 የሆዋ ኣብዚሑ እዩ ዓስብና ዚኸፍለና። እዚ ዓስቢ እዚ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜጠቓልል እዩ። መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም: ኣብኡ ድማ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ዜስዓቦ ሳዕቤናት ኪውገድ: እሙናት ኣረጋውያን ከኣ ናብ ንእስነቶም ኪምለሱ እዮም። (ራእይ 21:3-5) ነቲ በረኸት ዝመልኦ ግዜ እናተጸበና: ንኣረጋውያን ብምክንኻን ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ንፈጽም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንዝኣረጉ ወለዲ ብኸመይ ክትከናኸን ከም ዚግብኣካ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ናይ 8 ለካቲት 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-10 ተወከስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ውሉዳት ንወለዶም ኬኽብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ሽማግለታት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት እተን መጓሰ ሞሳኦም ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

• ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንኣረጋውያን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ንኼርእዮም እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

• ንኣረጋውያን ክርስትያናት ካብ ምክንኻን እንታይ በረኸት ኪርከብ ይከኣል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ወለዱ ሓገዝ ምስ ኣድለዮም

ብ1999 ፊሊፕ ኣቦኡ ኸቢድ ሕማም ከም ዝሓመመ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን: ወለንተኛ ናይ ህንጸት ሰራሕተኛ ዀይኑ ኣብ ላይበርያ የገልግል ነበረ። ኣዲኡ ነዚ ጸገም እዚ ንበይና ኽትጾሮ ኸም ዘይትኽእል ስለ እተገንዘበ: ነቦኡ ሕክምና ንኺረክብ ምእንቲ ኺሕግዞ ኢሉ ናብ ዓዱ ኺምለስ ወሰነ።

ፊሊፕ “ተመሊስካ ምኻድ ቀሊል ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ብቐዳምነት ንወለደይ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ተሰምዓኒ” በለ። ኣብ ዚቕጽል ሰለስተ ዓመት ነቦኡ ምእንቲ ኺጥዕሞ ኢሉ: ብሓገዝ እቶም ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ክርስትያናት ብጾቱ ንወለዱ ናብ ዝሓሸ ቤት ኣግዓዞም።

ኣደ ፊሊፕ ነቲ ኸቢድ ጸገማት ጥዕና ሰብኣያ ንኽትጾሮ ዝሓሸ ዀነላ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ፊሊፕ ኣብ ማሰዶንያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጸሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለንተኛ ዀይኑ ንኺዓዪ ዝቐረበሉ ጻውዒት ተቐበሎ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]

ዜድልያ ዘበለ ኣማሊኦሙላ እዮም

ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር 85 ዓመት ዝዕድሜኣ ኣዳ: ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ኻብ ቤት ክትወጽእ ዘይትኽእል ምስ ኰነት: ናይ ጉባኤኣ ሽማግለታት ንኺሕግዝዋ ምድላው ገበሩ። ክርስትያናት ብጾታ ንኺሕግዝዋ ምድላዋት ገበሩላ። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ተሓጒሶም ገዝኣ ኣጸራረዩላ: ሓጸቡላ: ከሸኑላ: ከምኡውን ተለኣኣኽዋ።

እዚ ምድላው እዚ ዓሰርተ ዓመት ይገብር እዩ ተጀሚሩ። ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 30 መሰኻኽር የሆዋ ነዛ ሰበይቲ ኣብ ምክንኻን ሓጊዞም እዮም። ብቐጻሊ ይበጽሕዋ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋት የንብቡላ: እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ እንታይ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ ኸም ዘለዉ ይነግርዋ: ኣዘውቲሮም ድማ ምስኣ ሓቢሮም ይጽልዩ።

ሓደ ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ሽማግለ “እቶም ንኣዳ ዚከናኸንዋ ኸም ዜሐጕስ ዕዮ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ብምግልጋላ ንብዙሓት ኣነቓቒሓቶም እያ: ስለዚ ዜድልያ ዘበለ ኸየማልኡ ኺተርፉ ዘይሕሰብ እዩ” በለ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ንኣረጋውያን ወለድና ፍቕርና ጽቡቕ ጌርና ንገልጸሎም ዲና፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ንኣረጋውያን ክርስትያናት ፍቕሮም ኪገልጹሎም ይኽእሉ እዮም